BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን
ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ጸጥታ ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
ቀጥታ, ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ርክበን ይበትካ፡ ኣብ መንጎአን ወጥሪ ይገድድ
ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስቲ እታ ሃገርን ዳግማይ ውግእ ተወሊዑ ኣሎ። ኣብ 2022 ደው ካብ ዝበለ ደማዊ ኲናት ገና ዕረፍቲ ዘይተሰምዖም ነበርቲ፡ እቲ ኩነታት ናብ ምሉእ ኲናት ከየምርሕ ኣብ ፍርሒ ይርከቡ።
ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እንታይ ኢሉ?
ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ትማሊ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሓድሽ ውግእ ምጅማሩ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናይ ህልውና ምዃኑ ገሊጹ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን
ኤርትራ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነታ 1991 ኣትሒዛ፡ ብሳላ'ቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዓወቶም ዘረጋገጹ ውድባት ዝነበሮም ጥቡቕ ዝምድና፡ ብዘይሓርጐጽጐጽ ናብ ዝምድና ክልተ ሃገራት እዩ ቀጺሉን ማዕቢሉን።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ
ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ብዓቢይ ሻቕሎት ይከታተሎ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ሰለስተአን ኣባል ሃገራት ዝለዓለ ዓቕሊ ክገብራን ነቲ ዞባ ናብ ዝገደደ ቅልውላው ዘእቱ ስጕምቲታት ካብ ምውሳድ ክሕየባን ኣጥቢቑ ጸዊዑ።
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ
እዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ሎሚ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ዶባዊ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ 1998 ዝተወለዓሉ እዋን ዘዘኻኽር'ዩ። ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቶም ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ከይተረፈ ኣሰናቢታቶም ምንባራ ይዝከር።
ኣዲስ ኣበባ፡ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም
ኣብ ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ሓሙስ 01 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድምጺ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ሮይተርስ ንዝረኸቦ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ጠቒሱ ኣቃሊሑ። ቢቢሲ እውን ንነበርቲ ኣዘራሪቡ ኣረጋጊጹ።
ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ'፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኣላማጣ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ከባቢኡን ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት እንታይ ንፈልጥ?
ካብ ቀዳም ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ዝተሰነደ ሞት 52 ሰባት ከምዘጋጠመ ሓደ ብዓል ሞያ ጥዕና ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ሰራዊት ፌደራል ንኩሉ ኣብያተ ጽሕፈት እታ ከተማ ተቖጻጺርዎ ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።
ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴ ኣብ ኬንያ ህንጸት መጻረዪ ነዳዲ ኣጀሚሩ
ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን መሰረት መጻረዪ ነዳዲ ኣንቢሮም። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ላሙ ዝህነጽ መጻረዪ 16 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ዘይትጻወት?
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት ብኵራት ናብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተመሊሳ እኳ እንተላ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ደጋፊኣ ግን ንጋንታኡ ብኣካል ናይ ምዕዛብ ዕድል ኣይረኸበን። ‘ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ’ ነቶም ኣብ ሜዳኣ ከተአንግዶም ዝግብኣ ጸወታታት ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ከተካይድ ዘገደዳ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ
ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ'ሎ፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018
ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ስለዝቐየሮ ንግዚኡ ተኾሊፉ ኣሎ።
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኦም ብኸመይ የዕብዩ ኣለዉ?
ምንቅስቓስ ሑቲ የመን ኣንሳር ኣላህ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ባብ ኤል መንዳብ ዝርከቡ ስትራተጂካዊ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ዝያዳ ዝሓየለ ጽልዋ ዘለዎም ይመስል። እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሑቲ ዝተራእየ ርኡይ ምዕባለ ዘንጸባርቕ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ካልእ ሙሉእ-ኲናት ትህንደድ ኣላ ድያ?
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ ሓይልታትን መንግስቲ እታ ሃገርን ዳግማይ ውግእ ይጓሓሓር ኣሎ። ኣብ 2022 ደው ካብ ዝበለ ደማዊ ኲናት ገና ዕረፍቲ ዘይተሰምዖም ነበርቲ ትግራይ ምሉእ ኲናት ከይለዓል ኣብ ፍርሒ ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሓሙሽተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ጥምረታት መዕለቢኦም እንታይ ኮነ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ሓያሎ ሓይልታት ሓባራዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጥምረታት ብምፍጣር ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ነታ ሃገር ብሓድሽ መልክዕ ዘዋቐራን ንነዊሕ ግዜ ዘመሓደረን ኢህወዴግ፡ ከምኡ’ውን ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ደገፍ ብዙሓት ረኺቡ ዝነበረ ቅንጅት ብቐንዱ ዝጥቀሱ እዮም። እዞምን ካልኦት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተራእዩ ጥምረታትን ስለምንታይ ተመስሪቶም? እንታይከ ኣፍርዮም? መፈጸምትኦምከ እንታይ ኰይኑ?
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣበሽገ ዝተፈጸመ ቕትለትን ጭውያን ብመን ተኻይዱ?
እዚ ዕጡቓት ኣብታ ዋልጋ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ናይቲ ወረዳ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ሓያል ፍርሕን ጃምላዊ ምምዝባልን ፈጢሩ ኣሎ።
ምቍጽጻር ባብ ኣል-መንደብ ብሑቲ፡ ንቝጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ እዩ?
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ንሰደድ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ወሳኒ ዝዀነ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ተቘጻጺሮሞ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንሪያድ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስትራተጅያውን ቍጠባውን ፈተና ኣእትይዋ ይርከብ።
ኤርትራ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣሰሩ ጕጅለ 15 ብዓል መን'ዮም፡ ሕቶኦምከ?
እቲ ድሕሪ 25 ዓመት ገና ዘይተመለሰ ቀንዲ ሕቶ፡ "እዞም ሰባት ኣበይ ኣለዉ፣ እንታይ ኰይኖም፣ ስለምንታይከ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን?" ዝብል እዩ። ቢቢሲ እውን ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪቡ፣ መልሲ ይጽበ ኣሎ።
11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?
ቀዳማይ ሓላፍነት ሓደ መንግስቲ፡ ንህዝቡ ካብ ሓደጋ ምዕቃብ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመት፡ ብ11 መስከረም 2001 ግን ኣመሪካ ነዚ ሓላፍነት'ዚ ኣብ ምውጻእ ብግሁዶ ፈሺላ። እቲ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ትካላት ስለላ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ፡ ነቲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ኣወሃሂዱ ብግዜኡ ዘንበቦ በሊሕ ኣእምሮ ኣይነበረን።
ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን
እቲ ሓዊ ነዳዲ ንዝጸዓና ቦጣት ጥራይ ኣይኰነን ኣዕንዩ - ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ መራሕቲ መኻይን ምጭዋይ’ውን ንመላእ’ቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ።
ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?
ጀርመን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሌፕዜክ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሩስያ'ያ ፈጺማቶ ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓሪጉ'ሎ።
ጽምብል ቅዱስ ዮሓንስ ንሰላምን ራህዋን
ሎሚ ባሕቲ መስከረም፡ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት ግእዝን እዩ። እብዛ ድርብ ዕለት ውሉደ ክህነት ነታ ዕለት ብዜማን ማህሌትን ጸናጽልን ከበሮን ንበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ይጽምብሉ። ኣመንቲ ክርስትና ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ነታ ዕለት ብተስፋን ፍስሓን ይቕበሉዋ።
ቻይና ምስ ግብጺ ምውጋና ንኢትዮጵያ እንታይ ሳዕቤን ክህሉዎ እዩ?
ቻይናን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ማይ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ንረብሓ ካይሮ ዘቐድም ሓባራዊ መርገጺ ኣውጺአን። እዚ ድማ ቻይና ካብቲ ዝጸንሓ ናይ ገለልተኝነት ኣካይዳ ወጺኣ ናብ ግብጺ ምዝንባላ ዘርኢ ኰይኑ፡ ንኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ብድሆ ፈጢሩላ ኣሎ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ
ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።
'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ
ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ)፡ ናብ ትግራይ 'ወግዓዊ ዘይኰነ' ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'
ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።
ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?
ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ነዚ ጉዳይ ከልዕሎ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ብ2024 ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ኣካታዒ ሰነድ ምርድዳእ ካብ እትፍርም ንድሓር ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ዘጋደደ ጕዳይ ኰይኑ መጺኡ'ዩ።
'እንቐብሮ ኣስክሬን የብልናን' - ቃንዛ ኣብ ስዑዲ ደቆም ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስድራ
"ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝተኣሰሩን ከም ዝተቐተሉን ኣርዲኦምና፤ ሬሳና ግን ኣይተቐበልናን። ፍርድኹም ተወሲኑ እዩ ምስ ስድራኹም ተራኸቡ'ውን ኣይበሉዎምን፤ ኣጻርዩ በዚ እዮም ተቐቲሎም ኢና ዝነገረና'ውን የለን፤ ተበዲልና ኢና፡ ግዜ ክፍእ ስለ ዝበደሎም ክሽቅሉ እዮም ከይዶም፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ።
ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ደቀን ኣብ መሪር ሓዘን ዝኣተዋ ሶማልያውያን ኣደታት
ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና ሚነሶታ፡ ኣብ 2024 ጥራይ፡ 678 ሰባት ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ኦፒዮይድ ሞይቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ መረዳእታ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሶማላውያን ድማ ካብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ሰባት እዮም።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።




























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)












![ፌቨን ገብረእግዝኣብሄር [ፌቨን ማርኮ] ኣብ ቁኖን ስነ ጽባቐን ኢላ ብምጅማር፡ ነቲ ሞያ ብደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምዕባይ ኣብ ካምፓላ ብስነ ጽባቐ ኣብ 17 ዙርያታት ብኣማኢት ዝቁጸራን ዝቁጸሩን ሰብ ሞያ ኣፍሪያ ኣላ፡ ፌቨን ኣብዚ ከይተሓጸረት ኣብ ኣስታት 15 ፊልምታት'ውን ከም ሜክ ኣፕ ኣርቲስት ብምዃን ሰሪሓ እያ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/ebe4/live/289933b0-9b94-11f1-a291-b542ee92de7c.png.webp)
















































