ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ምሕምሻሽ 'ስትራተጂካዊት' ነፋሪት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ብምሕምሻሻ ሓያሎ ሰባት ሞይቶም።
እታ ቢ-52 ዝተባህለት ስትራተጂካዊት ነፈሪት ካብ ምድሪ ምስ ተላዕለት'ያ ኣብ ሓጺር ህሞት ወዲቓ።
እዛ ካብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንስሩዕ ፈተነ እናተበገሰት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኑክሌራዊ ቦምባታት ክትዓጥቕ እትኽእል'ያ።
እቲ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ካብ ከተማ ሎስ-ኣንጀለስ ኣስታት 160ኪሜ ንሰሜን ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ምድረበዳ ሞጃቭ ተደኲኑ ዘሎ'ዩ።
"ሎሚ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኤድዋርድ ዘሕዝን ሓደጋ ኣጋጢምዎ ኣሎ፡ ሸሞንተ ኣገደስቲ ኣመሪካውያን ድማ ከሲርና ኣለና" ክብል ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ መዓስከርን ፈተነታት በረራን ኮሎነል ጄምስ ሃየስ ገሊጹ።
ካብቲ ሓደጋ ዝኾነ ሰብ ክድሕን ከምዘይክእልን'ውን እቲ መኮንን ኣሚቱ።
እዘን ዓርሞሸሽ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣካል 'ስትራተጂክ እዚ' ሰራዊት ኣመሪካ ኮይነን 31,751 ኪሎ-ግራም ዝበጽሕ ኑክሌራዊን ካልእ ስሩዕን ኣጽዋር ክጽዕና ዝኽእላ እየን።
ቢ-52 ኣብ 1950ታት ዝተሰርሓ ኮይነን፡ ኣብ ከም ቬትናም፡ ዒራቕ፡ ከምኡ'ውን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝተሳተፋ ምዃነን ይንገር።
ቁመተን 49 ሜትሮ ኮይኑ፡ ክሳብ 2,414 ኪሜ ክውንጨፍ ዝኽእል ሚሳይላት ክዓጥቃ ይኽእላ።
እዘን ነፍሲ ወከፈን ብሓሙሽተ ኣብረርቲ ዝምራሓ ገዘፍቲ ነፈርቲ ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ኣመሪካ እተን ዝነውሐ ዕድመ ዘለወን እየን። ፈለማ ኣብ 1952 ናብ ሰማያት ምስ በረራ ክሳብ ሎሚ ኣይወረዳን።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
















