ዛምቢያ፡ ፕረዚደንት ሂቺለማ ቃለማሕላ ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዛምቢያ ሃካይንደ ሂቺለማ ካልኣይ እብረ ስልጣን ንምፍላም ኣብ ርእሰከተማ ሉሳካ ቃለማሕላ ፈጺሙ።
ሂቺለማ፡ ኣብ ዝሓለፈ 13 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ 60% ብምርካብ'ዩ ስልጣኑ ኣጽኒዑ ዘሎ።
እቲ 38% ረኺቡ ዝተባህለ ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ብራያን ሙንዱቢለ ድሕሪ'ቲ መረጻ ብክድዓት ሃገር ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።
ወዲ 64 ዓመት ፕረደዚንት ቺለማ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር "ዓንዩ ጸኒሑና" ዝበሎ ቊጠባ እታ ሃገር ከመሓይሽ ብምኽኣሉ ይንኣድ እዩ።
ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ተዓዘብቲ ናይቲ ምርጫ ዋላ'ኳ ብሰላም ዝተወድአ እንተነበረ፡ ኣብ ምቚጻር ድምጺ ጸገማት ከምዝነበሮ'ዮም ገሊጾም።
እታ ልዕሊ 22 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብ ጥቅምቲ 1964 ናጽነታ ካብ ብሪጣንያ ካብ እትረክብ ንድሓር ሸውዓተ መራሕቲ ከምዝሸመት ይፍለጥ። ብፍላይ ድሕሪ'ቲ ካብ 1964 ክሳብ 1991 ዝመርሓ ኬነት ካውንዳ ሃገራዊ መረጻታት ብምክያድ መራሕታ ክትቀያይር ጸኒሓ እያ።



































