ኣመሪካን ኢራንን ካልኣይ ዙር መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን - ክሳዕ ሕጂ እንታይ ንፈልጥ?
ኣመሪካን ኢራንን ብለይቲ ካልእ ዙር መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን - ናብዚ ናይ ቀጥታ ፈነወ እተጸንበርኩም ተኸታተልትና፡ ዛጊት ንዘሎ ምዕባለታት ብኸምዚ ከነቕርበልኩም፤
- ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፣ ዶናልድ ትራምፕ እዚ “ከም ሕነ-ምፍዳይ ናይቲ ትማሊ ኢራን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ቦምባ” ምዃኑ ገሊጹ።
- ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣብዚ ሓድሽ ዙር መጥቃዕቲ ኣስታት 90 ኢራናውያን ዒላማታት ከም ዝሃረመን፣ እዚ ድማ “ኢራን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲን ንጹሃት ሲቪል ባሕረኛታትን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክተጥቅዕ ዘለዋ ዓቕሚ ብዝያዳ ንምድኻም” ዝተሃንደሰ ምዃኑ ገሊጹ።
- እቲ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምክያዱ ብሰዓታት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 'ኤር ፎርስ ዋን' ኰይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰበ-ስልጣን ኢራን “ቅድሚ ሓጺር እዋን” ከም ዝደወሉን ብሃንቀውታ ስምምዕ ንምግባር ከም ዝደለዩን ገሊጹ፤ እንተዀነ ንስምምዕ “ብቑዓት” እንተዀይኖም ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ኣፍሊጡ።
- ሓያሎ ሃገራት ወሽመጥ ካብኡ ንነጀው መጥቃዕትታት ከም ዘጋጠመን ሓቢረን፣ እዚ ድማ ኣብ ርእሰ-ከተማ ባሕሬን ማናማ ዝተሰምዐ ነትጒታት፣ ኵዌት ዘበርዓነቶ ሚሳይላትን ድሮናትን፣ ከምኡ’ውን ቐጠር ዝዘርግሓቶ ናይ ጸጥታ መጠንቀቕታ የጠቓልል።
- ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራንን ቀንዲ ተዛታዪን መሓመድ ባቕር ቃሊባፍ፡ ኣብ ኤክስ (X) ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ኣመሪካ “ጃንዳነትን መብጽዓ ምፍራስን ብዘይ ዋጋ ከም ዘይሓልፍ ገና ኣይተማህረትን” ኢሉ።
- እዚ ሓድሽ ዙር መጥቃዕትታት ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣመሪካ ሰሉስ ዕለት ኣብ ጸቢብ ባሕሪ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ ናይ ንግዲ መራኽብ ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከም ግብረ-መልሲ “ልዕሊ 80 ዒላማታት” ኣብ ልዕሊ ኢራን ከም ዝሃረመት ድሕሪ ምግላጻ እዩ።
- ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኔቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ትራምፕ ብዛዕባ ኵነታት ተዅሲ ደው ምባል ተሓቲቱ፡ “ንዓይ፡ ዘብቅዐ ይመስለኒ፡” ኢሉ። ንኢራናውያን እውን “ጐሓፍ” ከምኡ'ውን “ሕሙማት ሰባት” ብምባልገሊጹዎም።
- ምኒስተርጉዳያትወጻኢ ኢራን ግብረ-መልሲ ክህብ ከሎ፡ “ንጽያፍ ብጽያፍ ኣይንመልሶን ኢና፣ የግዳስ ብተግባር፡ ብዘይ ፍርሕን ብዓቢ ትብዓትን ኢና እንመልስ” ኢሉ።





















