BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኣደናቒ ምስጢራት ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ተኣምራት ጥንቲ ክሳብ ርሱን ዘመናዊ ጂኦ-ፖለቲካ
እዚ ባሕሪ ብስቕታ ይንቀሳቐስ ኣሎ—ብዓይኒ ዘይርአ፡ ግን ከኣ መጻኢ መልክዕ ዓለምና ዝቕይር ስዉር ጕዕዞ። ምስጢሩ ካብ ባክተርያ ይጅምር፡ ብተኣምራት እምነታ ሓሊፉ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ውድድር ሓይሊ ሓያላን ሃገራት ኰይኑ ኣሎ። ቀይሕ ባሕሪ እንታይ ዘይተነግረሉ ዓሚቝ ምስጢር እዩ ሓቢኡ ሒዙ ዘሎ?
ኤርትራ፡ ሕማም ትራኮማ ካብ ሱሩ ከም ዘጥፍኣቶ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣረጋጊጹ
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነቲ ጠንቂ ዕውረት ካብ ዝዀኑ ተላባዕቲ ሕማማት ዓለምና ቀዳማይ ዝዀነ ሕማም ንምምካት ድሕሪ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ ጻዕሪ ዝተረኽበ ውጽኢት "ታሪኻዊ" ዓወት ክብል ገሊጽዎ።
ቀጥታ , ትግራይ፡ ላዕለዎት ልኡኻት ሕቡራት ሃገራትን ኣምባሳደራትን መቐለ ኣትዮም
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ኣምባሳደር ዴንማርክ ሱነ ክሮግስትሩፕን ዝርከብዎም፡ ካብ ሸሞንተ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣምባሳደራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝሓቘፈ ልኡኻት ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ሎሚ 17 ሕዳር ከተማ መቐለ ኣትዮም።
'ውላድኪ ሞይቱ' ተባሂለ ነይረ - ድሕሪ 42 ዓመት ግን ብኢመይል ረኺቡኒ
ን42 ዓመታት፡ ዳያን ሺሃን ቃንዛኣ ኣብ ውሽጢ ልባ ቀቢራ፡ ንዋላ ሓደ ከየውከአት ጸኒሓ። በዅሪ ውላዳ ገና ከይሓቘፈቶ ከም ዝዓረፈ ኣሚና ህይወታ ቀጸለት። ሓደ ምሸት ግን፡ ኣብ ሞባይላ ሓንቲ ዘይተጸበየታ መልእኽቲ ኢመይል መጽአት።
5 ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነፅገ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰዳ እየን
እተን ሃገራት፡ ኣብ መስከረም፡ ነቶም ተቐባልነት ዘይረኸቡ ስደተኛታት ንምምላስ፡ ምስታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ይሰርሓ ከምዘለዋ ኣፍሊጠን።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ሰራዊት የመን ኣዝሊቑ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ዳግም ኣብ ትሕቲ ሑቲ ወዲቑ
ብደገፍ ስዑዲ ዓረብ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት መንግስቲ የመን፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ለቒቑ ብምውጻእ፡ ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሑቲ ኣብቲ ከባቢ ምሉእ ምቍጽጻር ክህልዎ ገይርዎ ኣሎ።
ትራምፕ ፑቲንን ሺን፡ እዚ ተወጢኑ ዘሎ ታሪኻዊ ርክቦም ንዓለም እንታይ ትርጕም ይህልዎ?
መራሕቲ ቻይና፡ ሩስያን ኣመሪካን ንፈለማ እዋን ኣብ ሓደ መኣዲ ዘቐርብ ሰለስተኣዊ ኣኼባ ንምክያድ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት፡ ኣብ ኤውሮጳ ሓያል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብቲ ከባቢ ብሸነኽ ትግራይ ዘለዋ ዓዲታት ንዝነበሩ ነበርቲን ወሃቢ-ቓል ሓይልታት ሰላም ትግራይን ኣዘራሪቡ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እንታይ ከምዝመስል ክርዳእ ክኢሉ'ሎ።
ካልእ ኣዛዚ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ እውን ኢዱ ሂቡ
ካብዚ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ መሳርዕ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብዝርአ ዘሎ ምግምማዕ፡ ሓያለ ኣዘዝቲ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ይጽንበሩ ኣለዉ።
መሳጢ ዛንታ ሓንቲ ካብ 15 ኣንስቲ ዝነበረት ብኸመይ ንግስቲ ስነ-ጥበብ ኰነት?
ብጥሜትን ጭቆናን ተዳኺማ፡ ኣብ ማእከል 15 ኣንስቲ ተዓቢጣ ዝነበረት ድኻ ጓለንስተይቲ፡ ሎሚ ግን ዓለም እትሰምዓ ኰይና ኣላ። እቲ ካብ ግልያነት ቃል-ኪዳን ናብ ጥርዚ ዓወት ዝመርሓ ዘደንቕ ምስጢር እንታይ ኰን ይኸውን? ዛንታ እታ ስኒ ከም ዘይብሉ ኣንበሳ ተኣሲራ ዝነበረት ማማ ናይክ።
ወናኒ ፌስቡክ ዝዀነ ሜታ 887 ሚልዮን ዶላር ተቐጺዑ
ማሕበራዊ ሚድያ ሜታ ብዘይ ፍሉይ ፍቓድ ስእሊ ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ብምርኣዩ 887 ሚልዮን ዶላር ብተቖጻጸርቲ ኢጣልያ ተቐጺዑ።
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሉ
ሓማስ፡ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚኡ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትለ ኣረጋጊፁ
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ
ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ'ሎ፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018
ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ስለዝቐየሮ ንግዚኡ ተኾሊፉ ኣሎ።
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ 'ፖለቲካዊ ግጭታት' ስለምንታይ ወሲኾም?
ኣብ መላእ ዓለም ዝኽሰቱ ግጭታት፡ መጥቃዕትታትን ህውከታትን ዝከታተልን ዝምዝግብን ትካል ‘ኣክሌድ’ (ACLED)፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ መስከረምን ጥቅምትን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠሙ “ፖለቲካዊ ዕላማ” ዝነበሮም መጥቃዕትታት ናይ 1,556 ሰባት ሞት ከም ዝተመዝገበ ኣፍሊጡ።
ወጥሪ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናበይ ከምርሕ ይኽእል - ኣብ ዶባትከ መን'ዩ ዘሎ?
ኣብ መፋርቕ 2024 ግን ሰራዊት ሱዳን ነተን ንክልተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ዳዕመ ስሪዕ ዝነበራ ካርቱም፡ ኡምዱርማንን ባሕርን ብምቍጽጻር ንሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ናብ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ሱዳን ደፊኦምዎ ይርከቡ።
ኢትዮጵያ መበል ሓምሸይቲ ዓባይ ቍጠባ ኣፍሪቃ ኰይና፡ ኣብ ናብራ ዜጋታት ግና እንታይ ትርጕም ኣለዎ?
ኢትዮጵያ ንመለክዒ ድምር ውሽጣዊ ፍርያታ ብምምሕያሽ፡ ኣብ ኣፍሪቃ መበል ሓምሸይቲ ዓባይ ቍጠባ ኰይና ምህላዋ ኣፍሊጣ። ይዅን'ምበር፡ እዚ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ቍጽራዊ ዕቤት ኣብ መነባብሮ ተራ ዜጋታት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
ውጽኢት መረጻ ኣመሪካ፡ ንሞስኮ፡ በይጂን፡ ቴህራንን ርያድን እንታይ ትርጕም ኣለዎ?
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ፍርቂ-እብረ፡ ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት)ን ኣብዝሓ መናብር ብምርካብ፡ ነቲ ዝተረፈ ናይ ክልተ ዓመት ስልጣን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዝኸውን ሓጋጊ ኣካል ክቈጻጸርዎ ክኢሎም ኣለዉ።
ትግራይ፡ ህይወት ዝበልዕ ዘሎ - ሓፂን ዝእረየሉ መኽዘን ኣፅዋር
ኣብ ትግራይ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ፡ ካብ መኽዘን ኣፅዋር ሓይልታት ትግራይ ዝተኣከበ ዘይመኸነ ሓፂን ምፍንጃሩ ስዒቡ፡ ህፃናት ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ድማ ቆሲሎም። ሰባት ናብቲ መኽዘን ኣፅዋር ከይዶም ዝኣርይዎ ሓፂነ-መፂን እንታይ እዩ? ንምንታይከ? እዚ ፅሑፍ ዳህሲስዎሎ፤
ኢትዮጵያ ካብ ሩስያ ብዛዕባ ዝዓደገተን '4ይ ወለዶ' ነፈርቲ ውግእን ጸረ-ኣየርን እንታይ ንፈልጥ?
እተን ሱ-35 ዝተባህላ 12 ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ዝኣዘዘተንን ሓደ ዓመት ኣቐዲመን ዝተረከባን ምዃነን ኣቢይ ጠቒሱ'ሎ። ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ጸረ- ኣየር ሚሳይላት'ውን ካብ ሩስያ ክትርከብ ምዃና ገሊጻ'ላ። ኣብቲ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዙኮቭስኪ ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ምርኽካብ ስነስርዓት ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ትካል ኑክሌር ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ተረኺቦም ነይሮም።
ካብ ኣርሲ ክሳብ ሞያለ፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ህይወት 85 ሰባት ዝቐዘፈ ደማዊ መጥቃዕትታት ኢትዮጵያ
ካብ ኣርሲ ክሳብ ሞያለ ኣብ ሓደ ሰሙን ብውሕዱ 85 ሰባት ዝተቐተልሉ፡ ሓያሎ ዝተመዛበልሉን ናብ ጐረቤት ሃገር ኬንያ ዝተሰደድሉን ደማዊ መጥቃዕትታት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጸጥታ ክፍተት ዘጕልሕ ኰይኑ ኣሎ።
ሰለስተ ግዜ ካብ ሞት ዘምለጠ ጀነራል ዮሃንስ መን እዩ? ስለምንታይከ 'መዲድ' ተባሂሉ?
ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮርግስ ኣብዚ ቅንያት ናብ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ‘ኢዱ ሂቡ’ ብዝብል ቀንዲ መዘራረቢ ኰይኑ ቀንዩ። እዚ ‘ጆን መዲድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጀነራል ታሪኽ ህይወቱ፤ ቍልዕነት - ምግዳል፡ ውግኣትን ጕዕዞ ናብ ናቕፋ፡ ዛዛሚ ጕዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባን ብድሕሪኡን ብሓጺሩ ኣብዚ ጽሑፍ ብሓጺሩ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣፍሪቃ ኣብ ፍኖት ቍጠባዊ ሓርነት ድያ ትስጕም ዘላ?
ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ባህርያዊ ጸጋታተን ብጥረኡ ናብ ወጻኢ ካብ ምልኣኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገረን ብምምስራሕ ዝለዓለ ረብሓ ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ የካይዳ ኣለዋ። እዚ ኣብ ምሉእ እታ ኣህጉር ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ኢንዱስትርያዊ ምንቅስቓስ፡ ንኣፍሪቃ ብቝጠባ ርእሳ ናብ ምኽኣል ዘበጽሓ ሓድሽ ምዕራፍ ድዩ?
ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጐአን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ዓለምለኻዊ ስጕምቲ ዝጠልብ ጥርዓንን ስምዕታን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ ተካሲሰን እየን። ከምዚ ዝበለ ናብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ካልኦት ወሰንቲ ሃገራት ዝስደድ ደብዳበታትን መልእኽትታትን ግን እንታይ ትርጕምን ጽልዋን ይህልዎ? ግደ ማሕበረሰብ ዓለምከ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ኣብታ ዓቢይ ሃብቲ እንስሳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ዋጋ ስጋ ስለምንታይ ከቢሩ?
ኣብ ባህሊ መግቢ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ስጋ፡ ብሰንኪ ልዑል ዋጋኡ ካብ ኣመጋግባ ብዙሓት ሰባት ዝጠፍእ ዘሎ ይመስል። ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓጺር እዋን ዋጋ ስጋ ብቕልጡፍ ምውሳኹ ስዒቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዋጋ ድኳናት ስጋ ብምቅዋም ተቓውሞኦም ብምስማዕ ተጠቀምቲ ምግዛእ ደው ከብሉ ክላበዩ ተራእዮም።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸመይ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይበጽሑ ኣለዉ?
ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዜጋታት ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይኣተው ከምዘለው ይጽብጽባ ኣለዋ።
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓደነትን ጐረባብተን ከኽብራ ኣለወን - ኣመሪካ
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕደን ከኽብራ ኣመሪካ ተማሕጺና። ኣፈኛ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
'ብህይወት ክንወፅእ፡ ተስፋ ኣይነበረናን' - ፍሉይ ቃለመሓትት ኮሎኔል ተወልደ ምስ ቢቢሲ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝርከቦም፡ መጀመርታ ኣብ መቐለ ተኣሲሮም ካብኡ ድማ ክሳብ ጫፍ ዶብ ምስ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝቐነዩ ኣርባዕተ ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ "ኣምሊጦም" ፡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ይርከቡ። ንኵነታቶም ዝምልከት ቢቢሲ ምስ ኮሎኔል ተወልደ ፍሉይት ቃለመሕትት ኣካይዱ'ሎ፤
ኤርትራ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጕምቲ ንኽወስድ ጸዊዓ
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኤርትራ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ኣዋጅ ኵናት" እዩ ብምባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ብመሰረት ዓንቀጽ 7" ስጕምቲ ክወስድን ሓቲታ።
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ 'ዓጸፋ ክምልሰሉ'የ' ዝበለቶ ምትእትታው 'ሕጋዊ ምስምስ' ኢላቶ
ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት እታ ሃገር ኢዱ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን ግዳማዊ ኣካል ተሪር ግብረ-መልሲ ከም ዝወርዶ ከተጠንቅቕ እንከላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብትሪ ብምንጻግ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኤርትራ ንምግጫው "ሕጋዊ ምስምስ" ትፈጥር ኣላ ክብል መሊሱ።
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ'፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ
ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።
'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ
ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።






























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)































![ዶክተር እመቤት በሪሁ [ፀጋም] ፣ ዶክተር ኤደን ወርቅነህን ዶክተር መብርሂት ግርማይን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/7548/live/22870050-dc3b-11f1-95cf-a38331e6cb4b.jpg.webp)










