ሑቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም

ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።
  • ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ክልተ ደብዳባት ኣየር ብውሑዱ 177 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል "ገበናት ኲናት" ከም ዝፈጸመት ዘእምን እኹል መረዳእታ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።
  • ምኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ፈደራል ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ናብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ተዛዊሮም ትምህርቶም ክቕፅሉ ከምዝወሰነ ምግላፁ ይዝከር።
  • ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA)፡ ኣብ ጽላት ዕደና ኦሮምያ ንዝዋፈሩ ኣውፈርቲ፡ ኣከባብያዊ ቅጥዒታት ክኽተሉን ኣብ ስርሓቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከሳትፉን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።
  • ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኪነታዊ ብልሒ ዘሎ ስግኣታት "ሓሶት" ወይ ኣመና ዝተጋነነ እዩ ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብዚ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተወሳኺ ምቍጽጻር ክግበር ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነቒፉ።
  • ናይ ኣፍሪቃ ዝሃብተመ ሰብ ናይጀርያዊ ቢልየነር ኣሊኮ ዳንጎተ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ኣህጉር ዝዓበየ ናይ ብርኪ (ኣክስዮን) መሸጣ ብምብጋስ፡ ካብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ዓቢ መጻረዪ ነዳዲኡ 3 ሚእታዊት ዝኸውን ብጽሒት ንህዝቢ ኣብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።
  • ብኣንፈት ኣትላንቲካዊ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝተበገሱ ስደተኛታት 80 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኔፓል ኣብ ዘጋጠመ ሓያል ውሕጅ ኣማኢት ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን

    ግዳይ ዕልቕልቕ ዝዀኑ መንበሪ ኣባይቲ

    ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ኣብ ዝርከብ ሩባ ቦተ ኮሺ ብዝተፈጥረ ሃንደበታዊ ውሕጅ ኣማኢት ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

    ብመሰረት፡ ቦርድ ቱሪዝም ኔፓል ኣብ ኤክስ ዘቃለሖ ሓበሬታ፡ 291 ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ብዙሓት ተጓዓዝቲ ደሃዮም ብንፁር ኣይተረጋገጸን።

    "ሃለዋትን ኩነታት ድሕንነትን" ናይቶም በቲ ከባቢ ዝጓዓዙ ሰባት "ንምርግጋፅ ይሰርሕ ኣሎ" ይብል፡ እቲ ቦርድ።

    ሓደጋ እቲ ሓያል ውሕጅ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰሜን ርእሰተማ ኔፓል ዝኾነት ካትማንዱ ኣብ እትርከብ ራሱዋ ዘጋጠመ ዀይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘንቀሎ ከምዝዀነ ይግለፅ።

  2. ንግዳዊ ኲናት ኦታዋን ዋሽንግተንን ይረስን፡ ካናዳ ሕነኣ ትፈዲ

    ማርክ ካርኒ

    ካናዳ ነቲ ብኣመሪካ ዝተወሰነላ ቀረጽ ምላሽ ንምሃብ ተመሳሳሊ ውሳነ ከምእትወስድ ኣፍሊጣ።

    ኦታዋ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ዶላር ብዶላር" ዝዳረግ ገብረመልሲ ከምእትህብ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ስርሓት ሓጺን፡ ጸባን ንዋያት ገዛን ዝርከቦም ኣቚሑት ቀረጽ ክትውስን ምዃና ኣነጺራ።

    በዚ መሰረት ካናዳ ንኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንግዳዊ ኣቚሑት ካብ 15% ክሳብ 50% ቀረጽ ከተኽፍል'ያ።

    እቲ ሓድሽ ቀረጽ ካብ 8 መስከረም፡ ፍርቂ-ለይቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።

    ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ሓድሽ 50% ቀረጽ ድሕሪ ምውሳኑ'ዩ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ ዘሎ። ኣቐዲማ'ውን ዋሽንግተን ካብ ካናዳ ንዝኣቱ ስርሓት ሓጺን፡ ኣልሚንየምን ተሽከርከርትን ዝርከቦ ንብረት ዒላማ ዝገበረ ወሰኽ ቀረጽ ኣንቢራ ነይራ'ያ።

    ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተኻየደ ዝርርብ ብዘይፍረ ከምዝተወድአ ይዝከር።

  3. ንቻይና ዘቖጠዐ እገዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን

    ኣብ ማያዊ መስመር ሆርሙዝ ዝጓዓዛ መራኽብ

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ቻይናን እትርከበን ንግዳዊ መሻርኽታን ቁጠባዊ እገዳ ከተስፍሕ ከምዝወጠነት ድሕሪ ምእዋጃ፡ ቻይና ረብሓታታ ክትሕሉ ከም እትንቀሳቐስ ኣጠንቂቓ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሊን ጂያን፡ ቻይና ነቲ "ዘይሕጋውን በይናውን”፡ ዝበሎ እገዳ ብጽኑዕ ከም እትቃወሞን፡ ረብሓታታ ንምሕላው "ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት" ከም እትወስድን ገሊጹ።

    ሚኒስተር ፋይናንስ ኣመሪካ - ስኮት በሰንት ትማሊ ሰኑይ፡ ነዚ ሓድሽ ስጉምትታት እገዳ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ምስ ኢራን ብንግድን ገንዘብን እትሻረኽ ሃገር ሓቢራ ክትንፀል ምዃና ድሕሪ ምጥንቃቑ'ያ በይዢንግ ምላሽ ሂባ ዘላ።

    ቻይና፡ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ስዒቡ፡ ዋሕዚ ነዳዲ ኢራን እንተነከየ’ኳ፡ ከም ንቡር ዝዓበየት ዓዳጊት ነዳዲ ኢራን እያ።

    ሊን፡ "ምትሕብባር ቻይናን ኢራንን ኩሉ ግዜ ኣብ ክሊ ዓለማዊ ሕጊ ዝካየድ ኮይኑ፡ ዝዀነ ኢድ ክሰደሉ ወይ ድማ ብዝዀነ ኣካል ክዕንቀፍ ኣይንፈቅድን" ኢሉ።

    በሰንት፡ ነቲ ሓድሽ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን "እቲ ዝዓበየ ፋይናንሳዊ መቕፃዕቲ" ክብል ብምግላጽ፡ ባንክታትን ትካላት ንግድን ምስታ ሃገር ዘለወን ርክብ ምቁራጽ እንተኣብየን፡ ምስ ኢራን ኣብ 'ተነጽሎ' ክካተታ ምዃነን ኣጠንቂቑ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመራሕቲ ዓለም "ምስቲ ስርዓት [ኢራን] ዘለዎም ርክብ ደው ከብሉ ክምሕፀን" ብቴሌፎን ከዛርቦም ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

    ይኹን እምበር፡ በሰንት፡ ብዛዕባ ባንክታት ቻይና ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ ፡ "ካብ እገዳ ኣመሪካ ዘምልጥ ከምዘይህሉ" ብንጹር ክገልጽ ከምዝዀነ ገሊጹ።

  4. 'ዘለንስኪ ክምልሶም ዝግባእ ሕቶታት ብልሽውና ኣለዉ' - ምኒስተር ምክልኻል ነበር፡

    ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ነበር ማይክሃይሎ ፌዶሮቭ
    መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ነበር ማይክሃይሎ ፌዶሮቭ

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ውሽጢ ዓንኬሉ ክምልሶም ዝግባእ "ሕቶታት ብልሽውና" ከምዘለዉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ማይክሃይሎ ፌዶሮቭ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ዕጡቓት ሓይልታት ዩክረይን ዘዘመነን ፈላሚ ውግእ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝጀመረን ተባሂሉ ዝነኣድ ምኒስተር ፌዶሮቭ፡ ምስ ሓላፊ ዕጡቕ ሓይሊ ዩክረይን ዘይምቅዳዉ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ስርሑ ከም ዝተኣለየ ይዝከር።

    ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃል፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጀመረ መርመራ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ዘለንስኪ ኣብ ውሽጢ ዓንኬሉ ዘሎ ብልሽውና ዝምልከት ሕቶታት ከም ዘልዓለ ሓቢሩ።

    ፌዶሮቭ ብተወሳኺ "ዲሞክራሲ ብፑቲን ጅሆ ክተሓዝ የብሉን" ብምባል፡ ዋላ ኣብ እዋን ኲናት፡ ፕረዚደንታዊ መረፃ ክካየድ ጠሊቡ ኣሎ።

    ምእላይ'ቲ እቲ ወዲ 35 ዓመት ፌዶሮቭ ስዒቡ ዝተልዓለ ቁጥዐ ዝመልኦ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ እናዘሓለ ብምምፃእ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ተዛዚሙ ኣሎ።

    ዩክረይን ኣብ 2022 ብሩስያ ሙሉእ ወራር ካብ ዝፍፀማ ንደሓር፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ ትርከብ፤ እዚ ማለት ድማ ​​መረፃ ደው ኢሉ ኣሎ ማለት እዩ።

    ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ጎኒ ሚካይሎ ፌዶሮቭ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኔቶ
    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ጎኒ ሚካይሎ ፌዶሮቭ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኔቶ

    ፌዶሮቭ ግን ብዛዕባ መረፃ ዝርርብ ምጅማር "ሞራላዊ መሰል እዩ" ኢሉ።

    "ክንዛተየሉ ክንፈርሕ የብልናን። ዲሞክራሲ ንሱ'ዩ። ሓሳባተይ ከካፍልን ብዛዕባኡ ምስ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሕብረተሰብ ግልፂ ክኸውንን እንተዘይክኢለ፡ ስለምንታይ ኢና ደኣ ንቃለስ ዘለና?፡ መረፃ እንተዘይተኻይዱ፡ ድሕሪ ሕጂ ዲሞክራሲያዊያን ኣይኰንናን፡" ኢሉ።

    ፕረደዚንት ዘለንስኪ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ እዋን ኲናት ዝካየድ መረፃ ንዩክረይን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ብሰንበት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።

    እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ቢሮ ጸረ ግዕዝይና ዩክረይን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝተኸሰሰ ሚኒስተር ጸዓት ነበር ዋሕስ ንምኽፋል ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ባጤራ ዩክረይን ብዘይግቡእ ንምጥቃም ዝዓለመ ውዲት ከም ዘቃልዐ ገሊጹ።

    ኣብዚ ጉዳይ ተሳቲፉ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ኣሎ።

    ፌዶሮቭ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬሉ ክህሉ ዝኽእል ብልሽውና ዘለዎ ኣፍልጦ ሕቶታት ከም ዘልዕል ገሊጹ።

    "ነዛ ሕቶ ይመልስ... ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ድሉው ምዃኑ እኣምን። ነዚ ኩሉ ይፈልጥ ድዩ ኣይፈልጥን ንኹላትና ክነግረና ናቱ ሓላፍነቱ... ቀድሚኡ ግን፡ ዝዀነ ግምት ክህብ ኣይደልን እየ።"

  5. ንወዲ 7 ዓመት ወዱ 2000 ሜትሮ ብራኸ ኣብ ዘለዎ እምባ ዝገደፈ ኣቦ የዘራርብ

    እቲ ህጻን ኣብቲ እምባ ንበይኑ እዩ ተረኺቡ
    መግለጺ ስእሊ, እቲ ህጻን ኣብቲ እምባ ንበይኑ እዩ ተረኺቡ

    ኣብ ጃፓን ንወዲ 7 ዓመት ወዱ ልስሉስ መስተን በሽኩትን ሂቡ ኣብ ሓደ እምባ ንበይኑ ዝገደፎ ኣቦ ብፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ።

    እዚ ወዲ 48 ዓመት ኣቦ ምስ ደቁ እምባ ኣብ ዝሓኹርሉ ዝነበረ እዋን ወዱ ከም ዝደኸሞ ምስ ነገሮ፡ ኣብ ዘለዎ ንኽጸንሕ ዝበልዖን ዝሰትዮን ሂቡ ምስ ዓቢ ወዱ ጉዕዝኡ ከም ዝቐጸለ ይንገር።

    እቲ ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ኣብ 2000 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ግመን ዝናብን ኣብ ዝውሓጦ እምባ ንሓያሎ ሰዓታት በይኑ ኮፍ ኢሉ ተረኺቡ።

    ኣብቲ እምባ ዘለው ሰራሕተኛታት ድማ ንፖሊስ ሓቢሮም።

    እቲ ኣቦ ምሕዃሩ ወዲኡ ምስ ተመልሰ ፖሊስ ወቒሶምዎ፤ እቲ ህጻን ንሸሞንተ ሰዓታት “ደኺሙን ተጨኒቑን” ከም ዝነበረ ገሊጹ።

    እቲ ኣቦ ብታህዋኽ ንዝወሰዶ ውሳነ ይቕሬታ ​​ሓተቱ።

    እዚ 3,776 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከብ እምባ ፉጂ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያሎ ሓደጋታት ዘጋጠመሉ እዩ።

    ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓንቲ ጓል 99 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ወዲቓ ብኸቢድ ቈሲላ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ ወዲ 27 ዓመት ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ፡ ዝጠፍአት ሞባይሉ እናደለየ ክልተ ግዜ ካብ ሞት ኣምሊጡ።

    እምባ ፉጂ ካብ ቶክዮ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ንጡፍ እሳተ ጎመራ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ 2013 ሓድጊ ዓለም ተባሂሉ ተመዝጊቡ።

    ምስ እምባ ተይደን እምባ ሃኩን፡ ሓደ ኻብቶም “ሰለስተ ቅዱሳት ኣኽራናት ጃፓን” እዩ።

    ኣብ ዓመት ኣስታት 200,000 ሰባት ናብቲ እምባ ይድይቡ።

  6. ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ትራምፕ ሓድሽ 'መጥቃዕቲ' ንግዳዊ ኲናት ከም ዝኣወጀ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ካርኒ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ ነቲ ሓድሽ ቀረጽ ኣመሪካ፡ ንካናዳ “ንምጉዳእን ንምብታንን” ዝተዳለወ “ጌጋ ቀመር” ክብል ገሊጽዎ።

    ትራምፕ- ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ዝርርብ ካብ ካናዳ ብዙሕ ከም ዝሓተተን ብወገኑ ግን ውሑድ ከም ዘቕረበን ዝገለጸ ካርኒ፡ ኣመሪካን ካናዳን ሕጂ ኣብ ንግዳዊ “ኲናት” ከም ዘለዋ ገሊጹ።

    "መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጸመካ ኣብ ኲናት ትኣቱ፤ ንሕና ንጥቃዕ ኣለና" ኢሉ።

    ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ 8 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝመጽእ ሓጺን፡ ጸባ፡ ኤሌክትሮኒክስን ካልእ ኣቑሑትን ቀረጽ ብምግባር ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ዘይዕዉት ዝርርብ ንግዲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዝፀንሐ ሱር ዝሰደደ ንግዳዊ ርክብ ከሐርፍፎ እዩ።

    ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተስፋ ገይረን እኳ እንተነበራ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ሓሳቦም ምስ ቀየሩ እቲ ልዝብ ተቛሪጹ።

    ነዚ ስዒቡ ካናዳ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ሓጺን፡ ኣሉሚንየም፡ መካይንን ዕንጨይትን ኣመሪካ እትኽተሎ ዝነበረት ቀረጽ፡ ሓድሽ 50 ሚእታዊት ቀረጽ ክትገብር ወሲና።

    እዚ ሓድሽ ቀረጽ ውሱን ኰይኑ፡ ወይኒ፡ ፍርያት ጸባ፡ ሲሚንቶ፡ ክዳውንትን ስፖርታዊ ኣቑሑትን ሓዊሱ ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣትው 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምህርታት ብድምር ሓሙሽተ ሚእታዊት ዝሽፍን እዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ካናዳ ረብሓታታ ንምሕላው "ብዘየማትእ" ሕነ ትፈዲ ከም ዘላ ገሊጹ። ካርኒ ብተወሳኺ ዝርዝር ስጉምትታት ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክግለጽ ምዃኑ ገሊጹ።

  7. ትራምፕ፡ ካናዳ ከም ሓንቲ 'ግዝኣት ኣመሪካ' ክትርባሕ እያ ትደሊ ዘላ ክብል ከሲሱ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካናዳ "ግዝኣት ኣመሪካ ከይኰነት ከላ"፡ ነገር ግን ከም ሓንቲ ግዝኣት'ታ ሃgር ክትርባሕ ​እያ ትደሊ ዘላ- ክብል ከሲሱ።

    ንሱ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ዘይዕዉት ንግዳዊ ዝርርብ ስዒቡ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

    ትራምፕ፡ ከም ብሓድሽ 50 ሚኢታዊት ቀረጽ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ካናዳ ካብ ዘንብር ንደሓር ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ርእይቶ፡ ሓረስቶት ኣመሪካ ንዓመታት "ብዙሕ መጠን ቀረጽ" ከም ዝኸፈሉ'ውን ተዛሪቡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ ነቲ ሓድሽ ቀረጽ "ክጎድኣናን ክኸፋፍለናን" ዝተዳለወ "ጌጋ ቀመር" እዩ ክብል ኰኒኑ ኣሎ።

    ትራምፕ

    ካርኒ፡ ካብ 8 መስከረም ጀሚሩ "ዶላር ንዶላር" ዝኽፈል ቀረጽ ትራምፕ ከም ዝመዓራረ ኣረጋጊጹ።

    እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ምህርታት ሓጺነ-መፂን፡ ጸባ፡ መሳርሒታት ኤሌክትሮኒክስን ዝኽፈል ቀረጽ ይርከቦ።

    ኣመሪካን ካናዳን ሕጂ ኣብ ንግዳዊ "ኲናት" ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

    ካርኒ ብሰንበት "ብዙሕ ሓቲቶም፡ ውሑድ ድማ ኣቕሪቦም" ኢሉ።

    ትራምፕ ዝሃቦም ርእይቶታት፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ ዘስመዖ ንካናዳ "መበል 51 ግዝኣት" ኣመሪካ ምግባር ዝብል ኣመተ ዘቃልሕ ኰይኑ፡ ኣብ መራሕታን ነበርታን ቁጥዐ ፈጢሩ'ዩ።

    ምፍሻል ናይቲ ንግዳዊ ዝርርብ፡ ነቲ ብዕምቆት ተዋሃሂዱ ዝፀንሐ ንግዳዊ ዝምድና ኣፍሪስዎ ይርከብ፣ ንጹር መንገዲ ፍታሕ ድማ የለን።

    "እቲ ዘቕረብዎ ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና፡ እቲ ዝሓተትዎ ድማ ኣይንህብን ኢና፡" ኢሉ ካርኒ።

  8. ኣብ መቐለ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ስነስርዓት መኽፈቲ በዓል ኣሸንዳ ተሰሪዙ

    ደቀንስትዮ ኣሸንዳ እናኣብዓላ

    እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ተሳተፍቲ ዝእከባሉን በብዓመቱ ብድሙቕ ዝኽበርን ባህላዊ በዓል ኣሸንዳ፡ ሎሚ ዓመት ከምቲ ልሙድ ኣብ ስታድዩም መቐለ ከም ዘይካየድ ተገሊጹ።

    ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሎሚ ቀዳም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ስነስርዓት መኽፈቲ በዓል ኣሸንዳ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ "ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን" ከም ዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።

    ብዓል ኣሸንዳ፡ ኣዋልድ ብባህላዊ ኣልባሳትን ፍሉይ ስርሓት ርእስን ተመላኺዐን፡ ብደርፍን ሳዕስዒትን ንተኸታተልቲ መዓልታት ዘኽብራኦ ዓመታዊ ባህላዊ በዓል ኰይኑ፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝውቱር እዩ።

    ኣብ ትግራይ ዝካየድ ስነስርዓት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ስታድዩም መቐለ ብድሙቕ ክኽበር ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ ሎሚ ዓመት ግን እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ስነስርዓት ከም ዘይህሉ ሰበ-ስልጣን ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

    እቶም ሰበ-ስልጣን ነቲ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ከም ዝተሰረዘ ቅድሚ ምግላጾም፡ "ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ግፍዕን ብቑዕ ስጕምቲ ኣይተወስደን" ብምባል፡ ጸሊም ብምልባስ "ጸሊም ኣሸንዳ" ብዝብል ድምጸን ንምስማዕ ዝንቀሳቐሳ ወገናት ምንባረን ይፍለጥ።

    ነዚ ስዒቡ ድማ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን፡ ካብቲ ልሙድ ባህላዊ ስነስርዓት ወጻኢ ዝዀነ ይዅን ካልእ ምንቅስቓሳት ክግበር ከም ዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

    ኣብዘን ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ፡ ምውንጃልን ግጭታትን እናገደደ ብምምጽኡ፡ ኣብቲ ክልል ዳግማይ ኵናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዓሲሉ ይርከብ።

    ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ፡ እቲ ክልል ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህወሓት ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ክኸይድ ጸኒሑ እዩ።

    ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት’ውን መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም እዮም።

  9. ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ ዓውዲ ምክልኻልን ድሕነትን ስትራተጅያዊ ርክበን ንምሕያል ተሰማሚዐን

    ብራያን ጄ. ኤሊስ ከምኡ'ውን ሜጀር ጄነራል ተሾመ ገመቹ

    ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ ዓውዲ ምክልኻልን ድሕነትን "ጠቕላላ ስትራተጅያዊ ምትሕግጋዝ" ንምምስራት ዘኽእል ስምምዕ ከም ዝፈጸማ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

    ናብ ኣመሪካ ናይ ስራሕ ጕዕዞ ዘካየደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል እታ ሃገር ብምርኻብ፡ ንወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ርክባት ክልተአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስጋር ተሰማሚዑ ኣሎ።

    እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ "ሃገራዊ ረብሓታት ንምሕላውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነባሪ ሰላምን ምርጋእን ንምርግጋጽን" ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ምኒስትሪ ብዓርቢ 21 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስሚርሉ ይርከብ።

    እቲ ብዋና ዳይረክተር ወጻኢ ርክባትን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝን ምኒስትሪ ምክልኻል ሜጀር ጄነራል ተሾመ ገመቹ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ጻንሒት፡ ምስ ምኽትል ተሓጋጋዚ ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብራያን ጄ. ኤሊስ ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር ዘተታት ኣካይዱ።

    ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልተኦም ወገናት ትካላዊ ምትሕግጋዝ ንምስፋሕን ስትራተጅያዊ ርክብ ንምጥንኻርን ስምምዕ ምብጽሖም ተገሊጹ።

    እቲ "ጠቕላላ ስትራተጅያዊ ምትሕግጋዝ" ተባሂሉ ዘሎ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ናይ ሓባር እምነት ብምፍጣር፡ ንዘላቒ ረብሓን ሰላምን ብሓባር ንምስራሕ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

    ሜጀር ጄነራል ተሾመ ገመቹን ብራያን ጄ. ኤሊስን ነቲ ስምምዕ ናብ ተግባር ንምትርጓም ዘለዎም ቅርቡነት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

    ክልተኦም ወገናት፡ ነቲ ናይ ምክልኻል ርክባቶም ንመጻኢ ኣብ ዝጥምት ስትራተጅያዊ ሽርክነት ንምስጋር ከም ዝሰርሑ እውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እዚ ኣብ ዋሽንግተን ዝተፈጸመ ስምምዕ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተፈረመ መዋቕራዊ ናይ ምኽክር ማዕቀፍ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።

    እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ድሕነትን ብሓባር ንኽሳተፋን ንኽላዘባን ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ይፍለጥ።

  10. ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብርቱዕ ኵነነ ስዒብሉ

    ኣባይቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም

    እስራኤል ኣብቲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ኣስታት 1,200 ናይ ሰፈራ ኣባይቲ ንምህናጽ ዘውጽኣቶ ናይ ጨረታ ትልሚ፡ ብዓበይቲ ሓይልታት ምዕራብ ብርቱዕ ኵነነ የጋጥሞ ኣሎ።

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያን ካናዳን ኣብ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ "ተቐባልነት ዘይብሉ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ እስራኤል ነቲ ትልሚ ብቕጽበት ክትስሕቦ ኣተሓሳሲበን።

    ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ኵሉ ዓይነት ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት ዘይሕጋዊ ኰይኑ፡ እስራኤል ብሰንኪ ዝጸንሓ ኣህጉራዊ ጸቕጢ፡ ኣብቲ ንምብራቓዊ ኢዮሩሳሌም ዘዳውብ ዞባ E1 ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ህንጸት ተቘጢባ ነይራ እያ።

    ብዙሓት መሻርኽቲ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ነቲ ክልተ ሃገራት ናይ ምምስራት ተስፋ ብርቱዕ ጽልዋ ከም ዘሕድረሉ ይማጐቱ።

    እዚ ህንጸት ንምዕራባዊ ገማግም ኣብ ክልተ ብምኽፋል፡ ንምብራቓዊ ኢዮሩሳሌም ካብቲ ካልእ ክፍሊ መሬት ፍልስጤም ከም እትነጸል ዝገብር እዩ።

    "ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብሰንኪ ብዝሒ ዓመጽ ሰፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ኣብ ቍጠባ ፍልስጤም ተነቢሩ ዘሎ ከቢድ ቀይድታትን፡ ርኡይ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘለዎ እዋን፡ እዚ ውሳነ እዚ ዝያዳ ዘሻቕል እዩ፡" ክብል እቲ ብሓሙስ ዝወጽአ መግለጺ ኤውሮጳውያን መሻርኽትን ካናዳን ኣስፊሩ።

    ወሲኹ እውን እቲ ትልሚ ካብ ሰላም ዘርሕቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣህጉራዊ ተቐባልነት እስራኤል እውን ዝያዳ ዝጐድእ ምዃኑ ገሊጹ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ በልጁምን ብወገኖም፡ እቲ ኣብ ዞባ E1 ዝካየድ ህንጸት ንቐጻልነት ዘለዋ ሃገረ ፍልስጤም "ህላወኣዊ ስግኣት" ከም ዝፈጥር ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

  11. ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ብዕጽፊ ብምውሳኽ ልዕሊ 40 ትሪልዮን ዶላር በጺሑ

    ገጹ ዘይረአ፡ ናብ ሓደ ዓቢ ስክሪን ገጹ ዝጠመተ ሰብኣይ

    ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዕቑድ ብዕጽፊ ብምውሳኽ ልዕሊ 40 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጸሐ ዝወጽኡ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    እዚ እታ ሃገር ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ኣዝዩ ብዙሕ ማል ከምዘህለኸት ዘርኢ’ዩ።

    ኣብ 2016 ውህሉል ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ ትሕቲ 20 ትሪልዮን ዶላር ምንባሩ ይዝከር።

    ቤትጽሕፈት ኮንግረስ ባጀት ኣመሪካ ሓፈሻዊ ልቓሕ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ዓመት 2026፡ 39.6 ትሪልዮን ዶላር ክበጽሕ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።

    ቤትጽሕፈት ኮንግረስ ባጀት ኣመሪካ፡ ውህሉል ዕዳ ኣመሪካ ኣብ 2036 ናብ ኣስታት 64 ትሪልዮን ዶላር ክድይብ ትጽቢት ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

    መንግስቲ ፈደራል ንሕጽረት ባጀቱ ንምሽፋን ዝያዳ ገንዘብ ኣብ ዘውጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ተጠቀምቲ ዝለዓለ መጠን ወለድን ዋጋታት ንብረትን ኣጋጢምዎም ኣሎ።

    እዚ ኣመሪካ ኣዘቕቢብዋ ዘሎ 40.05 ትሪልዮን ዶላር ዕዳ ብመሰረት 18 ነሓሰ ዝወጽአ ጸብጻብ ዝተረኸበ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ክልተ ፕረዚደንታት [እዋን ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን] ንዘሎ ​​መጠን ልቓሕ ኣመሪካ ዘጕልሕ እዩ።

  12. ሩስያ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ብምፍጻም ብውህዱ ሓሙሽተ ሰባት ቐቲላ

    እቲ ባርዕ ዝፈጠሮ ትኪ

    ሩስያ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኪቭ ርእሰ-ከተማ ዩክረይንን ከባቢ እታ ከተማን ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተለት ተገሊጹ።

    እቲ ደብዳብ ኣብ ሓያለ መንበሪ ኣባይትን ሓደ ዓቢ መኻዚኖን ከምዝተፈጸመን ብውሕዱ 23 መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ዩክረይን ገሊጻ።

    ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ብፍርስራስ ዝተጸቐጡ ሰባት ከይህልዉ ንምርግጋጽ ብቝልጡፍ ናይ ተፍትሽ ስራሓት ክካየድ ትእዛዝ ሂቦም ኣለዉ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩማንያ ኣብቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ምስ ዩክረይን ዘዳውባ፡ ሓንቲ ድሮን ናብ ክሊ ኣየራ ድሕሪ ምእታዋ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ከምዝተሰምዐ ገሊጻ።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ሩማንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓሙስ ንግሆ “ሓንቲ ድሮን ንክሊ ኣየር ሮማንያ ብምጥሓስ ካብ ከተማ ጋላቲ ንሸነኽ ምብራቕ 13 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ክትበርር ተራእያ” ኢሉ።

    እታ ድሮን ኣብ ሓደ ሰብ ዘይነብሮ ከባቢ ብምዕላብ ንኡስ ባርዕ’ኳ እንተ ፈጠረት፡ እቲ ባርዕ ቀልጢፉ ከምዝጠፈአ እቲ ምኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

  13. ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን፡ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ፀዊዑ

    ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዩክረይን፡ ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡
    መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን- ነበር፡ ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡

    እቲ ዕዙዝ ስም ዘለዎ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን- ነበር ፡ ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡ ኣብ እዋን ኲናት ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ምፅውዑ ስንባደ ፈጢሩ።

    እዚ ፃውዒት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍፅም፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን፡ ንፕረዚደንትነት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ወዲ 35 ዓመት ፌዶሮቭ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ "ዲሞክራሲ ብሩስያ ጅሆ ክተሓዝ የብሉን" ዝበለ ኮይኑ፡ ዩክረይን ‘ናጻ ሃገር ኤውሮጳ ኮይና ክትቅጽል’ ትቃለስ ከምዘላ ገሊጹ።

    እቲ ኲናት ኣብ 2022 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኣዋጅ እትርከብ ኰይና፡ መስርሕ መረፃ ተቛሪፁ ፀኒሑ ኣሎ።

    ፌዶሮቭ፡ ኣብቲ ቪድዮ ንዘለንስኪ ብስሙ’ኳ እንተዘይጠቐሰ፡ ካብ ዝሽወም ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሓላፍነቱ ብዘይተጸበዮ መንገዲ ተኣልዩ ዘሎ።

    እቲ ውሳነ ድማ፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ተቓውሞታት ኣስዒቡ ይርከብ።

    ዘለንስኪ ነቲ ካብ ፌዶሮቭ ዝተውሃበ ርእይቶ ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።

    ይኹን እምበር፡ ሓደ ምንጪ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ማእከል ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኰይናካ፡ መረፃ ክተካየድ ምሕሳብ ዘይመስል ነገር እዩ" ኢሉ።

  14. ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሶርያ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒና

    ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብቲ ከበባኢ ዝርአ ቍርፅራፅ

    ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ግዝኣት ኢድሊብ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒና።

    ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ብምኹናን "ዘየድሊ ግጭት ዘጋድድ" ብምባል እያ ነቲ ስጉምቲ ተቓዊማ።

    ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ቶም ባራክ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ግጭት ንላዕሊ ንዘተ ቀዳምነት ክህቡ ኣተሓሳሲቡ።

    ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሶርያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መደበር ኣየር ኢድሊብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ዘይምኽንያታዊ" ክብል ኮኒንዎ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መስመር መልዐሊ ነፋሪት፡ ጽገናን መኽዘንን ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዕንወት ኣውሪዱ።

    በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝተጎዱኡ ሰባት ጸብጻብ ዛጊት የልቦን፡ እስራኤል ብወገና ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ኣላ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ  መጉየዪ ነፋሪት ፡ ጽገናን መኽዘንን ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዕንወት ኣውሪዱ
  15. ''ሃተፍተፍ ትራምፕ ብዛዕባ ወሽመጥ ሆርሙዝ: ኣብ ቀረባ ግዜ ከነዕርዮ ኢና’’-ኢራን

    ምላሽ ኢራን ንናይ ትራምፕ ልጥፎ

    ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ሓድሽ ግዛኣት ኣመሪካ ክገብሮ እየ" ምባሉ ሲዒቡ: ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ፡ " መህተፍተፊ" ክብል ጸሪፍዎ።

    "ዶናልድ ትራምፕ ከምቲ ንወሽመጥ ፋርስ ብትኽክል ምጽሓፍ ዝተማህሮ፡ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዎ ህልወሳ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ከነዕርዮ ኢና" ክብል ጽሒፉ።

    ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ዝተባህለ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢትታ ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ስእሊ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ከቢቡ፡ "ሓድሽ ግዝኣት ኣመሪካ" ክብል እዩ ጽሒፉ።

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እውን ደጊሙ ነዚ ልጥፎ እዚ ዘርጊሕዎ ኣሎ።

    ብኻልእ ወገን ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ: ኣመሪካ ነቲ ስምምዓት መዘክር ምርድዳእ እንተዘይተግቢራ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ኣፍሊጡ።

  16. ሑቲ የመን፡ ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ሱዕዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺሞም

    ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተደጋጋሚ መጥቃዓቲ ኣካይዶም

    ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ነቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጂዛን ዝርከብ ዓቢ መሳለጥያ ነዳዲ ኣራምኮ ዳግማይ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዘጥቅዑ ኣፍሊጦም።

    ብሑቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ሳባ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መሳለጥያ ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ስዑዲ ዓረብ ንክሊ ኣየር የመን ብምጥሓሳ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ሓቢሩ።

    እቲ ማዕከን ዜና ንወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ፡ ሑቲ ንሓያሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምውቃዕ ንመጻረዪ ነዳዲ ኣራምኮ ዒላማ ከምዝገበሩ ሓቢሩ።

    እቲ ወተሃደራዊ ምንጪ ከምዝሓበሮ እቲ ስጉምቲ ፡ ‘ስዑዲ ዓረብ ንዝገበረቶ ጥሕሰት ክሊ ኣየር ግዝኣታት የመን ዝኾና ሳዓዳን ሓጃን ምላሽ እዩ’ ብምባል ገሊጹ።

    መሓዙት ኢራን ዝኾኑ ሑቲ፡ ከም መልሰ ግብሪ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ወደባት የመን ዘንበረቶ ናይ ምንቅስቃስ ማዓቀብ ፡ካብን ናብን ወደባት ስዑዲ ዓረብ ዝብገሳን ዝኣትዋን መራኽብ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለዉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብመጻብቦ ባብ ኤል-ማንዳብ ክሓልፋ ዝፈተና ሓያሎ ናይ ጽዕነት መራኽብ ንድሕሪት ክምለሳ ስለዝተገደዳ፡ ኣብ ምንቅስቓሰን ምዝንባዕ ፈጢሩ።

    ብተውሳኺ ሑቲ፡ ትሕተ ቕርጺ ምውጻእን ምጽራይን ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ንመዕርፎ ነፈርቲ ዒላማ ብምግባር ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣካይዶም’ዮም።

  17. ትራምፕ: መጻብቦ ሆርሙዝ "ሓድሽ ግዝኣት ኣሜሪካ እዩ" ኢሉ

    ሆርሙዝ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ዝተባህለ ናይ መሓበራዊ መራኸቢታት ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ሰእሊ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምኽባብ "ሓድሽ ግዝኣት ኣሜሪካ" ክብል ጽሒፉ።

    ትራምፕ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ’ውን "ኣብ ቀረባ እዋን መጻብቦ ሆርሙዝ ግዝኣት ኣሜሪካ ኮይኑ ክእወጅ'ዩ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

    እቲ ፕረዚደንት "ኢራን ምስ ሰዓርናያ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ መሬት ኣመሪካ እዩ' ኢለ ክእውጅ እየ" ክብል እውን ተሰሚዑ እዩ።

    ድሕሪ መደረ እቲ ፕረዚደንት ግን ብዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ፡ መደረ ትራምፕ "ዋዛ" እዩ ኢሉ ሓቢሩ።

    ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዓት ናይቲ መዘክር ምርድዳእ እንተዘይተግቢራ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ኣፍሊጡ።

    ዋና ተደራዳሪ ኢራን ኣቶ ጋሊባፍ፡ እቲ ኣሜሪካ ዘንበረቶ ናይ ባሕሪ እገዳ፡ ናይ ነዳድን ንብረትን ማዓቀብ እንተዘይተልዒሉን፤ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እንተዘይተገቲኡን መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይክፈት ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቀጠር ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ድርድር ክዛዘም ትጽበ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ማጂድ ኣንሳሪ፡ እቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዝምልከት ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንዝካየድ ድርድር ንኽቕጽል ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ብብዝሒ ነዳድን ጋዝን ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ግጭት ንምንቅስቓስ መራኽብ ሓደገኛ ኮይኑ ኣሎ::

  18. ትራምፕ፡ ንመሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዖማን ክድብድባ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ

    ትራምፕ ኣብ ጥቓ ነፋሪት

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዖማን ተቓራኒ መርገፂ እንተደኣ ሒዛ፡ ብቦምባ ክድብድባ ምዃኑ ከምዘፈራረሐ ፎክስ ኒውስ ጸብጺቡ።

    ኣመሪካን ዖማንን፡ በብወገነን ምስ ቴህራን ብምዝርራብ፡ ነቲ ንዓለማዊ ቁጠባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንክኽፈት ክፅዕራ ጸኒሐን እየን።

    አዚ መስመር ማይ፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳረጋ ተዓፅዩ ይርከብ።

    ጋዜጠኛ ፎክስ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምኡ ዝበለ፡ ብሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኰይኑ፡ ፀርፊ ዝተሓውሶም ዘይእዱባት ቃላት ይጥቀም ነይሩ።

    ቅድም ክብል፡ ሰበስልጣን ኢራን ምስ ዖማን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከምዝቐረቡ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን፡ ን60 መዓልታት ዝፅንሕ መረዳዲኢ ሰነድ (MoU) ኣብ ዘብቅዓሉ ዘሎ እዋን፡ መጻኢ እቲ ግጭት ንጹር ኣይኮነን።

    መፃብቦ ሆርሙዝ- ኣስታት ሓሙሻይ ክፋል ናይ ዓለምና ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዝሓልፈሉ ማያዊ መስመር ዀይኑ፡ ቀንዲ ነጥቢ ዘተ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

    ዖማን፡ ብደቡባዊ ሸነኽ እቲ መጻብቦ ትርከብ ኰይና፡ ኣብዚ ግጭት ዘይሻራዊት ሃገር ምዃና እያ ትገልጽ።ይኹን እምበር፡ ካብ ኢራን ብርክት ዝበሉ መጥቃዕቲታት በፂሑዋ ኣሎ፤ ሕጂ ድማ ምስ ቴህራን ነቲ መስመር ማይ ዳግማይ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ልዝብ ቁልፊ ተራ ትጻወት ኣላ።

  19. ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ኣገዳሲ ፃውዒት

    ልኡኽ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ- ኦዞንያ ኦጀሎ
    መግለጺ ስእሊ, ልኡኽ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ- ኦዞንያ ኦጀሎ

    ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ድምፂ ህዝቢ ክሰምዑን ፖለቲካዊ ኣፈላለዮም ብልዝብ ክፈትሑን ፀዊዑ።

    ልኡኽ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ- ኦዞንያ ኦጀሎ፡ ኣብዚ ወጥሪ ዝነገሰሉ እዋን እዩ ነዚ ፃወዒት ኣስሚዑ ዘሎ።

    ናብ ትግራይ ተጓዒዙ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ከምዝተዘራረበ ዝገለፀ ኦዞንያ ኦጀሎ፡ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከምዘይደሊ ከምዘስተውዓለ ተዛሪቡ።

    “ብዙሕ ዝበፅሐኒ መልእኽቲ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከምዘይደሊ እዩ” ዝበለ ዀይኑ፡ ድሌት ህዝቢ መሰረታዊ መነባብሮኡ ምምሕያሽን ከምኡ’ውን ህድኣት ክፍጠርን ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ፃውዒት ኦዞንያ ኦጀሎ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ተደጋጋሚ ግጭትን ኣብ ዝስተውዓለሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ከባብታት ራያ ኣላማጣ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትንሓደጋ ከምዘብፀሐ ይዝረብ።

    ከምኡ’ውን ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሸረሪና ኣብ ዝተብሃለ ኢትዮጵያ ብምዕራብ ትግራይ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ወተሃደራዊ ግጭት ተወሊዑ ምንባሩ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    ከምኡ’ውን ኣብ ከባብታት ቈቦን ካልኦት መወሰንቲ ከባቢታት ወተሃደራዊ ምቅርራብን ወጥርን ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ዝገልፁ ዀይኖም፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሙሉእ ኲናት ከየምርሑ ስግኣት ኣሎ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ገይሩ ዝመዘዞ ናይጀርያዊት ኦዞንያ ኦጀሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ድርድር ክምለሱ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

    እቲ ልኡኽ፡ ምስቲ ሎሚ ቕነ ዘሎ ወጥሪ ኣተሓሒዙ ፡ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝረአ ዘሎ ሕፅረት ዝናብን ከምፀኦ ዝኽእል ሳዕቤንን ኣመልኪቱ’ውን ተዛሪቡ።

    ኣብ ትግራይ፡ 148 ጣብያታት ዛጊድ “ሓንቲ ጥር ትብል ዝናብ ኣይረኸባን” ክብል ዝገለፀ እቲ ልኡኽ፡ እታ ሃገር ብሓፈሻ" ብፍላይ ድማ እታ ክልል ብሰንኪ ‘ኤል ኒኖ’ ዝተጋደደ ድርቂ፡ ጥሜት ከየስዕብ ሻቕሎት ከምዘሎ ገሊፁ።

    እቲ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ኣብቲ ክልል ዘሎ ወጥሪ ኣብ ህዝቢ ፍርሒ ይፈጥር ኣሎ" ክብል፡ ኣብቲ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሓቢሩ።

    "ህዝቢ ወጥሪ ክሃድእ፤ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ድማ ኣፈላላዮም ንምፍታሕ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ከፍ ኢሎም ክዝትዩ እዩ ዝደሊ። እዚ ድማ ድሌት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን እዩ"።

  20. ልኡኽ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሓማስን ነታንያሁን ተራኺቡ

    ኩሽነር ምስ ኣል-ሃያ ኣብ ዝገበሮ ርክብ

    ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ- ማእከላይ ምብራቕ፡ ጃረድ ኩሽነር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ከምዝተራኸበ ናቱ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ኩሽነር ምስ ወከልቲ ሓማስ ድሕሪ ምዝርራብ እዩ ትማሊ ሰንበት ኣማስዩ ናብ እስራኤል ኣትዩ።

    ‘ባይቶ ሰላም ትራምፕ’ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቃዛ ንዝርከቡ ሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን ‘ዕጥቂ ንምፍታሕ’፡ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሑ፡ እስራኤል ነቲ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ነጺጋቶ።

    እቲ ውጥን ሰላም፡ ሰራዊት እስራኤል ካብቲ ከባቢ ለቒቑ ክወፅእን፡ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኰይና፡ ዳግማይ ክትህነፅ ይጽውዕ።

    ሸሞንተ እስላማውያን ሃገራት ምዕራብ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኣኦ መግለፂ፡ ንቅዋም እስራኤል ነፂገን ኣለዋ።

    ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ሰላም ንምስፋን ዝቖመ ባይቶ ሰላም ዝመርሕ ዀይኑ፡ እቲ ትካል ኣብ መላእ ዓለም ንዝፍጠሩ ግጭታት ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ ይንገር።

    ሓደ በዓል ስልጣን ፍልስጤም፡ ትማሊ ሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልኡኽ ትራምፕ ምስ ሓድሽ መራሒ ሓማስ ከሊል ኣል-ሃያ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ግብጺ ከምዝተራኸበ ሓቢሩ።

    ሓማስ ድሒሩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ እቶም መንጐኛታትን ባይቶ ሰላምን፡ እስራኤል ነቲ ዝቕፅል ከይዲ ዝመርሕ ፍኖተ-ካርታ ክትቅበሎ ‘ከገድዱ’ ጸዊዑ።

    ብዙሓት እስራኤላውያን እውን ሓማስ ዕጥቁ ንምፍታሕ ድልው ምዃኑ ይጠራጠሩ።

    ኩሽነር ምስ ኣል-ሃያ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቓዛ ስምምዕ ተኹሲ ምቁራጽ፡ ካብ ዝብጻሕ ንደሓር፡ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይግመት።