መሳጢ ዛንታ ሓንቲ ካብ 15 ኣንስቲ ዝነበረት ብኸመይ ንግስቲ ስነ-ጥበብ ኰነት?

"ህይወተይ ባዕላ ሓደ ዛንታ እያ።"
ናይክ ዳቪስ-ኦኩንዳዮ - ብተወሳኺ ማማ ናይክ ብዝብል ቅጽል ስም እትፍለጥ - ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበት ስነ-ጥበበኛን መስራቲት እቲ ኣብ ናይጀርያ ዝዓበየ ቤት-ስእሊ ዝዀነ 'ማእከል ስነ-ጥበብን ባህልን ናይክ' እያ።
ኵለንትናኣ ብንጥፈትን ብርሃንን ዝመልአት ሓያል ስነ-ጥበበኛ እያ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ህይወታ ብድኽነት፡ ጥሜትን ኣብቲ "ስኒ ከም ዘይብሉ ኣንበሳ" ዝመሰለቶ ብዙሕነት ዘለዎ (polygamous) ቃል-ኪዳን ተኣሲራ ዝሓለፈ ነይሩ።
እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ናይ ዓወት ጕዕዞኣ፡ ብተገለባባጢ ኵነታትን ናይ ተቓውሞ ስጕምትታትን ዝመልአ ኰይኑ፡ ልክዕ ከም ሓደ ልቢ-ወለድ መጽሓፍ ዘደንቕ እዩ።
ኣብ ኵሉ ጕዕዞኣ ከም ፈትሊ ተኣላሊሙ ዝርከብ፡ እቲ ኣብ ደቡብ-ምዕራብ ናይጀርያ ብንጉሳዊ ስድራቤት ዝዝውተር፡ ብፈገሳይ ዝስለም 'ኣዲረ' ዝተባህለ ዓለባ ናይ ምስራሕ ክእለታ እዩ።
እዚ ስም'ዚ ካብ ቃላት ዮሩባ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ትርጕሙ "ምእሳርን ምሕባርን" ማለት እዩ።
እዚ ስራሕ'ዚ ብደቂ-ኣንስትዮ ዝዕመም፡ ክእለት፡ ትዕግስትን ጽንዓትን ዝሓትት ኰይኑ፡ ነቲ ማማ ናይክ ዘሕለፈቶ ዘደንቕ ህይወት ዘንጸባርቕ እዩ።
ጥበብ ምቕሳም
እዛ ኣብ 1951 ኣብ ሓንቲ ድኻ ገጠር ዝተወልደት ጓል፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ቅድሚኣ ዝነበሩ ምርጫታት ኣዝዮም ውሑዳት ነይሮም።
ወላዲታ ክትመውት እንከላ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጥራይ እያ ነይራ። ብድሕሪ እዚ ብኻልኦት ኣንስቲ ስድራቤታ ኣቢላ ነቲ ኣዝዩ ኣድካሚ ዝዀነ ስራሕ ዓለባ 'ኣዲረ' ክትምሃር ጀሚረት።
ውሑዳት ሜትሮታት ዓለባ ንምድላው ጥራይ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል ነይሩ። ናይክ ገና ንእሽቶ ጓል እንከላ፡ ካብ ጡጥ ፍረታት ምውጻእ፡ ምፍታግን ምእላምን ትኽእል ነይራ።
እቲ ስራሕ ብዙሕ ግዜ ዝሓትት ብምንባሩ፡ ስድራቤታ ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ጥራይ እዮም ካብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ትእዛዝ ዝመጽኦም ነይሩ፤ ካብኡ ዝረኽብዎ እቶት ድማ ኣዝዩ ውሑድ ነይሩ።
ናይክ ብሰንኪ እቲ ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ስራሕ፡ "ዓጽምን ቈርበት" ክሳብ ትመስል ከም ዝበጽሐት ትገልጽ።
"ናብ ቤት-ትምህርቲ እኸይድ፡ ሰዓት ክልተ ተመሊሰ ድማ ናብ ግራት ይወፍር ነይረ። ገንዘብ ክንረክብ ኣይንኽእልን፣ ዋላ'ውን ዝብላዕ ኣይንረክብን ነይርና፡" ትብል።
ናይክ ነቲ እዋን ክትዝክሮ ከላ፡ "እሳቐ ነይረ። ኣደይ እንተ ትህሉ እዚ ኵሉ ኣይምበጽሓንን ነይሩ፡" ትብል።
እንተዀነ፡ እዚ ብተመኵሮ ዘጥረየቶ ክእለታ እዩ ንናጽነታ መንገዲ ዝጸረገላ።
ብድኽነት ተኸቢባ ዝነበረት ናይክ፡ ስራሕ ንምርካብ ቈሪጻ ተላዕለት። ኣብ መወዳእታ ናብ ርሑቕ ከተማ ብምኻድ ንሓንቲ ስድራቤት ኣላዪት ህጻን ኰይና ክትሰርሕ ጀመረት።
ለይቲ ኣብ ገበላ እያ ትድቅስ ነይራ። እቲ ቈልዓ ምስ ደቀሰ ድማ ኣብ ስራሕ ዓለባኣ ተተኵርን ክእለታ ተጽርን ነበረት።
ሓደ ካብቲ "እግዚኣብሔር ጓሳይየይ እዩ" ዝብል ጽሑፍ ዝሰፈየትሉ ስርሓታ፡ በቶም ናብ ካናዳ ዝጓዓዙ ዝነበሩ መነኮሳት ኣቓልቦ ረኸበ። ንነፍስ-ወከፉ ከኣ ብሓሙሽተ ሽሊንግ ዓደግዎ።
እዚ ገንዘብ'ዚ ንዓኣ ዓቢ ለውጢ ዝፈጠረ ነይሩ።

ሓንቲ ካብ 15 ኣንስቲ
ናይክ ነቲ ስድራቤታ ዘጋጠሞም ድኽነት ንምቅላል፡ ኣቦኣ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ራብዐይቲ ሰበይቱ ክትከውን ምስ ወሰነ፡ ንሳ ግን ነዚ ንምቅዋም ብዙሕ ግዜ ካብ ገዛ ክትሃድም ፈቲና።
ኣብ መወዳእታ ምስ ሓደ ተጓዓዛይ ጕጅለ ትያትር ተጸንቢራ ናብ ቍሸታት ክትዘውር ጀመረት።
"ጸጕረይ ተላጽየ። ገጽ ሰብ ኣተኲረ ክጥምት ዘይክእል ዝነበርኩ፡ ተዋሳኢት መድረኽ ኰይነ!" ትብል።
ብድሕሪ እዚ እያ ምስቲ ስነ-ጥበበኛ ዝዀነ ቀዳማይ ብዓል-ቤታ ተፋሊጣ። ንሱ ድማ ካልኦት ኣንስቱ እኳ እንተ ተቓወማ፡ ብጠቕላላ 15 ኣንስቲ ኣእትዩ።
እቲ ሰብኣይ ነተን ኣንስቲ ንምግዛእ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝጠምያ ይገብር ከም ዝነበረ ትገልጽ።
"ሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ማይን መግቢን ንጸንሕ ነይርና። ስኒ ከም ዘይብሎም ኣናብስ ገይሮምና። ስለዚ ክንሰማማዕ ንግደድ ነይርና። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ቅንኢ ከም ዘይብልና ንዛረብ ነይርና፡" ትብል።
ጥበብ ከም መህደሚ
ኣብ 1970ታት ናይክ ብስርሓታ ኣፍልጦ ክትረክብ ምስ ጀመረት፡ ንኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያን ባህላዊ ስራሕ ዓለባ ንምምሃር ናብ ኣመሪካ ተዓዲማ።
ኣብኡ ዝረኣየቶ ነገር ድማ ንኣረኣእያኣ ቀይርዎ።
"ነዘን ደቂ-ኣንስትዮ ርእየየን። ሰብኡትክን ክንደይ ኣንስቲ ኣለዎም? ኢለ ሓቲተየን፡ ንሳተን ድማ 'ኣነ ጥራይ' ኢለን መሊሰናለይ፡" ትብል።
ናብ ናይጀርያ ምስ ተመልሰት፡ ናይክ ነቲ ዝነበረ ናይ ስድራቤት ወጥሪ፡ ቅንእን በደልን ክትጻወሮ ኣይከኣለትን።
ኣብ 1982 ካብቲ ቃል-ኪዳን ክትወጽእ ወሰነት።
ካብ ዝሰርሐቶ ብዝረኸበቶ ገንዘብ ኣብ ካዱና ብምስጢር ገዛ ሰሪሓ ነበረት።
ካብቲ ቤት ምስ ወጽአት ድማ ካልኦት ኣንስቲ'ውን በብሓደ ሰዓባኣ። ነቲ ጥንታዊ ስራሕ ዓለባ 'ኣዲረ' መሃረተን፤ በዚ ድማ ነፍስ-ወከፈን ናይ ባዕለን እቶት ክረኽባ ጀመራ።
ብዛዕባ እዚ ስራሕ'ዚ ወረ ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ሓደ ጋራዥ ን20 ዝዀና ኣዋልድ ክትምሃር ጀመረት።
ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ፖሊስ "ናይ ኣመሪካ ፈሚኒዝም [ምንቅስቓስ መሰል ደቀንስትዮ] ተተግብሪ ኣለኺ፡" ብዝብል ክሲ ኣሰርዋ።

ሕልሚ ቤት-ስእሊ
ሕጂ ኣብ 70ታት ዕድመኣ እትርከብ ማማ ናይክ፡ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈቶ ህይወት ሕብራዊት እያ።
እቲ ሓሙሽተ ደብሪ ዘለዎ እትውንኖ ቤት-ስእሊ፡ ሕጂ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስርሓት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ንናይጀርያውያን ስነ-ጥበበኛታት ዘላሊ እዩ።
እንተዀነ፡ እቲ ዝዓበየ ውርሻኣ ነተን ከምኣ ጸገም ዘጋጠመን ኣሽሓት ደቂ-ኣንስትዮ ክእለትን ዓቕምን ምሃብ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ንኣሽሓት ደቂ-ኣንስትዮ ብስፌትን ስራሕ ዓለባን ኣሰልጢና እያ።
እዚ ስራሕ'ዚ ልክዕ ከም ማማ ናይክ፡ ፍሉይን ጽቡቕን ብሉጽ ፍርያት ናይጀርያን እዩ።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
