ክቡራት ተኸታተልትና
ንሎሚ ዝነበረና ቀጥታዊ ሸፈነ ኣብዚ ተዛዚሙ'ሎ። ንምክትታልኩም ከም ወትሩ ኣዚና ነመስግን።
ጽባሕ ብካልእ ትሕዝቶ ቀጥታዊ ሸፈነ ክሳብ ንራኸብ፡ ንትሕዝቶታትና ኣብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ዩቱብን መርበብ ሓበሬታናን ክትድህስሱ ንዕድመኩም።
ሰናይ ለይቲ ወይ መዓልቲ (ነቶም ሕጂ ዝወግሓልኩም!
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ኣምባሳደር ዴንማርክ ሱነ ክሮግስትሩፕን ዝርከብዎም፡ ካብ ሸሞንተ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣምባሳደራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝሓቘፈ ልኡኻት ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ሎሚ 17 ሕዳር ከተማ መቐለ ኣትዮም።
ንሎሚ ዝነበረና ቀጥታዊ ሸፈነ ኣብዚ ተዛዚሙ'ሎ። ንምክትታልኩም ከም ወትሩ ኣዚና ነመስግን።
ጽባሕ ብካልእ ትሕዝቶ ቀጥታዊ ሸፈነ ክሳብ ንራኸብ፡ ንትሕዝቶታትና ኣብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ዩቱብን መርበብ ሓበሬታናን ክትድህስሱ ንዕድመኩም።
ሰናይ ለይቲ ወይ መዓልቲ (ነቶም ሕጂ ዝወግሓልኩም!
ወተሃደራዊት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ብምሕምሻሻ ብውሕዱ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።
እታ ኣን-12 ዝዓይነታ ነፋተት ኣብ ሰብ ዘይነብረሉ ከባቢታት ሳይበሪያ ከምዝወደቐት እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ቴክኒካዊ ምዃኑ'ኳ ኣፈናዊ ሓበሬታ እንተገለጸ፡ መርመራ ይግበር ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Muhoozi Kainerugaba
ኣዛዚ ሰራዊት ዩጋንዳ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ንወላዲኡ ተኪኡ ስልጣን ክሕዝ ከምዝደሊ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣዘራራቢ ርእይቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት መዓርጎም ቀንጢጡ ካብ መዝነቶም ከም ዘባረሮም ይዝከር።
"ድሕሪ ምዚ [ሙሰቨኒ] ንፕረዚደንትነት እዛ ሃገር ክወዳደር እየ። ደው ዘብለኒ ኣይክህሉን'ዩ። ተስፋይ ኣብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽን ደቂዓደይን እዩ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኣብቲ ሎሚ ዘውጽኦ ተኸታታሊ ርእይቶታት፡ ንትካላት ሚዲያ ዝምልከት "ሓድሽ ፖሊሲ" ኣብ ቀረባ እዋን ከውጽእ ምዃኑ ብምግላጽ "ንሃገርና ዝጻረፍሉ መዓልታቶም ኣብቂዑ ኣሎ" ብምባል ኣጠንቂቑ።
"ዝኾነ፡ ምዚ [ኣቦኡ]፡ ኣማማ ከምኡ'ውን ኣፋንደ ሳልሕ [ሓው ኣቦኡ] ወይ ንዓይ ዝጻረፍ ዝኾነ ሚዲያ ን10 ዓመት ክእሰር እዩ።"
እቲ ወዲ 52 ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ኣብ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ጥራይ ብውሑዱ ዓሰርተ ክልተ ላዕለዎት ጀነራላትን መኰንናትን ተኣሲሮም ኣለዉ።
ሓደ ካብኦም እቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓስ ስታፍ ሰራዊት ዩጋንዳ ዝነበረ ሌ/ጀነራል ፒተር ኢለወሉ እዩ።እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ዝነበረ ሌ/ጀነራል ኣንጻር መንግስቲ ምልዕዓል ከካይድ ሃቐነ ነይሩዎ ብዝብል'ዩ ተኣሲሩ ዘሎ።
ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ግን መዓርጉ ናብ ንቡር ተመሊሱ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርብ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።
"ኢለወሩ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ኣዝዩ ኣዝዩ ኣቖጢዑኒ ነይሩ። ናብ ተራ ወተሃደር ኣውሪደዮ ነይረ። ካብኡ ዝኸፍእ ክገብሮ'ውን ተዳልየ ነይረ። ሕጂ መዓርጉ ናብቲ ዝነበሮ ሌ/ጀነራል ዓቢይ ሰራዊትና መሊሰዮ ኣለኹ። ምስ መዓርጉ'ዩ ናብ ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ ክቐርብ።'
ንምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ጀሲካ ኣሉፖ እውን ካብ ስልጣና ወሪዳ ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ ከምእትኽእልን ኣፈራሪሑዋ ነይሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Interior Ministry Lithuania
ሰብመዚ ሊትዌንያ ካብ ላቲቪያ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ክሰግር ፈቲኑ ዝበልዎ ሓን "ኤርትራዊት ዜጋ" ከምዝዓገቱ ኣፍሊጦም።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዘይሕጋዊ ካልኣይ ስደት ንምክልኻል" ነታ ኤርትራዊት መንእሰይ ካብ ባቡር ከምዘውረዱዋ ይጠቅስ።
እቲ ጓል 22 ዓመት ኣብ ሓንቲ ካብ ርእሰከተማ ሪጋ ናብ ርእሰከተማ ቪሊንዩስ ትኸይድ ዝነበረት ባቡር እናተጓዕዘት እንከላ'ያ ኣብ ዶብ ምስበጽሐት ክትወርድ ተገዲዳ።
"እታ ባቡር ኣብ ሲያወሊያ ምስ በጽሐት ኣባላት ሓለዋ ዶባት ኣውሪዶም፡ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ናብ ሓጹር ዶብ ኣምጺኦማ" ይብል።
ምስተፈተሸት ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተዋህበቶ ወረቐት መንነት ሓተትቲ ዑቕባ ሊትዌንያ ከምዝጸንሓ'ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።
"እዚ ሰነድ'ዚ ካብ ግዝኣት ላቲቪኣ ክወጽእ ይኹን ናብ ሊትዌንያ ክትኣቱን ክትጸንሕን መሰል ኣይህባን።"
ኣብዚ ዓመት'ዚ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ሊትዌንያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ከምዘላውን ሓለዋ ዶባት እታ ሃገር ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ብመሰረት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስምምዕ፡ ናብ ላቲቪያ ክትምለስ ምዃና'ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይኣተው ከምዘለው ይግለጽ።
ዝተፈላለየ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ ሓያሎ ዜጋታት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሶማልን ማእከላይ ምብራቕን: ብቤላሩስን ላቲቭያን ኣቢሎም ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ይውሕዙ ኣለው።
እቶም ሰባት ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከፊሎም፡ ገሊኦም ብማህደረ ትምህርቲ፡ ገሊኦም ከኣ ብናይ ስራሕ ቪዛ፡ ፈለማ ናብ ሩስያ ወይ ቤላሩስ፡ ካብኡ ናብ ላቲቭያ፡ ሊትወንያ ወይ ከኣ ፖላንድ ከምዝሰግሩ፡ ብድሕሪኡ ብፊንላድን ሽወደንን ኣቢሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝሰግሩ ይንገር።
ካብ ካልእ መስመራት ዋሕዚ ስደተኛታት ብተዛማዲ ዝሓሸ'ኳ እንተኾነ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ዶባት እተን ዝሰግሩለን ሃገራት ከቢድ ግፍዕን በደልን እዩ ዘጋጥሞም። ንኣብነት ብ21 ጥቅምቲ 2025፡ ክልተ ኤርትራውያን ሬሳ ወዲ 29 ዓመት ብጻዮም ተሰኪሞም ኣብ ዶብ ቤላሩስን ላቲቭያን ከምዝተረኽቡ ኮሚተ መርመራ ቤላሩስ ምሕባሩ ይዝከር።

ዩክረይን፡ ሩስያ ምስ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ዘራኽባ ዝነበረ ኣዝዩ ወሳኒ ድልድል ብኸቢድ ኣዕንያቶ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
ቮሎዲሚር ዘለንስኪ "ተራእዩ ዘይፈልጥ ስርሒት" እዩ ዝበሎ መጥቃዕቲ ስዒቡ እዩ ከምኡ ኰይኑ ዘሎ።
ሰበስልጣን ዩክረይን ዝዘርግሕዎ ምስልታት ከምዘመልክትዎ፡ ሓደ ክፋል ድልድል ክሪሚያ- ናብ ማይ ከምዝፈረሰን፡ እዚ ድማ ኣብ ጻዕሪ ኲናት ሩስያ ሎጂስቲካውን ሞራላውን ስንባደ ከምዘስዓበ ይሕብር።
መንግስቲ ሩስያ ነቲ ድልድል "ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ" ዳግማይ ክሃንጾ ምዃኑን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዝተዋህቦ እኳ እንተገለጸ፡ ገና ርእይቶ ኣይሃበሉን ኣሎ።
ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ክልተ ኣገደስቲ መሳገሪታት ዝኾኑ ሰሜናውን ደቡባውን ድልድላት፡ ሩስያ ንርእሰ ከተማ ዩክረይን ለይቲ ዒላማ ድሕሪ ምግባራ ተዓፅዮም ኣለዉ።
ዩክረይን፡ ነቲ ናብ ቅድመ ግንባር ገጾም ዝወፍሩ ወተሃደራት ሩስያ ዝሳገርሉ ኣገዳሲ ድልድል ክሪሚያ ካብ ነዊሕ እዋን ዒላማ ዝገበረት ኮይና፡ ንሓዋሩ ንምዕጻው ግን ኣይከኣለትን ነይራ።
እቲ ብሰሉስ ዝበፅሐ ዕንወት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣዝዩ ዝኸበደ ይመስል፡ ዓቢ ክፋል ናይቲ ድልድል ፈሪሱ ኣሎ ተባሂሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
መንግስቲ ብሪጣንያ ሕቶ ዑቕባኦም ጠቕሊሉ ዝተነጽገ ስደተኛታት ብቕጽበት ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ንምግባር ዘኽእል ምምሕያሽ ክገብር'ዩ።
ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ሕጊ፡ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ካብታ ሃገር ቅድሚ ምስጓጐም ቅድሚ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት መጠንቀቕታ ክወሃቦም ዝገብር'ዩ ነይሩ። ሰብመዚ እታ ሃገር ከምዝብልዎ፡ እዚ ዝጸንሐ መምርሒ፡ ተወሳኺ ናይ ይግባይ ጥርዓናት ክቐርብ ዕድል ዝፈጥርን ነቲ ናይ ምስጓግ መስርሕ ዘደናጒን ስለዝኾነ'ዩ ለውጢ ክግበር ዝድለ ዘሎ።
እዚ ሓድሽ ሕጊ ግን፡ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ነቶም ዑቕባ ዝተነጽጉ ስደተኛታት ኣቐዲሙ ከይሓበረ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝስጐጉ ክገብር ዘኽእል'ዩ።
እቲ ለውጢ ነቶም ስሩዕ ናይ ይግባይ ዕድል ተጠቒሞም ኣብ መወዳእታ ሕቶኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ዝምልከት ምዃኑ እቲ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ ናብ ፓርላማ ኣቕሪባቶ ዘሎ እማመ የመልክት።
ቤትምኽሪ ስደተኛታት ዝተባህለ ፍሉጥ ተሓላቒ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ እቲ ስጉምቲ ነቶም ተቐባልነት ዘይረኸቡ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸቕጥን ጭንቀትን ዘውድቕ'ዩ ክብል ነቒፉ ኣሎ።
ዳይረክተር ናይቲ ማሕበር ኢምራን ሑሴን ከምዝበሎ "እቲ ክውንነት፡ ብወለንታ ዝግበር ምውጻእ ካብቲ ብኣስገዳድ ዝግበር ምጥራዝ ዝያዳ ኣድማዒ እዩ"።
"ሰባት ብኽብሪ ክምለሱ እንተድኣ ደገፍ ረኺቦም፡ ብዙሓት ነቲ ኣማራጺ ክወስዱ እዮም፡ እዚ ድማ ንከፈልቲ ግብሪ ዝሓሰረ ኣገባብ'ዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ሩስያን ዩክረይንን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንክረሚያ ምስ ሩስያ ዘራኽብ ኣገዳሲ ድልድል ብዩክረይን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ዕንወት ድሕሪ ምውራዱ፡ እቲ ድልድል ተዓጽዩ ኣሎ።
ሰበ-ስልጣን ዩክረይንን ናይ ቀደም ኣማኻሪ ኣንቶን ጌራሽቼንኮን ዘዘርግሕዎም ኣሳእል፡ ሓደ ክፋል ናይቲ ብድልድል ከርች እውን ዝፍለጥ ድልድል ክረሚያ ጐደና መካይን ተሰይሩ ናብ ማይ ከም ዝወደቐ የርእዩ። ሰበ-ስልጣን ሩስያ ብወገኖም እቲ ድልድል ብመጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተሃርመ ብምግላጽ፡ ነቲ ዅነታት ንምግምጋም ህጹጽ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ሩስያ ኣብ 2014 ንክረሚያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ድሕሪ ምሕዋሳ፡ ብ2018 ብፕረዚደንት ቭላዲሚር ፑቲን ዝተመረቐ እዚ ድልድል፡ ንሰራዊት ሩስያን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ዘመላልስ ወሳኒ መስመር ቀረብ እዩ። እዚ ድልድል ኣብዚ እዋን ኲናት ብተደጋጋሚ ብዩክረይን ዒላማ ክግበር ጸኒሑ እዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰበ-ስልጣን ኪቭ፡ ሩስያ ለይቲ ብሰንኪ ዘካየደቶ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ ሩባ ድኒፕሮ ዝርከቡ ናይታ ርእሰ-ከተማ ሰሜናውን ደቡባውን ድልድላት ክዕጸዉ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም ኣለዉ። ከንቲባ ቪታሊ ክሊችኮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ትሕተ-ቅርጺ ኣገልግሎታት ዕንወት ከም ዘስዓበን፣ ኣገልግሎት ሙቐትን ማይን ከም ዘቋረጸን ብምግላጽ፡ ገለ ካብ ላዕለዋይ ክፋል መጓዓዝያ ባቡራት እውን ከም እተሃስየ ገሊጹ።
እዚ ምልውዋጥ መጥቃዕቲታት፡ ክልቲኦም ወገናት ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታቶም ኣብ ዘበርትዑሉ ዘለዉ እዋን እዩ ዝርአ ዘሎ። ሰበ-ስልጣን ዩክረይን ንናይ ሩስያ ዓቕሚ ኲናት ዝድግፉ ወሰንቲ ትሕተ-ቅርጽታት ዒላማ ንምግባር ዝጽዕሩ ዘለዉ ኰይኖም፡ ሞስኮ ብወገና ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይንን መጓዓዝያ መርበባትን መጥቃዕትታታ ትቕጽል ኣላ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዞባ ቸርካሲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ሰለስተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ናይቲ ከባቢ ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም ኣለዉ። እዚ መጥቃዕትታት ዝካየድ ዘሎ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ዩክረይንን ኤውሮጳን ነቲ ኲናት ንምዝዛም ዝዓለመ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ንምስጓም ዘተ ድሕሪ ምክያዶም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተወሳኺ፤

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ኣምባሳደር ዴንማርክ ሱነ ክሮግስትሩፕን ዝርከብዎም፡ ካብ ሸሞንተ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣምባሳደራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝሓቘፈ ልኡኻት ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ሎሚ 17 ሕዳር ከተማ መቐለ ኣትዮም።
እቶም ልኡኻት ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ ብዋና ፈጻሚ ጉዳያት ምምሕዳርን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ፡ ብዋና ፈጻሚ ጉዳያት ቍጠባን ዳግመ-ህንጸትን ዶክተር ቴድሮስ ኣረጋይ፡ ብዋና ፈጻሚ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ህዝባዊ ውዳበን ኣቶ ረዳኢ ሓለፎምን ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ መጕዚት ምምሕዳር ትግራይን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
እቲ ልኡኽ ኣብ ዝህልዎ ናይ ክልተ መዓልታት ቅንያት፡ ምስ ሰበስልታን መጕዚት ምምሕዳር ትግራይ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን ተወከልቲ ሲቪክ ማሕበራትን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ምምላስ ተመዛበልቲ፡ መስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያስን (DDR)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ዘተ ከካይድ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television
ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ ነቶም ልኡኻት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ መጕዚት ምምሕዳር ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ መሓውሩ ዘርጊሑ ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወ ብምግላጽ፡ ኣብ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምርግጋጽ ሰላምን ኣተኲሩ ይሰርሕ ምህላዉ ኣረዲኡ።
ወሲኹ፡ በቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ መንግስታውያን ትካላትን ትሕተ-ቅርጽን ከቢድ ዕንወት ከም ዝበጽሐ ብምጥቃስ፡ ነዚ ዳግም ንምህናጽ ሓገዝ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ሓቲቱ።
ኣተሓባባሪ እቲ ልኡኽ ኣምባሳደር ዴንማርክ ሱነ ክሮግስትሩፕ ብወገኑ፡ ንዝተገብረሎም ኣቀባብላ ብምምስጋን፡ ዕላማ እዚ ጕዕዞ’ዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ድኵነታት ብኣካል ንምዕዛብን ንቐጻሊ ዘድሊ ሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዛት ንምውህሃድን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ተወሳኺ፤

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን ከምዘመዝገበት ገሊጻ።
ሰራዊት ሩስያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 2049 ድሮናትን ኣርባዕተ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላትን ዓጊቱ ከምዘዕነወ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣመልኪቶም።
ኣስታት 600 ናብ ርእሰ ከተማ ጥራይ ከምዝተወንጨፋ ከንቲባ ሞስኮ ሰርጌይ ሶብያኒን ወሲኹ ሓቢሩ። ኪቭ ብወገና፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክብረወሰን ዝሓዘ 17 መጠንቀቕታታት ደብዳብ ኣየር ተወቒዓ።
ብውሕዱ 7 ሰባት ብመጥቃዕቲ ሩስያ ከም ዝሞቱን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ 50 ሽሕ ሰባት ኣብ ጸልማት ከምዘለው ተገሊጹ።
እቲ ጽዑቕ መጥቃዕቲ፡ ልኡኻት ኣመሪካ፡ ዩክረይንን ሩስያን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝዓለመ ዝርርብ ድሕሪ ምክያዶም ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኲናት ዩክረይን ኣብ ለካቲት 2022 ብምሉእ ወራር ሩስያ እዩ ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, Addis Standard
መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝሓበሮ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ኢትዮጵያ፡ ብዓልመዚ መራኸቢ ብዙሓን ‘ነዚ ክሲ ናይ ምስማዕ ስልጣን የብልካን’ ብምባል ዘቕረቦ ናይ ስልጣን ቅድመ-ተቓውሞ ውዱቕ ብምግባር፡ እቲ ትካል ምስ ኣዲስ ስታንዳርድ ዘለዎ ክርክር ኣብቲ ቤትፍርዲ ክቕጽል ብይን ሂቡ።
ኣብ ክፍለ-ከተማ ልደታ ዝርከብ ቀዳማይ መጋባእያ ምምሕዳራዊ ክስታት ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ ብዓልመዚ መራኸቢ ብዙሓን ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ናይ ፈደራል መንግስቲ ቤትጽሕፈት ብምዃኑ፡ ውሳነታቱ ብኣዋጅ ምምሕዳራዊ ስነ-ስርዓት ቍጽሪ 1183/2020 መሰረት ፍርዳዊ ምቍጽጻር ክግበረሉ ዝግባእ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና፡ እቲ ብዓልመዚ ተሓታትነቱ ንቤትምኽሪ ምኒስተራት ዘይኰነስ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃኑ ጥራይ ካብ ፍርዳዊ ምቍጽጻር ናጻ ክኸውን ከም ዘይክእል እቲ ቤትፍርዲ ወሲኑ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መራኸቢ ብዙሓን ቍጽሪ 1374/2025 ንኣዋጅ ምምሕዳራዊ ስነ-ስርዓት ከም ዘየትርፎ ኣስሚሩሉ ነይሩ።
ኣሕታሚ ትካል ኣዲስ ስታንዳርድ ዝዀነ ‘ጃከን ፐብሊሺንግ’ (JAKENN Publishing PLC) ኣብ ልዕሊ ምስራዝ ፍቓዱ ዘቕረቦ ምምሕዳራዊ ቅሬታ፡ እቲ ብዓልመዚ ኣብ ውሽጢ ሕጋዊ 30 ናይ ስራሕ መዓልታት ውሳነ ዘይምሃቡ፡ ብመሰረት ሕጊ ከም ዝተነጽገ ኰይኑ ስለ ዝቝጸር፡ እቲ ክሲ ብቐጥታ ናብ ቤትፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰሉ ሕጋዊ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ብዓልመዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ኣብ ለካቲት 2026 ንኣዲስ ስታንዳርድ ዝነበሮ ናይ ኢንተርነት ሚድያ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ክስርዝ ከሎ፡ እቲ ማዕከን ዜና “ብሄራዊን ህዝባዊን ረብሓ፡ ሕግታት ሃገርን ናይ ጋዜጠኝነት ስነ-ምግባርን ዝጻረር ጸብጻባት ኣቕሪቡ፡” ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ።
መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብወገኑ፡ እዚ ስጕምቲ ቅድመ-መጠንቀቕታን ምላሽ ናይ ምሃብ ዕድልን ከይተዋህቦ፡ ኣየኖት ጸብጻባት ሕጊ ከም ዝጠሓሱ’ውን ብንጹር ከይተገልጸሉ ብዘይኣግባብ ዝተወሰደ’ዩ ብምባል ይከራኸር።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ናጻ ማዕከናት ዜናን ጋዜጠኛታትን ዝውሰድ ዘሎ ናይ ፍቓድ ምስራዝን ማእሰርትን ስጕምትታት ብተሓለቕቲ ናጽነት ፕረስ ሓያል ነቐፌታ እናገጠሞ ይርከብ።
እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ቤትፍርዲ ድማ፡ መንግስታውያን ተቘጻጸርቲ ትካላት ካብ ፍርዳዊ ምቍጽጻር ናጻ ከም ዘይኰኑ ዘርኣየ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ተገይሩ ይውሰድ ኣሎ።
ብዛዕባ’ዚ ውሳነ ቤትፍርዲ ካብ ብዓልመዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ዛጊት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የሎን።
እዚ ናይ ሕጂ ብይን ቤትፍርዲ፡ እቲ ምስክር ወረቐት ዝተሰረዘሉ ስጕምቲ ሕጋዊ ድዩ ኣይኰነን ኣብ ዝብል ቀንዲ ፍረ-ነገር ገና ውሳነ ዘይሃበ ኰይኑ፡ ኣብ ክንድኡ እቲ መጋባእያ ነቲ ጉዳይ መርሚሩ ፍርዲ ናይ ምሃብ ምሉእ ስልጣን ከም ዘለዎ ጥራይ ዘረጋገጸ’ዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዘሎ ቀንዲ ክርክር ንምስማዕ ን9 ታሕሳስ 2026 ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 10፡30 ቈጸራ መዲቡ ኣሎ።
ብተወሳኺ፤
ሰናይ መዓልቲ ክዀነልኩም እናተመነና፡ ቀጥታዊ ፈነወና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩ። ኣብዚ ፈነወና፡ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሓበሬታታትን ዜና ከነቕርበልኩም ኢና።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዩቱብ ኰነ ካልኦት መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንእነቕርቦ መደባት ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ንሞት 17 ሰባት ጠንቂ ዝዀኑ፡ ክልተ ዝተፈላለዩ ጃምላዊ መጥቃዕታት ይምርምሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ኣብ ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ኣብ ሓንቲ ሚኒባስ ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።
ድሕሪ ሰዓታት ድማ፡ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ምዕራብ ፕሪቶርያ ኣብ ዝርከብ ገዛ ብጥይት ተቐቲሎም ተረኺቦም።
ፖሊስ እቲ ክልተ ጃምላዊ መጥቃዕቲ፡ ነንሕድሕዱ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ብምግላፅ፡ ነገር ግን ድራኸ ናይቲ ተኹሲ ንጹር ኣይገበረን።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓለም ካብተን ዝለዓለ መጠን ቅትለት ዝፍጸመለን ሃገራት ሓንቲ ኰይና፡ ጉጅለኣዊ ቅትለታት ሓዊሱ ከበድቲ ገበናት ንምቁጽጻር ትቃለስ ሃገር እያ።
ፖሊስ ኣብ ወሰን ከተማ ፒተርማሪትዝበርግ ኣብ ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ንዝተፈጸመ ተኹሲ ምላሽ ከምዝሃቡን ብጥይት ዝተበሳሰዐት 7 መቐመጢ ዘለዋ ፃዕዳ መኪና ከምዝረኸቡን ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሮበርት ንትሺንዳ፡ "ኩነታት እቲ ፍጻመ ገና ኣብ ምጽራይ ይርከብ፤ ፖሊስ ድራኸ ናይቲ ቅትለትን መንነት ናይቶም ጥርጡራትን ንምፍላጥ መርትዖታት ይእክብ ኣሎ" ኢሉ።
ፖሊስ ነቶም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ሃድን ጥርጡራት ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ዝርገሐ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ዘሎ ዀይኑ፡ ፍፃማታት ጃምላዊ መቕተልቲ ድማ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ሓንቲ ሰላይ ምዃና ዝተጠርጠረት ቻይናዊት ጓል ኣነስተይቲ ሓዊሱ፡ ብሰንኪ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝገብሮ ፆታዊ ርክብ፡ ካብ ስልጣኑ ዝለቐቐ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤንቪድያ ነበር ጀንሰን ሁዋንግ፡ ናብ ሓላፍነቱ ንክምለስ መሳርሕቱ ወፍሪ ጀሚሮም።
ካብቶም ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ነበር እቲ ኩባንያ ደገፍ ንምእካብ ኣብቲ ወፍሪ ዝተጸንበሩ ፍሉጣት ሰባት፡ ናይ ዓለምና ሃብታም ዝዀነ ኤሎን ማስክን፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ ፎርትናይት ጸወታታት ዝሰርሕ ኤፒክ ጌምስ- ቲም ስዊኒን ይርከብዎም።
እቲ ኩባንያ ምስ ሁዋንግ ብዝተኣሰሳር ውሽጣዊ መርመራ የካይድ ኣሎ።
እቲ መርመራ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን'ውን እንተኾነ፡ እዞም ሰባት ዝርከብዎም ልዕሊ 175 ሽሕ ሰባት፡ ንቦርድ ኤንቪድያ ንሁዋንግ ናብ ስራሕ ክመልሶ ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ከምዝፈረሙ፡ መርበብ ሓበሬታ ስታንድ ዊዝ ጄሰን ይሕብር።
ቦርድ ዳይረክተራት፡ እቲ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ረብሓ ዝውዕል ቺፕ ዘፍሪ ትካል ኩባንያ ቴክኖሎጂ- ኢንቪዲያ፡ ንጀንሰን ናብ ስራሕ ንክምልስ ይጠልቡ ኣለዉ።
ሁዋንግ፡ ካብ ስልጣኑ - ካብ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኢንቪዲያ፡ ዝወረደ ክልተ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝነበሮ ፆታዊ ርክብ ድሕሪ ምቕልዑ'ዩ።
ሓደ ካብዚ ዝምድናታት ምስ ሓንቲ ንቻይና ትስልይ ተባሂላ ዝተጠርጠረት ጓል ኣነስተይቲ ክኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ ምስ ሓንቲ ሰራሕተኛ ናይቲ ኩባንያ እዩ።
እዚ ፍፃመ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ክቡራት ኩባንያታት ኢንቪዲያ ኣብ ዓሚቕ ቅልውላው ኣእትይዋ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈጸመ ክልተ መጥቃዕቲታት 17 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ብሰንበት ኣብ ኣውራጃ ክዋዙሉ-ናታል ብሰንበት ለይቲ ዘጋጠመ ኩነታት፡ ሸሞንተ ብከቢድ ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ምስተወስዱ ከምዝሞቱ ፖሊሲ ሓቢሩ።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ብዝተፈጸመ ካልእ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም ተረኺቦም።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ገበናት ምቊጽጻር ከምዘይክኣለት ይንገር። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ነቲ ኵነታት ኣጋዲድዎ ይርከብ።
ንፈጸምቲ እቲ ገበን ንምርካብ ፖሊስ ሃድን ጀሚሮም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, SM
መራሒ ኪዳን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርርብ ከም ዘካየደ ሓንቲ ምስ ህወሓት ምትእስሳር ዘለዋ መደበር ተለቪዥን ጸብጺባ።
ተለቪዥን ቲኤምሲ (ትግራይ ሜድያ ኮርፖረሽን) ከምዘቃልሓቶ፡ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ጓንግ ኮንግ ምስ ኣቦ-መንበር ‘ኪዳን ሓይልታት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንህላወ’ ዝዀነ ዘመነ ካሴ ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ዘሎ ግጭታትን ዞባዊ ወጥሪን ተመያይጡ።
እቲ ዝርርብ ኣብቲ “ኵነታት ጃምላዊ ህልቂት” ምብራቕ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ዝበሎ ጉዳይ ዘተኰረ ምንባሩ እታ ተለቪዥን ሓቢራ። እቲ ኣኼባ መዓስን ኣበይን ከምዝተኻየደ ግን ኣይተገልጸን።
ዘመነ ካብቶም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቃወሙ ሓያሎ ዕጡቓት ጕጅለታት ሓደ ዝዀነ ‘ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ’ እውን ይመርሕ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቲኤምሲ፡ ጓንግ ቀንዲ ልኡኹ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ንዝካየዱ ግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝግበሩ ጻዕርታት ምድጋፍ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ተገሊጹ ዘሎ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጓንግ ብዛዕባ ዞባዊ ምርግጋእ ዘሎ ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ፡ ናብ ክልቲአን ሃገራት ብምብጻሕ ምስ ሰበ-ስልጣን ዝርርብ ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዘሎ ዝምድና ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ ኢትዮጵያ ልዑላዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ብትገብሮ ዘላ ጸቕጢን ምስኡ ብዝተኣሳሰረ ምስሕሓባትን እናንቈልቈለ መጺኡ ኣሎ።
ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ኣፍደገ ንምውሓስ ኣመልኪቶም ዝህብዎ መግለጺታት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዳግማይ ውግእ ክውላዕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣጋዲዱዎ ይርከብ።
ቤት ጽሕፈት ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እዚ ተጸብጺቡ ዘሎ ርክብ ብዕሊ ዝሃብዎ ርእይቶ የሎን።
ተወሳኺ፤

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሳልሰይቲ ዓርሞሸሽ መርከብ ኲናት ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዝኣተወት ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ኣረጋጊጹ።
እታ ዩኤስኤስ ቲዮዶር ሩዝቨልት ( USS Theodore Roosevelt) ዝተባህለት መርከብ ኲናት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዝተዋፈረት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ዩኤስኤስ ጆርጅኤች ከምኡ’ውን ቡሽን ዩኤስኤስ ጆርጅ ዋሽንግተንን ተጸንቢራ።
እተን መራኽብ ከም ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝገብርኦ ምንቅስቓስ ምዃኑን፡ ህላወ እተን ሰለስተ መራኽብ ግዝያዊ ክኸውንትጽቢት ይግበር።
ሓለዋ ሰውራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን ክልተ መራኽብ ነዳዲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ነተጉቲ ድሕሪ ምውቃዐን ሓዊ ከምዝተቓጸላ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ካብ ትማሊ (ሰንበት) ጀሚሩ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ሽዱሽተ መራኽብ ነዳዲ ሓዊ ከምዝተቓጸላ ሓቢሩ።
ተወሳኺ፤

ምንጪ ስእሊ, Sudan Tribun
ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ግዝኣታት እናተቘጻጸረ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ሱዳን ትማሊ ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ከምዝተጸንበረ፡ ብብሕቲ ዝውነን ማዕከን ዜና 'ሱዳን ትሪቡን' ሓቢሩ።
ኣብ ምዕራብ ዞባ ዳርፉር ኣዛዚ ኣሃዱ 'ጕጅለ ሓደ' ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝዀነ ኣሕመድ ሓሰብ ኣል-ረሱል፡ ናብ ሃገራዊ መስመር ይምለስ ከምዘሎ ብምግላጽ ብመንገዲ ቪድዮ መግለጺ ሂቡ። ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ ስጕምቲ ናይቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዛጊት ዝበሎ ነገር የለን።
ኣሕመድ ሓሰብ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ “ንጹር ሃገራዊ ዕላማን ዝተወሃሃደ ኣመራርሓን የብሉን” ብምባል ከሲሱ፡ ነቲ ግጭት ዘበግስዎ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ኣካላት ምዃኖም ድማ ገሊጹ።
ረሱል ብተወሳኺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ኲናት ብገንዘብ ከምእትድግፎን ትሕንጽጾን፣ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ድማ ዕሱባት ትመልምል ኣላ ክብል ከሲሱ።
ንመራሒ እቲ ጕጅለ ሌተናንት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)ን ምክትሉ ዝዀነ ሓዉ ዓብደልረሒም ሓምዳን ዳጋሎን፡ ኣካላት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ናይ ወጻኢ ውዲት መሳርሒታት ምዃኖም ከሲሱዎም።
እቲ ኣዛዚ ንውሳነ ምውጻኡ ከም ምኽንያት ዘቕረቦ፡ ኣብ ውሽጢ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘሎ ኣድልዎ፡ ቀቢላውነትን ዓሌታውነትን ምዃኑ ጠቒሱ። ብተወሳኺ፡ ሞት ሰላማውያን ሰባት፡ ጃምላዊ ስርቅን ምዕናው ህዝባዊ ትሕተ-ቅርጽን ብምኽንያትነት ኣቕሪቡ።
ነዚ ዝቐረበ ክሲታት ኣሕመድ ሓሰብ፡ ቢቢሲ ብናጻ ወገናት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
እዚ ምፍንጫሉ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ካልኦት ኣዘዝትን ተዋጋእትን ዳዕመ-ሰሪዕ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ድሕሪ ምውሳዶም ዝስዕብ ዘሎ እዩ።
እዚ ድማ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ደቡብ-ማእከላይ ዞባ ኮርዶፋን ዝርከባ ሓያሎ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለወን ኣቝሻትን ከባቢታትን ድሕሪ ምቍጽጻሩን ነቲ ወተሃደራዊ ጸብለልታ ኣንጻር ዳዕመ-ሰሪዕ ድሕሪ ምቕያሩን እዩ ተፈጺሙ።
ዳዕመ ሰሪዕ፡ ካብዚ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ መሳርዑ ሓይብዝርአ ዘሎ ምግምማዕ፡ ሓያለ ካብ ኣዘዝቲ ሓይልታቱ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ይጽንበሩ ኣለዉ።
ካብኣቶም ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሌተናንት ኮሎኔል ጂዶ መሓመድ ኣዳሞ ሂማ ይጥቀስ። ንሱ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣዛዚ ጕጅለ 135ን ዞባ ደቡብ ንያላን ዝነበረ ኰይኑ፡ ቅድሚኡ ሓላፊ ውልቃዊ ሓለዋ መራሒ ዳዕመ ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ኰይኑ ዝሰርሐ እዩ። ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2026 ንመሪሕነት ዳጋሎ ብምንቃፍ ናብ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሩ።
ብዛይካኡ፡ ሌተናንት ኮሎኔል መሓመድ ኣዝራቅ ኣል-ፋንጃሪ ዝተባህለ ኣዛዚ ፍሉይ ስርሒታት ዳዕመ ሰሪዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ምስ 300 መኮንናትን ወተሃደራትን ከምኡ’ውን 30 ወተሃደራውያን መካይን ሒዙ ኣብ ጥቅምቲ ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ሂቡ።
ኣብ መሰከረም ድማ፡ ኣል-ጠይብ መሓመድ ኣሕመድ / ኣል-ዋሒዶ፡ ኣብ ኦምዱርማን ዝነበረ ኣዛዚ ኰይኑ፡ ምስ 50 ተዋጋእትን 5 ዕጡቓት መካይንን ናብ ሰራዊት ሱዳን ዝተጸንበረ እዩ።
ኣልቍባ ብዝብል መጸውዒኡ ዝፍለጥ፡ ሜጀር ጀነራል ኣል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም፡ ሓደ ካብ መስረትትን ሳልሳይ ላዕለዋይ ኣዛዝን ዳዕመ ሰሪዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብርክት ዝበለ ወተሃደራዊ ሓበሬታታት ሒዙ ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ሂቡ። ብተመሳሳሊ ብርጋዴር ጀነራል ዓሊ ርዝቀ’ላህ (ኣል-ሳቭና) እውን ናብ ሰራዊት ሱዳን ምጽንባሩ ይዝከር።
ተወሳኺ፤

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ እስራኤልን ታይዋንን ንህልውና ሃገሩ ኣብ ሓደጋ የእትዋ ኣለዋ ክብል ትማሊ ከሲሱ።
እዚ ድማ ብዛዕባታ ባዕላ ዝኣወጀት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድን ዘለዋ እናዓበየ ዝመጽእ ኣህጉራዊ ዝምድናን ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ እዩ።
ፕረዚደንት ማሕሙድ ነዚ ዝበለ፡ ኣብቲ ኣምባሳደር ቻይና ዋንግ ዩ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ኣብ ሞቓድሾ ንዝህነጽ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሶማልያ እምነ-መሰረት ኣብ ዝተነጽፈሉ ስነ-ስርዓት እዩ።
“ሎሚ ታይዋን ሓንቲ ካብተን ንህልውና፡ ሉዓላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ኣብ ሓደጋ ዘእትዋ ዘለዋ እያ። እስራኤል እውን ሓደጋ ተንጠጢ ኣላ” ድሕሪ ምባል ንቻይና ከም ክብርቲ መሓዛ ገሊጹዋ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣፍልጦ ሂባታ እያ። ሞቓድሾ ግን ንሶማሊላንድ ከም ኣገዳሲት ኣካል ሶማልያ እያ ትወስዳ።
ታይዋን ካብ 2020 ኣትሒዛ፡ ተቓውሞ ሶማልያን ቻይናን እናሃለወ ክነሱ፡ ምስ ሶማሊላንድ ዘለዋ ዝምድና ኣደልዲላ እያ። ሶማልያ ፖሊሲ 'ሓንቲ-ቻይና' በይጂን ትድግፍን፡ ታይዋን ንናጻ ሃገራዊነት እተቕርቦ ጠለብ ትነጽግን እያ።
ተወሳኺ፤

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓለዋ ሰውራ ኢራን ሰንበት ኣብ ባሕሬን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ትካል ኣመሪካ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመ ብምግላጽ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወሽመጥ ዝፍጸም ዘሎ ካልኣይ መጥቃዕቲ ምዃኑ ሓቢሩ።
ሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም ዝበሎ፡ ሽዱሽተ ድሮናት ነቲ ኣብ መዓስከር ኣየር ኣል-ሪፋ ዝርከብ መደበራት ራዳር ምክልኻል-ኣየር ኣመሪካ ዒላማ ገይረን እየን።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ባሕሬን ብወገኑ፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየሩ ነተን ድሮናት ናብ ዒላማአን ቅድሚ ምብጻሐን ከም ዝመከተንን ከም ዝዓነዋን ብምሕባር፡ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘየጋጠመ ገሊጹ።
ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መላእ ባሕሬን ደወል መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ ኣየር ተሰሚዑ፡ ሰበ-ስልጣን እውን ነበርቲ ክጥንቀቑ ተማሕጺኖም።
ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ባሕሬን ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ግዝኣታ መጥቃዕትታት ትቕጽል ኣላ ብምባል ከሲሱ።
እዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ ዝኽሰት ዘሎ፡ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ብዛዕባ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ መበል ሓሙሻይ እጃም ናይ ዓለም ቀረብ ነዳድን ጋዝን ዘመሓላልፍ መጻብቦ ሆርሙዝ እናዓበየ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ምፍጣጥ እዩ።
ኣብዚ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መስመር ማይ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣቐዲሙ ውግእ ካብ ዝውላዕ ንነጀው ምንቅስቓስ መራኽብ ብኸቢድ ተሰናኺሉ ይርከብ።
ሓይልታት ኣመሪካ፡ ሰደድ ጸዓት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምክልኻል ንግዳውያን መራኽብ እናኣሰነዩ ኣብ ዘመላልሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ኢራን ብግደኣ በቲ መስመር ንዝግበር ምንቅስቓስ መራኽብ ክትቈጻጸሮ ከም እትደሊ ብተደጋጋሚ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።
ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እቲ ናይ ሰንበት መጥቃዕቲ “ጐነጽ ኣመሪካ” ኢሉ ንዝገለጾ ግብረ-መልሲ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣመሪካ ዝዀነ ተወሳኺ ስጕምቲ እንተ ወሲዳ ዝሓየለ ግብረ-መልሲ ከም ዘስዕብ ኣጠንቂቑ።
ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢራን እውን ነቲ ጕጅለ ብምጥቃስ ሆርሙዝ ከም ዝተዓጽወ ገሊጸን ኣለዋ።
እዚ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ዓርቢ ኣብ ባሕሬን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ስዒቡ እዩ። ኢራን ነቲ ናይ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ዘጠንቅቕ ስርዓት ራዳር ከም ዝሃረመት እኳ እንተ ተዛረበት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ግን እተን ድሮናት ናብ ዒላማአን ቅድሚ ምብጻሐን ከም ዝተመከታን፡ ኣብ ሰቡ ይዅን ንብረቱ ዘጋጠመ ጕድኣት ከም ዘየለ ገሊጹ።
እዚ ምልውዋጥ መጥቃዕትታት ዝካየድ ዘሎ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ካብቲ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ “ድሩትን መከላኸሊን” ክብሉ ዝገለጽዎ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ደሴት ቀሽም ናይ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕትታት እዩ። ነቲ ግጭት ንምዝዛምን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ጸጥታ ንምምላስን ዝዓለመ ጻዕርታት ንምጅማር ዝግበር ዘተ እውን፡ ክልቲኦም ወገናት መርገጺታቶም ብምትራሮም ደው ኢሉ ኣሎ።
ተወሳኺ፤
ብሩኽ ናይ ስራሕ ሰሙን ክዀነልኩም እናተመነና፡ ቀጥታዊ ፈነወና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሓበሬታትን ዜናን ክነቕርበልኩም ኢና።