‘ኣብ ነፍሲ ወከፍ 30 ደቓይቕ ሓደ ሰብ ዝቐትል ዘሎ’ ለበዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ምዃኑ ሰብ መዚ ጥዕና ይገልጹ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ለበዳ ኢቦላ ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ብሰንኩ ብድምር 2,325 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።
እዚ ብዝሒ፡ ካብቲ ኣብ 2018-2020 ዘጋጠመ’ቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ዝሞቱ ጠቕላላ ቁጽሪ ዝዛይድ እዩ።
ናህሪ ምስፍሕፋሕ እቲ ለበዳ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝቐልጠፈ ምዃኑ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌቸር ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ።
"እቲ ለበዳ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 30 ደቓይቕ ሓደ ሰብ ይቐትል ኣሎ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኢንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕና ኮንጎ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 4,945 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ኣረጋጊጹ። ካብ መንጐኦም፡ እቶም 101 ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት ዝተለኸፉ እዮም።
እቲ ቫይረስ ቀስ ብቐስ ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ወጻኢ’ውን ይዝርጋሕ ኣሎ።
ጎረቤት ሃገር ኡጋንዳ፡ 20 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ከተራጋግፅ እንkላ፡ ጀርመን ድማ ን2 ዜጋታት ሕክምናዊ ድጋፍ ትገብር ከመዘላ ኣፍሊጣ።
ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ሓደ ብቫይረስ ኢቦላ ከምዝተለኽፈ ተገሊጹ።
ኣብ ኮንጎ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ግና ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ። እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም “ሓደገኛ” ክብል ዝገለጾ ዝርገሐ እቲ ለበዳ፡ ኣብ 26 ግዝኣታት እታ ሃገር ተራእዩ ኣሎ።
እዚ ለበዳ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ 1000 ሰባት ንክቐትል ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝወሰደ ፀብፃብ ሮይተርስ የመልክት።
እዚ ሕጂ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ለበዳ ግን፡ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ 2 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።
ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢቦላ ቅድሚ 50 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝረአ ንደሓር፡ እዚ ናይ ሕዚ ንመበል 17 ግዚኡ እዩ።
ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን ልዑል ደረጃ ምንቅስቓስ ሰባትን፡ ነቲ ሕማም ንምግታእ ዝግበር ጻዕርታት ኣተሓላሉኹዎ ይርከብ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክግታእ ተስፋ እኳ እንተሃለዎ፡ እቲ ለበዳ ክዕገት ወይ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ከብቅዕ ማለት ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ኢቦላ ሳሕቲ ዝረአ ግን ከኣ ቀታሊ ሕማም እዩ።
እቲ ሕጂ ዝረአ ዘሎ 'ቡንዲቡግዮ' ዝበሃል ዓይነት ቫይረስ ኢቦላ ኰይኑ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝፍለጡ ክልተ ዓይነታት ኣዝዩ ዝተፈለየን ሳሕቲ ዝረአን እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዝዀነ ዓይነት ዝፀደቐ ክታበት የለን። ሓያሎ ትካላት ግን ክታበት ንምምዕባል ይፅዕራ ከምዘለዋ ይንገር።




















