ንፈለማ ግዜ ኣብ መረጻ ዝሳተፉ ዘለዉ ሰለስተ ሓደስቲ ክልላት

ምንጪ ስእሊ, NEBE
ብመሰረት ፓርላማ ዘሕለፎ ውሳነ ክልላት ክኾኑ ዝበቕዑ ሰለስተ ክልላት ንፈለማ እዋን ርእሶም ክኢሎም ኣብዚ ምርጫ ይሳተፉ ኣለዉ።
ክልላት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኣካል ናይቲ ብሄር፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረን ዝበዝሑ ብሄራት እታ ሃገር ዝጠርነፈን ክልል ዝነበሩ እዮም።
እዞም ሓደስቲ ክልላት ቊጽሪ ኣባላት ናይቶም ኣብ ምስረታኦም ዘቖምዎም ባይቶታት ኣብዚ መረጻ ከምዝውስኽ ተገይሩ ኣሎ።
በዚ መሰረት ቤት ምኽሪ ክልል ማእከል ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበሮ 105 ኣባላት ናብ 175 ክብ ክብል'ዩ።
ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ እውን፡ ቊጽሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ ካብ 95 ናብ 229 ክውስኽ'ዩ።
እቲ መበል 11 ክልል ኮይኑ ናብ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝተጸንበረ ክልል ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብወገኑ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶኡ ካብ 52 ናብ 171 ኣበሪኽዎ ኣሎ።
ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ'ውን ቁጽሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብዚ ምርጫ'ዚ ክውስኽ ተወሲኑ'ዩ።










