5 ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነፅገ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰዳ እየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነፅጉ ስደተኛታት ናብ መዓስከር መዕቈቢ ሩዋንዳ ክሰዳ መደብ ከምዘለወን ሮይተርስ ሓቢሩ።
እተን ሓሙሽተ ሃገራት ጀርመን፡ ኣውስትርያ፡ ግሪኽ፡ ዴንማርክን ሆላንድን ምዃነን ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ክልተ ምንጭታት ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
እተን ሃገራት፡ ኣብ መስከረም፡ ነቶም ተቐባልነት ዘይረኸቡ ስደተኛታት ንምምላስ፡ ምስታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ይሰርሓ ከምዘለዋ ኣፍሊጠን።
እቲ ውጥን፡ ኣካል ናይቲ ሕብረት ኤውሮጳ ቍጽሪ ናይቶም ካብ ሃገራቱ ዝሰጐም ስደተኛታት ንምዕባይን ዘይሕጋዊ ስደት ንምዕጋትን ዝገብሮ ሰፊሕ ጻዕሪ እዩ።
እቲ ሓድሽ ሕግታት ምቍጽጻር ስደተኛታት ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ኣብ ቪየና ኦስትርያ ዕላዊ ክግበር ትጽቢት ይግበር።
እዚ ሓድሽ ደንቢ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንመስርሕ ምስጓግ ዘመሓይሽ ኰይኑ፡ ኣባል ሃገራት ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ማእከላት ምጥያስ ስደተኛታት ንምቛም ዘኽእል እዩ።
ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ሃገራዊ መረፃታት ይቐርብን ጸረ ስደተኛታት ስምዒታት እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎን ይንገር።
መንግስታት ንስደት ክቈጻጸርዎ ከምዝኽእሉ ንምርኣይ ክሰርሑ ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ። ተንተንቲ እቲ ሓድሽ ውጥን ቆራጽነት እቶም መንግስታት ዘርኢ'ዩ ይብሉ።
እቲ መደብ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዓባይ ብሪጣንያ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምስጓግ ዝሓንጸጾ ድሒሩ ዝተገድፈ መደብ ዝተፈልየ ከምዝዀነ እዩ ዝንገር።
ዓባይ ብሪጣንያ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ኣብ ትሕቲ ዓቃባዊ መንግስቲ ሪሺ ሱናክ ኣብ ስምምዕ በጺሓ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
እቶም ስደተኛታት ጉዳዮም ኣብ ሩዋንዳ ኰይኖም ክከታተሉ ክፍቀደሎም ዝብል እዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ብዙሕ ተቓውሞ ስለዝተዓግተ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ስምምዕ ብምጥሓሳ ሚልዮናት ፓውንድ መቕጻዕቲ ክትከፍል ብዓለማዊ ቤት ፍርዲ ተኣዚዛ።
ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ሓድሽ ውጥን እዘን ሓሙሽተ ሃገራት፡ ነቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኽጸንሑ ሕጋዊ ምኽንያት ከቕርቡ ዘይክእሉን ጉዳዮም ገና ኣብ ምጽራይ ዝርከቡን ስደተኛታት ኣይምልከትን።
መራሕቲ እተን ሓሙሽተ ሃገራት፡ እቲ ውጥን ምስ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳን ዓለማዊ ሕግን ዝሰማማዕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊጾም ኣለዉ።
ይዅን እምበር፡ ተጣበቕቲ መሰላት ነቲ ውጥን ኣብ ሕቶ ምልክት ኣእትዮምዎ ኣለዉ።
ስደተኛታት ናብ ዝዀነ ዘይፈልጡዎ ሃገራት ክስደዱ እንተ ተገዲዶም ኣደዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጾም።
ኣብ ዳኒሽ ረፉጂ ካውንስል- ዳይረክተር ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ሴሊን ሚያስ፡ "እቶም ስደተኛታት መሰሎም እንተ ተጋሂሱ እንታይ ኣማራጺ ኣለዎም? ተሓታቲ መን እዩ?" ክትብል ሓቲታ ።
ሚያስ ወሲኻ፡ እዚ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ እንተወዲቑ ብተግባር ብኸመይ ይትግበር?
ኣብ ሓምለ፡ 'ዘ ካውንስል ኦፍ ዩሮፕ' ዝተባህለ ኤውሮጳዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ፡ እቶም መዳጎኒ ማእከላት፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተቓልዑ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
መራሕቲ ኤውሮጳ ግን እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል እምበር ብብዝሒ ስደተኛታት ንምስጓግ ከምዘይኮነ ገሊጾም።
ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ንኣሰጋገርቲ ኣሽሓት ዩሮ ይኸፍሉ ከምዘለዉ ብምፍላጥ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ካብ ምፍጻም ይዓግቱ ከምዘለዉ ይምጕቱ።
ነቐፍቲ ግን እቲ ጽኑዕ ስጕምትታትን መደብ ምስጓግን ኣብ ነዊሕ እዋን ስደት ደው ንምባል እኹል ከምዘይኮነ ይዛረቡ።
ኣመሪካ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ 250 ሰባት ናብ ሩዋንዳ ንምግዓዝ ብዝተበፅሐ ስምምዕ ናብታ ሃገር ክትልእኽ ጀሚራ ነይራ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ውጥን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ክሳብ 2023 ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምግዓዝ ዝነበራ መደብ ገዲፋቶ ኣላ።
እቲ ውጥን ምስተሰረዘ፡ ኪጋሊ 63.6 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ሓቲታ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ግን ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ክትከፍል ከምዘይብላ ውሳነ ሂቡ።
ኣብ መስከረም፡ ክልተ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ክትጥቀመሎም ዝሓሰበት ማእከላት ስደተኛታትን ሆቴልን በጺሖም ተመልኪቶም ነይሮም።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
