ሑቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም

ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።
  • ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ክልተ ደብዳባት ኣየር ብውሑዱ 177 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል "ገበናት ኲናት" ከም ዝፈጸመት ዘእምን እኹል መረዳእታ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።
  • ምኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ፈደራል ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ናብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ተዛዊሮም ትምህርቶም ክቕፅሉ ከምዝወሰነ ምግላፁ ይዝከር።
  • ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA)፡ ኣብ ጽላት ዕደና ኦሮምያ ንዝዋፈሩ ኣውፈርቲ፡ ኣከባብያዊ ቅጥዒታት ክኽተሉን ኣብ ስርሓቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከሳትፉን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።
  • ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኪነታዊ ብልሒ ዘሎ ስግኣታት "ሓሶት" ወይ ኣመና ዝተጋነነ እዩ ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብዚ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተወሳኺ ምቍጽጻር ክግበር ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነቒፉ።
  • ናይ ኣፍሪቃ ዝሃብተመ ሰብ ናይጀርያዊ ቢልየነር ኣሊኮ ዳንጎተ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ኣህጉር ዝዓበየ ናይ ብርኪ (ኣክስዮን) መሸጣ ብምብጋስ፡ ካብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ዓቢ መጻረዪ ነዳዲኡ 3 ሚእታዊት ዝኸውን ብጽሒት ንህዝቢ ኣብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።
  • ብኣንፈት ኣትላንቲካዊ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝተበገሱ ስደተኛታት 80 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ

    ነዳዲ

    ኢራንን እስራኤልን ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ምያዝያ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ ንፈለማ እዋን ናብ ሓድሕድ መጥቃዕቲታት ድሕሪ ምእታወን ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ የርኢ ኣሎ።

    ዋጋ ናይቲ ዓለምለኻዊ መምዘኒ ዝዀነ ነዳዲ ብሬንት ብ4.5 ሚእታዊት ወሲኹ። ዋጋ ሓደ ባረል 97.30 ዶላር በጺሑ።ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብ4.3 ሚእታዊት ወሲኹ ናብ ከባቢ 94.50 ዶላር ክብ ኢሉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ውግእ ክሰጋገር ድዩ ገና እኳ ዘይተፈልጠ እንተዀነ፡ ነጋዶ ግና ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ነዳዲ ከጋጥም ዝኽእል ስግኣታት ኣብ ግምት የእትውዎ ከም ዘለዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጄምስ ኩክ ናይ ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጂያጂያ ያንግ ገሊጹ።

    ሎሚ ዕዳጋታት እስያ ሓያል ምንቍልቋል ዘርኣየ ኰይኑ፡ ከም ናይ ደቡብ ኮርያ ኮስፒ ዝበሉ ዓበይቲ መለክዒታት ቍጠባ ብዓቢ ደረጃ ብምውራድ ብ8 ሚእታዊት ኣንቈልቊሎም ኣለዉ።

  2. ሑቲ፡ መራኽብ እስራኤል ዒላማ ከም ዝገብርን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ገሊጹ

    የሕያ ሳሬዕ
    መግለጺ ስእሊ, ወሃቢ-ቓል ሑቲ የሕያ ሳሬዕ

    እቲ ኣብ የመን ዝመደብሩን ብኢራን ዝድገፉን ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእተካይዶ ኵሉ ጕዕዞታት ክዓግቱዋ ምዃኖምን ዝዀነ ዝግበር ምንቅስቓስ ከም ዒላማ መጥቃዕቶም ከም ዝውሰድን ይገልጹ ኣለዉ።

    ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝጓዓዛ መራኸብ እስራኤል ብቐጻሊ ከጥቅዑ ጸኒሖም እዮም።

    እቲ ጕጅለ ብኣፈኛኡ የሕያ ሳሬዕ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሚሳይላት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ እውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል፡ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ከም ዝተፈጸመ ሓቢራ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ኢራን ቅድሚ "ቅሩብግዜ" ናብእስራኤል ገጻ ሚሳይላት ከም ዝተኰሰት ገሊጹ።

    እቲ ሓይሊ ምክልኻል ወሲኹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነቲ ስግኣት ንምምካት ስርዓ- ምክልኻል ስጕምቲ ብምውሳድ ይዓዩ ኣለዉ፡" ድሕሪ ምባል፡ ንህዝቢ’ውን መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህበ ሓቢሩ።

  3. ትራምፕ፡ እስራኤል ንዘተ ኣመሪካ-ኢራን ከይተተዓናቕፎ ኣጠንቒቑ

    ትራምፕ ኢዱ እናኣወጣወጠ

    እስራኤል መጥቃዕትታት ዝፈጸመት፡ ትራምፕ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሕነ ከይፈዲ ድሕሪ ምጥንቃቑ እዩ።

    ትራምፕ ኣቐዲሙ’ውን፡ እስራኤል ንበይሩት ከይተጥቅዕ ንዝሃቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባላ ተቘጢዑ ነይሩ እዩ።

    ስግኣት ትራምፕ፡ እቲ እስራኤል እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ከይተተዓናቕፎ እዩ።

    ማዕከን ዜና ኣክሲዮስ ዝጠቐሶ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ከም ዝበሎ፡ ዘተ ኣመሪካን ኢራንን “ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክበጽሕ ቀሪቡ ስለ ዘሎ፡” ትራምፕ ንበንያሚን ናታንያሁ ነቲ ጉዳይ ክጽበዮ ከም ዝነገሮ ተዛሪቡ።

    እዞም ክልተ መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ርክብ ተለፎን ኣካይዶም ነይሮም። ትራምፕ፡ በቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ተቘጢዑ እናጨደረ ንናታንያሁ ከም ዝተዛረቦ ንዝገልጽ ገለ ጸብጻባት ኣይነጸጎን።

    ፕራምፕ ቅድም ክብል ንፋይናንሻል ታይምስ ከም ዝተዛረቦ፡ በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ኣመሪካ ምስ ኢራን ተካይዶ ኵሉ ስምምዕ ክቕበሎ ክግደድ እዩ፣ ምኽንያቱ "ካልእ ምርጫ የብሉን።"

    እዚ ማለት፡ "ኵሉ ውሳነታት ዝውስን ኣነ እየ፣ ንሱ ውሳነታት ኣይውስንን እዩ፡" እዩ ዝብል ዘሎ።

    ትራምፕ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣዝየን ቀሪበን ከም ዘለዋ ጠቒሱ። ከምዚ ክብል ፈለማዩ ኣይኰነን፣ ገና’ውን መዛዘሚ ኣይረኸበን ዘሎ።

  4. እስራኤል ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኢራን ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ገሊጻ

    እስራኤል፡ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኢራን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከም ዝሃረመት ገሊጻ ኣላ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ተለግራም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ቅድሚ ሓጺር እዋን፡ ኣየር ሓይሊ እስራኤል፡ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኢራን ዝርከቡ ናይቲ ራዕዳዊ ስርዓት ወተሃደራዊ ቦታታት ዒላማ ገይሩ ኣሎ፡" ኢሉ።

    ኣብ ሰባት ብዛዕባ ዘውረዶ ጕድኣት ኮነ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሎም ቦታታት ኣበይ ምዃኖም ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

    እዚ ከምዚኢሉ ከሎ፡ መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ነትጒታት ከም ዝተሰምዐ ጸብጺባ።

    እስራኤል፡ ሓይሊ ኣየራ ኣብ ማእከላይንምዕራባውን ኢራን ወተሃደራዊ ሸቶታት ከም ዝሃረመ ካብ እትገልጽ ንደሓር፡ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ሰለስተ ቦታታት ድምጺ ቦምባታት ከምዝተሰምዐ ጸብጺቡ ኣሎ።

    እቲ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ተለግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ቴህራን፡ ተብሪዝን ኢስፋሃንን ሓያሎ ባንባታታት ተሰሚዖም፡" ኢሉ።

    ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ ማእከል ከተማ ካራጅ ባንባታታት ከም ዝተሰምዐ ጸብጺቡ።

    እስራኤል ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኢራን ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ገሊጻ
  5. ኣብ ቴህራን ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየዱ ኣለዉ

    ነቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት ዘካየደቶ መጥቃዕትታት ስዒቡ፡ ኣብ ቴህራን ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ደገፍቲ መንግስቲ ሰልፊታት ዘርእዩ ምስልታት ይዝርግሑ ኣለዉ።

    ኣብቶም ኣሳእል ዘለዉ ሓያሎ ካብቶም ሰልፈኛታት፡ ባንዴራታት ኢራንን ሓዝቦላህን ኣለዉ።

    ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቴህራን
    ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቴህራን
    ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቴህራን
  6. እስራኤል ካብ የመን ሚሳይል ከም ዝተተኰሳ ገሊጻ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ካብ የመን ናብ እስራኤል ዘቕንዐ ምውንጫፍ ሚሳይል ከም ዘለለየ ገሊጹ።

    እቲ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣሃዱ ምክልኻል ስርዓተ-ኣየር፡ “ነቲ ሓደጋ ንምዕጋት ይሰርሑ ኣለዉ፡” ክብል ገሊጹ።

    ዘ ታይምስኦፍ እስራኤል ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ መላእ ኢዮሩሳሌም፡ ቴል ኣቪቭን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ክፋላት ማእከላይ እስራኤልን ናይ መጠንቀቕታ ደውላት የቃልሑ ኣለዉ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድሕሪ ዝገበሮ “ገምጋም ኵነታት”፡ ሰባት ሕጂ “ኣብ ኵሉ ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ዝተዓቘብሉ ቦታታት ክወጽኡ ተፈቒዱሎም ኣሎ፡” ኢሉ ኣሎ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ካብ የመን ናብ እስራኤል ዘቕንዐ ምውንጫፍ ሚሳይል ከም ዘለለየ ገሊጹ።
  7. ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ምያዝያ ድሕሪ ምኽያዱ እንታይ ስዒቡ?

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ብ8 ምያዝያ ኣብ ግብሪ ውዒሉ፡ እስራኤል ነቲ ስምምዕ እኳ እንተ ደጊፋቶ፡ “ንሊባኖስ ኣየጠቓልልን እዩ” ክትብል ግን ገሊጻ።

    ናይ ኢራን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ፡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝግበር መጥቃዕትታት እንተ ቀጺሉ፡ “ጣዕሳ ዘስዕብ ግብረ-መልሲ” ከም ዝህብ ቃልኣትዩ።

    ካብኡ ንነጀው፡ እቲ ዘተኣማምን ዘይኰኑ ምቍራጽ ተዅሲ ተፈቲኑ እዩ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኲናት ንከኽትም ዝግበር ስምምዕ ብዝምልከት ድማ እተሓላለኸ መልእኽትታት ክመሓላለፍ ጸኒሑ።

    ካብኡ ንነጀው ዝነበረ ናይ ፍጻመታት ብቕደም ተኸተል ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤

    • 8 ምያዝያ፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ዝጀመረሉ ዕለት፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ኣብ ሊባኖስ ን100 ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ኣዊጃ።
    • በዚ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባትከም ዝቐተለ ሰበስልጣን ሊባኖስ ይገልጹ። ኣብዚ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት እቲ ዝሓያለ ነይሩ። ሓደ ምኒስተሪኢራን “ከቢድ ግህሰት” ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክብል ገሊጹዎ።
    • 13 ምያዝያ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐ ምስ ፈሸለ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ማያዊ ዕጽዋ ጀሚራ።
    • 16 ምያዝያ፡ ብትራምፕ ዝተኣወጀ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ግብሪ ውዒሉ፣ ንዓሰርተ መዓልታት ክጸንሕ ድማ ተወሲኑ።
    • 17 ምያዝያ፡ ኢራን እቲ ኣብ እዋን ኲናት ብቴህራን ተዓጽዩ ዝነበረ መጻብቦ ሆርሙዝ ንንግዳውያን መራኽብ ዳግማይ ከም ዝተኸፍተ ገሊጻ። እዚ ክሳዕ 18 ምያዝያ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ቴህራን ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ኣመሪካ ማያዊ ዕጽዋ ነቲ መጻብቦ ክትዓጽዎ ምዃና ገሊጻ።
    • 23 ምያዝያ፡ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ዝግበር ካልኣይ ዙር ዘተ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ቈጸራ ተታሒዝሉ። ትራምፕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝግበር ምቍራጽ ተዅሲ ንሰለስተ ሰሙን ከም ዝተናውሐ ገሊጹ።
    • 24 ምያዝያ፡ ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃሬድ ኩሽነርን ምስ ኢራን ዘተ ንምክያድ ናብ ፓኪስታን ከም ዝቅንዑ ተገሊጹ ነይሩ፣ እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣመሪካ “ኵሉ ካርታታት” ኣብ ኢዳ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ነዚ ጕዕዞ ሰሪዙዎ። እዚ ዘረባኡ ዝመጽአ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ሃገሩ፡ “ኣመሪካ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ብሓቂ ዕትብቲ እንተዀይና ከተርኢ ከም ዘለዋ፡” ምስ ገለጸ እዩ።
    • 3 ግንቦት፡ ትራምፕ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ ምዕጻዋ ዝተዓግታ መራኽብ መንገዲ ንምኽፋት ዝዓለመ ‘ስርሒትሓርነት’ ብዝብል ኣዊጁ።
    • 5 ግንቦት፡ ይዅን እምበር፡ ኣመሪካን ኢራንን ናብ ስምምዕ ክበጽሓ ዝኽእላ እንተ ኰይነን ንምርኣይ እቲ ፕሮጀክት “ንሓጺር እዋን” ከም ዝቋረጽ ገሊጹ።
    • 12 ግንቦት፡ ትራምፕ እቲ ንሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ “ከቢድ ናይ ህይወት ደገፍ” ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ቓሊባፍ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን፡ “ንዝዀነ ይዅን ጽንፈኝነት ምላሽ ክህቡን ትምህርቲ ከቕስሙን ድሉዋት፡” ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
    • 24 ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ “ብብዝሒ ዝተዘተየሉ”ን ዝርዝራቱ ድማድሕሪ ሓጺር እዋን ክግለጽን ምዃኑ ገሊጹ። ሓደ ወሃቢ-ቓል ምኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ግናመርገጺ ኣመሪካን ኢራንን ምቅራረብ፡ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ስምምዕ ክግበር እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ።
    • 6 ሰነ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ወሽመጥ መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንናይ ኢራን ድሮናታትን ናይ ራዳር መዓስከራትን ዒላማ ክገብሩ ከለዉ፡ ኢራን ድማ ናብ መዓስከራት ኣመሪካ ሚሳይላት ተኲሳ።
    • 7 ሰነ፡ ኢራን ናይ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ “ሰሙን ምሉእ ንዝካየድ መጥቃዕቲታት ፈወንታ፡” ኢሉ ኣብዝጸውዖ ፍጻመ፡ ማዕበል ሚሳይላት ናብ እስራኤል ወርዊራ። እቲ ናይ ኢራን መጥቃዕትታት ዝመጽአ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቤይሩት ንዝርከቡ ናይ ሕዝቦላህ ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ።
  8. ‘ይኣኽለኩም በሉ። ሕጁ ናብ መኣዲ ዘተ ተመለሱ' - ትራምፕ ንኢራን

    ኢራን፡ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ክትምለስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተማሕጺኑ።

    ዶናልድ ትራምፕ "ሚሳይላትኩም ተኲስኩም ኢኩም። እዚ እኹል እዩ። ናብ መኣዲ ዘተ ተመሊስኩም ውዕል ግበሩ" ክብል ከምዝተዛረበ ፎክስ ኒውስ ጠቒሱ።

    ዋሽንግተን ምስ ቴህራን ዝጸንሓ ግጭት ደው ንምባልን ክልቲኦም ወገናት ዝተሰማምዕሉ ምቊራጽ ተጻብኦታት ንምቕጻልን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

    ‘ይኣኽለኩም በሉ። ሕጁ ናብ መኣዲ ዘተ ተመለሱ' - ትራምፕ ንኢራን
  9. ሰራዊት እስራኤል፡ ኢራን ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ሚሳይላት ከምዝተኮሰት ገሊጹ

    ሰራዊት እስራኤል፡ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ማዕበል ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ከም ዘምከነ ገሊጹ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ሳይረን ከምዝተሰምዐ ወሲኹ ሓቢሩ።

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብወገኑ "እዚ ስርሒት ንምሉእ ሰሙን ክቕጽል'' ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

    "ጸላኢ ክሳብ ዝዕገትን ገበናቱ ክሳብ ዘቋርጽን ንዝቕጽሉ 7 መዓልታት ን24 ሰዓት ማዕበል ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክውጨፉ እዮም" ይብል።

    "ንመሬት ኢራን ዒላማ ዝገበረ ድማ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኣዕናውን ልዕሊ ዓቕምን ምላሽ ክወሃቦ’ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኢራን ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ሚሳይላት ከምዝተኮሰት ገሊጹ
  10. ሕዝቦላህ ኣብ መንጐ ሊባኖስን እስራኤልን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ነጺጉ

    ድሕሪ ደብዳብ ዝተራእየ ጽዑቕ ትኪ

    ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምንዋሕ ምቊራጽ ተዂሲ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ እቲ በመንጐኝነት ኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ንሊባኖስ "ዘሕስር'ዩ" ክብል ነጺግዎ።

    ሰለስቲአን ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኣኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ሕዝቦላህ "ምሉእ ብምሉእ ተጻብኦታት ደው እንተኣቢሉ" ዝፍጸም ምዃኑ ኣፍሊጠን ነይረን።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

  11. ሶማልያ፡ ኣብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ከቢድ ግጭት ተፈጢሩ

    ካብ ማእከል ከተማ ሞቓድሾ ዝወጽእ ጻዕዳ ትኪ

    ኣብ ሶማልያ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓት ተቓወምቲን ጽዑቕ ምልውዋጥ ተዂሲ ተሰሚዑ።

    እቲ ግጭት ብሰንኪ ምንዋሕ ምርጫ ዝተበገሰ እዩ።

    እብረ-ስልጣን ፕረዚደንት ሼኽ ሓሳን ማሕሙድ ብ15 ግንቦት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ንሓደ ዓመት ምንውሑ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

    ምንዋሕ ዕድመ-ስልጣን ናይቲ ፕረዚደንት ዘይቅዋማዊ'ዩ ክብሉ ዝነቐፉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሎሚ ሓሙስ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም ነይሮም።

    "መጠነ-ሰፊሕ ጸጥታዊ ስርሒታት" የካይዱ ምህላዎም ዝገለጹ ፖሊስ፡ ኣንጻር "ልዑል ዕጥቂ ዘለዎምን ብሞርታራት መጥቃዕቲ ዘካይዱን ሚሊሻ" ገጢሞም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

    ሓደ ካብ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዝኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሳን ዓሊ ካይረ፡ "ሰላማዊ" ተቓውሞ ንምግባር እናተዳለወ እንከሎ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተጠረቕዐ ከሲሱ።

    ሓላፍነት ናይቲ ዝስዕብ ጉድኣት እቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ'ለ።

    ዛጊት ብዛዕባ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

  12. ኲዌት፡ ህይወት ሰብ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኢራን

    ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኲዌት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ኣብቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ልዕሊ 60 ሰባት'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

    ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ነዳዲን ደሴት ቀሽምን ዝተኻየደ ደብዳብ ኣመሪካ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

    "ናይ ምክልኻል" መጥቃዕቲ ከምዝወሰደት ዝገለጸት ዋሽንግተን፡ ናብ ኲዌትን ባሕሬንን ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኢራን ከምዘበርዓነት ሓቢራ'ላ።

    ሓያሎ ዜጋታታ ከምዝተቐትሉ ዝገለጸት ህንዲ ብወገና፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዂናን ደው ክብል ጸዊዓ።

    "እቶም ወገናት መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ደጊምና ንጽውዕ ይብል ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ዝወጸ መግለጺ።

    ደግሲ ናይቲ መጥቃዕትታት ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝተበጽሐ ምቊራጽ ተዂሲ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ።

  13. ብዛዕባ ጸረ መጥቃዕቲ ኣመሪካን ኢራንን እንታይ ንፈልጥ?

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ "ካብ ደሴት ቐሽም ንደቡብ ዝርከብ ናይ መጸናጸኒ መደበራት ሰውራ ኢራን" ከምዘጥቅዐት ይገልጽ፡

    ሓይሊ ኣየር ኢራን ድማ፡ "ኣብቲ ዞባ ኣብ እትርከብ ሃገር ዝርከብ መደበር ኣየርን ሄሊኮፕተርን" ከምኡ'ውን፡ "ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሓሙሻይ መርከብ ኣመሪካ" ብምጥቃዕ ምላሽ ሂቡ።

    ብመሰረት ጸብጻባት እቲ ከባቢ፡ ኣብ ኩዌት ዝርከብ መዓስከር ኣየር ዓሊ ሳሌም ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ይሕብር።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ኣረጋጊጹ፡ ኩሎም ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዝተዓገቱ’ውን ሓቢሩ።

    ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣባላቱ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘይበጽሖን ኣብ ልዕሊ ደሴት ቐሽም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ነብሰ ምክልኻል" ከምዝኾነን ገሊጹ።

  14. ኩዌት፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም

    በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኩዌት፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም።

    መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኩዌት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ሚሳይላትን፡ መጉዳእቲ ከምኡ’ውን ምቁራጽን በረራታት ከምዘስዓበ ሓቢሩ።

    እቲ ጸብጻብ ንበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኩዌት ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንህንጻ T-1 ናይቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን፡ በረራታት ናብ ካልእ ኣማራጺ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተመርሓን ገሊጹ።

    እቲ ማዕከን ዜና፡ ዜጋታት ካብ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዝወድቁ ስብርባራት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።

    ኩዌት፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም
  15. ኢትዮጵያ፡ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ኣሎ

    ኢትዮጵያ፡ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ኣሎ

    ኣብ ዝተፈላለዩ ነቚጣታት ምርጫ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ትማሊ ሰኑይ 1 ሰነ ዝተኻየደ፡ ትግራይን ሰፋሕቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘይተሳተፍዎ መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ከምዝተናውሐ ይፍለጥ።

    ካብቶም ኣስታት 54 ሚልዮን ንከድምጹ ዝተመዝገቡ ዜጋታት፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ድምጾም ከም ዝሃቡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ'ሎ።

    ቆጸራ መዓልታት ከምዝወስድ'ኳ ትጽቢት ዝግበር እንተኾነ፡ ብኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ክስዕር ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ገለ ምርጫ ክካየደሉ ተመዲቡ ዝነበረ ቦታታት'ውን ብሰንኪ ጸጥታዊ ኲነታት መስርሕ ምድማጽ ተቛሪጹ ወይ ተደናጒዩ ነይሩ።

    ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ። መንግስቲ ግን ነቲ ክስታት ከነጽጎ'ዩ ዝስማዕ።

  16. ኬንያ፡ ኣንጻር መወሸቢ ኢቦላ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

    ሓዊ ብምእጓድ ጐደና ዝዓጸዉ ተቓወምቲ፡ ኣብ ቅድሚ ብርቱዕ ሓልሃልታን ጸሊም ትኪን፡ ባንዴራ ኬን ያብኢዱ ሒዙ ደው ዝበለ ብዓል ቆቢዕ ኬንያዊ

    በቲ ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ክትሃንጾ ወጢና ዘላ መወሸቢ ማእከል ሕማም ኢቦላ ዝተቖጥዑ ኬንያውያን ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።

    ኣብታ ጥቓ'ቲ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ማእክል እትርከብ ከተማ ናንዩኪ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ክመውት እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ሬሳኡ ጥራይ'ዩ ናብ ሆስፒታል ክበጽሕ ክኢሉ።

    እቲ ብኣመሪካውያን ሓካይምን ክኢላታት ጥዕናን ዝካየድ ማዕከል ነቶም በቲ ዛጊት ኣብ ዶሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣማኢት ሰባት ዝቐተለ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ዘዕቊብ እዩ።

    ዛጊት እቲ ሕማም ኣብ ኬንያ ኣይተራእየን ዘሎ።

    ኣብ ጐረቤት ሃገር ዩጋንዳ ግን ብውሕዱ 9 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንጠለብ ኣመሪካ ብምቕባል ነቲ ማእከል ክህነጽ ከምዘፍቀደ ብምግላጽ፡ እቲ ስግኣት ንፖለቲካዊ መዓላ ክውዕል የብሉን ብምባል ተቓውሞታት ክሃድእ ጸዊዑ።

    ሰብሞያ ጥዕና፡ ማሕበር ሓካይምን ገለ ኣካላት መንግስቲን እቲ ማእከል ንህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ ተቓውምኦም ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

    ልዕሊ 20 ሚእታዊት ባጀት ጥዕና ኬንያ ብደገፍ ኣመሪካ ከምዝሽፈን ይፍለጥ።

    ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክልቲአን ሃገራት ዝፈረማሉ ስምምዕ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ዝዓለመ እዩ። ኣስታት 1.7 ቢልዮን ካብኡ ኣመሪካ እትሽፍኖ ኮይኑ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ ስምምዕ'ዩ ነይሩ።

  17. ዝርግሐ ኢቦላ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን፡ ሰለስተ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ

    ሰራሕተኛታት ጥዕና

    እቲ ዛጊድ ኣስታት 250 ሰባት ዝቐተለን ሳሕቲ ዝረአን ዓይነት ኢቦላ ንምክልኻል ሰለስተ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ።

    እቲ ሓደ ብዓለምለኻዊ ተበግሶ ክታበት ኤይድስ (IAVI) ዝምዕብል ክኸውን ከሎ፡ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ኣፍራዪ መድሃኒት ሞደርናን ድማ ካልኦት ጻዕርታት ይግበሩ ኣለዉ።

    ንነፍሲ ወከፍ ናይ ምርምር ጕጅለታት ዝምውል ዘሎ ‘ምህዞታት ድልውነት ለበዳ’፡ ኣብ መኸተ ኣንጻር እቲ ሕማም “ነፍሲወከፍ መዓልቲ ተገድስ እያ፡” ክብል ገሊጹ።

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ልዕሊ 1000 ሰባት ብቫይረስ ቡንዲቡግዮ ከም ዝተለኽፉ ዝግመት ኰይኑ፡ ኣብ ኡጋንዳ ድማ ትሽዓተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ።

    ሓላፊ IAVI ዶክተር ማርክ ፋይንበርግ፡ "እዚ ሕጂ ዘሎ ለበዳ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝኸፍአ ናይ ምዃኑ ተኽእሎ ሓደጋ ኣሎ፡" ኢሉ።

    "ዋላ'ውን ከምኡ ከቢድ እንተ ዘይኰኑ፡ እቲ ቀዳምነት ክታበት ምውሳኽን ካልእ መከላኸሊ ስጕምትታት ምውሳድን'ዩ።"

    እቲ ኵነታት "ኣዝዩ ከቢድ" ምዃኑን ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝሒ ዘለዎም ሕሙማት ከም ዝተመዝገቡን፡ ጕጅለ ሕክምናዊ ጕጅለ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ኣቃሊሑ ኣሎ።

  18. ትራምፕ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድትራምፕ:

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድትራምፕ: ምስ ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ኢራን ተዅሲ ደው ምባል ንምንዋሕን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋትን፡ ዝዓለመ ስምምዕ ክብጻሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጹ።

    "ኣብዚ ሕጂ እዋን ነገራት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ። ንእሽቶ ጸገም ነይሩ፡ ከምቲ ትርእይዎ ዘለኹም ግን ቀልጢፈ ፈቲሐዮ፡" ክብል ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።

    ትራምፕ እቲ ጸገም እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምዃኑን እዚ ድማ ንኢራን ከም ዘቘጥዐን ገሊጹ።

    ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁን ወከልቲ ሕዝቦላህን ከም ዝተዘራረቡን "ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝተሰማምዑን፡" ተዛሪቡ።

    ትራምፕ ወሲኹ፡ "ንሕዝቦላህ ደው ኣብሉ ኢለዮም፣ ንናታንያሁ’ውን ተዅሲ ኣቝሙ ኢለዮም። ክልቲኦም ተዅሲ ኣቋሪጾም፡" ኢሉ።

    እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝመጽእ ሰሙን ክኽፈት እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

  19. ቦርድ መረጻ፡ 40 ሚልዮን መረጽቲ ድምጾም ከም ዝሃቡ ኣፍሊጡ

    ድምፂ ዝህባ ሽማግለ ሰበይቲ
    መግለጺ ስእሊ, ድምፂ ዝህባ ብዕድም ዝደፍኣ ሽማግለ ሰበይቲ

    ኣብ መበል ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረጻ ንምምራጽ ካብ ዝተመዝገቡ 54 ሚልዮን መረጽቲ፡ ክሳብ ሰዓት 2፡00 ኣጋ ምሸት [ግ] ዳርጋ 40 ሚልዮን ድምጾም ከም ዝሃቡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ።

    ነቲ ከይዲ ኣመልኪታ መግለጺ ዝሃበት፡ ዋና ሓላፊት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሜላትወርቅ ሃይሉ፡ ብሰንኪ ጸገም ኔትወርክን ተሌፎንን መረዳእታ ዘይተኣከበሎም ከባቢታት ከም ዘለዉ'ውን ኣመልኪታ።

    ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ቡርጂ [ክልል ደቡብ] ዝርከብ ነቝጣ መረጻ ፡ “ኣካየድቲ ስራሕ ኣብቲ ነቝጣ መረጻ ወረቓቕቲ ድምጺ ምልክት እናገበሩን ድምጺ እናሃቡን ስለ ዝተረኸቡ” ምሉእ ብምሉእ ክዕጸው ከም ዝተወሰነ ተዛሪባ።

    ኣብ ልዕሊ እቶም ፈጸምቲ ዝውሰድ ስጕምቲ ድሒሩ ከም ዝግለጽ እውን ተሓቢሩ።

    ትማሊ 24 ግንቦት 2018፡ ካብ ሰዓት ኣጋ ወጋሕታ ዝጀመረ መስርሕ ድምጺ ምሃብ፡ ሻውዓይ ሓፈሻዊ መረጻ፡ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ እኳ እንተ ተናውሐ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝቐጸለ እታ ሓላፊት ተዛሪባ።

  20. ሰዓታት መረጻ ክሳብ ፍርቂ-ለይቲ ተናዊሑ

    ኣብ ምዱብ ግዜ ከድምጹ ዕድል ዘይረኸቡ ኣድመጽቲ ኣብ መናብር ኮፍ ኢሎም እናተጸበዩ

    ካብ ሰዓት 06፡00 (12፡00) ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 6፡00 (12፡00) ምሸት ክካየድ ዝግብኦ መስርሕ ምድማጽ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ከምዝተናውሐ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    እቲ ውሳነ ኣብ መስርዕ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣድመጽቲ ድምጾም ንምሃብ ዕድል ክረኽቡ ብዝብል ዝተወስደ ምዃኑ እቲ ሃገራዊ ቦርድ ገሊጹ።

    ብመሰረት ኣዋጅ 1162/2011 ዓንቀጽ 49 (4) ሕጊ ምርጫ እታ ሃገር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት መስርሕ ምድማጽ ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ክናዋሕ ይኽእል'ዩ።

    መስርሕ ምድማጽ ኣብ ዝተዛዘመሉ ነቚጣታት ቆጸራ ክጅምር'ውን እቲ ቦርድ ኣዚዙ'ሎ።