ዓለም ንሞቓድሾ እትርእየሉ ኣዒንቲ ተንቍሕ ዘላ ሶማላዊት መንእሰይ

ሶማል እቲ ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር እያ
መግለጺ ስእሊ, ሶማል እቲ ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር እያ
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክትበርቕ እንከላ፡ ማዕበላት ድማ ኣብቲ ጻዕዳ ሑጻ ይልሃዩ፣ ኣቝጽልቲ ስየ ድማ በቲ ዝሑል ንፋስ ባሕሪ የማነ-ጸጋም ክቈጻጸዩ ይርኣዩ። ናብ ሞቓድሾ - እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

እዚ፡ እታ ሓንቲ መንእሰይ ሶማላዊት ዓለም ንመበቈል ከተማኣ ክትርእየላ እትደሊ ምስሊ እዩ፡ ካብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ንርእሰ-ከተማ ሶማል ምስ መጥቃዕትታት ነፍሰ-ቕትለትን ጠበናጁ ዝዓጠቑ መንእሰያትን ዘተኣሳስሩዎ ምስሊ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ።

ስክዲ ዓብዱልፈታሕ ዓብዱል-ኻድር፡ ካብቶም ንበጻሕቲ ካብቲ ቀንዲ ኣርእስተ ዜናታት ሓሊፎም ነቲ ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ ጽቡቕ ቦታታት፡ ታሪኻውያን ቦታታትን ባህልን ንኽድህስሱ ዘርእዩ እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ ከባቢያውያን መራሕቲ በጻሕቲ (tour guides) ሓንቲ እያ።

እቲ ዝያዳ እትፈትዎ ቦታ ገማግም ባሕሪ ጀዚራ እዩ። ኣብኡ በጻሕቲ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ኵድዅዶታት ሑጻ ቅድሚ ምኻዶም፡ ብባሕሪ ክዘናግዑ ይኽእሉ እዮም።

እታ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ "እዚ ሓደ ካብቶም ነጋይሽና እንወስደሎም ስሕበት በጻሕቲ ዘለዎም ቦታታት እዩ፣ ጽቡቕ ቦታ እዩ" ትብል።

እቶም ኵድዅዶታት ሑጻ፡ ንገለ በጻሕቲ በረኻ ሳሃራ ዘዘኻኽሩ እዮም ትብል።

ዑደታታ ግን ብዛዕባ ጽቡቕ ትርኢታት ጥራይ ኣይኰነን። ንበጻሕቲ ናብቲ ኣብቲ ገፊሕ ገማግም ባሕሪ ሶማል ዝርከብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ዓሳ ዝረኣየሉ ዕዳጋ ዓሳ፡ ከምኡ'ውን ናብቲ ምስ ጽልዋታት ናይ ቀደም ገዛእታ ኦቶማንን (ቱርኪ) ጥልያንን፡ ሞቓድሾ ከም ሓንቲ ብርክት ዝበለ ንጥፈታት ዝካየደላ ማእከል ንግዲ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝነበረትሉ ታሪኽ ዘንጸባርቕ ኵርናዓት እታ ከተማ ትወስዶም።

በጻሕቲ፡ ስጋ ገመል፡ ሳምቡሳን ባህላዊ ሻሂን ሓዊሱ ናይ ሶማል ምግቢ ክጥዕሙ ይኽእሉ እዮም።

ሱክዲ ከም እትብሎ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ንዓመታት ብዛዕባ ጸጥታዊ ስግኣታት ብምስማዖም ተጸልዮም እዮም ናብታ ከተማ ዝመጹ።

"ብመብዛሕትኡ፡ እታ ሃገር ክሳዕ ክንደይ ጽብቕቲ ምዃናን እቶም ህዝቢ ክሳዕ ክንደይ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃኖምን ምስ ረኣዩ ይድነቑ እዮም" ትብል።

ሱክዲ ዓብዱልፈታሕ ዓብዱልኻድር፡ በጻሕቲ ነቲ 'ጽቡቕን ተቐባል ኣጋይሽን ዝዀነ ጐድኒ ሞቛዲሾ' ክርእዩዎ እያ ትደሊ።
መግለጺ ስእሊ, ሱክዲ ዓብዱልፈታሕ ዓብዱልኻድር፡ በጻሕቲ ነቲ 'ጽቡቕን ተቐባል ኣጋይሽን ዝዀነ ጐድኒ ሞቛዲሾ' ክርእዩዎ እያ ትደሊ።

ኣብ ዕዳጋ ዓሳ፡ በጻሕቲ በቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ዓሳ ብፍላይ ከም ዝድነቑ ትገልጽ።

ስራሕ ምምራሕ በጻሕቲ ኣብ ስድራቤት ስዕዲ ልሙድ እዩ። ኣቦኣ ኣብዚ ሞያ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሰርሐ ኰይኑ፡ ንጋዜጠኛታት፡ ስእሊ ዘልዕሉ ሰባትን በጻሕትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዙርያ ሶማል የዛውሮም ነይሩ።

ንሱ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ እዩ ናብዚ ስራሕ ኣእትዩዋ።

"ነዚ ስራሕ እዚ ከም መዘናግዒ እየ ጀሚረዮ፤ ሕጂ ግና ዝፈትዎን ብተመስጦ ዝሰርሖን ነገር ኰይኑ ኣሎ" ትብል።

ሕጂ ምስ ኣቦኣን ምስ ሓደ ጕጅለ መራሕቲ በጻሕትን ኰይና፡ ኣብ ተመኵሮኡ ብምምርኳስን ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃምን ናብ ዝሰፍሐ ተኸታታሊ ንምብጻሕ ትሰርሕ ኣላ።

ኣብ ዕዳጋታት ሞቓድሾ ዝተፈላለየ ዓይነት ዓሳ ይርከብ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዕዳጋታት ሞቓድሾ ዝተፈላለየ ዓይነት ዓሳ ይርከብ

ብዛዕባ ዑደታታ ዝገልጽ ቪድዮታት ኣብ ቲክቶክ ትዝርግሕ፣ እዚ ድማ ካብ ሶማል ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት ነቲ ኽበጽሕዎ እዮም ኢሎም ሓሲቦምዎ ዘይፈልጡ ቦታታት ንኽርእዩዎ ዕድል ይህብ።

ንሶማሊ ዘይዛረቡ ተኸታተልቲ ንምብጻሕ፡ ብእንግሊዝኛ ትሕዝቶታት ምድላው እውን ትሓስብ ኣላ።

ቱሪዝም ኣብ ሶማል ገና ሓድሽ ዓውዲ ምዃኑ እትገልጽ ስዕዲ፡ ኣብ ሞቓድሾ ከም መራሕቲ በጻሕቲ ኰይኖም ዝሰርሑ ሒደት ሰባት ጥራይ ምዃኖም ትገልጽ።

እዚ ስራሕ ውቕታዊ እኳ እንተዀነ፡ ስዕዲ እዚ ዓመት እዚ ብፍላይ ዘተባብዕ ከም ዝነበረ ትገልጽ። ቍጽሪ በጻሕቲ ገና ውሑድ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ በጻሕቲ ምርካብ ከም ዓወት ይቝጸር እዩ፣ እቲ ቍጽሪ ግን ከም ዝውስኽ እምነት ኣለዋ።

ገማግም ባሕሪ ሊዶ፡ ኣብ ሞቓድሾ ሰባት ዝዘናግዑሉ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት ቦታታት እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ገማግም ባሕሪ ሊዶ፡ ኣብ ሞቓድሾ ሰባት ዝዘናግዑሉ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት ቦታታት እዩ።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይዅን እምበር፡ ገና ብዙሓት በጻሕቲ ብዛዕባ ጸጥታ ይስከፉ እዮም ትብል።

ካብቲ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ኣብ 1991 ዝፈረሰሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ሞቓድሾ ንዓሰርተታት ዓመታት ኲናት ሓድሕድ፡ ዕንወትን ምምዝባልን ኣሕሊፋ እያ። መብዛሕትኡ ማእከል ከተማ ናብ ዑና ተቐይሩ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ትሕተ-ቅርጽን ብዓቢኡ ዓንዩ ነይሩ እዩ።

ብ2011 ኣል-ሸባብ ካብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ምውጽኡን፡ ኣብ 2012 ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ምቛሙን ስዒቡ ግን፡ ሞቓድሾ በብቕሩብ ለውጢ ተርኢ ኣላ።

ካብ ስደት ዝምለሱ ሶማላውያን፡ ከባቢያውያን ነጋዶን ሰብሃብትን ንዕብየት ህንጻ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ሓደስቲ ሆቴላት፡ ኣብያተ ምግቢ፡ ትካላት ንግድን መንበሪ ገዛውትን ነታ ርእሰ-ከተማ ዳግማይ ይሃንጹዋ ኣለዉ።

ሎሚ ሞቓድሾ እናዓበየት ትኸይድ ዘላ ማእከል ንግዲ እያ። ጸጥታዊ ስግኣትን ኣሰር ኲናትን ግና ገና ኣካል ናይ መዓልታዊ ህይወት ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ክፍሊ ቱሪዝም እታ ሃገር ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 2024 ኣስታት 10,000 በጻሕቲ ንሶማል ዝበጽሑ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ50% ዕብየት ዘርኢ እዩ።

ብዙሓት በጻሕቲ ቅድሚ ምጕዓዞም ብዛዕባ ድሕነቶም ይሓቱ እዮም፤ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ድማ ብብዝሒ ናይ ጸጥታ መፈተሺ ቦታታት የጋጥሞም እዩ።

እቲ ኣብ ባይታ ዘለዎም ተመኵሮ ግን ብሓፈሻ እወታዊ ምዃኑ ትገልጽ።

ገማግም ባሕሪ ሊዶ ኣብ ሞቓድሾ ንሰባት ዘዘናግዑ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት ቦታታት ሓደ እዩ።

"እቲ ካብ ዜናን ካብ ካልእ ቦታታትን ዝሰምዑዎ፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝርእዩዎ ሓደ ኣይኰነን" ትብል።

ገለ ሰባት ሓንቲ መንእሰይ ጓለንስተይቲ ከም መራሒት በጻሕቲ ኰይና ክትሰርሕ ሞቓድሾ ውሕስቲ ድያ ኢሎም እኳ እንተ ሓተቱ፡ ስዕዲ ግና ስርሓ ንምቕጻል ቈሪጻ እያ ተላዒላ።

በጻሕቲ ነቲ ብዙሕ ዘይርአ ገጻት ሶማል ክርእዩ እያ ትደሊ።

"ነቲ ጽቡቕን ተቐባል ኣጋይሽን ዝዀነ ሸነኽ ሞቓድሾ ክርእዩ እየ ዝደሊ እምበር፡ ነቲ ካብ ሚድያ ዝሰምዑዎ ናይ ነታጕን ቦምባታትን ሸነኻ ክርእዩ ኣይደልን" ትብል።

ሶማል ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስን ወሽመጥ ዓደንን ዝዋሰን፡ ልዕሊ 3,000 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ ኣለዋ።

ገማግም ባሕራን ኵድዅዶታት ሑጻኣን፡ ምስ ከም ሞቓድሾ ዝኣመሰላ ታሪኻውያን ገማግም ከተማታት ማዕረ ይርከቡ፤ ባህሊ እዘን ከተማታት ነቲ ናይ ዘመናት ንግዲ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘንጸባርቕ እዩ።

ንገለ በጻሕቲ፡ እቲ ኣብ መንጎ ናይቲ ሃገር ዝናን እቲ ብኣካል ዘሕልፉዎ ተመኵሮን ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ዝገርም ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣመሪካዊ ፈጣሪ ትሕዝቶ (content creator) ጕዕዞ ዝዀነ ክሪስ ሪስ፡ ብስም "ሓቀኛ ጕዕዞ" ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንሞቓድሾ ክልተ ግዜ በጺሑዋ እዩ።

ሞቓድሾ እናተመሓየሸት ትመጽእ ዘላ ከተማ እያ
መግለጺ ስእሊ, ሞቓድሾ እናተመሓየሸት ትመጽእ ዘላ ከተማ እያ

እቲ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ዝገበሮ ቀዳማይ ጕዕዞኡ በይኑ እዩ ነይሩ። ኣዝዩ ስለ ዝፈተዎ ድማ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሖ ቪድዮታት ምስ ረኣዩ ምስ ሓደ ጕጅለ ኣዕሩኽቱ ኰይኑ ዳግማይ ክምለስ ወሲኑ።

"ኣዝዩ እወታዊ ተመኵሮ እዩ ነይሩኒ - ነታ ሃገር ንፈለማ ግዜ ምርኣየይ ብሓቂ ኣስተማቒረዮ እየ - ስለዚ ኸኣ እየ ጕጅለ ኣዕሩኽተይ ሒዘ ዳግማይ ክምለስ መሪጸ" ይብል።

ንክሪስ ዝያዳ ዝማረኾ ነገር፡ እቲ ናይቲ ከተማ ገማግም ባሕሪ፡ ምግቡን ሃዋሁን እዩ።

"ኣዝያ ጽብቕቲ ትሮፒካዊት ቦታ እያ። ነቲ መንፈሳ፡ ኵነታት ኣየራን ምግባን ፈትየዮ እየ" ይብል።

እቲ ጕጅለ ኣብ እዋን ዑደቶም፡ ናብቲ ገማግም ባሕርን ኵድዅዶታት ሑጻን ቅድሚ ምምራሖም፡ ንህንዳዊ ውቅያኖስ እናጠመቱ ተመሲሖም።

"እቲ በረኻ ጽቡቕን ዝማርኽን እዩ። ካብ ሞቓድሾ ብመኪና ን30 ደቓይቕ ጥራይ ዝርሕቕ ምዃኑ እውን ዘገርም እዩ" ይብል።

ክሪስ ቅድሚ ቀዳማይ ጕዕዞኡ ብዛዕባ ሶማል ዝፈልጦ ዝነበረ መብዛሕትኡ ሓበሬታ ካብ ዓለምለኻዊ ዜናታት ጥራይ ከም ዝነበረ ይገልጽ።

"ብዛዕባ ሶማል ዝወጽእ ጸብጻባት ዜና ጥራይ ተንብብ እንተ ዄንካ፡ ንኽትበጽሓ ክትፈርህ ኢኻ። ብሓቂ ድማ ቅድሚ ምምጻአይ ኣብ ሚድያ ዝረኣኹዎ ንሱ እዩ ነይሩ - መብዛሕትኡ ኣሉታዊ ኣርእስትታት እዩ።"

ናብታ ሃገር ምብጻሑ ግን ነቲ ኣረኣእያ እቲ ቀይሩዎ እዩ።

"ኣብ ፈለማ ጕዕዞይ፡ እዛ ሃገር ካብቲ ኣብ ኣርእስተ ዜናታት ዝርአ ዝያዳ ብዙሕ ነገር ከም ዘለዋ ኣርእዩኒ እዩ" ይብል።

ኵድዅዶታት ሑጻ፡ ንብዙሓት በጻሕቲ ንምድረበዳ ሰሃራ እዩ ዘዘኻኽሮም
መግለጺ ስእሊ, ኵድዅዶታት ሑጻ፡ ንብዙሓት በጻሕቲ ንምድረበዳ ሰሃራ እዩ ዘዘኻኽሮም

ካብ ሮማንያ ዝመጸት ሚኻኤላ ፓታፕ፡ ባህርያዊ ጽባቐ ሶማል ትፈቱ እያ።

ኣብ ሞቓድሾ ንውሑድ ሰዓታት ጥራይ እኳ እንተ ጸንሐት፡ ድሮ ናብቶም ኵድዅዶታት ሑጻ በጺሓን ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ርእያን እያ።

"እቲ በረኻ ንምርኣዩ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ነቲ ገማግም ባሕርን ውቅያኖስን እውን ኣስተማቒረዮ እየ። ኣነቓቓሒ እዩ" ትብል።

ካብ ጐረቤት ኢትዮጵያ ናብ ሶማል ዝተጓዕዘት ኰይና፡ ብተቐባልነት ኣጋይሽ እቶም ህዝቢ ከም ዝተገረመት ትገልጽ።

"ዝዀነ ሓደገኛ ነገር ኣይረኣኹን። ድሕነት ይስምዓኒ፡ እቶም ህዝቢ እውን ምዉቓት እዮም" ትብል።

ሮማንያዊት ሚኻኤላ፡ ሓደ ቦታ ክትበጽሕ እንከላ ኣቐዲማ ብዛዕባኡ ዝበሃል ክትሰምዕ ኣይትደልን - ባዕላ ዳህሲሳ ክትፈልጦ እያ ትመርጽ።
መግለጺ ስእሊ, ሮማንያዊት ሚኻኤላ፡ ሓደ ቦታ ክትበጽሕ እንከላ ኣቐዲማ ብዛዕባኡ ዝበሃል ክትሰምዕ ኣይትደልን - ባዕላ ዳህሲሳ ክትፈልጦ እያ ትመርጽ።

ምኵርቲ በጻሒት ዝዀነት ሚኻኤላ፡ ሓደስቲ ሃገራት ክትበጽሕ እንከላ ኣቐዲማ ዝዀነ ዝተሃንደሰ ኣረኣእያ ሒዛ ምኻድ ከም ዘይትፈቱ ትገልጽ።

"ሓደስቲ ቦታታት ንምርኣይ፡ ሃገራት ንምርኣይ፡ ፍልልያት ንምርኣይ እየ ኣብ ዓለም ዝጓዓዝ። ምስቲ ክውንነት ዘነጻጽሮ ምስሊ ኣብ ኣእምሮይ ኣይሕዝን እየ። እቲ ሓድሽ ነገር ንባዕሉ ናባይ ክመጽእ ጥራይ እየ ትጽቢት ዝገብር" ትብል።

ተመኵሮኣ ንኻልኦት ንምክፋልን ናብ ሶማል ንኽበጽሑ ንምትብባዕን ትምነ።

"ስእልታተይ ክዝርግሕ እየ፡ ብዛዕባ እቲ ዘሕልፎ ዘለኹ ተመኵሮ ድማ ጽቡቕ ነገራት ክዛረብ እየ፣ ከላልዮ እየ" ትብል።

ንሱክዲ፡ እዚ ዓቕሚ እዚ ውልቃዊ ትርጕም ኣለዎ።

ውሑዳት ደቀንስትዮ ጥራይ ኣብ ዘለዎ ዓውዲ ብምእታው ሓደ ትካል ንግዲ እናሃነጸት፡ ነቲ ናይ ስድራቤታ ሞያ ትቕጽሎ ኣላ፤ ዲጂታዊ መድረኻት ብምጥቃም ድማ ካብ ሞቓድሾ ኣዝዮም ንዝረሓቑ ተኸታተልቲ ተባጽሕ ኣላ።

"ቱሪዝም ቀንዲ ዓውዲ ቅድሚ ምዃኑ፡ ሶማል ገና ነዊሕ ጕዕዞ ይጽበያ ኣሎ" ትብል።

"ብዑደታተይ ኣቢለ ድማ፡ በጻሕቲ ካብቲ ልሙድ ኣሉታዊ ኣርእስተ ዜናታት ወጻኢ፡ መልክዕ-ምድራ፡ ባህልናን ህዝብናን ንኽፈልጡ ዕድል እህቦም ኣለኹ።"