እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኣዲስ ኣበባ 'ናይ ፈደራል ዶ ትኹን ወይስ ናይ ኦሮምያ' ንመስርሕ ሃገራዊ ምኽኽር ዝበድሀ ዛዕባ
ኣዲስ ኣበባ "ርእሳ ዝኸኣለት፡ ተጸዋዕነታ ንፈደራል፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ውክልና ዘለዋ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ፖሊስን ቤት-ፍርድን እተቕውም፡ ብነበርታ ብዝተመርጸ ኣመሓዳሪ እትመሓደር፡ መናሃርያ ከተማ ፈደራል ትኹን" ኣብ ዝብል መብዛሕትኡ ስምምዕ ተበጺሑ ከም ዝነበረ ኣልዒሉ።
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ኣመሪካ፡ ኣብታ ንልዕሊ 250 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ዝጸንሐት መርከብ ዘሎ ሕሱም ኵነታት ስክፍታ ፈጢሩ
ኣብ ሓንቲ ንልዕሊ 250 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ዝጸንሐት ናይ ኣመሪካ ነፋሪት ትሽከም መርከብ ዝርከቡ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት፡ ሕጽረት መግቢ፡ ምብልሻው መስመራት ማይን ስርዓተ-ፈሳስን ከምኡ'ውን ብርቱዕ ድኻም የጋጥሞም ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ኣሊና ፈርናንደዝ፡ ንፊደል ካስትሮ 'ኣቦይ' ንምባል ዝኣበየትሉ ምስጢራዊ ታሪኽ
ኣሊና ፈርናንደዝ ናብ ግዜ ንእስነታ ግልጽ ክትብል ገላ፡ ፊደል ካስትሮ ብተደጋጋሚ ይበጽሓ ከም ዝነበረ ትዝክር። ይዅን'ምበር፡ እቲ ንኩባ ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ብምልካዊ ቍጽጽር ዝገዝአ ሰብኣይ ስጋዊ ኣቦኣ ምዃኑ፡ ንነዊሕ ዓመታት እቲ ምስጢር ተሓቢእዋ እዩ ጸኒሑ።
ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ሃገራት ጽልዋ 'ኤል ኒኖ' ንምክልኻል 50 ሚልዮን ዶላር ሓቲቱ
ኣብ መንጎ ደርቅን ኣዕናዊ ውሑጅን ዝተሓጽረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም እትርከብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እቲ 'ቀታሊ' ተባሂሉ ዝጥቀስ ዘሎ ተርእዮ 'ኤል ኒኞ' ንሚልዮናት ንጥሜት ከይዳርጎም፡ ሕቡራት ሃገራት 50 ሚልዮን ዶላር ንምእካብ ምስ ግዜ ይቀዳደም ኣሎ።
ኣብ ታሪኽ ሓደ ወለዶ ሓንሳብ ዘጋጥም ግርደት ጸሓይ ንሚልዮናት ኣስደሚሙ
እቲ ምሉእ ግርደት ጸሓይ ካብ ሰሜናዊ ጫፍ ሳይበሪያ (ሩስያ) እዩ ጀሚሩ። ቀጺሉ ብውቅያኖስ ኣርክቲክ ኣቢሉ ናብ ኣይስላንድ ምስ በጽሐ፡ ናብ ደቡባዊ ኣንፈት ብምቕጻል ኣብ ብሪጣንያ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ኰይኑ ተራእዩ።
380 ቮልት ሓይሊ ዘለዎ ጓንቲታት ኣባላት ኢምግረይሽን ኣመሪካ ስግኣት ፈጢሩ
እዚ ጓንቲታት'ዚ ክሳብ 380 ቮልት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከሕልፍ ዝኽእል ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ ኣባይቲ ኣመሪካ ዘሎ ንቡር መውጽኢ ኤለክትሪክ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝያዳ ሓይሊ ከም ዘለዎ ይንገር።
ካብ በጊዕን ዊስኪን ናብ ኣልማዝን ግዙፍ ዕምባባን፡ እቲ ዝቕየር ዘሎ ወግዒ 'ጓልኩም ሃቡና'
ፍርቂ ሚልዮን ብር ንዕምባባ? ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ስነስርዓት 'ጓልኩም ሃቡና' መልክዑ ብምቕያር፡ ካብ ስድራቤታዊ ወግዒ ናብ ዓቢ ናይ ሃብትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ውድድር ይልወጥ ኣሎ።
ትራምፕ ካብ ሚሳይል ኢራን ብምስጋእ ብምስጢር ነፋሪት ከም ዝቐየረ ተኣሚኑ
ካሜራታት ዓለም እናተዓዘባኦ ናብታ ወግዓዊት ነፋሪቱ ደይቡ። ይዅን’ምበር፡ እታ ነፋሪት ናብ ሰማይ ከተንቃዕርር ከላ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውሽጣ ኣይነበረን። ካብ ሚሳይል ኢራን ንምምላጥ፡ ብሓገዝ ናይ መግቢ መጓዓዝያ ማኪና ተሓቢኡ ዝተፈጸመ ምስጢራዊ ስርሒት።
ኢራን ነቲ ውግእ ንኽንደይ ግዜ ክትቅጽሎ ትኽእል?
ዝዓነወ መሰረተ-ልምዓትን ዝደቀሰ ቍጠባን ንኢራን ካብ ውግእ ኣይዓገታን። ቴህራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ከቢድ ጾር ንምጽዓን ትቃለስ እኳ እንተላ፡ እቲ ወሳኒ ሕቶ ግን 'ኢራን ነዚ ቀስ እናበለ ዘማህምን ውግእ ክሳብ መዓስ ክትጻወሮ ትኽእል?' ዝብል እዩ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ ምስ ናይ ነዊሕ ዓመታት መጻምድቱ ጆርጂና ሮድሪገዝ ተመርዕዩ
ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ምስታ ናይ ነዊሕ እዋን መጻምድቱ ሞዴልን ብዓልቲ-ጽልዋን ጆርጂና ሮድሪገዝ፡ ኣብ ፖርቱጋል ተመርዕዩ።
ትግራይ፡ ኣብ ራያ-ኣላማጣ፡ ብዛዕባ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ቤት ትምህርትን ጉድኣት ኣውሪዱ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, ኣመሪካ ብኸመይ ሃገር ክትኸውን በቒዓ? ጉዕዞ 250 ዓመት
ኣመሪካ ካብ እትምስረት ዕድሚኣ 250 ዓመት መሊኡሎ። - ግን ካብ መሰረቱ ብኸመይ እያ ሃገር ክትኸውን በቒዓ? ስጳኛ ንክሪስቶፈር ኮሎምቦስ ናብ ኤስያ ሓድሽ መንገዲ ንኽረክብ ብምሕሳብ ካብ ዝለኣኽትሉ 1492 እቲ ዛንታ ይጅምር።
ቪድዮ, ኣብቲ ብደቀንስትዮ ልሙድ ዘይኰነ ስራሕ ብምስራሕ ሽማ ተጸውዕ ዘላ ፋና ተስፋይ
መንእሰይ ፋና ተስፋይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ሒደ ት ደቀንስትዮ መራሕቲ በጻሕቲ ዓዲ ሓንቲ እያ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ጸምጸም በረኻ ዓፋር ዝርከብ መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ዝዀነ ዳናክል ዲፕሬሽን ብብዝሒ ትንቀሳቐስ።
ቪድዮ, ብዕድመ ንዝዓብያ ሰብኣይ ካብ ምምርዓው ሃዲማ ቀዳመይቲ እመቤት ንምዃን ዝበቕዐት
ቀዳመይቲ እመቤት ሴራሊዮን ፋጢማ ባዮ ምስ ቢቢሲ ግሎባል ዊመን ኣብ ዝገበረቶ ፍሉይ ቃለ መሕትት ንሜጋ ሞሃን ብዛዕባ ውልቃዊ ተመኩሮኣ ከመይ ጌሩ ኣንጻር መርዓ ህጻናት ጽኑዕ ጎስጓሲት ክትከውን ከም ዝገበራ ኣዕሊላታ። ጻዕርታታ፡ ኣብ ዙርያ መሰላት ህጻናት ውጽኢታዊ ሕግታት ክህልዉ ዝዓለመ እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ኢራን፡ ሆርሙዝ ንምኽፋት ካብ ትራምፕ ትጠልቦም ዘላ ሽዱሽተ ቅድመ-ኵነታት
ብዙሓት ካብዞም ጠለባት፡ ካብቲ ብ17 ሰነ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝተበጽሐ ምርድዳእ ንላዕሊ ዝሓተቱ ክዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነቶም ኣቐዲሞም ዝቐረቡ ጠለባት ብምድጋም ምስ ምኽፋት ሆርሙዝ ዘተኣሳስሩ እዮም። እሞ እዞም ቅድመ-ኵነታት እንታይ እዮም? ኣመሪካኸ ከተማልኦም ትኽእል ድያ?
ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'
ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።
ኢንፋንቲኖ፡ ካብ ሚልዮናት ደመወዝ ክሳብ ምስጢራዊ ርክባት ፖለቲካ
ብብሕታውያን ጀታት ይጓዓዝ፣ ከም መራሒ ሃገር ብፖሊስ ይዕጀብ፣ ምስ ሓያላት ፖለቲከኛታት ዓለም ድማ ይላዘብ። እዚ ህይወት ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እቲ ወግዓዊ ስነ-ስርዓታትን ሚልዮናት ፓውንድ ደመወዝን፡ ኣብቲ ድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ቃልሲ ስልጣን፡ ግዝኣት ኢንፋንቲኖ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ድዩ ዘሎ?
ገዚፍ ጭዋዳ ከቢድ ዋጋ፡ ስለምንታይ እዮም 'ቦዲቢልደራት' ብንኡስ ዕድመኦም ዝሞቱ?
ኣብ ውሽጢ እዞም ድልዱላት ኣካላት እንታይ ስዉር ሓደጋ ኣሎ? ስለምንታይከ እዩ እቲ ልቢ ካብቲ ጭዋዳ ንላዕሊ ክጻወር ዘይክእል?
መጻብቦ ሆርሙዝን ቀይሕ ባሕርን፡ መጓዓዝያ ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝኸፍአ ስግኣት ወዲቑ
መጻብቦ ሆርሙዝ ተዓጽዩ፡ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብመጥቃዕቲ ኣብ ስግኣት ኣሎ። መራኽብ ነዳዲ ኣብ መንጎ ክልተ ሓደጋ ተቐርቂረንሉ ዘለዋ እዋን፤ ክኢላታት እቲ ዝኸፍአ ገና ከም ዝዀነ የጠንቅቑ።
መርበብ ፎክስትሮት፡ ንእስራኤላውያን ንምጥቃዕ ብኢራን ተቘጺሩ ዝንቀሳቐስ ስካንዲናቭያዊ ጕጅለ ገበነኛታት
እዚ "መርበብ ፎክስትሮት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ንመንእሰያት ከም 'ቀንጸልቲ' ብምጥቃም ዝፍለጥ ጨካን ጕጅለ እዩ። ትካል ፖሊስ ኤውሮጳ (ዩሮፖል) ነዚ ተርእዮ እዚ "ዓመጽ ከም ኣገልግሎት" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።
እምባ 'ፒካክስ' (ኩ-ኤ ኮላንግ) እንታይ እዩ? ትራምፕኸ ስለምንታይ ክድብድቦ ይደሊ?
እምባ ፒካክስ፡ ካብቶም ምስ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ርክብ ዘለዎም ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ብኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ዘይተፈጸመሎም ውሑዳት ቦታታት ሓደ እዩ።
ኢትዮጵያን ስምምዕ ጥዕና ኣመሪካን፡ ስለምንታይ እዩ ሓያል ክትዕ ፈጢሩ?
ቢልዮናት ዶላራት ዝፈሰሰሉ ምስጢራዊ ስምምዕ፤ ካብ ውልቃዊ ታሪኽ ሕማም ክሳብ ረቂቕ ምስጢራት ስነ-መውርስ ዝዝርጋሕ ምእካብ መረዳእታ። ኣመሪካ ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን እትእክቦ ዘላ ሓበሬታ ንጥዕና ንምሕያል ድዩ፡ ወይስ ንልዑላውነት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ 'ባዮሎጅያዊ ኣጽዋር'? ገለ ሃገራት ነዚ ውዕል እዚ ንምንታይ ብጥንቃቐ ነጺገንኦ?
ስዑድያ ካብ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንምርሓቕ ኣብ እትፍትነሉ ዘጋጥማ ዘሎ ፈተነ
እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ስዑድያ ብደቡብ ካብ ሑቲ ብሰሜን ከኣ ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ኣብ ዒራቕ ዝዓስከሩ ምሊሻታት ደብዳባት ድሮንን ሚሳይልን ይዘንባ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓንኬል ግጭት፡ ስለምንታይ እዩ ሰላማዊ ዘተ ንባህሊ ውግእ ክስዕሮ ዘይከኣለ?
ኢትዮጵያ ንዘመናት ዘሳቐያ ፖለቲካዊ ምስሕሓባት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብመንግስቲ ዝተጸውዐ ሃገራዊ ዘተ ተካይድ ኣላ። ይዅን'ምበር፡ እታ ሃገር ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዓንኬል ውግእን ፖለቲካዊ ዓመጽን ወጺኣ ነባሪ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ገና ከቢድ ብድሆታት ይገጥማ ምህላዉ ይግለጽ።
ዝማዕበለ ዩራንየም እንታይ'ዩ፡ ስምምዕ ኑክሊየር ኣመሪካን ስዑድያንከ ንምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?
ስዑድያ ዝሃብተመ ዩራንየም ንዘቤታዊ ሃልኪ ንኽትጥቀመሉ ከፍቀደላ ዘኽእል ኣዝዩ ወሳኒ ስምምዕ ምስ ኣመሪካ ተፈራሪማ ኣላ።
መጥቃዕቲ ሑቲን ንዩክለሳዊ ውድድርን፡ ማእከላይ ምብራቕ ናበይ ገጹ?
ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ስትራተጅያዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ንዓለማዊ ቍጠባ ኣብ ሓደጋ ዘውደቐን ንማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝገደደ ግጭት ዝደፋፍእን ኰይኑ ኣሎ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?
ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ነዚ ጉዳይ ከልዕሎ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ብ2024 ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ኣካታዒ ሰነድ ምርድዳእ ካብ እትፍርም ንድሓር ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ዘጋደደ ጕዳይ ኰይኑ መጺኡ'ዩ።
'እንቐብሮ ኣስክሬን የብልናን' - ቃንዛ ኣብ ስዑዲ ደቆም ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስድራ
"ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝተኣሰሩን ከም ዝተቐተሉን ኣርዲኦምና፤ ሬሳና ግን ኣይተቐበልናን። ፍርድኹም ተወሲኑ እዩ ምስ ስድራኹም ተራኸቡ'ውን ኣይበሉዎምን፤ ኣጻርዩ በዚ እዮም ተቐቲሎም ኢና ዝነገረና'ውን የለን፤ ተበዲልና ኢና፡ ግዜ ክፍእ ስለ ዝበደሎም ክሽቅሉ እዮም ከይዶም፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ።
ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ደቀን ኣብ መሪር ሓዘን ዝኣተዋ ሶማልያውያን ኣደታት
ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና ሚነሶታ፡ ኣብ 2024 ጥራይ፡ 678 ሰባት ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ኦፒዮይድ ሞይቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ መረዳእታ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሶማላውያን ድማ ካብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ሰባት እዮም።
ትግራይ፡ በቲ ግዱድ ኣዋጅ ዕስክርና ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሕጊታትን መሰላትን
ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኪኡ፡ ስልጣን ዝተቘፃፀረ ኣካል- ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ሰነድ፡ 24 ግንቦት 2018 [ግ] ከም ዘፅደቘ ዝተገልፀ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ወራር ህልውና ንምምካት ዝዓለመ ከም ዝዀነ እዩ ዝምጉት። መስራትን ምክትል ዳይሬክተርን ትካል 'ሁይማን ራይትስ -ፈረስት ኢትዮጵያ' ፡ በዓል-ሞያ ሕጊ ኣይተ መብርሂ ብርሃነ፡ ነቲ ኣዋጅ ዝተቓወመሉ ምኽንያት ኣብሪሁ'ሎ።
27 በረራታት 24 ግጥማት፡ ፕረዚደንት ፊፋ ብኸመይ ኣረኻኺቡሉ ሳዕቤናቱኸ?
ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ፡ ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ ኣብ መላእ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየዱ 24 ግጥማት ተረኺቡ።
'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር
ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ። በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ዝተቖረሰት ትግራይ ኣብ ሃገራዊ መረጻ ክትሳተፍ ኣይትኽእልን- ዶ/ር ደብረጽዮን
ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ልዕሊ 45% ከባቢታት እታ ክልል "ኣብቲ ትሕቲ ወራር" ከምዘሎ ብምግላጽ "ዝተቖርሰት ትግራይ እያ" ዘላ ክብል ተዛሪቡ።
ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ፕረዚደንት ክልተ ካቢኔ?
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ "ብሓይሊ" ዝተኻየደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ "ኣኼባ ካቢኔ" ኮኒኑ። ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንክልል ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣእትዩዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ 'ጽዩፍ' ተግባር ወተሃደር እስራኤል
እቲ ተግባር ኣብ ሓንቲ ደብል ዝተባህለት ክርስትያን ብብዝሒ ዝነብሩላ ቍሸት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካልእ ወተሃደር እውን ንሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብገጹ ብምድፋእ ብሞዶሻ ክሃርሞ እንከሎ ተራእዩ ነይሩ።
ትራምፕ፡'14 ነጥብታት' ኣብ ዘለወሉ ኲናት ኢራን 'ብቕልጡፍ ከም ዘብቅዕ ኣተንቢሁ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ብቕልጡፍ ክውዳእ" ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።