ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ን18 ግዜ ብዛዕባ ዋንጫ ዓለም ዝጸብጸበ ጋዜጠኛ፡ መሲዶ ማራዶና?

  2. ዶናልድ ትራምፕ፡ ብጾታዊ ግህሰትን ምጽላም ስምን ንኣመሪካዊት ጸሓፊት 5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከፊሉ

  3. ኢትዮጵያ፡ እቲ 'ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ' ዝተባህለሉ ሃገራዊ ዘተ ብኸመይ ክካየድ እዩ?

  4. ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ ሱዳን ወርቂ ከይኣቱ ኣጊዱ

  5. 'እንቐብሮ ኣስክሬን የብልናን' - ቃንዛ ኣብ ስዑዲ ደቆም ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስድራ

  6. የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ኣካይዶም

  7. ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርምዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኢማራት መጥቃዕቲ ፈፂማ

    መፃብቦ ሆርሙዝ

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢማራት ዓረብ፡ ክልተ ታንከራት ኣብ ማያት ዖማን መጻብቦ ሆርሙዝ እናሓለፋ እንከለዋ ዒላማ ክሩዝ ሚሳይላት ኢራን ከምዝዀና ሓቢሩ።

    ነዚ ስዒቡ ሓደ ህንዳዊ ኣባል ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ነዳዲ ክመውት ከሎ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ቆሲሎም። ካብዚኦም እቶም ሽዱሽተ ህንዳውያን፡ ክልተ ድማ ዩክረይናውያን ምዃኖም ተፈሊጡ።

    ወሲኹድማ ክልቲአን መራኽብ ሞምባሳን ኣልባህያን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሃስያን ባርዕ ሓዊ ከምዘስዐበለን'ቲ ሚኒስትሪ ይገልጽ።

    ኢማራት ዓረብ፡ ነዚ ‘ድፍረት ዝተመልኦ መጥቃዕቲ’ ከም እትኹንኖን "ከቢድ ጥሕሰት" ዓለማ ሕጊን ኢላ ብምጽዋዕ፡ "ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት" ብምውሳድ ምላሽ ናይ ምሃብ መሰላ ሕልው ከምዝዀነ ገሊፃ።

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ብመግለጺ ተሌግራም ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    በዚ መሰረት፡ ክልተ ንመጠንቀቕታታት ዕሽሽ ዝበላ መራኽብ ነዳዲ፡ ስርዓተ-ቁፅፅር ኣጥፊአን፡ ብነተጉቲ ዝተነድፈ መስመር ክሓልፋ ከምዝፈተና ገሊጹ።

    ወሲኹ ድማ፡ "ምስ ወራሪ ጸላኢ” ብምትሕብባር፡ በቲ መጻብቦ ንምሕላፍ ምፍታን፡ ጣዕሳ፡ ዕንወትን ምትዕንቓፍን ጥራይ ከምዘስዕብ ገሊፁ።

    ከምኡ'ውን እዚ ዓይነት ስጉምቲ፡ ኣብ ዓለም ቅልውላው ጸዓት ከምዘስዕብ ተሓንዩ።

  8. ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ሓዘነን ዝገለጻሉ 'ኣቦ ዘመናዊት ቐጠር' ሸኽ ሓማድ መን እዩ?

  9. ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ንምኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብ'ፖለቲካዊ ውሳነታት' ወቒሱ

  10. ብዕራይ በረኻ ንሓደ ኣቦሓጐ ወጊኡ ናብ ኣየር ደርብዩዎ፡ ንበጻሕቲ መጠንቀቕታ ቀሪቡ

  11. ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ከምዝዓጸወቶን ቀረጽ ከምተኽፍልን ገሊጹ

    መጻብቦ ሆርሙዝ ንመራኽብ ንግዲን ዓማዊላን ዳግማይ ከምዝተዓጸወ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።

    ነተን ዝሓልፋ ካልኦት መራኽብ ንግዲ 20% ቀረጽ ከኽፍል ምዃኑ'ውን ትራምፕ ገሊጹ።

    ድሕሪ'ቲ መግለጺ፡ ዕዳጋታት ዓለም ከንቆልቁልን ዋጋታት ነዳዲ ክዓርግን ጀሚሩ'ሎ።

    "መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉት'ዩ ዘሎ፡ ክፉት ኮይኑ'ውን ክቕጽል'ዩ፡ ብኢራን ወይ ብዘይኢራን። ዕጽዋ ኢራን ደጊምና ኣዊጅናዮ ኣለና፡ ከምዚ ኢሉ ዝተሰምየ ድማ ናይ ኢራን ወይ ዓማዊሎም መራኽብ ጥራይ ስለንኽልክል እዩ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ 'ትሩዝ ሶሻል' ጽሒፉ።

    "ኩለን ካልኦት ሃገራት ብርትዓዊን ናጻን ነቲ መጻብቦ ክጥቀማሉ እየን።

    "ካብ ሕጂ ጀሚሩ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 'ዓቃቢት መጻብቦ ሆርሙዝ' ተባሂላ ክትፍለጥ እያ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ርትዒ ንምንጋስ ንዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን ኩለን ዝሓልፋ መራኽብ ጽዕነት 20% ክኸፍላ እየን" ይብል እቲ ኣመሪካዊ መራሒ።

  12. ሱዳን፡ መራሒ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ ንሞት ተፈሪዱ

  13. ኣብ ክሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ወጥሪ ኣመሪካንን ኢራንን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

    ካብ ገመግማ ባሕሪ ዖማን ኰይንካ ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ዝረአያ ክልተ መራኽብ
    መግለጺ ስእሊ, ካብ ገመግማ ባሕሪ ዖማን ኰይንካ ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ዝረአያ ክልተ መራኽብ

    ኣመሪካ፡ ሰንበት ምሸት፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ዘካየደት ኰይና፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘተልዓለ ግጭት ንመዓልታት ቀፂሉ ኣሎ።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ኣርባዕተ ድማ ከምዝቘሰሉ ፀብፂበን።

    ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ስዒቡ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኣብ ኩዌት፡ ዮርዳኖስን ባሕሬንን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ከምዝሃረመ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኸተመ ግዝያዊ ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘሎ'ዚ ምዕባለታት፡ ​​መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉት ድዩ ኣይኰነን ዝገራጨዉ መግለፂታት ይወፅእ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

    ኢራን ነቲ ወሳኒ መስመር ማይ ንግዚኡ ከምዝዓጸወቶ ክትገልጽ እንከላ፡ ኣመሪካ ድማ ክፉት ምዃኑ ክተረድእ ትፍትን ኣላ።

    ስርዓታት ምክልኻል ኣየር፣ ናይ ገማግም ባሕሪ ራዳር ቦታታትን ዓቕሚ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሓዊሱ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ከምዝተሃርሙ ድሒሩ ሓቢሩ።

    ሴንትኮም፡ ሓይልታት ኣመሪካ "ምጥቃዕ፡ ምግፋዕ፡ ምፍርራሕን ኢደወነናዊ ኣዋጃትን ኢራን ቀጻሊ'ኳ እንተሃለዋ፡ ንግዳዊ መራኽብ ብናፅነት ምንቅስቓስ ቀፂለን ኣለዋ" ይብል።

    ሒደት ደቓይቕ፡ ቅድሚ እቲ መግለፂ ሴንትኮም፡ መንግስታዊ ቲቪ ኢራን ኣብ ሰለስተ ከባብታት ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ጸብጺባ ነይራ።

  14. ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ዙር ቺንግሃይ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ

  15. ኢትዮጵያ: መንግስቲ ብዛዕባ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ ዜጋታት፡ እንታይ ኢሉ?

  16. ኣብይ ኣሕመድ ሰባት "ብናጽነት ተንቀሳቒሶም ክሰርሑ ዘይክእልሉ ደረጃ ምብጽሑ" ኰኒኑ

  17. ካብ ግዳም ሓደር ናብ ኣማኻሪ ቍጠባ ንምብጻሕ ዝተሓልፈ ጕዕዞ ህይወት

  18. ናይ ቀረባ መሓዛ ትራምፕ ዝነበረ ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብ'ሓጺርን ሃንደበታውን ሕማም' ዓሪፉ

    ሰነተር ሊንዚ ግርሃም

    ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሪፓብሊካን ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብዘጋጠሞ "ሓጺርን ሃንደበታውን ሕማም" ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ መበል 71 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ገሊጹ።

    ኣብ 2002 ናብ ሰኔት ዝተመርጸ እዚ ፖለቲከኛ ደቡብ ካሮላይና፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፖሊሲ ​​ወጻኢጽልዋ ዘለዎም ድምጽታት ዋሽንግተን እዩ ነይሩ።

    ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተራኺቡ ነይሩ።

    ቅድሚ መገሻኡ ግን ዝዀነ ዝፍለጥ ናይ ጥዕና ስክፍታታት ኣይነበረን።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ግራሃም "ሓቀኛ ኣመሪካዊ ሓርበኛ" ምዃኑ ገሊጹ።

    ግራሃም ኣቦ መንበር ኮሚተ ባጀት ሰኔት ኮይኑ እውን ከምዘገልገለ ይፍለጥ።

    ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዜና ሞት እቲ ሰነተር ኣዝዩ ከምዝሓነ ገሊጹ ኣሎ።

  19. ፈይስቡክን ኢንስታግራምን 'ወልፊ ብምትሓዞም' ከም ዝቕጽዑ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ

  20. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓዱሽ መጥቃዕትታት ከፊታ