'ውላድኪ ሞይቱ' ተባሂለ ነይረ - ድሕሪ 42 ዓመት ግን ብኢመይል ረኺቡኒ

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Diane Sheehan
ታሕሳስ 2018፡ ኣብ ብሪስበን ኣውስትራልያ ኣብ ዝነበረት ምዉቕ ዝበለት ለይቲ እዩ።
ጓል 63 ዓመት ሓኪመ-እንስሳ ዳያን ሺሃን፡ ምስ መሓዙታ እናተደረራ ኣዕሊላ ናብ ቤታ ተመልሰት። ከተዕርፍ ኢላ ኣብ ሳሎን ኮፍ ምስ በለት፡ ሞባይላ ብመልእኽቲ ኢመይል ድምጺ ኣስመዐት።
ካብ ሓደ ፈጺማ ዘይትፈልጦ ሰብኣይ ዝተላእከ ሓጺር መልእኽቲ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ዝተወልደሉ ዓመትን ሆስፒታልን ድሕሪ ምግላጽ፡ "ኣደይ ንስኺ ክትኰኒ ትኽእሊ ኢኺ ዝብል ግምት ኣሎኒ፡" ይብል።
ዳያን ንመደብ ኣውትሉክ ቢቢሲ ክትገልጽ ከላ፡ "ኣእምሮይ ብስንባደ ደንዘዘ። ዋላ ሓንቲ ክሓስብ ኣይከኣልኩን፡ ትንፋሰይ'ውን ጠጠው ዝበለ ኰይኑ ተሰምዓኒ። እቲ ስምዒት ንሰዓታት ቀጸለ... ልክዕ ውነይ ዝሰሓትኩ ኰይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ፡" ትብል።
እቲ ሓበሬታ ቅጣብ'ኳ ኣይተጋገየን። ዳያን ኣብታ ዕለት'ቲኣ (1976) ኣብቲ ዝተጠቕሰ ሆስፒታል ወሊዳ ነይራ። ወዳ ግን ሞይቱ ተባሂላ እያ - እንተ ወሓደ ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዝነገርዋ እዚ ነበረ።
ንጹህ ፍቕሪ ኣብ ዘይሕሙም እዋን
ዳያን ኣብ 1950ታት ኣብ ዌሊንግተን ኒውዚላንድ እያ ተወሊዳ። ኣብ ጽኑዕ ዓቃባዊ ካቶሊካዊ ስድራቤት ዓበየት፡ ብደቂ-ማሕበር (መነኮሳት) ኣብ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ድማ ተመልመለት።
"ስሩዕ ናይ ጾታ ትምህርቲ ዝበሃል ኣይነበረን፡" ትብል ዳያን ነቲ ሕሉፍ ክትዝክር ከላ።
"ምስ ኣወዳት ኣብ ሓደ ኣውቶቡስ ከይንሳፈር የጠንቅቑና ነይሮም። 'ምስ ወዲ ኣብ ሓደ መንበር እንተ ተቐሚጥክን ክትጠንሳ ኢኽን' ይብሉና ነይሮም።"
ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝዀነ ግቡእ ርድኢት ከይሓዘት፡ ኣብ ካናዳ ቈልዑ እናኣለየት ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን ምስ ሪክ ዝተባህለ ፈረሰኛ መንእሰይ ናይ መጀመርታ ፍቕሪ ጀመረት።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጾታዊ ርክባ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ናብ ኣእምሮኣ ኣይመጽአን።
"ናይ ብሓቂ ናይ መጀመርታ ፍቕረይ ነበረ። ኣዝዩ ሓላዪ፡ ለዋህን ከማይ ፈረስ ዘፍቅርን ብሉጽ ፈረሰኛ'ዩ ነይሩ።"
ናይ መጀመርታ ቈጸራኦም ኣብ ማክዶናልድስ ነበረ።
"ሃምበርገርን ድንሽ ጥብሲን በላዕና። ከምኡ ዝኣመሰለ ቦታ ርእየ ኣይፈልጥን ነይረ። ንሱ ርእሰ-ምትእምማን ዝመልኦን ዓለም ዘስተማቐረን ነበረ፣ ኣነ ድማ ኣብ ፍቕሪ ጥሒለ ነይረ።"
ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ሪክ ናብ ካሊፎርንያ ኣመሪካ ገዓዘ።
ዳያን ክትበጽሖ ከይዳ፡ እንተዀነ ናብ ካናዳ እትምለሰላ ነፋሪት ስለ ዘምለጠታ፡ ብኡንብኡ ካብ ስርሓ ተሰጐገት።
ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ ሕጋዊ መሰል ስለ ዘይነበራ ድማ ናብ ኣውስትራልያ ገጻ ጕዕዞኣ ጀመረት። ኣብቲ እዋን'ቲ ነብሰጾር ከም ዝነበረት ገና ኣይፈለጠትን ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Diane Sheehan
ጸጥታዊ ስቓይን ዝተሓብአ ጥንስን
ኣብቲ ሞባይል ይዅን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይነበረሉ ዘመን፡ እቶም ፍቑራት መንእሰያት በበይኖም ተረፉ።
ዳያን ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ናይ ፈረስ ሕርሻ ተቘጽረት። እቲ ሕርሻ ብሓደ ሓኪምን ሰበይቱን ዝመሓደር ኰይኑ፡ ልክዕ ከም ወለዳ ጽኑዕ ዓቃባዊ ካቶሊካዊ እምነት ዝነበሮም እዮም ነይሮም።
ዳያን ነቲ ኣብ ከርሳ ዝዓቢ ዝነበረ ጥንሲ ምስ ፈለጠቶ፡ ብፍርሒ ተዋሕጠት። "ንባዕለይ'ኳ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን፡ ብቓላት ከውጽኦ'ውን ዓቕሚ ኣይነበረንን" ትብል። ነቲ ኵነታት ንምቕባል ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወሲዱላ፡ ነቲ ጥንሲ ድማ ኣብ ትሕቲ'ቲ ዝለበሰቶ ሰፊሕ ጋዋኒን (ኦቨሮል) ሸፊና ኣጽንሓቶ።
"ኣዝየ ቀጣን ብምንባረይ፡ ኣብ ሕርሻ ዝለብሶ ዝነበርኩ ሰፊሕ ክዳን ነቲ ጥንሲ ብቐሊሉ ሓቢእዎ ነይሩ" ትብል ዳያን። "እቲ እዋን ኣዝዩ ጨቋኒን መቍጸሪ ዘይብሉ ፈራድን ነበረ። ከይተመርዓውኪ ምውላድ ከም ዓቢ ነውሪ ስለ ዝቝጸር፡ ዳርጋ ካብ ሕብረተሰብ ክትግለሊ ኢኺ እትፈርዲ።"
ናይ ሕርሲ ቃንዛ ምስ ጀመራ፡ ንበይና ክትጻወሮ ፈቲና ነይራ። ምስ በርትዓ ግን ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ተወሰደት።
ካብ ዝሑል ጣውላ ዝተሰረቀ ኣደነት
ዳያን ኣብቲ ሆስፒታል ዘሕለፈቶ ተመኵሮ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነበረ።
"ዋላ ሓደ ሰብ ሕያውነት ዘርኣየኒ ኣይነበረን። ነቲ ውላደይ ምስ ወሰድዎ፡ ጥራየይ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝሑል ጣውላ ከም ዝገደፉኒ እዝክሮ። ደም ይፈሰኒ ነበረ፡ ብቝሪ ድማ አንቀጥቅጥ ነይረ።"
ንውላዳ ክትሓቝፎ ይትረፍ፡ ወዲ ድዩ ጓል'ውን ኣይነገርዋን። ነዊሕ ከይጸንሑ ግን "እቲ ቈልዓ ሞይቱ" ዝብል መሪር ዜና ኣስምዕዋ።
ኣብቶም ዝሰዓቡ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዳያን ነዚ ምስጢር ንዋላ ሓደ ሰብ ኣየካፈለትን—ንሪክ፡ ንወለዳ፡ ወይ ድሒራ ንዘተመርዓወቶ ሰብኣይን ምስኡ ንዝወለደቶም ክልተ ቈልዑን ፈጺማ ኣይነገረቶምን።
"ነቲ ኵነታት ብጭቡጥ ክቕበሎ'የ ዝፍትን ነይረ። ምግላጹ እንታይ ረብሓ ነይርዎ? ኣብቲ እዋን'ቲ ውሽጠይ ፈጺሙ ተሰባቢሩ ነይሩ።"
ሓዘና ንምርሳዕ፡ ኣብ ናይ ሕክምና እንስሳ ትምህርታን ስርሓን ጥሒላ ተጸምደት።
"ሓደ ስራሕ እንተ ሃልዩኒ፡ ክልተን ሰለስተን ይውስኽ ነይረ። ለይቲ ብድኻም ተዋሊአ ኣብ ዓራት ክወድቕ፡ ገለ ንኸይሓስብ ድማ ክሳብ ዝከኣለኒ ብስራሕ ትሑዝ ክኸውን እደሊ ነይረ።"

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Diane Sheehan
ምቅላዕ እቲ ስዉር ገበን
ሕጂ ግን፡ ድሕሪ 42 ዓመታት፡ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ውላዳ ብህይወት ከም ዘሎን ብኻልእ ስድራቤት ተወሲዱ ከም ዝዓበየን ምስ ፈለጠት፡ ምስቲ ዝተኸብረ ስዉር ሓቂ ገጽ ንገጽ ክትገጥም ተገደደት።
ዳያን፡ ካብ 1950ታት ክሳዕ 1970ታት ኣብ ኣውስትራልያ ብዝተወስደ ግዱድ ሞግዚትነን ፖሊሲታትን ግዳይ ካብ ዝዀና ኣማኢት ኣሽሓት ኣደታት ሓንቲ ምዃና ድሒራ ፈለጠት።
ኣብቲ ዘመን፡ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክን ካልኦት ትካላትን ብምሻራኽ፡ ንዘይተመርዓዋ ኣደታት ደቀን ኣሕሊፈን ንኽህባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ምፍርራሕን ይገብሩለን ነይሮም።
ኣብ 2013 መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ስድራቤታት ዝበጽሐ በደል ብወግዒ ኣሚኑ ይቕረታ ሓተተ።
እቲ ወዲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ ንዓኣ ካብ ምርካብን ናይ ስድራ ዝምድና ካብ ምምስራትን ወጻኢ ካብኣ ዝደልዮ ካልእ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየሎ ገለጸላ።
ሕጉስ ህይወት ከም ዘሕለፈን እቶም ዘዕበይዎ ወለዲ ኵሉ ዘድልዮ ዘበለ ከም ዘማልእሉን ድማ ኣረጋገጸላ።
"ቀጺሉ ድማ 'ብመንገዲ'ዚ፡ ኣደ-ዓባይ ምዃንኪ ክሕብረኪ እፈቱ' ኢሉኒ፡" ትብል ዳያን። ኣብቲ ኢመይል ድማ ስእሊ ሓንቲ ዝተቘነነ ጸጕሪ ዘለዋ ጓል ተታሒዙ ነበረ።
ዳያን ነቲ ስእሊ ምስ ረኣየቶ፡ እቲ መልእኽቲ ካብ ውላዳ ምዃኑ ብኡንብኡ ኣመነት።
"ኣብ ዕድመ ጓል-ወደይ - ማለት ኣብ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ወይ ሰለስተ ዓመተይ ዝተሳእልክዎ ስእሊ ኣሎኒ፡ ክልተና ልክዕ ማንታ ኢና ንመስል... ኣእምሮይ ብስንባደ ተናወጸ፡" ትብል።
ዳግማይ-ርክብን ተቓርኖ ዘለዎ ሓቅን

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Diane Sheehan
እዚ ምስጢር ምግላጹ ኣብ ስድራቤታ እንታይ ጽልዋ ከም ዘሕድር ስክፍታታት እኳ እንተ ነበራ፡ ሰብኣያን ደቃን ግን ምስቲ በዅሪ ውላዳ ክትራኸብ ደገፍዋ።
ምስኡ ንምርኻብ ብነፋሪት ናብ ሲድኒ ነቐለት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ተቐበላ። "ዕታር ጻዕዳ ዕንባባታት ሒዙ ደው ኢሉ ነበረ፡ ብሓያል ፍቕሪ ድማ ሓቘፈኒ፡ ፈጺመ'ውን ክለቆ ኣይደለኹን፡" ትብል።
ብሓባር ናብ ቤቱ ከዱ፡ ኣብኡ ድማ ምስ ሰበይቲ ወዳን ደቂ-ደቃን ተላለየት።
ኣብቲ እዋን፡ እቶም ዘዕበይዎ ወለዲ'ውን ግዳይ ምትላል ከም ዝነበሩ ተረድአት።
"'ወላዲቱ ክትኣልዮ ስለ ዘይከኣለት፡ ኣብ ሃይማኖተኛ ስድራቤት ክዓቢ ደልያ፡ እዚ ስም'ዚ ክወሃቦ ደልያ፡ ኣሳእሉ ድማ ናብዚ ኣድራሻ ክስደድ ሓቲታ' ተባሂሎም ተነጊርዎም ነይሩ፡" ትብል።
ድሒራ ከም ዝፈለጠቶ፡ እታ ዘዕበየቶ ኣደ ንዓመታት ደብዳበታት ትጽሕፈላ ነይራ እያ። ሓደ መዓልቲ ድማ ክልተአን ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይቲ ወዲ-ወዳ ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት ኣብ ዝተራኸባሉ፡ እታ ዘዕበየቶ ኣደ ናብቲ ወድን ስድራቤቱን እናኣመልከተት፡ "ነዚ ኵሉ ስለ ዝሃብክና ነመስግነኪ፡" በለታ።
ዳያን እቲ ህሞት ልባ ከም ዘድመዮ ትገልጽ።
"ብሓቀኛ ናይ ፍቕሪ ርክብ እዩ ተጠኒሱ - ብፍቕሪ። ዋላ'ኳ እቲ ዘሕለፍክዎ ስቓይ ብፍላይ ሕጂ እቲ ሓቂ ምስ ፈለጥኩዎ እናገደደ እንተ መጽአ፡ ተወሲዱ ብኻልእ ዓብዩ... እንተዀነ ግን ወሲዶም ኣዕብዮሞ፡ ፈትየሞ፡ ተኸናኺኖሞ፡ ኵሉ ኣማሊኦምሉ፡ ድንቂ ዝምድና ድማ ነበሮም። ኣዝዮም ቅኑዓት፡ ውፉያትን ለዋሃትን ሰባት እዮም ነይሮም።"
ሎሚ ዳያን ምስ ወዳን ስድራቤቱን ዘለዋ ዝምድና ንምሕያል ትጽዕር ኣላ፡ ብሕርቃን ከይትስነፍ ድማ ወሲና።
"ነቲ ዝተፈጸመ ዋላ ሓንቲ ክቕይሮ ኣይክእልን እየ። እቶም ዝተሳተፉ ሰባት፡ እቲ ባህልን ልምድን... ኵሉ ሓሊፉ እዩ። ጕልበተይ ነቲ ን40 ዓመታት ዘጥፋእክዎ ውላደይ ኣብ ምፍቃርን ዝምድናይ ኣብ ምሕያልን ከውዕሎ እየ ዝደሊ፡" ትብል።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
