ውጽኢት መረጻ ኣመሪካ፡ ንሞስኮ፡ በይጂን፡ ቴህራንን ርያድን እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

ፕረዚደንታት ሩስያን ቻይናን
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ፍርቂ-እብረ፡ ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት)ን ኣብዝሓ መናብር ብምርካብ፡ ነቲ ዝተረፈ ናይ ክልተ ዓመት ስልጣን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዝኸውን ሓጋጊ ኣካል ክቈጻጸርዎ ክኢሎም ኣለዉ።

ኣዚ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዕዞ ኣመሪካ ዝተራእየ ዘይትጽቢታዊ ለውጢ፡ ንትራምፕ ዓቢ ስዕረት ኰይኑ ኣሎ። ትራምፕ፡ ንስዕረት ሓያሎ ወከልቲ ሰልፊ ሪፓብሊካውያን፡ እቲ ምስ ኢራን ዝተኻየደ ኲናትን ክብሪ መነባብሮን ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

እዚ ንኣባላት ሪፓብሊካውያን ዘሰንበደ ስዕረት ደኣ ንዝተረፈ ክፋል ዓለም እንታይ ትርጕም ይህልዎ? ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ካብ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ክሳብ ቻይና፡ ኣብ ዘሎ ቍጠባውን ንግዳውን ርክብ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ብዝርዝር ዳህሲሶሞ ኣለዉ።

ኢራን፡ "ውጽኢት መረጻ ንመጥቃዕቲ ኣይዓግትን"

ላዕለወይቲ ሪፖርተር ኣገልግሎት ፋርስ ቢቢሲ ኣብ ለንደን ዝዀነት ጐንችህ ሃቢቢያዛድ ከም ዝጸብጸበቶ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ፡ እዚ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ዝተራእየ ለውጢ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንእትፍጽሞ መጥቃዕቲ ክልውጦ እዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ "ዓቢ ጌጋ እዩ" ኢሉ። ኣመሪካ መጥቃዕቲ እትፍጽም እንተዀይና እውን፡ ዝወሃብ ምላሽ ዝበኣሰ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ።

ብሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ንዝተቐትለ ኣቦኡ ዓሊ ኻመኒ ተኪኡ ነታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ዝመርሕ ዘሎ ሞጅታባ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ኣደባባይ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ነዚ ርእይቶ ዝሃበ፡ ኣብ 1979 ተመሃሮ ኢራን ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ቴህራን ዝተቘጻጸሩሉ ዕለት ምኽንያት ብምግባር፡ ብረቡዕ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሽዱሽተ ገጽ ጽሑፋዊ መልእኽቲ እዩ።

ሃገራት ወሽመጥ፡ ስዕረት ትራምፕ ስለምንታይ ኣሰንቢድወን?

ጸብጻቢ ጉዳያት ጸጥታ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር ከም ዝብሎ፡ ብኽልሰ-ሓሳባዊ ደረጃ ስዕረት ሪፓብሊካውያን ንሃገራት ወሽመጥ ከም ውድቀት እዩ ዝርአ። ምኽንያቱ፡ ትራምፕን ስድራቤቱን ምስ መብዛሕትአን እተን ሃገራት ናይ ውልቅን ንግድን ርክብ ኣለዎም።

ኣብ ዱባይ ኣህጉራዊ መጻወቲ ጐልፍ ስፍራ ትራምፕ ኣሎ። ቐጠር እውን 400 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኣ ናይ ውልቂ ነፋሪት ብህያብ ሂባቶ እያ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ድማ ኣብ ትካል ሰብኣይ ጓሉ ንትራምፕ ዝዀነ ጃረድ ኩሽነር 'ኣፊኒቲ ካፒታል' ዝቝጸር ዶላር ወፍሪ ገይረን እየን። ትራምፕ ኣብ 2017 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ቀዳማይ መዕለቢ ናይ ግዳም ዑደት ዝመረጻ ርያድ እያ ነይራ።

ስዑዲ ብፍላይ ቅድሚ ትራምፕ ምስ ዝነበረ ኣባል ዶሞክራስያውያን ጆ ባይደን፡ ውጥሪ ዝመልኦ ርክብ እዩ ነይርዋ።

ኣብ 2022 ባይደን ብዛዕባ ጸጥታ እቲ ዞባን ቀረብ ጸዓትን ንምዝርራብ ከምኡ'ውን ርክብ ክልተአን ሃገራት ንምድልዳል ናብ ስዑዲ ኣምሪሑ ከም ዝነበረ ኣይዝንጋዕን። ኣብቲ እዋን ክልተኦም መራሕቲ ብዕጹው ኢዶም ብምግጫው ዝተለዋወጥዎ ሰላምታ ዝርሳዕ ኣይኰነን።

መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ፡ መርዛም ጋዝ ብምጥቃም መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል ንዝኽሰስ መራሒ ሶርያ በሻር ኣል-ኣሳድ ስጕምቲ ብዘይምውሳዱ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ጥርጣረን ዘይምትእምማንን ነይርዎም እዩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ዝተኸስተ ኲናት ኢራን እውን፡ ሰባት ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዘለዎም ኣረኣእያ ንኽልውጡ ገይሩ ኣሎ። እቲ ኲናት ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን ሓደ ርእይቶ ወሃቢ፡ "ትራምፕ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ሓዊ ወሊዑ እዩ፡" ኢሉ።

ሕጂ እውን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ መሰረተ-ልምዓታትን ንዩክለሳዊ ትካላታን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጕምቲ ክትወስድ ዝገበራን ከቢድ ዕንወት ዘስዓበን ኲናት፡ ብዝያዳ ክጋደድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል ሳልማን

ኲናት ኢራን፡ ንሪፓብሊካውያን ዘኽሰረ ፖለቲካዊ ዋጋ

ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ሪፖርተር ቢቢሲ ረቤካ ፒደር ከም ዝጸብጸበቶ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄ.ዲ. ቫንስ ንስዕረት ሪፓብሊካውያን ጠንቁ ኲናት ኢራን ምዃኑ ብምግላጽ ነቒፉ። ብርግጽ እቲ ኲናት ኣብ ዋጋ ነዳድን መነባብሮ ኣመሪካውያንን ከቢድ ቍጠባዊ ጸቕጥን ክብሪ መነባብሮን ኣስዒቡ እዩ።

ትራምፕ ኣብ 2024 ንኻልኣይ ዘመን ስልጣኑ ጐስጓስ ምርጫ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ ዋጋ በንዚን ንሓደ ጋሎን ካብ 2 ዶላር ንታሕቲ ከውርዶ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ማእከላይ ዋጋ ሓደ ጋሎን 4.31 ዶላር በጺሑ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ናብ ዋይት ሃውስ እንተ ኣትዩ ሓድሽ ኲናት ከም ዘይህሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።

ካብቲ ምርጫ ፍርቂ-ዘመን ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ግን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ደሴት ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊቱ። ነቲ ኲናት ብምጅማሩ ድማ "ከም ዘይጠዓስ" ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ተዅሲ ደው ንምባል ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ዘተ፡ ቀንዲ ተደራዳሪ ኢራን ንውጽኢት እቲ ምርጫ ብምምልካት፡ "ኣመሪካውያን ካብዚ ንደሓር ኲናት የሎን ኢሎም ኣለዉ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ይዅን'ምበር ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ ኣብ መግለጺኡ፡ ብውጽኢት እቲ ምርጫ "ፖሊሲ ኣመሪካ ክቕየር እዩ" ዝብል ትጽቢት ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ ብወገኑ፡ "እቲ ግጭት ዘብቅዕ፡ ኣነ ኣብቂዑ እዩ ክብል እንከለኹ ጥራይ እዩ፡" ክብል ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ተዛሪቡ።

ቻይና፡ በይጂንግ ካብ ስዕረት ትራምፕ እንታይ ትረብሕ?

ፕረዚደንት ቻይና ሺ

ላውራ ባይከር ካብ ቻይና ከም ዝጸብጸበቶ፡ ቻይና ነቲ ናይ ኣመሪካ ምርጫ ፍርቂ-ዘመን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ገይራ እያ ትርእዮ።

እዚ ክፍለ-ዘመን ኣብ መንጎ በይጂንግን ዋሽንግተንን ዝለዓለ ውድድር ዝተራእየሉ እዩ። ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ንዶናልድ ትራምፕ ንምቕባል ይዳሎ ኣብ ዘለወሉ ሕጂ እዋን፡ ኣብዚ ውድድር እዚ ጸብለልታ ከም ዝሓዘ ክስምዖ ይኽእል እዩ።

ትራምፕ ንኣመሪካውያን ኣፍረይቲ ካብ ቻይናውያን ትሑት ብቕዓት ዘለዎም ፍርያት ንምክልኻል ብዝብል፡ ናብ ኣመሪካ ብዝኣትዉ ፍርያት ቻይና ቀረጽ ኣንቢሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሺ ግን ካብ ኣመሪካ ናብ ሃገሩ ብዝኣትዉ ፍርያት ልዑል ቀረጽ ብምንባር ናይ ግብረ-መልሲ ስጕምቲ ብምውሳዱ፡ ንትራምፕ ዕንቅፋት ኰይንዎ ኣሎ።

እዚ ማለት ክዳውንትን መጻወቲ ቈልዑን ሓዊሱ ካልኦት ሓያሎ ኣቕሑ ንኣመሪካውያን ኣዝዮም ክቡራት ኰይኖም ኣለዉ።

ብተወሳኺ፡ ቻይና ፍርያት ሕርሻ ኣመሪካ ምዕዳግ ደው ብምባላ፡ ኣብተን ደገፍቲ ትራምፕ ዝበዝሑወን ግዝኣታት ንዝርከቡ ሓረስቶት ይጐድኦም ኣሎ።

እዚ ናይ ንግዲ ኲናት ብስምምዕ ዝተዛዘመ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ግዝያዊ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ከብቅዕ እዩ። በዚ ድማ፡ ቻይና ትራምፕ ድሕሪ ምርጫ ፍርቂ-ዘመን ናብ ስምምዕ ክበጽሕ ይደሊ እዩ ኢላ ክትሓስብ ትኽእል እያ። ሺ ንቻይና ዝበለጸ ንምግባር ዘለዉ ዕድላት የቋምት ኣሎ።

ሩስያ፡ ሞስኮ ካብ ትራምፕ እንታይ ትጽበ?

ፕረዚደንታት ፑቲንን ትራምፕን ሰላም እናተበሃሃሉ

ስዒቡ ንዝመጽአ ዓወት ደሞክራስያውያን፡ ኣሰናዳኢ ዜና ቢቢሲ ኣብ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግ፡ ካብ ሩስያ ዝተሰምዑ ሓበሬታታት ኣኪቡ ኣሎ።

በዚ መሰረት ወሃቢ-ቓል ቭላድሚር ፑቲን ዝዀነ ዲሚትሪ ፐስኮቭ፡ "ዶናልድ ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሰላም ጻዕሪ ክቕጽሎ ተስፋ ንገብር፡" ክብል ንማዕከናት ዜና ሩስያ ተዛሪቡ።

ፐስኮቭ "ሓሳባት ኣለዉ" ብምባል፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ካልእ ዙር ናይ ሰለስተ-ወገን ዘተ ክህሉ እዩ፡" ኢሉ። እዚ ናይ ሰለስተ-ወገን ዘተ ዝተባህለ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ መንጎ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ኣብ ኣቡ ዳቢ ክካየድ ተመዲቡ ንዘሎ ዝርርብ ዘመልክት እዩ።

ወሃቢ-ቓል ፐስኮቭ ወሲኹ፡ "ነቲ ብሜላንያ ትራምፕ ዝተኻየደን ውጽኢታዊ ዝዀነን ናይ ሰብኣዊ ጻዕሪ ሰላም ተዓዚብናዮ ኢና፡" ኢሉ።

ፐስኮቭ ጻዕሪ ሰላም ዝበሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብሩስያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝኣተወት ከተማ ኦለሽኪ ዝተኻየደ ወፈራ ሰብኣዊ ሓገዝ እዩ፤ "እዚ ኵሉ ክቕጽል ተስፋ ንገብር" ድማ ኢሉ።

እዚ ጻዕሪ ሰላም ፍረ እንተ ዘይፈሪዩ፡ ሞስኮ ልክዕ ከም ቀደማ ንዩክረይንን ኤውሮጳን ከተመኻንየለን ትኽእል እያ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንደሞክራስያውንን ነቲ ምርጫ ፍርቂ-ዘመንን ከም ምኽንያት ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ።

ክረምሊን ምስ ትራምፕ ርክባ ንምድልዳል ብዙሕ ጻዕሪ ስለ ዝገበረት፡ ሞስኮ ምናልባት ንዶናልድ ትራምፕ ኣይክትወቅሶን እያ። በዚ ድማ ሞስኮ ሕጂ እውን ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዘለዋ ቍጠባዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ተስፋ ትገብር።

ዓለምለኻዊ ምላሽ፡ ካብ ኪቭ ክሳብ ተህራን

ጋዜጣ ቴህራን ታይምስ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዩክረይን፡ ኢራንን ማእከላይ ምብራቕን ዝነብሩ ሰባት፡ ነቲ ናይ ኣመሪካ ምርጫ ፍርቂ-ዘመን ከም ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ውድድር ጥራይ ገይሮም ከም ዘይረኣይዎ፡ ቢቢሲ ሞኒተሪንግ ዘዳለዎም ጸብጻባት የርእዩ። ብዝያዳ ዘተኰርሉ ነጥቢ፡ ውጽኢት እቲ ምርጫ ኣብቶም ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታት እንታይ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል ኣብ ዝብል እዩ።

ተንተንቲ ዩክረይን ትራምፕ ነቲ ኲናት ብኸመይ ይቈጻጸሮ ኣብ ዝብል ኣተኲሮም ኣለዉ።

ጋዜጠኛ ሮማን ጺምባልዩክ፡ "ካልኦት ኵሎም ኲናታት ፈቲሑዎም፡ ኣብቲ ንዓኡ ዝምልከት ኲናት ግን ተሳዒሩ፡" ክብል ኣላጊጹ። እዚ ድማ ትራምፕ ንኣህጉራዊ ግጭታት ደው ከብል እኽእል እየ ብምባል ብተደጋጋሚ ንዝህቦ ርእይቶ ዝቐረበ ነቐፌታ እዩ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ጸዓት ዩክረይን መጥቃዕቲ ምፍጻም ኣብ እትቐጽለሉ ዘላ እዋን፡ ገለ ነበርቲ ኪቭ ዓወት ደሞክራስያውያን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ጽኑዕ እገዳ ንምንባር ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ሓዲርዎም ኣሎ።

ካልኦት ብወገኖም፡ ኣብ ዋሽንግተን ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ንዩክረይን ብዝምልከት ኣብ ዘሎ ፖሊሲ ሓድሽ ሽግር ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ኣብ ሞስኮ፡ ትራምፕ ነቲ ኲናት ንምዝዛም ዝገብሮ ናይ መንጎኝነት ጻዕሪ ክቕጽሎ ምዃኑ ክረምሊን ዘለዋ ተስፋ ብወግዒ ገሊጻ እያ።

ኣብዚ ወርሒ'ዚ ካልእ ናይ ሩስያን ዩክረይንን ዘተ ክካየድ ትጽቢት ይግበር። ይዅን'ምበር፡ ነቲ ኲናት ዝድግፉ ድምጽታት ሩስያ፡ ደሞክራስያውያን ንሓጋጊ ቤት ምኽሪ ምቍጽጻሮም፡ ትራምፕ ምስ ክረምሊን ስምምዕ ከይገብር ወይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብረ እገዳ ንኸየፋዅሶ ዕንቅፋት ክዀኖ ይኽእል እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምምሕዳርን ዝምልከቶም ኣካላትን ኢራን፡ ከምኡ'ውን ምስቲ መንግስቲ ርክብ ዘለዎም ማዕከናት ዜና፡ ነቲ ዓወት ደሞክራስያውያን፡ ህዝቢ ንፖሊሲ ኲናት ትራምፕ ከም ዝተቓወሞ ገይሮም ወሲዶምዎ ኣለዉ።

ማዕከናት ዜና ኢራን'ውን ነቲ ውጽኢት ምርጫ፡ ኣመሪካ ምስ ቴህራን ንዝኣተወቶ ወተሃደራዊ ግጭት ትኸፍሎ ዘላ "ፖለቲካዊ ዋጋ" ክብሉ ገሊጾምዎ ኣለዉ።