ሑቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም

ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።
  • ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ክልተ ደብዳባት ኣየር ብውሑዱ 177 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል "ገበናት ኲናት" ከም ዝፈጸመት ዘእምን እኹል መረዳእታ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።
  • ምኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ፈደራል ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ናብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ተዛዊሮም ትምህርቶም ክቕፅሉ ከምዝወሰነ ምግላፁ ይዝከር።
  • ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA)፡ ኣብ ጽላት ዕደና ኦሮምያ ንዝዋፈሩ ኣውፈርቲ፡ ኣከባብያዊ ቅጥዒታት ክኽተሉን ኣብ ስርሓቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከሳትፉን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።
  • ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኪነታዊ ብልሒ ዘሎ ስግኣታት "ሓሶት" ወይ ኣመና ዝተጋነነ እዩ ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብዚ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተወሳኺ ምቍጽጻር ክግበር ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነቒፉ።
  • ናይ ኣፍሪቃ ዝሃብተመ ሰብ ናይጀርያዊ ቢልየነር ኣሊኮ ዳንጎተ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ኣህጉር ዝዓበየ ናይ ብርኪ (ኣክስዮን) መሸጣ ብምብጋስ፡ ካብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ዓቢ መጻረዪ ነዳዲኡ 3 ሚእታዊት ዝኸውን ብጽሒት ንህዝቢ ኣብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።
  • ብኣንፈት ኣትላንቲካዊ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝተበገሱ ስደተኛታት 80 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ላዕለዎት ዳያኑ፡ ትራምፕ ደቂ ስደተኛታት ብቐጥታ-ዜግነት ከይረኽቡ ዘመሓላፎ ትእዛዝ ኣጊዶም

    ላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ
    መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ምድሪ ኣመሪካ ዝወተወልዱ ብቐጥታ ዜግነት ከይረኽቡ ዝገበሮ ፈተነ ነጺግዎ።

    እቲ ፕረዚደንትን ናይ ሕጊ ጉጅለኡን፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሓዝዎ ቅዋም፡ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ኣካል ቤት ፍረዲ ክሳብ ቀረፅቲ ሕግን ክኢላታት ሕግን ብዙሕ ደገፍ ከይረኸበ ፀኒሑ።

    እዚ ንብዙሓት ኣብታ ሃገር ዝተወልዱ ኣሸሓት ደቂ ስደተኛታትት ዝፀሉ ውሳነ፡ በዚ መልክዑ ከብቅዕ ምኽኣሉ፡ ንተሓለቕቲ መሰላት ዘደንቕ ዓወት ከምዝዀነ እዩ ዝግለፅ።

    ዝበዝሑ፡ ካብቶም ትሸዓተ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ እዚ ቋንቋን ትርጉምን ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝቕይርን፡ ን150- ዓመታት ዝፀንሐ ፅኑዕ ሕጊ ዳግማይ ዝኽልስን ትእዛዝ፡ ምእንቲ ዓወት ትራምፕ ክበሃል፡ ኣይነፀድቕን ክብሉ እዮም ወሲኖም።

    ብርግጽ እዚ ውሳነ እዚ፡ ነቲ ፕረዚደንት ከቘጠዖ ምዃኑን፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝኽእሉሉ መገድታት ኩሉ ንምድራት ሓድሽ ሜላታት ክእልሽ ክግደድ ምኳኑን ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

    እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ንመሰል ውልደት ዜግነት ንምኽባር 6ን 3 ድጋፍ ከምፀንዐ፡ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    እቲ ብይን ብላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወይ ንግዚኡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝነብሩ ወለዲ ዝተወልዱ ህጻናት፡ ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ፡ ብቐጥታ "ዜጋታት" ምዃኖም ይገልጽ።

    እቲ ውሳነ፡ ነቲ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ፡ ንሕቶ ዜግነት ናይቶም ሓራ ዝወጹ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ባሮት ነበር ንምፍታሕ: ዝተደንገገ መበል 14 መመሓየሺ ሕጊ ከም መርትዖ ይጠቅስ።

  2. ወከልቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቐጠር ክራኸቡ'ዮም - ትራምፕ, ኣብ ቴክኒካዊ ኣካል'ቲ ስምምዕ ልዝብ ክቕጽላ እየን- ተባሂሉ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መድረኽ ኰይኑ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ፡ "ኢራን ኣኼባ ክግበር ሓቲታ ኣላ፤ ፅባሕ ኣብ ዶሃ ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    እንተኾነ ግን ዶናልድ ትራሞፕ ብዛዕባ እቲ ጽባሕ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ኣኼባ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሌቪት ግን፡ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ላዕለዎት ተደራደርቲ ኣመሪካ ጃረድ ኩሽነርን ስቲቭ ዊትኮፍን “ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንላዕለዋይ ኣኼባ ሰበስልጣን፡ ናብ ዶሃ ክጓዓዙ እዮም” ኢላ።

    ብተወሳኺ ጎኒ ጎኒ እቲ ላዕለዋይ ኣኼባ ቴክኒካዊ ዝርርብ ከምዝካየድ'ውን ሓቢራ።

    ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሓሉ ምቍራፅ ተኹሲ፡ ልዝብ ክቕጽላ ምዃነን፡ ሓደ በዓልስልጣን ዋሽንግተን ሓቢሩ ምንባሩ ቅድም ኢሉ ተገሊፁ ነይሩ።

    እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓልስልጣን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ኩሉ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ስምምዕ ዝግበር ዘተ ክቕጽል እዩ” ክብል'ዩ ተዛሪቡ።

    "ንግዚኡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ እዮም፤ መራኽብ ብናጽነት ብሰላም ክጓዓዛ ክኽእላ እየን" ድማ ኢሉ።

    ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሓላፊ ጉጅለ ዘተ ኢራን፡ ካዘም ጋሪባባዲ ግና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ቴክኒካዊ ዝርርብ ንምክያድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ ንዝብል ጸብጻባት ነፂጉ።

    ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተለዓለ ምስሕሓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ቴህራንን ዋሽንግተንን ተጋጭየን ነቲ ስምምዕ ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ክካሰሳ ከምዝቐነያ ዝዝከር እዩ።

  3. ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ

    ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ሰኸፈት ከምዝሓደሮ ገሊጹ።

    ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእዩ ምዕባለታት፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከዳኽም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ትማሊ 27 ሰነ 2026 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ምቘሙን: ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋን ብምጥቃስ፡ “ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ” እዩ ዘመልክት።

    ሕብረት ኤውሮጳ፡ እዚ ስጉምትታት ንውዕላት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ምዃኑ እውን ኣስሚሩሉ ኣሎ።

    ፌደራል መንግስቲ ይኹን ህወሓት ምሉእ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ብህጹጽ ዘተ ክጅምሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ብተወሳኺ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ከም ዝድግፍ እውን ኣረጋጊጹ።

    እዚ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ብ26 ሰነ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

    እቲ ኤምባሲ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ “ምሉእ ብምሉእ ክትግበር” ጸዊዑ እዩ።

    ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ "ኣኽረርቲ" ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ስድራቤቶምን ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንበረት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ።

  4. ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ውዕል ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ይካሰሳ

    መራኽብ ኣብ ባሕሪ

    ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ፓናማ እተምበልብል መርከብ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ድሕሪ ምፍፃሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ንዝግበር "ቀጻሊ መጥቃዕቲ" ቀጥታዊ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ መላእ ኢራን ዝተፈላለየ ዕላማታት ከምዝሃረመ ገሊጹ።

    ሕነ ንምፍዳይ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኣብ ኩዌትን ባሕሬንን ኣብ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ኣመሪካ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጥቃዕቲ ከምዘውረደ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    ድሕሪ እቲ ምልውዋጥ ተኹሲ፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

    ሴንትኮም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢራን ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ከተኽብር ዕድል ተዋሂብዋ'ኳ እንተነበረ፡ ሓይልታታ ግን ንባንዴራ ፓናማ እተምበልብል ታንከር ‘ኤምቲ ኪኩ’ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምፈፀመት’ ገሊፁ።

    ከም መልሲ ናይዚ ድማ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝን ከባቢኡን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ 10 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

    እዚ ድማ ወተሃደራዊ ናውቲ፣ ስርዓተ ርክብ፣ መከላኸሊ ኣየርን መኽዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዘጠቓለለ እዩ።

    መግለጺ ኢራን፡ ኣመሪካ "ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን( IRGC) ኣብ ልዕሊ’ታ ገበነኛ መርከብ ንዝወሰዶ ስጉምቲ" ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ኢራን ሓሙሽተ መደበራት ገማግም ባሕሪ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊፁ።

    ነዚ ሕነ ንምፍዳይ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ መደበር ዓሊ ኣልሳለምን ኣብ ፖርት ሳልማን ባሕሬን ኣብ ዝርከብ ሓሙሻይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪን ኣብ "ሸሞንተ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጺ" ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዘዕነወ ገሊፁ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ምስ ተገልፀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ ቴህራን "ፈጺማ ከምዘይትመሃር ዘርኢ እዩ" እዩ ኢሉ።

    "ድሕሪ ደጊም ርትዓውያን ዘይንዀነሉ እዋን ክመፅእ ይኽእል'ዩ፡ ነቲ ኣዝዩ ብዓወት ዝጀመርናዮ ስራሕ ድማ ብወተሃደራዊ መንገዲ ክንዛዝሞ ክንግደድ ኢና" ክብል ትማሊ ቀዳም ምሸት ተሓንዩ።

    እቲ ጽሑፍ ኣስዒቡ፡ "ከምኡ እንተኾይኑ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ድሕሪ ደጊም ኣይክትህሉን እያ!" ይብል።

  5. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ኢራን ደብዳብ ፈጺማ

    ናይ ጽዕነት መርከብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ እናተጓዕዘት

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መርከብ ጽዕነት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ጥሒሳ ብምባል፡ "ዕሽነት ዝመልኦ ግህሰት" ፈጺማ ክብል ከሲሱዋ።

    ነዚ ስዒቡ ድማ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

    ማእከላይ እዚ ሓይልታት ኣመሪካ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መኽዘናት ሚሳይላትን ድሮናትን ከምኡ’ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከቡ ናይ ራዳር መደበራት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።

    እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተዋህበ ምላሽ ምዃኑ እቲ እዚ ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ዞባ ተዓጊቶም ንዘለዉ ኣሽሓት መርከበኛታት ንምውጻእ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ክተዓናቐፍ ገይሩ እዩ።

    ኢራን ብወገና፡ እታ መጥቃዕቲ ዝወረዳ ብባንዴራ ሲንጋፖር እትጓዓዝ "ኤቨር ላቭሊ" ዝተሰምየ ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ኣብቲ ዘይተፈቕደላ መስመር ባሕሪ ብምጓዓዛ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ገሊጻ።

    ዕጡቕ ሓይሊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ድማ ሓይልታት ኣመሪካ ብዝተፈላለየ ምስምስ ኣብ ልዕሊ ገማግም ባሕሩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምኽሳስ፡ ሓይልታት ባሕሩ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሕነ ከም ዝፈደዩ ሓቢሩ።

    ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ርክብ እኳ እንተ ገበረ፡ ምላሽ ግን ኣይረኸበን።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ትራምፕን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ምስ ኢራን ክግበር ዝጸንሐ ዘተ ጽቡቕ ይኸይድ ከም ዝነበረ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ገና ጸኒዑ ኣሎዶ የሎን ንዝብል ሕቶ ጋዜጠኛታት ክምልስ ከሎ፡ "እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ክትፈልጡ ኢኹም፡" ክብል ብምግላጽ ሰፊሕ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ እዩ።

  6. ኣብ ቬነዙወላ ብሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተጎድኡ ሰባት ምድላይ ይቕጽል

    ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬነዙወላ ደልሲ ሮድሪገዝ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቁጽሪ ናይቶም በቲ ትማሊ ረቡዕ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ሰባት 589 ከም ዝበጽሐን፡ 2,980 ድማ ከም ዝቘሰሉን ገሊጻ።

    ንወተሃደራዊ ሓይሊ ነታ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ከባቢታት ዝዀነት ላ ጌይራ ክቋፐጻጸራ’ውን መምርሒ ሂባ ኣላ።

    ሆስፒታላት ድማ ተጨናኒቐን ከም ዘለዋ ይንገር።

    ሓካይም ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ቀረብ ሕክምና ንህዝቢ እኹል ኣይነበረን።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ጉጅለታት ዘሽትቱ ኣኽላባት ዝርከብዎም ልዕሊ 1000 ኣህጉራውያን ሰራሕተኛታት ምድላይን ምድሓንን ህወይት ከም ዝተዋፈሩ ገሊጹ።

    ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌቸር፡ "ሰባት ናብ ቬነዙወላ ሓገዝ ከም ዝመጽእ ክፈልጡ እደሊ፡" ኢሉ።

    ቬነዙወላ ድሮ ኣብ ዘይርጉጽነት ጥሒላ ዘላ ሃገር እያ - እቲ ካብ 2013 ጀሚሩ ነታ ሃገር ዝገዝእ ዝነበረ ኒኮላስ ማዱሮ ብሓይልታት ኣመሪካ ካብ ዝትሓዝ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ።

  7. ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ንፈለማ እዋን ናብ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ዝሓለፈት ኣይቮሪኮስት

    ኣይቮሪኮስት፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንፈለማ እዋን ክልተ ጸወታታት ብምስዓር ታሪኽ ሰሪሓ
    መግለጺ ስእሊ, ኣይቮሪኮስት፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንፈለማ እዋን ክልተ ጸወታታት ብምስዓር ታሪኽ ሰሪሓ

    ኣይቮሪኮስት ንኪዩሩሳው 2 ን0 ብምስዓር ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ናብ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም በጺሓ።

    ኣይቮርያውያን ናብ 32 ጉጅለ ንምሕላፍ ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ'ኳ የድልዮም እንተነበረ፡ ንመጋጥምታ 2 ብ 0 ብምስዓር ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምስታፍ ንፈለማ እዋን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሓ።

    ኒኮላስ ፔፔ ኣብ 7ይ ደቒቕ ሸቶ ብምምዝጋብ ናይ ምውዳቕ ስግኣቶም ክቕንጠጥ ገይሩ።

    ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ኣፍሪቃ ንሃገራዊት ጋንታኡ ዘይተመርጸ ኣከፋፋሊ ኣርሰናል ነበር ፔፔ፡ ኣብ መበል 65 ደቒቕ ካልኣይቲ ሸቶኡ ኣመዝጊቡ።

    እዚ ማለት ኣይቮሪኮስት ኣብ ክልቲኡ ጸወታታት ምድብ 'E' ተዓዊታ ኣብ ዋንጫ ዓለም 6 ነጥቢ ኣመዝጊባ ማለት እዩ።

    ኣሰልጣኒ ኣይቮሪኮስት ኤመሪ ፋየ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንደገፍቲ ዘሕልፎ መልእኽተይ፡ ነዚ ታሪኻዊ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣስተማቕርዎ፤ ጸንብሉዎ ዝብል'ዩ፡” ኢሉ።

    "ሓጎስና ምግላጽ ምስ ወዳእና፡ ኣብዚ ውድድር ኣብ ዝበጻሕናዮ ደረጃ ክንበጽሕ ሰናይ ትምኒትኩም ስደዱልና።"

    "በዚ ውጽኢት ኣዝየ ሕጉስ እየ። ኩሉ ፍጹም ኣይነበረን፤ ይኹን እምበር፡ ዘይምስዓርና ንስነ-ልቦናና ጽቡቕ'ዩ። ሕጂ ጋንታና ብዓወት ክትሕደስ'ያ። ድሕሪ ዓወት ከተዕርፍ ቀሊል'ዩ፡" ኢሉ።

  8. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዜጋታቱ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ

    ጸረ ስደተኛታት ዝዀነ ምንቅስቓስ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይጉስጉስ

    ኣብ ፕሪቶርያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ መራሕቲ ጸረ ኢሚግሬሽን ደቡብ ኣፍሪቃ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ዝወጹሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ገደብ ክውዳእ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት “ጥንቃቐ” ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መራሕቲ ጸረ ኢሚግሬሽን ዘቐመጥዎ ናይ መወዳእታ ግዜ ዝመጽእ ሰሙን ሰሉስ 23 ሰነ 2018 (ኣ.ግ) እዩ ከእክል።

    መራሒት ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጐስጓስ ዘካይድ ዘሎ 'ማርች ኤንድ ማርች' ዝተባህለ ምንቅስቓስ ጃሲንታ እንጎቤሴ ዙማ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ገሊጻ።

    ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶርያ ብሓሙስ 18 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት “ምስ መንግስቲ ኣድላዪ ርክባት ይገብር ኣሎ” ኢሉ።

    መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ “ስደተኛታት መጥቃዕቲ” ከይፍጸም ከም ዝከላኸለሎም ብተደጋጋሚ ምግላጹ ብምዝኽኻር፡ መንግስቲ "ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ስጉምትታት ምኽባር ጸጥታ ከሐይል ትጽቢት ይግበር፡" ኢሉ።

    እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከጋጥም ከም ዝኽእል ስክፍታኡ ገሊጹ።

    "ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን መጥቃዕትን ይፍጸም ከም ዘሎ ዘርእዩ ምልክታት ኣለዉ፡" ክብል ድማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    እቲ ኤምባሲ፡ "ግህሰት መሰላትን ስክፍታታት ጸጥታን" ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት "ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ጥንቃቐ ክገብሩ፡" ኣተሓሳሲቡ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸረ ስደተኛታት ተቓውሞታት እናበዝሐ መጺኡ ኣሎ። ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ሃገራት'ዉን መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ዘርኢ ቪድዮታት ክዘዋወር ጸኒሑ'ዩ።

    ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተፈጥረ ስግኣት ስዒቡ፡ ናይጀርያን ጋናን ዜጋታተን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከዉጽኣ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

    መራሕቲ እቲ ምንቅስቓስ፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንክወጽኡ ኣብ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ (መጻኢ ሰሉስ) ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ ጸዊዖም ኣለዉ።

    "ንማንም ክንጎድእ ኣይንፍትንን ኢና። ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ሃገርና ክወጽኡን መንግስቲ ነቲ ዘሎ ሕግታት ከኽብርን ጥራይ ኢና ንሓትት ዘለና፡" ይብሉ።

    እዚ ብክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣካል፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሰብን ተነቒፉ’ሎ።

  9. ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝተመሓላለፈ ሓድሽ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንስደተኛታት ሄይቲን ሶርያያን ግዝያዊ ሓለዋ ሕጊ ዕቑር (TPS) ክረኽቡ ዝሕግዝ ዝነበረ ኣሰራርሓ ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ ዝድግፍ ውሳነ ሂቡ።

    እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ ምጽናሕ መሰሎም ንምሕላው ጥርዓን ኣቕሪቦም ውሳነ መንግስቲ ብግዝያውነት ክእገድ ንዝገበሩ ኢትዮጵያውያን ዝኸዱዎ መስርሕ ፍርዲ ጽልዋ ከም ዘሕድር ሓደ ጠበቓ ኢሚግሬሽን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    እዚ "ግዝያዊ ሓለዋ ዘለዎ ኩነታት" - "Temporary Protected Status" ዝተባህለ ኣሰራርሓ፡ካብ ግጭት፣ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ወይ ካልእ ጸጥታዊ ሓደጋታት ዘጋጥመን ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ዘኽእሎም ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ እዩ።

    ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ነዚ ሓለዋ ንኢትዮጵያውያን ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሂቡዎም።

    በዚ ሓለዋ እዚ ንሰለስተ ዓመት ኣስታት 5 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ከም ዝዀኑ ይንገር።

    እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ክሕዝ ዝጸንሐ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነዚ መሰል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ሄይቲን ሶርያን ሓዊሱ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ዝረኽቡዎ ዝነበረ ኣገልግሎት ክግታእ ገይሩ ኣሎ።

    ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንኢትዮጵያውያን ዝወሃብ ዝነበረ ሓለዋታት ከብቅዕ ዝወሰነ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ’ውን እቶም ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ማለት ክሳብ ለካቲት ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ኣዚዙ ነይሩ።

    ሰለስተ ኢትዮጵያውያን 'ኣፍሪካ ኮሚዩኒቲስ ቱጌዘር' ምስ ዝተባህለ ተሓላቒ ጉጅለ መሰላት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምዃን ኣብ ቦስተን ንዝርከብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቦም።

    ነዚ ጉዳይ ዝርኣየ ዳ ኛፌደራል ድማ፡ እቲ ጉዳይ ንምምርማር ነቲ ስጉምቲ ብምእጋድ ጻንሒት ኢትዮጵያውያን ክናዋሕ ዝገብር ውሳነ ሂቡ።

    ጠቕላይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ብሓሙስ 25 ሰነ 2026 ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ብተመሳሳሊ መልክዑ ግዝያዊ እግድ ተዋሂቡዎም ዝነበሩ ስደተኛታት ሄይትን ሶርያን ይምልከት።

    ሸኽሚ ዝሓዛ ደቀንስትዮ

    ኣብ ሚነሶታ ናይ ኢሚግሬሽን ጠበቓ ሙላለም ጌታቸው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ይግባይ’ውን ክምልከት ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

    ውሳነታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ “ኣብ ውሽጢ ሓደ ጉዳይ” ከም ዘይውዳእ ዝገለጸ ሙላለም፡ ኣብ “ቐጻሊ ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ ተመሳሳሊ ጉዳያት በዚ ኣገባብ'የን ክሕዝኦ ዝግባእ ዝብል መምርሒ’ዩ ዝፈጥር፡” ኢሉ።

    ጉዳይ ጌይቲን ሶርያን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ ዝርከቡ ኣብያተ ፍርዲ ዝኣገዱዎ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ እዩ።

    "ሚኒስትሪ ፍትሒ ንጉዳያት ሄይቲን ሶርያን [ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ] ጥራይ እዩ ወሲድዎም፡ [እቲ ውሳነ] ግን ንኹሉ ሰብ ዝምልከት'ዩ" ይብል ሙላለም።

    ብመሰረት እቲ ጠበቓ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብያተ ፍርዲ ፌደራል ንኸምዚ ዝበለ ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ ንምዕጋት “ስልጣን ኣይነበረንን”።

    ነዚ ውሳነ ስዒቡ፡ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ወሲኹ፡ ነቲ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝወሰዶ ውሳነ ንግዚኡ ዝተናውሐ ሕጋዊ ሓለዋታት ከም ዘቋርጾ ገሊጹ።

    ይኹን'ምበር በዚ ኣገባብ ሓለዋኦም ዝተቛረጸ ኢትዮጵያውያን ብናይ ስደተኛታት ሕቶ ዑቕባ፣ ኣብ ሓዳር ዝተመርኰሰ ቀዋሚ ነባሪ፣ ብ"ስፖንሰርሺፕ" ወይ ብስራሕ ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ "ውሱን ዕድል" ከም ዘሎ እቲ ጠበቓ ኣብሪሁ።

    እቲ ብሓደ መንገዲ ዝተረኽበ መከላኸሊታት ናብ ካልእ መንገዲ ናይ ምቕያር መስርሕ "ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

  10. ንጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ዝግበር ዘሎ ደገፍ

    ብዙሓት ሃገራት ንቬነዝወላ ኣብ ጻዕሪ ህይወት ኣድሕን ንምሕጋዝ ቃል ኣትየን ኣለዋ። ኣመሪካ 150 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ከም እትልእኽ ኣፍሊጣ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ንጕጅለታት ረድኤት ንምድጋፍን ህጹጽ ስርሒታት ንምክያድን መጓዓዝያ መራኽብን ነፈርትን ናብታ ሃገር ይሰድድ ምህላዉ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

    ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ እታ ሃገር ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ሕክምናዊ ጸጋታትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ብህጹጽ ተዋፍር ከም ዘላ ኣረጋጊጹ።

    እዚ ሓደጋ ንሓድሽ ዝምድና ኣመሪካን ቬኔዙዌላን ከም ቀዳማይ ፈተና ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥሪ ንፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ንምሓዝ ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ተበላሽዩ እኳ እንተጸንሐ ትራምፕ መንግስቱ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ ከም ዝኣዘዘ ሓቢሩ ኣሎ።

    ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝዩ ሰፊሕ ከም ዝዀነን ዘስካሕክሕ ቍጽሪ ምዉታት ከም ዘስዓበን ብምግላጽ ኣመሪካ ንምሕጋዝ ድልውቲ ምዃና ኣስሚሩሉ።

    ምምሕዳር ትራምፕ ንማዱሮ ካብ ስልጣን ንምእላይ ድሕሪ ምውሳኑ ምስ ግዝያዊት ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ ሓድሽ ዝምድና ንምህናጽ ይሰርሕ ኣሎ።

    እታ ግዝያዊት ፕረዚደንት ብወገና ኣመሪካ ሪፓብሊክ ዶሚኒካን ኤል ሳልቫዶር ሜክሲኮን ቐጠርን ንጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ዝኸውን ደገፍ ይሰዳ ከም ዘለዋ ሓቢራ።

    መራሒት ተቓዋሚ ሰልፊ ማሪያ ኮሪና ማቻዶ እውን ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ልባን ጸሎታን ኣብዚ ናይ ጭንቀት እዋን ምስ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ቬነዝወላ ከም ዘሎ ገሊጻ ኣላ።

    እዚ ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓቢ ተስፋ ዝህብ እዩ። ህዝቢ ቬነዝወላ ኣብዚ እዋን ከቢድ ጸገማት የሕልፍ ኣሎ።

    ዝወረደ ሓደጋ ዘርኢ ካርታ
  11. ሳዕቤናት እቲ ሓደጋን ስግኣት ምውሳኽ ቍጽሪ ግዳያትን

    ድሕሪ እዚ ክልተ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተ ወሓደ 30 ዝዀኑ ተወሰኽቲ ደቀቕቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠሙ ግዝያዊት ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ ኣብ መግለጺኣ ኣረጋጊጻ ኣላ።

    ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ ቍጽሪ ግዳያት ብዝያዳ ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።

    እቲ ትካል ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ብሰንኪ እዚ ሓደጋ ልዕሊ 10,000 ሰባት ናይ ምማት 42% ተኽእሎ ከም ዘሎን ልዕሊ 100,000 ናይ ምማት ድማ 33% ተኽእሎ ከም ዘሎን ብግህዶ ኣጠንቂቑ።

    እዞም ኣሃዛት ንህጹጽ ግብረ መልሲ ንምድላው ዝሕግዙ እኳ እንተዀኑ ኣብ ተመሳሳሊ ታሪኻዊ ሓደጋታት ብዝሒ ህዝቢን ዕምቈት ምንቅጥቃጥ ምድሪን ተመርኲሶም ዝተሰልዑ እዮም።

    ቬነዝወላ ኣብ መራኸቢ ክልተ ዓበይቲ ቴክቶኒክ ጸፍሕታት እትርከብ ሃገር ብምዃና እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ምትሕኽኻኽ ብሃንደበት ዝተፈጠረ ጸቕጢ ዝሰዓበ እዩ።

    ኣብ ካራካስ ዝቕመጥ ጋዜጠኛ ሉዊስ ሀርናንደዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብሰንኪ እቲ ዘሎ ናይ ኤሌክትሪክ ምቍራጽን ስእነት ኢንተርነትን ልክዕ መጠን እቲ ዕንወት ንምግምጋም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።

    ኣብ ርእሲ እዚ እታ ሃገር ዘላቶ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ነቲ ኵነታት ብዝያዳ ኣጋዲዱዎ ይርከብ ኣሎ። እዚ ናይ ሕጂ ሓደጋ ካብቲ ብዓሰርተ ትሽዓተ ሚእቲ ዝተመዝገበ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲ ዝሓየለ እዩ ተባሂሉ ይግለጽ።

    ኣብ ዓሰርተ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ሸውዓተን ዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ሚእቲ ሰባት ክቐዝፍ ከሎ እዘን ሎሚ ዝዓነዋ ሎስ ፓሎስ ግራንደስን ኣልታሚራን ሽዑ እውን ብኸቢድ ተሃስየን ምንባረን መዛግብቲ ጂኦሎጂ ብግልጺ የርእዩ ኣለዉ። እዚ ታሪኽ ተደጊሙ ንህዝቢ ብኸቢድ የጨንቕ።

    ክዓኑ ዝቐረበ ህንጻ
    ዝተመዛበሉ ሰባት
    መስርሕ ህይወት ኣድሕን
  12. ኣብ ቬነዝወላ ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 235 ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ቬነዝወላ ብዘጋጠመ ክልተ ተኸታታሊ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተ ወሓደ 235 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 4300 ድማ ጉድኣት ወሪድዎም ኣሎ። እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ካራካስ ዘጋጠመ ኰይኑ ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ትሕቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ተቐቢሮም ንዘለዉ ሰባት ንምድሓን ኣብ ህጹጽ ጻዕሪ ይርከቡ ኣለዉ። ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ እቲ ቀዳማይ 7.2 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ሒደት ካልኢታት ብዝያዳ ሓያል ዝዀነ 7.5 ዝዓቐኑ ካልኣይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒብዎ እዩ። ክልቲኡ ሓደጋታት ንመሬት ብኣዝዩ ዝቐረበ ዕምቈት ስለ ዘጋጠመ እቲ ዕንወት ዝያዳ ከቢድ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።

    ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስን ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ገማግም ባሕሪ ላ ጓይራን ሰባት ካብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ኰይኖም ንረድኤት ክጽውዑ ይስምዑ ኣለዉ። እቲ ሓደጋ ረቡዕ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተን ኣርባዕተን ደቒቕ ዘጋጠመ ኰይኑ ኣብ ቬንዝወላ መዓልቲ ሃገራዊ በዓል ብምንባሩ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ ስራሕ ኣብ ገዛውቱ ይርከብ ነይሩ።

    በዚ ምኽንያት ድማ ቍጽሪ ግዳያት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ዑናታት ተቐቢሮም ብህይወት ከም ዘየለዉ ይግመት። ካልኦት ድማ ኣባይቶም ብምፍራሱ ወይ ከኣ ኣብቶም ዝተሰባበሩ ህንጻታት ንምእታው ብምፍራሖም ኣብ ጐደናታት ክሓድሩ ተገዲዶም ኣለዉ።

    ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ቬነዝወላ ሆርሀ ሮድሪገዝ ብ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግዝያዊት ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጃ ቍጽሪ ምዉታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ህዝቢ ድማ ኣብ ራዕዲ ይርከብ።

    ዝፈረሰ ህንጻታት
  13. ካራካስን ከባቢኣን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከቢድ ዕንወት ወሪዱወን

    ኣብ መላእ ቬነዝወላ 250 ህንጻታት ብኸቢድ ከም ዝዓነዉ ወይ ብምሉእ ከም ዝፈረሱ ሆርሀ ሮድሪገዝ ሓቢሩ ኣሎ።

    እቲ ዝዓበየ ዕንወት ኣብ ላ ጓይራ ዝወረደ ዀይኑ ሓደ 10 ደርቢ ዝነበሮ ሆቴል ምሉእ ብምሉእ ናብ ዑና ተቐይሩ። ምኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ዲዮስዳዶ ካቤሎ ብወገኑ ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ እውን ሓያሎ ህንጻታት ከም ዝፈረሱን ዞባታት ትሩሒዮ ያራኩይ ካራቦቦ ኣራጓ ሚራንዳ እውን ከም ዝተሃስዩን ገሊጹ ኣሎ።

    ከንቲባ ቻካኦ ዝዀነ ጉስታቮ ዱኬ ኣብ ጥቓ ሓደ ዝፈረሰ ህንጻ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብቲ ቦታ 11 ሰባት ከም ዝሞቱን 23 ድማ ብህይወት ከም ዝደሓኑን ኣረጋጊጹ። ጕጅለታት ረድኤት ክኢላታት ኣትዮም ተወሳኺ ህይወት ንምድሓን ምእንቲ ክኽእሉ ነቲ ዝፈረሰ ኣባይቲ የጽርዩ ኣለዉ።

    ብተወሳኺ እቲ ቐንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቬነዝወላ ዝዀነ ማይኬቲያ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ከቢድ ዕንወት ንኣገልግሎት ዕጹው ኰይኑ ይርከብ። ኣብ ውሽጢ እቲ ተርሚናል ካብ ናሕሲ ዶሮናን ስብርባርን ይወድቕ ከም ዘሎ ቪድዮታት የርእዩ። ካብ ካራካስ 250 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቱካካስ እውን ካልእ ሆቴል ፈሪሱ ኣሎ።

    ጁዋን ኦርቲዝ ዝተባህለ ተምሃራይ ሕክምና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓደ ናይ ቀረባ ዓርኩ ከም ዝሞተ ካልእ ዓርኩ ድማ ኣብ ትሕቲ ዑናታት ከም ዘሎን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ኣስታት 20 ዝፈልጦም ሰባት ከም ዝጠፍኡን ገሊጹ።

    ኣብ ሎስ ፓሎስ ግራንደስ እትነብር ጋዜጠኛ ኒኮል ኮልስተር እውን እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ህይወታ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣዝዩ ሓያል ምንባሩ ብምግላጽ ዘርዕድ ከም ዝነበረ ብምረት ትገልጽ።

    ዝሃድሙ ሰባት
  14. ምንቅጥቃጥ ኣብ ሓንቲ ዞባ ጥራይ ዘስዓቦ ዓቢ ዕንወት

    በቲ ሓደጋ ዘዓነዉ ኣባይቲ

    ብዙሓት ነበርቲ ግዝኣት ላ ጓይራ ኣብ ጎደናታት ወይ ስድራቤቶም ኣብ ምድላይ ከምዝሓደሩ፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቦም።

    ወዲ 49 ዓመት ላሪ ሮሃስ፡ ስድርኡ ተኸርዲኖም ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዝፈረሰ ህንጻ ደው ኢሉ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ዋላ ሓንቲ ዝተረፈ ነገር የብልናን፡ ዋላ'ውን ናብኡ ክንኣቱ ሓይሊ ወይ ትብዓት የብልናን" ይብል።

    ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ፍርስራስ ናይ ሓደ 12 ደብሪ ህንጻ ዜና ህላወ ጓላ እናተጸበየት፡ "ኣብዚ ብህይወት ዝተደብዩ ሰባት ኣለዉ፡ ከድሕኖም ዝመጽእ ዋላ ሓደ ሰብ የለን" ኢላ።

    ኣብ ቬንዙዌላ - ካቲያ ላ ማር፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ፍርስራስ ናይቲ ዝዓነወ ህንፃ እናተንቀሳቐሰ

    ኣብ ሃገረ ቬንዙዋላ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ፡ ኣብ ከተማ ላ ጓይራ ጥራይ ልዕሊ 100 ህንጻታት ከምዝዓነዉ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ፡ ኩለን ጉጅለታት ምድላይን ምድሓንን ሕቡራት ሃገራት፡ ንኻልኦት ሓደሽቲ ጉጅለታት ረድኤት- ሎጂስቲክስን ካልእ ድጋፍን ንኽህባ ፍቓድ ከምዝሃበ ይሕብር።

    ዓለማውያን ጉጅለታት፡ ኣብ ላ ጓይራን ካራካስን ትኹረት ክገብራ እንከለዋ፡ ሲቪላዊ ሓለዋን ትካለት ውሽጢ ዓዲን ኣብ ካልኦት ኩሎም ከባቢታት ቬንዙዌላ ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋ ይገልጽ።

    ሮድሪገዝ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዞባ "ዓሰርተታት" ህንጻታት ከምዝዓነዉን፡ ኣዝያ ዝተሃስየት ግዝኣት ምዃናን ገሊጽዋ ነይሩ።

  15. ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቬንዙዌላ፡ ቊጽሪ ምውታት ይዓርግ ዝወረደ ዕንወት ይቕልቀል, ብስእሊ

    ውልቃዊ ሰነዳትን ወረቓቕትን ካብ ፍርስራስ ህንፃ ሒዙ ዝወፅእ ነባሪ [ኣብ ግዝኣት ጓዋይራ ]
    መግለጺ ስእሊ, ውልቃዊ ሰነዳትን ወረቓቕትን ካብ ፍርስራስ ህንፃ ሒዙ ዝወፅእ ነባሪ

    ኣብ ቬንዙዌላ ሎሚ መሬት ምስ ወግሐ ነቲ ትማሊ ዘጋጠመ "ድርብ" ምንቅጥቃጥ ምድሪን ሳዕቤኑን ዘርኢ ስእልታት ይቕልቀል ኣሎ።

    ገለ ሰባት ካብ ዝፈረሰ ህንጻታት ውልቃዊ ንብረቶም ሒዞም ክወጹ ይረኣዩ።

    ካልኦት ድማ ኮፍ ኢሎም: ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዝበፅሐ ኣዕናዊ ትርኢታት ፍርስራስ ይዕዘቡ።

    ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 164 ከምዝዓበየ ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ከምዝገለፀት ሮይተርስን ኤኤፍፒን ሓቢሮም።

    ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ዓለም ህጹጽ ደገፍ ክህባ ቅሩባት ምዃነን ይገልጻ ኣለዋ።

    ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ደልሲ ሮድሪገዝ ብተለፎን ከምዝተዘራረበ ዝገለጸ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ሃገሩ እትህቦ ደገፍ "ቅልጡፍን ኣድማዒን" ከምዝኸውን ቃል ኣትዩ።

    ጀርመን ብወገና ንሰብኣዊ ረዲኤት ዘገልግላ 6 ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ከተዋፍር ቅርብቲ ምዃና ኣፍሊጣ። ስዊዘርላንድ'ውን 80 ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋ ክትሰድድ እያ። ነዘርላንድስ (ሆላንድ) ድማ 2 ሚልዮን ዩሮ ቀሪባ'ላ። ስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ቻይናን ህንድን'ውን ደገፍ ክህባ ከምዝደልያ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

    "ድርብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ" ዝብሃል ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ተኸታቲሉ ዝኽሰት እዩ። ኣብዚ ናይ ቬንዙዌላ፡ ፈለማ 7.2 ነጥቢ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ'ዩ ኣጋጢሙ፡ ድሕሪ 38 ካልኢታት (ሰንከንድስ) ድማ እቲ ዝዓበየ 7.5 ዝበጽሕ ምንቅጥቃጥ ስዒቡ።

    ኣብ 2023 ኣብ ቱርኪን ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ኣስታት 55,000 ሰባት ምቕታሉ ይዝከር።

    ኣብ ግዝኣት ላ ጓይራ
    ኣብ ከተማ ካራካስ ምፍራስ ሓደጋ ዝጋጠሞ ህገዚፍ ህንፃ
    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ካራካስ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝጋጠሞ ገዚፍ ህንፃ
    ብኸባቢ ዝፈረሱ ህንፃታት ዝሓልፉ ኣባለት ስድራ [ኣብ ካራካስ]
    መግለጺ ስእሊ, ብጥቓ ዝፈረሱ ህንፃታት ዝሓልፉ ኣባለት ስድራ
  16. ጻዕሪ ህይወት ኣድሕንን ብድሆታት ቬነዝወላን

    ዝሰንበዱ ቈልዑ

    ኣብዚ እዋን ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ሓያሎ ደርብታት ዘለዎ ህንጻታት ተደጒሎም ንዘለዉ ሰባት ንምድሓን ኣብ ህጹጽ ስራሕ ይርከቡ ኣለዉ።

    ይዅን እምበር፡ እዚ ሓደጋ ዘጋጥም ዘሎ ቬነዝወላ ኣብ ከቢድ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ተሸሚማ ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ።

    ካብ ተመኵሮን ኵነታት እታ ሃገርን ክግምገም ከሎ፡ እዚ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ንዓቕሚ ትካላት ጥዕናን ህይወት ኣድሕንን እታ ሃገር ዓቢ ብድሆ ኰይኑዎ ኣሎ።

    ስእነት መድሃኒት፡ ማሽነሪታትን ነዳድን ነቲ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ብኸቢድ ዘዳኽሞ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

    እዚ ድርብ ርእደ-መሬት ነታ ብድሮኡ እውን ብስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ጽንኩር ኵነታት እትርከብ ሃገር፡ ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሸምም ታሪኻዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

    ዝዓነወ ኣባይቲ
    ሱፐርማርኬት
  17. ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን መግለጺ መንግስትን

    ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬነዝወላ ዴልሲ ሮድሪገዝ ኣብ መላእ እታ ሃገር 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' (State of Emergency) ኣዊጃ።

    ንሳ ብዛዕባ ቍጽሪ ምዉታት ብንጹር ኣሃዝ እኳ እንተ ዘይገለጸት፡ ነቶም ግዳያት ዝዀኑ ዜጋታት ግን መልእኽቲ ምጽንናዕ ኣመሓላሊፋ።

    ምኒስተር ጕዳያት ውሽጢ ዲዮስዳዶ ካቤሎ ብወገኑ፡ ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዞባታት ትሩሒዮ፡ ያራኩይ፡ ካራቦቦ፡ ኣራጓ፡ ሚራንዳ፡ ካራካስን ላ ጓይራን ብኸቢድ ከም ዝተሃስያ ኣረጋጊጹ።

    ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ድማ ብፍላይ ከባቢታት ፓሎስ ግራንደስን ኣልታሚራን ዝለዓለ ዕንወት ከም ዘጋጠመን እቲ ምኒስተር ወሲኹ ሓቢሩ።

    ካብ ፍርስራስ ዝወጸት ኣደ
    ካብ ኣባይቶም ዝወጹ ነበርቲ ካራካስ
  18. ምፍራስ ህንጻታትን ስግኣት ዝለዓለ ቍጽሪ ግዳያትን

    ዝፈረሰ ኣባይቲ

    እዚ ሓደጋ ኣብ ቬነዝወላ ሃገራዊ በዓል ኣብ ዝኽበረሉን፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉን ዕለት ብምኽሳቱ፡ መጠን እቲ ጕድኣት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

    ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ዝፈረሱ ኰይኖም፡ ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ እቲ ሓደጋ "ኣዝዩ ሰፊሕ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ልዑል ቍጽሪ ምዉታትን ከቢድ ዕንወትን ክህሉ ከም ዝኽእልን ብትሪ ኣጠንቂቑ።

    ብተወሳኺ፡ እቲ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቬነዝወላ ብሰንኪ ዝወረዶ ከቢድ ዕንወት ንኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ዕጹው ኰይኑ ኣሎ።

    እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ረድኤት ከየደናጕዮ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

    ዝፈረሰ ኣባይቲ
  19. ቬነዝወላ፡ ዘስካሕክሕ ድርብ ምንቅጥቃጥ-መሬትን ስፍሓት ሓደጋን

    ደቃ ሒዛ ትሃድም ኣደ

    ኣብ ቬነዝወላ፡ ርእሰ ከተማ ካራካስ ሓዊሱ ሓያሎ ዞባታት ዘናወጸ፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘስካሕክሕን ድርብ ምንቅጥቃጥ-መሬት ኣጋጢሙ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ (USGS)፡ እቲ ቀዳማይ 7.2 ዝዓቐኑ (ብገሊኡ ጸብጻባት 7.1) ምንቅጥቃጥ-መሬት ኣብ ከባቢ ሞንታልባን 13.2 ኪሎሜተር ኣብ ትሕቲ መሬት ዘጋጠመ እዩ።

    ድሕሪ 39 ካልኢታት ድማ 7.5 ዝዓቐኑ ካልኣይ ሓያል ምንቅጥቃጥ-መሬት ካብ ዩማረ 23 ኪሎሜተር ርሒቑ፣ ኣብ 10 ኪሎሜተር ዕምቈት ተኸሲቱ።

    እዚ ፍጻመ (ኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ) ሰዓት 18:04 ድሕሪ ቐትሪ እዩ ኣጋጢሙ።

    እቲ ምንቅጥቃጥ ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ ጽልዋኡ ክሳብታ ርእሰ ከተማ ጐረቤት ሃገር ዝዀነት ኮሎምብያ ዝዀነት ቦጎታ ብርኡይ ተሰሚዑ።

    መጀመርታ ንቬነዝወላን ደሴታት ቨርጂን ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘጠቓልል መጠንቀቕታ ሱናሚ ተዋሂቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ዳሕራይ ግን ተሰሪዙ።

  20. ሕቡራት ሃገራት: ተቖጻጸርቲ ኑክሌር ናብ ኢራን ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ

    ዋና ዳይረክተር ዓለማዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት፡ ራፋኤል ግሮሲ፡
    መግለጺ ስእሊ, ዋና ዳይረክተር ዓለማዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት፡ ራፋኤል ግሮሲ፡

    ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቁጽጻር ኑክሌር፡ ብመሰረት ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ መባእታዊ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ኢራን መርመራ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

    ዋና ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት፡ ራፋኤል ግሮሲ፡ ኣብ ጃፓን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ መርመራታት ናይ ግድን ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    "ኣብቲ መስርሕ፡ ኣገባባት፣ ዕለታትን ቦታታትን - ኣብ ቀረባ እዋን ክንሰርሓሉ ኢና። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ምዕናው ናይቲ ኣዝዩ ዝተሃብተመ ዩራንየም ኢራን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቲ ትካል- IAEA ኰይኑ ከምዝፍጸም "ብግልጺ ከምዝሰፈረ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ይኹን’ምበር ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ምርኣይ ዝተሃስዩ ማእከላት ኑክሌራዊ ትካላትን ንብረትን፡ ኣብ መፈፀምታ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ጥራይ ከምዝኸውን ኣሚቱ።

    ግሮሲ ነዚ ዝገለጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምብጻሕ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ከምዝተራኸበን፡ ናብ ኩዌትን ባሕሬንን ክገይሽ ምዃኑን ተፈሊጡ።