ቀጥታ, ትራምፕ፡ ንመሓዛ ኣመሪካ ዝኾነት ዖማን፡ ምስ ኢራን ሓዊሱ ክድብድባ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ

ትራምፕ፡ መሓዛ ኣመሪካ ዝኾነት ዖማን ኣብ ጉዳይ ኢራን ተቓራኒ መርገፂ እንተሒዛ፡ ብ ቦምባታት ክድብድባ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቍጽጻር ኑክሌር ኣብ ኢራን መርመራታት ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኢራን ብወገና እዚ መርመራ ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።
  • ቬነዝወላ ኣብ ውሽጢ 39 ካልኢታት ጥራይ ብኽልተ ተኸታታሊን ሓያልን (7.2ን 7.5ን ሬክተር) ምንቅጥቃጥ-መሬት ተሃስያ።
  • ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ፈሪሶም፣ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ቍጽሪ ግዳያት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
  • ግዝያዊት ፕረዚደንት ዴልሲ ሮድሪገዝ 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጃ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ድማ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
  • እዚ ሓደጋ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ብሄራዊ በዓል ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቬነዝወላ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዝያዳ ዘጋድድ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትራምፕ፡ ንመሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዖማን ክድብድባ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ

    ትራምፕ ኣብ ጥቓ ነፋሪት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዖማን ተቓራኒ መርገፂ እንተደኣ ሒዛ፡ ብቦምባ ክድብድባ ምዃኑ ከምዘፈራረሐ ፎክስ ኒውስ ጸብጺቡ።

    ኣመሪካን ዖማንን፡ በብወገነን ምስ ቴህራን ብምዝርራብ፡ ነቲ ንዓለማዊ ቁጠባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንክኽፈት ክፅዕራ ጸኒሐን እየን።

    አዚ መስመር ማይ፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳረጋ ተዓፅዩ ይርከብ።

    ጋዜጠኛ ፎክስ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምኡ ዝበለ፡ ብሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኰይኑ፡ ፀርፊ ዝተሓውሶም ዘይእዱባት ቃላት ይጥቀም ነይሩ።

    ቅድም ክብል፡ ሰበስልጣን ኢራን ምስ ዖማን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከምዝቐረቡ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን፡ ን60 መዓልታት ዝፅንሕ መረዳዲኢ ሰነድ (MoU) ኣብ ዘብቅዓሉ ዘሎ እዋን፡ መጻኢ እቲ ግጭት ንጹር ኣይኮነን።

    መፃብቦ ሆርሙዝ- ኣስታት ሓሙሻይ ክፋል ናይ ዓለምና ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዝሓልፈሉ ማያዊ መስመር ዀይኑ፡ ቀንዲ ነጥቢ ዘተ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

    ዖማን፡ ብደቡባዊ ሸነኽ እቲ መጻብቦ ትርከብ ኰይና፡ ኣብዚ ግጭት ዘይሻራዊት ሃገር ምዃና እያ ትገልጽ።ይኹን እምበር፡ ካብ ኢራን ብርክት ዝበሉ መጥቃዕቲታት በፂሑዋ ኣሎ፤ ሕጂ ድማ ምስ ቴህራን ነቲ መስመር ማይ ዳግማይ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ልዝብ ቁልፊ ተራ ትጻወት ኣላ።

  2. ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ኣገዳሲ ፃውዒት

    ልኡኽ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ- ኦዞንያ ኦጀሎ

    ምንጪ ስእሊ, UN ETH/FB

    መግለጺ ስእሊ, ልኡኽ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ- ኦዞንያ ኦጀሎ

    ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ድምፂ ህዝቢ ክሰምዑን ፖለቲካዊ ኣፈላለዮም ብልዝብ ክፈትሑን ፀዊዑ።

    ልኡኽ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ- ኦዞንያ ኦጀሎ፡ ኣብዚ ወጥሪ ዝነገሰሉ እዋን እዩ ነዚ ፃወዒት ኣስሚዑ ዘሎ።

    ናብ ትግራይ ተጓዒዙ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ከምዝተዘራረበ ዝገለፀ ኦዞንያ ኦጀሎ፡ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከምዘይደሊ ከምዘስተውዓለ ተዛሪቡ።

    “ብዙሕ ዝበፅሐኒ መልእኽቲ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከምዘይደሊ እዩ” ዝበለ ዀይኑ፡ ድሌት ህዝቢ መሰረታዊ መነባብሮኡ ምምሕያሽን ከምኡ’ውን ህድኣት ክፍጠርን ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ፃውዒት ኦዞንያ ኦጀሎ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ተደጋጋሚ ግጭትን ኣብ ዝስተውዓለሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ከባብታት ራያ ኣላማጣ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትንሓደጋ ከምዘብፀሐ ይዝረብ።

    ከምኡ’ውን ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሸረሪና ኣብ ዝተብሃለ ኢትዮጵያ ብምዕራብ ትግራይ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ወተሃደራዊ ግጭት ተወሊዑ ምንባሩ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    ከምኡ’ውን ኣብ ከባብታት ቈቦን ካልኦት መወሰንቲ ከባቢታት ወተሃደራዊ ምቅርራብን ወጥርን ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ዝገልፁ ዀይኖም፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሙሉእ ኲናት ከየምርሑ ስግኣት ኣሎ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ገይሩ ዝመዘዞ ናይጀርያዊት ኦዞንያ ኦጀሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ድርድር ክምለሱ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

    እቲ ልኡኽ፡ ምስቲ ሎሚ ቕነ ዘሎ ወጥሪ ኣተሓሒዙ ፡ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝረአ ዘሎ ሕፅረት ዝናብን ከምፀኦ ዝኽእል ሳዕቤንን ኣመልኪቱ’ውን ተዛሪቡ።

    ኣብ ትግራይ፡ 148 ጣብያታት ዛጊድ “ሓንቲ ጥር ትብል ዝናብ ኣይረኸባን” ክብል ዝገለፀ እቲ ልኡኽ፡ እታ ሃገር ብሓፈሻ" ብፍላይ ድማ እታ ክልል ብሰንኪ ‘ኤል ኒኖ’ ዝተጋደደ ድርቂ፡ ጥሜት ከየስዕብ ሻቕሎት ከምዘሎ ገሊፁ።

    እቲ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ኣብቲ ክልል ዘሎ ወጥሪ ኣብ ህዝቢ ፍርሒ ይፈጥር ኣሎ" ክብል፡ ኣብቲ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሓቢሩ።

    "ህዝቢ ወጥሪ ክሃድእ፤ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ድማ ኣፈላላዮም ንምፍታሕ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ከፍ ኢሎም ክዝትዩ እዩ ዝደሊ። እዚ ድማ ድሌት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን እዩ"።

  3. ልኡኽ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሓማስን ነታንያሁን ተራኺቡ

    ኩሽነር ምስ ኣል-ሃያ ኣብ ዝገበሮ ርክብ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ- ማእከላይ ምብራቕ፡ ጃረድ ኩሽነር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ከምዝተራኸበ ናቱ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ኩሽነር ምስ ወከልቲ ሓማስ ድሕሪ ምዝርራብ እዩ ትማሊ ሰንበት ኣማስዩ ናብ እስራኤል ኣትዩ።

    ‘ባይቶ ሰላም ትራምፕ’ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቃዛ ንዝርከቡ ሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን ‘ዕጥቂ ንምፍታሕ’፡ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሑ፡ እስራኤል ነቲ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ነጺጋቶ።

    እቲ ውጥን ሰላም፡ ሰራዊት እስራኤል ካብቲ ከባቢ ለቒቑ ክወፅእን፡ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኰይና፡ ዳግማይ ክትህነፅ ይጽውዕ።

    ሸሞንተ እስላማውያን ሃገራት ምዕራብ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኣኦ መግለፂ፡ ንቅዋም እስራኤል ነፂገን ኣለዋ።

    ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ሰላም ንምስፋን ዝቖመ ባይቶ ሰላም ዝመርሕ ዀይኑ፡ እቲ ትካል ኣብ መላእ ዓለም ንዝፍጠሩ ግጭታት ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ ይንገር።

    ሓደ በዓል ስልጣን ፍልስጤም፡ ትማሊ ሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልኡኽ ትራምፕ ምስ ሓድሽ መራሒ ሓማስ ከሊል ኣል-ሃያ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ግብጺ ከምዝተራኸበ ሓቢሩ።

    ሓማስ ድሒሩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ እቶም መንጐኛታትን ባይቶ ሰላምን፡ እስራኤል ነቲ ዝቕፅል ከይዲ ዝመርሕ ፍኖተ-ካርታ ክትቅበሎ ‘ከገድዱ’ ጸዊዑ።

    ብዙሓት እስራኤላውያን እውን ሓማስ ዕጥቁ ንምፍታሕ ድልው ምዃኑ ይጠራጠሩ።

    ኩሽነር ምስ ኣል-ሃያ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቓዛ ስምምዕ ተኹሲ ምቁራጽ፡ ካብ ዝብጻሕ ንደሓር፡ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይግመት።

  4. ‘ኣብ ነፍሲ ወከፍ 30 ደቓይቕ ሓደ ሰብ ዝቐትል ዘሎ’ ለበዳ

    ሕክምናዊ መከላኸሊ ኢቦላ ዝተኸድነ በኣል ሞያ ሕክምና

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ምዃኑ ሰብ መዚ ጥዕና ይገልጹ።

    ኣብ ወርሒ ግንቦት ለበዳ ኢቦላ ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ብሰንኩ ብድምር 2,325 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

    እዚ ብዝሒ፡ ካብቲ ኣብ 2018-2020 ዘጋጠመ’ቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ዝሞቱ ጠቕላላ ቁጽሪ ዝዛይድ እዩ።

    ናህሪ ምስፍሕፋሕ እቲ ለበዳ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝቐልጠፈ ምዃኑ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌቸር ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ።

    "እቲ ለበዳ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 30 ደቓይቕ ሓደ ሰብ ይቐትል ኣሎ" ክብል ኣጠንቂቑ።

    ኢንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕና ኮንጎ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 4,945 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ኣረጋጊጹ። ካብ መንጐኦም፡ እቶም 101 ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ዝተለኸፉ እዮም።

    እቲ ቫይረስ ቀስ ብቐስ ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ወጻኢ’ውን ይዝርጋሕ ኣሎ።

    ጎረቤት ሃገር ኡጋንዳ፡ 20 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ከተራጋግፅ እንkላ፡ ጀርመን ድማ ን2 ዜጋታት ሕክምናዊ ድጋፍ ትገብር ከመዘላ ኣፍሊጣ።

    ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ሓደ ብቫይረስ ኢቦላ ከምዝተለኽፈ ተገሊጹ።

    ኣብ ኮንጎ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ግና ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ። እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም “ሓደገኛ” ክብል ዝገለጾ ዝርገሐ እቲ ለበዳ፡ ኣብ 26 ግዝኣታት እታ ሃገር ተራእዩ ኣሎ።

    እዚ ለበዳ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ 1000 ሰባት ንክቐትል ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝወሰደ ፀብፃብ ሮይተርስ የመልክት።

    እዚ ሕጂ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ለበዳ ግን፡ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ 2 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

    ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢቦላ ቅድሚ 50 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝረአ ንደሓር፡ እዚ ናይ ሕዚ ንመበል 17 ግዚኡ እዩ።

    ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን ልዑል ደረጃ ምንቅስቓስ ሰባትን፡ ነቲ ሕማም ንምግታእ ዝግበር ጻዕርታት ኣተሓላሉኹዎ ይርከብ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክግታእ ተስፋ እኳ እንተሃለዎ፡ እቲ ለበዳ ክዕገት ወይ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ከብቅዕ ማለት ከምዘይኮነ ገሊጹ።

    ኢቦላ ሳሕቲ ዝረአ ግን ከኣ ቀታሊ ሕማም እዩ።

    እቲ ሕጂ ዝረአ ዘሎ 'ቡንዲቡግዮ' ዝበሃል ዓይነት ቫይረስ ኢቦላ ኰይኑ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝፍለጡ ክልተ ዓይነታት ኣዝዩ ዝተፈለየን ሳሕቲ ዝረአን እዩ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዝዀነ ዓይነት ዝፀደቐ ክታበት የለን። ሓያሎ ትካላት ግን ክታበት ንምምዕባል ይፅዕራ ከምዘለዋ ይንገር።

  5. ኣብ ኮሎምቢያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 180 ሰባት ሞይቶም

    ኣባላት ህይወት ኣድህን ዝተደብዩ ሰባት እናኣውጽኡ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ኮሎምቢያ ብሰንኪ ዘጋጠመ 7.4 ዝዓቐኑ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ዛጊት 181 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ግን ክሳብ 240 ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግመት።

    ፕረዚደንት ኣቤላርዶ ደ ላ ኤስፕሪየላ ኣብታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ስጕምቲ ኣዊጁ ኣሎ።

    እቲ ሓደጋ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ካሊን ፐረይራን ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ኰይኑ፡ ኣስታት 2,600 ሰባት ቈሲሎም፡ ኣማኢት ድማ ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ።

    ልዕሊ 1,100 ኣባይቲ ምሉእ ብምሉእ ክዓንዉ ከለዉ፡ ኣብ ከተማ ካሊ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ብምፍራሳ ኣርባዕተ ቈልዑ ሞይቶም። ኣብ ከተማ ካሊ ዝርፊያ ንምክልኻል ሰዓትታት እቶ-ውጻእ ተኣዊጁ ኣሎ።

    ረድኤት ንምሃብን ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተቐብሩ ሰባት ንምውጻእን ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

    ማሕበረሰብ ዓለምን ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃገራትን ሓገዝ ንምሃብ ቃል ኣትየን ኣለዋ።

    ኣመሪካ ንዕማማት ረድኤት ዝኸውን 15.5 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

  6. ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኣሌክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝ፡ እንቋቝሖ ማህጸና ክዕቀብ ወሲና

    ኣሌክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣባል ባይቶ ኣመሪካ (ደሞክራት) ኣሌክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝ፡ ኣብ መጻኢ ምእንቲ ክትጥቀመሉ፡ እንቋቝሖ ማህጸና ብሕክምናዊ መንገዲ ኣብ በረድ ክtዕqቦ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ።

    እታ ጓል 36 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ነዚ ውልቃዊ ጕዕዞ ሕክምናኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከተካፍል ዝመረጸትሉ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ዝግበሩ ዘተታት ኣብ ሕብረተሰብ "ንቡር" ንምግባር ምዃኑ ትገልጽ።

    ኦካስዮ-ኮርተዝ፡ ነቲ መስርሕ ከተካፍል ከላ፡ ነቲ "ዝዓነወ" ክትብል ዝጸውዓቶ ስርዓት ሕክምና ኣመሪካ ኣትሪራ ነቒፋቶ። ብተወሳኺ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ንመሰል ስነ-ተዋልዶን መሰል ምንጻል ጥንስን ዕንቅፋት ይፈጥር ከም ዘሎ ኣተንቢሃ።

    ብዛዕባ ፖለቲካዊ ባህግታታ ተሓቲታ፡ ኣብ ናይ 2028 ፕረዚደንታዊ መረጻ ንምውድዳር ዘለዋ ተኽእሎ "ካብ ግምት ወጻኢ ከም ዘይገበረቶ" ገሊጻ።

    ይዅን’ምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኵሉ ኣተኵሮኣ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ፍርቂ-እብረ ጥራይ ከም ዝዀነ ኣፍሊጣ።

    ናብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ (ሰኔት) ክትድይብ ትኽእልዶ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ "ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ፡" ክትብል መሊሳ።

    ኣብ መረጻ ፍርቂ ዘመን ኣመሪካ፡ ኵሎም 435 መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝዝን ሲሶ ካብ መናብር ሰነትን ንውድድር ዝቐርቡ ኰይኖም፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ድማ ንቐጻሊ ፖለቲካዊ መልክዕ እታ ሃገር ዝውስን ክኸውን እዩ።

  7. ፔንታጎን፡ ኩባንያታት ኣፍረይቲ ኣጽዋር፡ ምህርተን ክውስኻ ይደፍእ ኣሎ

    ኣፅዋር ውግእ

    ምንጪ ስእሊ, AP

    ፔንታጎን፡ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ዕቑር ኣጽዋር ኣመሪካ ብምንካዩ፡ ንኩባንያታት ኣፍረይቲ ኣጽዋር እታ ሃገር፡ ምህርተን ንምዕባይ ይደፍእ ከምዘሎ ይግለጽ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ብቀዳም፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክፍሊ ምክልኻል “ተዋጋእትና ዘድልዮም ኣጽዋር በቲ እቲ ስግኣት ዝጠልቦ ናህሪ ንምፍራይ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ።

    እቲ ወሃቢ ቃል: እቲ ክፍሊ ምፍራይ ኣጽዋር፡ ምህርቱ የዐቢ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ እዚ ከይዲ ምዝማን ኣካል ናይቲ ቅድሚ ኲናት ኢራን ዝጀመረ ጻዕሪ ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ምክትል ጸሓፊ ምክልኻል ስቲቭ ፊንበርግ፡ ነተን ኩባንያታት “ምህርቲ ኣገደስቲ ኣፅዋራት ብቅልጡፍ ዘረጋግፅ” ውጥናት ንኸቕርባ ካብ 21 መዓልታት ዘይበዝሕ ግዜ ከም ዝሃበ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብተን ኩባንያታት ዝጸሓፎ ደብዳበ የመልክት።

    ኣብቲ ዋሽንግተን ፖስት ከም ዝተመልከቶ ዝተገልፀ ደብዳበ፡ ፊንበርግ፡ “ንሓደ ዓመት ዝወስድ ዑደት ምፍራይ ተቐባልነት የብሉን” ከም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ።

    "ሕጂ መደባትና ብዓቢኡ ከነቀላጥፎን ዓቕሚ ምፍራይና ክንውስኽን ኣለና" ይብል ፊንበርግ።

    እቲ ምክትል ጸሓፊ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈ፡ ብሰንኪ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኲናት ኢራን፡ ኣገደስቲ ስርዓታት ኣጽዋር ኣመሪካ ከምዘንቈልቈለ ዝገልፁ ፀብፃባት ምውፅኢም ስዒቡ’ዩ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ሓቅነት 'ዞም ፀብፃባት ብምንፃግ፡ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ኣፅዋራት ብፍጥነት ይፈርዩ ከምዘለዉን ኣብ መኽዝን እኹል ዕቝር መሳርሒታት ከምዘሎን ተዛሪቡ ነይሩ።

  8. ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ ገሊፆም

    መጻረዪ ነዳዲ ጃዛን- ስዑዲ ኣራምኮ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, መጻረዪ ነዳዲ ጃዛን- ስዑዲ ኣራምኮ መጥቃዕቲ ምስ በፅሖ

    እቶም ብኢራን ዝድገፉን፡ ኣብዝሓ ሰሜናውን ምዕራባውን የመን ተቘፃፂሮም ዝርከቡን ዕጡቓት ሑቲ፡ ሎሚ ዕለተ ሰንበት ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ጃዛን- ስዑዲ ኣራምኮ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።

    ሑቲ ነዚ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዘለዉ፡ ስዑዲ ዓረብ ምስ ቱርኪን ፓኪስታንን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ድሕሪ ምፍራማ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ጥራይ’ዩ።

    ሚኒስትሪ ጸዓት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ መጻረዪ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ከምዝተላዕለን፡ ኣብ ቍፅፅር ከምዝወዓለን ሓቢሩ።

    ጠንቂ እቲ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ግን ኣይነፀረን፤ እቲ ሓደጋ ዘብፀሖ ጉድኣትን ዝምልከት’ውን ዝበሎ የለን።

    እቲ መጻረዪ ነዳዲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ መዓልቲ 400 ሽሕ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ የፍሪ።

    ሑቲ ነቲ መጻረዪ ነዳዲ ንምጥቃዕ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተጠቕሙ ወሃቢ ቃል’ቲ ጉጅለ- ያህያ ሳረ፡ ኣብ ኤክስ ገጹ ኣስፊሩ ኣሎ።

    ኢራንን መሻርኽታ ጉጅለ ሑቲን፡ ካብ ምውላዕ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን መጥቃዕቲ ከካይዱ ፀኒሖም ኣለዉ፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ እውን ገደብ ኣንቢሮም ኣለዉ።

    ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣራምኮ ኣሚን ናስር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት እቲ ኩባንያ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ መሰወeርሕ ምፍራይ ከምዝተኣጓጐለን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ምፍራይ ከምዝምለስን ገሊፁ ነይሩ።

    ኩባንያ ኣራምኮ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መፃረዪ ነዳዲ ምዃኑ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    መጥቃዕቲ ኢራን፡ ሕፅረት ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳዲ ምፍጣሩ ስዒቡ፡ ብዓርቢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ቱርኪን ፓኪስታንን ወተሃደራዊ ምሕዝነት ፈሪማ ኣላ።

    ብመሰረት እቲ ሓበራዊ ስምምዕ፡ “ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ሃገራት ዝፍነው መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኩለን ከምዝተፈፀመ ክቑጸር’ዩ”።

    ወሲኹ ድማ፡ እዚ ውዕል ሓበራዊ-ምክልኻል-መካ፡ “ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምዕጋት ዓቕሚ ሓድሕዳዊ ምክልኻል ንምሕያል” ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

  9. ዖማን ዝርርብ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸት፡ ቴህራን ግን እቲ መጻብቦ ከምዘይኽፈት ኣፍሊጣ

    መፃብቦ ሆርሙዝ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዖማን ምስ ኢራን ኣብ ዙርያ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸት፡ ቴህራን ግን እቲ መጻብቦ ሽዑንሽዑ ክኽፈት ማለት ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ።

    ክልቲኤን ሃገራት ትማሊ ቀዳም ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ እኳ እንተገለጻ፡ መዓስ ኣብ ስምምዕ ከምዝብጻሕ ግን ኣይገለጻን።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዖማን፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ነቲ ዝርርብ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ብወገኑ፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኹ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ዳግማይ ምኽፋት እቲ መጻብቦ ግን "ኣብ ካልእ ቅድመ-ኵነት ዝተመርኮሰ" ምዃኑ ተዛሪቡ።

    እቶም ቅድመ-ኩነታት እንታይ ምዃኖም ሓጺር መብርሂ ጥራይ እዩ ሂቡ።

    ኣራጋቺ፡ ኣመሪካ ነቲ ናይ ሰነ ስምምዕ ብምጥሓሳ ካሕሳ ክትከፍል ኣለዋ ኢሉ።

    ኢራን፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፅማላ ንደሓር፡ እቲ ሓደ ኢድ ናይ ሓሙሽተ ነዳዲ ዓለም ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ዓጽያቶ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መንጎ ዖማንን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፡ እቲ መጻብቦ ሓድሽ መስመር ንመራኽብ ኣብ ምኽፋት ዘተኮረ እዩ።

    ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ እዚ ወሳኒ መስመር ማይ ብፅሒት ዘለወን ኮይነን፡ መራኽብ ብናጽነት ንክንቀሳቐሳ ስምምዕ ክግበር ትጽቢት ይግበር።

  10. ሩስያ ኣብ መደበር ባቡር ካርኪቭ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓዳሪ ዞባ ገሊጹ

    ሩስያ ኣብ ዞባ ካርኪቭ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ገለ ካብቶም ዝተጎድኡ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከምዘለው ገሊጹ።

    ሩስያ ኣብ ካርኪቭ ባላክሊያ ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ’ውን ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

    ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ኣባይትን ብሩስያ ዓንዮም ኣለዉ።

    ዩክረይን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ሩስያ እትገብሮ መጥቃዕቲ’ውን ኣዕብያቶ ትርከብ። ክልቲኦም ወገናት ኮነ ኢሎም ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዝገበሩ ይነጽጉ።

    ሩስያ ኣብ መደበር ባቡር ካርኪቭ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓዳሪ ዞባ ገሊጹ

    ምንጪ ስእሊ, State Emergency Service Of Ukraine

  11. ዩክረይን ኣብ ሩስያ ክልተ መጻረዪ ነዳዲ ከምዝሃረመት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ገሊጹ

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሃገሩ ኣብ ያሮስላቭል ዝርከብ መጻረዪ ስላቭነፍት-ያኖስን ኣብ ባሽኮርቶስታን ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ከምዝሃረሙ ገሊጹ።

    ኣቐዲሙ ድሕሪ መጥቃዕቲ ድሮናት ዩክረይን ካብ ኣንፈት መጻረዪ ነዳዲ ያሮስላቭል ጸሊም ትኪ ክወጽእ ተራእዩ።

    ኣመሓዳሪ ያሮስላቭል ሚካኤል ኤቭራየቭ፡ እተን ነቲ ዞባ ዘጥቅዓ ድሮናት ዩክረይን ከምዝዓነዋ፡ ዝወደቐ ዝተፈናጨለ ኣካላተን ግን ሰለስተ ኣባይቲ ከምዝዕነወ ኣመልኪቱ።

    ዘለንስኪ፡ ሓይልታቱ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ክልተ ወተሃደራዊ ጀላቡ ሩስያ ከም ዝሃረሙ’ውን ተዛሪቡ።

    ዩክረይን ኣብ ሩስያ ክልተ መጻረዪ ነዳዲ ከምዝሃረመት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ገሊጹ

    ምንጪ ስእሊ, Telegram

  12. ኤንዲ በርናም ብዛዕባ ጉዳይ ኤፕስተይን ህዝባዊ መርመራ ንምክያድ ይርኢ ኣሎ

    ምኒስተር ግዳያት ኣሌክስ ዴቪስ-ጆንስ
    መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ግዳያት ኣሌክስ ዴቪስ-ጆንስ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኤንዲ በርናም፡ ብዛዕባ እቲ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተፈርደ ጀፍሪ ኤፕስተይን ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሮ ንጥፈታት ዝምልከት ህዝባዊ መርመራ ንምክያድ "እናተመልከተ" ምዃኑ ምኒስተር ግዳያት ኣሌክስ ዴቪስ-ጆንስ ገሊጻ።

    ንሳ ከም ዝበለቶ፡ በርናም ምስ ግዳያት ኤፕስተይን ንምርኻብ ተሰማሚዑ ኣሎ፤ እቲ መርመራ ድማ ነቲ ብተመሳሳሊ ዝኽሰስ ዘሎ መሓመድ ኣል ፋየድ’ውን ክሓቍፍ ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢራ።

    እቲ መርመራ፡ ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ብዘይ ተሓታትነት ክንቀሳቐሱ ከም ዝኸኣሉ ንምጽራይ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኤፕስተይን ብሕታዊት ነፋሪቱ ተጠቂሙ ብኸመይ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ብሪጣንያ ይኣቱን ይወጽእን ከም ዝነበረ ትኵረት ክወሃቦ እዩ።

    ዴቪስ-ጆንስ ከም ዝበለቶ፡ በርናም ኵሉ ዘድሊ ሓበሬታ ረኺቡ ስለ ዘሎ፡ ኣብቲ ስርዓት መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ስጕምቲ ክወስድ እዩ።

    ሓንቲ ካብተን ግዳያት ብወገና፡ ካብ ኣርእስተ-ዜናታት ንላዕሊ ግብራዊ ስራሕ ከም እትጽበ ገሊጻ።

  13. ናይ ስፔስ-ኤክስ ሮኬት ኣብ ገጽ ወርሒ ሎሚ ክትሕምሸሽ እያ

    ናይ ስፔስ-ኤክስ ሮኬት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሓደ 4,000 ኪሎ-ግራም ዝምዘን ክፋል ናይ ስፔስ-ኤክስ ሮኬት፡ ሎሚ ኣብ ገጽ ወርሒ ክሕምሸሽ ትጽቢት ይግበር።

    እዚ ‘ፋልኮን 9’ ዝተሰምየ ሮኬት፡ ኣብ ሰዓት 07:35 ብግዜ ዓዲ እንግሊዝ (BST)፡ ብናህሪ 8,700 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት ምስ ወርሒ ክጋጮ እዩ።

    እዚ ብግምት ዕብየቱ ክንዲ ሓሙሽተ ደርቢ ህንጻ ዝኸውን ክፋል ሮኬት፡ ኣብ ጥሪ 2025 ንኽልተ ኣብ ገጽ ወርሒ ዝዓልባ መንኰርኰራትን ስነ-ፍልጠታዊ መሳርሒታትን ንምጽዓን ካብ ፍሎሪዳ ዝተወንጨፈ እዩ።

    ድሕሪ እቲ ልኡኽ፡ እቲ ላዕለዋይ ክፋል ሮኬት ኣብ ጠፈር እናኣንሳፈፈ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰንኪ ስሕበት መሬትን ጸሓይን መስመሩ ቀዪሩ ናብ ወርሒ ገጹ የምርሕ ኣሎ።

    ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ)፡ እዚ ግጭት ንመሬት ዝዀነ ስግኣት ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ።

    ወሃቢ-ቓል እቲ ትካል ጂሚ ራሰል፡ እቲ ኵነታት ንስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ክጥቀምሉ ምዃኖም ሓቢሩ።

    እቲ ግጭት ኣብቲ "ኤይንስታይን ክሬተር" ዝበሃል ከባቢ ወርሒ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ብዓይኒ ጥራይ ክርአ ኣይክእልን። ይዅን’ምበር፡ ሓያል መነጽር ጠፈር (ተለስኮፕ) ብምጥቃም፡ ካብ ገጽ ወርሒ ዝወጽእ ብልጭታ ሓዊ ክርአ ይከኣል እዩ።

    ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠጥ ነዚ ፍጻመ ከም ሓደ ኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ፈተነ ገይሮም ይርእዩዎ ኣለዉ።

    ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝለዓል ሓመድን ዝፍጠር ጕድጓድን ብምጽናዕ፡ ብዛዕባ ኣቃውማ ወርሒን ምስሊ ስርዓተ-ፕላነታትን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ስነ-ከዋክብቲ ዘጽንዕ ዶክተር ማት ቦዝወል፡ እዚ ፍጻመ ንመሬት ስግኣት ከም ዘይብሉ ገሊጹ፤ "ሓደ ዓቢ ነገር ምስ ወርሒ ክጋጮ ከሎ እንዕዘበሉ ምርኢት እዩ፡" ክብል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

    መንኰርኰር ጠፈር ናሳን ደቡብ ኮርያን ነቲ ግጭት ስዒቡ ዝፍጠር ፍጻመታት ክከታተላኦ እየን።

    መንኰርኰር ጠፈር

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

  14. ኣብ ጥቓ ሜዳ ጎልፍ ትራምፕ፡ ሓደ ዕጡቕ ሰብ ተታሒዙ

    ሜዳ ጎልፍ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ካሊፎርኒያ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ናይ ባዕሉ ሜዳ ጎልፍ ንዝካየድ ገንዘብ ናይ ምእካብ መደብ ቅድሚ ምብጻሑ፡ ሓደ ዝዓጠቐ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።

    እቲ ዣኒን ጆን ታአለ ዝተሰምየ ወዲ 38 ዓመት ሰብኣይ፡ ሽጉጥን ኣብቲ ክፍለ-ግዝኣት ዝተኸልከለ ዓይነት ጠያይትን ሒዙ ተረኺቡ።

    ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ሜዳ እናተዘዋወረ ኣሳእል ክወስድ፡ ቪድዮታት ክቐድሕን ምድላዋት ጸጥታ ክከታተልን ድሕሪ ምርኣዩ እዩ ተታሒዙ።

    ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ገዛ እቲ ጥርጡር ብዝገበሩዎ ተፍትሽ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተቐየረ ጠመንጃ፡ ናይ መከላኸሊ ድርዒ ከምኡ’ውን "ዘሻቕሉ ሓሳባት" ዝሰፈሮም ደብተራት ረኺቦም ኣለዉ።

    ፖሊስ ዛጊት ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዝተረጋገጸ ስግኣት ከም ዘየሎ እኳ እንተ ገለጸ፡ ምስ ኣገልግሎት ስለያ ኣመሪካ ብምትሕብባር ግን ጽዑቕ መርመራ የካይድ ኣሎ።

    እዚ ፍጻመ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ሰለስተ ፈተነታት ቅትለት ድሕሪ ምድሓኑን ኣብ ኣመሪካ ንዳግማይ መረጻ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ እናሓየለ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋንን እዩ ኣጋጢሙ።

  15. ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ሓንቲ ናይ ህንዲ መርከብ ብተተኳሲ ተሃሪማ ጥሒላ

    መራኽብ ኣብ ጋማግም ባሕሪ የመን ይርኣያ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፡ ሓንቲ ባንዴራ ህንዲ ዘምበልበለት ንግዳዊት መርከብ፡ ብተተኳሲ ድሕሪ ምውቃዓ ከም ዝጠሓለት ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም።

    እታ ‘ኤም.ኤስ.ቪ ፋይዝ ኑረ ኦልያ’ ዝተሰምየት መርከብ ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 14 ሰባት (13 ህንዳውያን) ብሰላም ከም ዝደሓኑ፡ ምኒስተር መጓዓዝያ ባሕሪ ህንዲ ሳርባናንዳ ሶኖዋል ገሊጹ።

    እቲ ምኒስተር ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ ድሕነት ሰራሕተኛታት ባሕሪ ንምውሓስ ኣድላዪ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ኣፍሊጡ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ኰይኑ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሓለወ ናጽነት ምንቅስቃስ ባሕርን ንግዳዊ ንጥፈታትን ብህጹጽ ክምለስ ጸዊዑ።

    እቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝድግፎን ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎን መንግስቲ የመን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈንጂ ዝተጻዕነት ንእሽቶ ጃልባ ተጠቒሞም ዝፈጸሙዎ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲታት ምዃኖም ከሲሱ። ዕጡቓት ሑቲ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝሃቡዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።

    እዚ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኢራን ነቲ ሓደ ካብቶም ዝበዝሐ ምንቅስቓስ ነዳዲ ዝካየደሎም ስትራተጅያዊ መስመር ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ንግዳውያን መራኽብ ንቐይሕ ባሕሪ ከም ኣማራጺ ክጥቀማሉ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባን ዋጋ ነዳዲን ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

    ኣመሪካን ኢራንን ነቲ መጻብቦ ንምኽፋትን ወተሃደራዊ ግጭት ንምግታእን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ስምምዕ እኳ እንተ ገበራ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ብሰንኪ ዝቐጸለ መጥቃዕቲታት እቲ ውዕል ምፍራሱ ኣዊጁ ነይሩ።

    ይዅን’ምበር፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ነቲ መጻብቦ ንምኽፋት ዝዓለመ ዘተ ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት የርኢ ከም ዘሎ ይገልጹ ኣለዉ።

    ኢራን ብወገና ምስ ኣመሪካ ትገብሮ ዘተ ከም ዘየሎ ብምግላጽ፡ ምስ ዖማን ትዘራረብ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

  16. መጻኢ ኢንፋንቲኖ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ኤውሮጳውያን ክሲ ክምስርቱ ይዳለዉ

    ኢንፋንቲኖ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ ካብ ስልጣኑ እንተ ዘይወሪዱ፡ ምስቲ ትካል ዘሎ "ምትሕብባር ከነቋርጽ ኢና" ዝብል መጠንቀቕታ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ቀሪብሉ።

    እዚ ወጥሪ’ዚ ዝተላዕለ፡ ኢንፋንቲኖ ንገለ ብርኪ ውድድራት ፊፋ ናብ ግላውያን ኣውፈርቲ ንምሻጥ ዘውጽኦ መደብ ምስ ፈሸለ እዩ።

    ገለ ካብቶም ተቓወምቱ፡ ኢንፋንቲኖ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ "ንድሕሪት ምምላስ የሎን" ብምባል፡ ኣብ ኣኼባታት ፊፋ ንዘይምስታፍ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

    ዌልስ ንኢንፋንቲኖ ንራብዓይ እዋን ንምምራጽ ዝነበራ ደገፍ ዝሰረዘት ኰይና፡ ዓዲ እንግሊዝን ስኮትላንድን’ውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዳ ትጽቢት ይግበር።

    ኢንፋንቲኖ ነቲ መደብ ንዝደገፋ ሃገራት 40 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ቃል ኣትዩ ነይሩ።

    ዩኤፋ ብወገኑ፡ እቲ መደብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕጋዊ ክሲ ንምምስራት ይዳሎ ኣሎ።

    ምክትል ፕረዚደንት ዩኤፋ ላውራ ማክኣሊስተር፡ እቲ መስርሕ "ዘሕፍር" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ክመጽእ ተስፋ ከም እትገብር ገሊጻ።

    ኢንፋንቲኖ ኣብ መጋቢት ንዝካየድ ምርጫ ንምዕዋት ካብ 211 ኣባላት እቲ ትካል 106 ድምጺ የድልዮ።

    ይዅን’ምበር፡ ቤት ምኽሪ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ ካብ ስልጣኑ ክስርዞ ዝኽእለሉ ዕድል ኣሎ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ሞሮኮ፡ ቐጠር፡ ሊባኖስን ካልኦት ሃገራትን ደገፍ እኳ እንተ’ለዎ ፡ ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝቐርበሉ ዘሎ ተቓውሞ ግና ይሕይል ኣሎ።

    እዚ ኵነታት’ዚ ንዓለምለኻዊ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ከቢድ ምክፍፋል ኣውዲቕዎ ይርከብ።

  17. ድምጻዊት ኣርያና ግራንደ ንምንታይ ካብ ስነ-ጥበባዊ ንጥፈታት ክትርሕቕ ወሲና?

    ኣርያና ግራንደ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እታ ፍልጥቲ ኣመሪካዊት ድምጻዊት ኣርያና ግራንደ፡ ካብ ዓይኒ ህዝብን መድረኽን ንግዜኡ ክትርሕቕ ዝወሰነትሉ ውሳነ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ተሓሲብሉ ዝጸንሐ እምበር "ብሃንደበት ወይ ብስምዒት" ዝተወስደ ስጕምቲ ከም ዘይኰነ ገሊጻ።

    ኣርያና ኣብ ከተማ ቺካጎ ኣብ ዘካየደቶ ኮንሰርት ንደገፍታ ከም ዝገለጸቶ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ዕረፍቲ ስለ ዘድልዮን ንውልቃዊ ህይወቱ ደረት ክገብር ስለ ዝግባእን እቲ ውሳነ ካብ ርእሰ-ተኣማንነት ዝመጸ ምዃኑ ኣረዲኣ።

    ወኪል እታ ድምጻዊት ብወገኑ፡ ኣርያና ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ቀጻሊ ህዝባዊ ምክትታልን ትዕዝብትን "ዝግብኣ ዕረፍቲ" ክትወስድ ምዃና ኣረጋጊጹ።

    እዚ ሕጂ ተካይዶ ዘላ "Eternal Sunshine Tour" ዝተሰምየ ጕዕዞ ምርኢታታ፡ ሓደ ካብቲ "ዝበለጸን ሕውየት ዝፈጥርን" ተመኵሮ ህይወታ ምዃኑ ዝገለጸት ኣርያና፡ ዝዀነ ይዅን ወረ ንሓቂ ክቕይሮ ከም ዘይክእል ኣገንዚባ።

    እቲ ምርኢታት ንመወዳእታ እዋን ኣብ ለንደን ብምኻድ ብ1 መስከረም ክዛዘም እዩ።

    ብሰንኪ እዚ ናይ ዕረፍቲ ውሳነ፡ ኣርያና ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ለንደን ክካየድ ኣብ ዝነበሮ "Sunday in the Park with George" ዝተሰምየ መድረኽ ኣይክትሳተፍን እያ።

    ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ዝተራእየ ለውጢ ኣካላዊ ትርኢታን ጥዕናኣን ደገፍታ ስክፍታኦም ክገልጹ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ድሕሪ እዚ ውሳነ’ዚ ድማ ሓያሎ ደገፍታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ደገፎም ይገልጹላ ኣለዉ።

  18. ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪቲ ኣብ ሰኡታ ዘጋጠመ ዋሕዚ ስደተኛታት ሓባራዊ ሓለዋ ዶባት ክሕይል ጸዊዑ

    ካብ ሞሮኮ ናብ ስጳኛ ዝወሓዙ ስደተኛታት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ላየን፡ ካብ ሞሮኮ ናብታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ስጳኛ እትርከብ ሰኡታ ንዘጋጠመ ናይ ኣሽሓት ስደተኛታት ዋሕዚ ስዒቡ፡ ኵለን ኣባል ሃገራት ዶባተን ንምሕላው "ሓባራዊ ስጕምቲ" ክወስዳ ጸዊዓ።

    ብመሰረት ግምታዊ ጸብጻብ ስጳኛ፡ ዛጊት ኣስታት 69,500 ዝዀኑ ስደተኛታት ናብ ሞሮኮ ተመሊሶም ኣለዉ።

    እዚ ፍጻመ’ዚ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጥሪ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ጥልያን ምስ ስጳኛ ዝነበራ ናጻ ምንቅስቓስ ሸንገን ንግዜኡ ክትስርዞ ከላ፡ ፊንላንድን ዴንማርክን ድማ ነቲ ስጕምቲ ደጊፈንኦ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፐድሮ ሳንቸዝ ብወገኑ፡ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ኵነታት ብሰንኪ "ግጉይ ሓበሬታን ፖለቲካዊ ረብሓን" ይጥቀማሉ ከም ዘለዋ ብምግላጽ ነቒፉ።

    ምኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ሕብረት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ህጹጽ ዘተ ክገብሩ እዮም።

    ፎን ደር ላየን፡ ሓለዋ ዶባት ሓባራዊ ኤውሮጳዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል፡ መርበባት ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ንምብታንን ሓጹራት ንምጥቃምን ዝዓለመ ስትራተጅያዊ ትልሚ ኣቕሪባ።

    ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ ብወገኑ፡ ብባሕሪ ዝግበር ምስግጋር ንምክልካል ተንሳፋፊ መከላኸሊ ሓጹር ይሃንጽ ከም ዘሎ ገሊጹ።

  19. 25 ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሪካ ንሓድሽ ናይ ቀረጽ ውሳነ ትራምፕ ብኽሲ ይቃወማ

    ፕረዚደንት ትራምፕ ክልተ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    25 ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ነቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ 60 መሻርኽቲ ንግዲ ዘንበሮ ካብ 10% ክሳብ 12.5% ዝበጽሕ ሓድሽ ናይ ቀረጽ ስጕምቲ ንምዕጋት ትማሊ ሰኑይ ክሲ መስሪተን።

    እቲ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ቀረጽ፡ ንሃገራት ኤውሮጳ፡ ብሪጣንያን ቻይናን ዘጠቓለለ ንሓያሎ ሃገራት ዝጸሉ ኰይኑ፡ ዋሽንግተን ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደት እተን ሃገራት ግዱድ ዕዮ ንምኽልካል ብቑዕ ስጕምቲ ኣይወሰዳን ብዝብል ምኽንያት እዩ።

    እተን ዲሞክራት ዝመርሑወን ክፍለ-ግዝኣታት፡ እቲ ውሳነ "ድላያዊ፡ ዘይርትዓውን ንሕጊ ዝጠሓሰን" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንጉዳይ ግዱድ ዕዮ ከም መመኽነይታ ብምጥቃም "ዘይሕጋዊ ናይ ቀረጽ መደባቱ" የካይድ ከም ዘሎ ይገልጻ።

    ኣመሓዳሪት ኒው ዮርክ ካቲ ሆኩል፡ እቲ ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ስድራቤታት ዝተነብረ ተወሳኺ ጾር ወይ ግብሪ እዩ ክትብል ነቒፋቶ።

    ወሃቢ-ቓል ዋይት ሃውስ ኩሽ ደሳይ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ንኣካይዳ እተን ሃገራት ንምእራም "ሕጋዊ ኣገባብ" ትጥቀም ከም ዘላ ገሊጹ።

    ትራምፕ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ 2025 ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ጀሚሩ ሓያሎ ተመሳሰልቲ ቍጠባዊ ስጕምቲታት ክወስድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ዝተወሰኑ ናይ ቀረጽ ውሳነታቱ ከም ዝሰረዞም ይዝከር።

    ቻይና፡ ብራዚልን ጃፓንን’ውን ነቲ ስጕምቲ "ፍትሓዊ ዘይኰነ ፖለቲካዊ ጸወታ" ክብላ ኰኒነንኦ ኣለዋ።

  20. ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ንዝርከብ መደበር ነፈርቲ ኣመሪካ ዒላማ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

    ኣፅዋር ውግእ

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኩዌት ዝርከብ መደበር ነፈርቲ- ኣመሪካ ዓሊ ኣልሳለም ከምዘጥቀዐ ገሊጹ።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ክልተ ማእከል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን መኽዘን ነዳዲ ወተሃደራዊ ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን ከምዘዕነወ ዝተገልፀ ዀይኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሓያል ቃፀሎ ተራእዩ።

    ይኹን እምበር ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሓለዋ ሰውራን ዘስዓቦ ጉድኣትን ብዝምልከት ካብ ኩዌት ኰነ ካብ ሰበስልጣን ኣመሪካ ወይ ድማ ካብ ሳልሳይ ኣካል ዝተብሃለ ነገር የለን።

    ክፍሊ ርክብ ህዝቢ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ "ስርሒት ናስር 2" ዝብል ኮድ ስም ከምዝተዋህቦን ንሓይልታት ኣመሪካ ምላሽ ከምዝኾነን ገሊጹ።

    ኢራን ንወራርኣመሪካሕነ ንምፍዳይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከተካይድ ጸኒሓ ኣላ።

    ኣብ ዮርዳኖስ፣ ኩዌትን ባሕረይንን ዝርከባ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ ዝለዓለ ዕንወት ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ይንገር።