ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ፡ ቀይሕ ካርድ ስለምንታይ ንእንግሊዝ ተዋሂቦም?

    ቤሊንግሃም ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ እናጸንበለ

    እንግሊዝ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዘካየደቶ ወሳኒ ግጥም ብ10 ዝተረፉ ተጻወትቲ ንኣአንጋዲት ሃገር ሜክሲኮ ብምስዓር ናብ ዝቕጽል ጸወታ ሓሊፋ።

    ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጁድ በሊንግሃም ኣብ ውሑዳት ደቓይቕ ብዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ኣብ ቀዳማይ እብረ 2 ብ 0 መሪሕነት ሒዛ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጁሊያን ኩዊኖነስ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡላ።

    እቲ ጸወታ ኣብ ካልኣይ እብረ ብኽልተ ዓበይቲ ፍጻመታት ደሚቑ።

    ፈለማ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጃረል ኳንሳ ኣብ መበል 54 ደቒቕ፡ንጂሰስ ጋላርዶ ከም ዝሃረሞ ብቪድዮ ድሕሪ ምግምጋሙ ካብ ሜዳ ብቐይሕ ካርድ ተባሪሩ።

    እዚ ፍጻመ’ዚ ንግዜኡ ንደገፍቲ ሜክሲኮ ዘተባብዕ እኳ እንተ ነበረ፡እንግሊዝ ግን ሃሪኬን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ ነዊሕ ከይጸንሐት 3-1 ክትመርሕ ክኢላ።

    "እዚ ንጹር ቀይሕ ካርድ እዩ፡" ክብል ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010 ኣብ ግጥም ፍጻመ ተሓጋጋዚ ዳኛ ዝነበረ ዳረን ካን ኣብ ቢቢሲ ዋን ተዛሪቡ።

    "ኳንሳ ፈለማ ኩዕሶ ተጻዊቱ እዩ፣ እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ሕጊ እቲ ጸወታ ዋጋ የብሉን፡” ድሕሪ ምባል በቲ ዝፈጸሞ በደል፡ “እቲ ዳኛ ቀይሕ ካርድ ካብ ምርኣይ ወጻኢ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን። 100% እያ፡" ኢሉ።

    እንግሊዝ ሃሪኬን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ፡ ነቲ ጸብለልታ ክልተ ሸቶታት ክትመልሶ ክኢላ እኳ እንተ ነበረት፡ ሜክሲኮ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ረኺባ።

    ኬን ንብራያን ጉቲየረዝ ዝሓለፎ ይመስል ነይሩ፣ እቲ ዳኛ ዓሊረዛ ፋጋኒ ነቲ ፍጻመ ንምግምጋም ናብቲ ሞኒተር ድሕሪ ምኻዱ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሂቡ፣ራውል ጂሜነዝ ድማ ናብ ሸቶ ቀይርዎ።

    "እዚ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ እዩ፡" ክብል ካን ወሲኹ ገሊጹ።

    "ኬን ብኣጋጣሚ ንእግሪ ተጻዋታይ ሜክሲኮ ረጊጹዎ እዩ። እዚ ምስቲ እንግሊዝ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝረኸበትሉ ናይ ሉካ ሞድሪች ምትንኻፍ ቅሩብ ይመሳሰል እዩ። ኬን ብድሕሪኡ ይመጽእ ንዝነበረ ተጻዋታይ ኣየስተውዓለሉን።"

    እቲ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዝነበረ ጆ ሃርት ኵሎም ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ቅኑዓት ከም ዝነበሩ ይሕብር።

    "እቲ ዳኛ ኣብ ሰለስተኦም [ክልተኦም ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕትታትን ቀይሕካርድን] ቅኑዕ ውሳነ ዝሃበ ይመስለኒ፡" ክብል ኣብ ቢቢሲ ዋን ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣቐዲመን ካብ ዝገጠማ ነርወይን ብራዚልን፡ ሃገራዊት ጋንታ ነርወይ ኣብ ካልኣይ እብረ ብመንገዲ ኤርሊን ሃላንድ ክልተ ሸቶታት ብምምዝብ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ።

    ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ብራዚል ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ነይማር ኣመዝጊቡዋ። እንተዀነ፡ ነታ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዝለዓለ ዝና ዘለዋ ሃገር ከተድሕና ኣይከኣለትን። ብራዚል ኣብ ቀዳማይ እብረ ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ ናብ ሸቶ ክትቅይራ ኣይከኣለትን።

  2. ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ቀብሪ ኣያቶላ ክሳተፉ ከለዉ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ግን ኣይተራእየን

  3. ትግራይ፡ ኣብ ቤተክርስትያንን ቤት ትምህርትን ብዛዕባ ዝተፈፀመ ግፋ እንታይ ንፈልጥ?

  4. ኣብ ሓያል ረስኒ ዀይና መበል 250 ዓመተ ልደታ ዘኽበረት ኣመሪካ

    ኣብ ናሽናል ሞል ዋሺንግተን
    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናሽናል ሞል ዋሺንግተን

    እቲ ናይ 4 ሓምለ ፈደራላዊ በዓል፡ 13 ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብ 1776 ኣዋጅ ናጽነት ብምፍራም፡ ምብቃዕ መግዛእቲ እንግሊዝ ንምዝካር እዩ ብቐንዱ ዝበዓል።

    ኣብ ካፒቶል ሂል ዝነበሩ ዝተኣከቡ ብዝሒ ዘይብሎም ፀምበልቲ፡ ቅልል ዝበለ ዝናብ ስለዝሃረመ ክበታተኑን ናብቲ መውጽኢታት ክጓየዩን ተራእዮም።

    ኣብቲ ፅመብል፡ ምርኢት ሓንቲ ሓዳስ ጀት ኤር ፎርስ ዋን፡ ከምኡ'ውን መደረን ርችትን ዘጠቓለለ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሓያል መብረቅን ነጎዳን ከምዝተቛረጸ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ምሉእ መዓልቲ፡ እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ትሕቲ 100F (37C) ረስኒ ዳርጋ ትነድድ ነይራ - እዚ ኣካል ናይቲ ንምብራቓዊ ኣመሪካ ዝሸፈነ ዝዓበየ ማዕበል ሙቐት እዩ።

    ኣስታት 400 ኣባላት ‘ፀዓዱ ሃገራዊ ጉጅለ ሓርበኛታት’ ድማ፡ ዘብረቕርቕ ባንዴራታት ኣመሪካ ተሰኪሞም ኣብ ጎደናታት እታ ርእሰ ከተማ ብሓደ ድምጺ እናተጓዕዙ ተራእዮም።

    እዚ ጉጅለ ኣብ 2017 ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ‘ዩናይት ዘ ራይት’ ድሕሪ ዘጋጠመ ተቓውሞ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ካብ ካልእ ጉጅለ ተፈንጪሉ ዝወፅአ እዩ።

    ባንዴራ ኣመሪካ ዘንበልብሉ ፀምበልቲ

    ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ መበል 250 ዓመት ልደታ ብድሙቕ ርችት፡ ብመርኢት ነፈርትን ካልኦት መደባትን ኣኽቢራ ውዒላ።

    እቲ መደባት ፅምብል ኣብ ትሕቲ ሓያል ማዕበል ሙቐት ኰይኑ እዩ ተፀምቢሉ።

    ነቲ ሰፊሕ ትርጉም ዝወሃቦ ታሪኻዊ በዓል እታ ሃገር ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ይምዝምዞ ኣሎ ተባሂሉ ዝንቀፍ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ናሽናል ሞል ኣብ ዝተኻየደ ፅምብል መደረ ኣስሚዑ።

    ንሱ ብዕልልታ ደገፍቱ ተዓጂቡ ኣብ ዝስመዖ መደረ፡ "ሕልሚ ኣመሪካ ዳግም ተመሊሱ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

    ንሱ፡ ኣብ መዕፀዊ መደርኡ፡ "እዚ ምጅማር ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ጥራይ እዩ" ብምባል ‘ብኣምላኽ ዝተጻሕፈ ዕጫ" ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

    እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ዝተመቓቐለ ኩነታት እያ እትርከብ።

    ትራምፕ ንነብሱ ማእከል ናይቲ ምዕራፍ ብምግባርን ካብቲ ብኮንግረስ ዝተመደበ ፍጻመታት ኣመሪካ- 250፡ ዝተፈለየ “ጽምብል ሓርነት 250” ብምጅማርን ፖለቲካዊ ክገብሮ ፈቲና ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ ዘሎ።

    ፀምበልቲ
    ኤፍ 22 ራፕተር ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ናሽናል ሞል እናበረራ ነቲ ሓድሽ ስሪት ኣየር ፎርስ ዋን ዓጂበንኦ
    መግለጺ ስእሊ, ኤፍ 22 ራፕተር ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ናሽናል ሞል እናበረራ
    ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ድልድል ብሩክሊን ንሰማይ ዘብርህ ርችት
    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ድልድል ብሩክሊን ንሰማይ ዘብርህ ርችት
  5. ዕሸላት እንታይ ተረዲእዎም እዮም ዝስሕቑ?

  6. ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ፡ ኣካታዓይ ተመራመሪ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን

  7. ናሳ፡ ናብ መሬት ዝወድቕ ዘሎ ተለስኮፕ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ሓድሽ መንኮርኮር ወንጪፉ

  8. ስንብት ኬፕ ቨርደ፡ ዋንጫ ዓለም ፈጺሙ ዘይርስዖ ፍሉይ ታሪኽ

  9. ተይለር ስዊፍትን ትራቪስ ኬልሲን 'ናይዚ ዘመን ድግስ' ብዝተባህለሉ መርዓ፡ ቃል ኪዳኖም ኣሲሮም

  10. ኢትዮጵያ፡ 'ዕጡቓት' ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም

  11. ቢንያም ግርማይ፡ ምስ ሓዳስ ጋንታኡ ዳግማይ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ ክሰርሕ ዝዳሎ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ

  12. ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ንምንታይ ናብ ዋንጫ ዓለም ኣይሓልፋን?

  13. ፕረዚደንትነት ትራምፕ ክትዕ የለዓዕል - ክንደይ ዝኣክል ስልጣን እዩ ልዕሊ ዓቐን?

  14. ካብ ቴህራን ክሳብ ዒራቕ፡ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝቕጽል ስነስርዓት ቀብሪ ዓሊ ኻመኒ እንታይ ክመስል እዩ?

  15. ጋናን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ብሰንኪ ቅትለት ስደተኛ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ኣትየን

    ትማሊ ሰሉስ ኣንፃር ስደተኛታት ዝወፁ ሰልፈኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ
    መግለጺ ስእሊ, ትማሊ ሰሉስ ኣንፃር ስደተኛታት ዝወፁ ሰልፈኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ኣንፃር ስደተኛታት ተኣሳሲሩ፡ ተቐቲሉ ዝተብሃለ ጋናዊ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ኣስዒቡ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጋና፡ ኣብ ኬፕታውን ብዝተፈጸመ ቅትለት እቲ ዜጋ፡ ተቓውሞኡ ብምግላጽ፡ ናብ ፖሊስ’ታ ሃገር ጥርዓን ኣቕሪቡ።

    ሚኒስተር ፍትሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ “ሰበስልጣን ጋና፡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዘሎ ኩነታት፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርግሑ ኣለው” ብምባል ተቓውሞ ኣስሚዑ።

    ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ: ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ቅትለት እቲ ጋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይብሎም እኳ እንተገለፁ፡ ጉዳይ ናይ ሓደ ምስ ገበን ብዝተኣሳሰር ዝተቐትለ ካልእ ጋናዊ ግን ይምርምሩ ከምዘለዉ ገሊጾም።

    በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ክለይሰን ሞንየላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ምስ ጸረ ስደተኛታት ዝተሓሓዝ ተቓውሞታት ተፈፂሙ ዝተብሃለ ቅትለት ሓደ ጋናዊ፡ “ዝተፈብረኸ ዛንታ’ዩ” ክብል ሓቢሩ።

    ጋና ኣብቲ ንቕትለት ዜጋኣ ዝዅንን መግለፂኣ፡ “ዝኾነ ህይወት ምጥፋእ ቅቡል ስለዘይኮነ፡ እቶም ተሓተትቲ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም” ክትብል ጠሊባ።

    ሓደ መደበር ሬድዮ ጋና፡ እቲ ዝተቐትለ ጋናዊ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ን20 ዓመታት ዝነብር ዝነበረ ስፋዪ ክዳውንቲ ምዃኑን ብሰልፈኛታት ብጥይት ከምዝተቐትለን ሓቢሩ።

    ሬሳኡ ናብ ሃገሩ ንምምላስ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጋና ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

    ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክወጹ ዝተዋህቦ ገደብ ግዜ ትማሊ ዘብቀዐ ዀይኑ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ።

    ጋና፣ ማላዊን ናይጀርያን፡ ቅድሚ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ምብፅሑ፡ ዜጋታተን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘውጽኣ ሃገራት እየን።

    ክሳብ ሕዚ ኣስታት 25 ሽሕ ሰባት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወጺኦም ኣለዉ።

  16. “መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ብዘየማትእ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ኢራን’ዩ” - ሓይልታት ኢራን

    ሃገራዊ ኣርማ ኢራን- ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ

    መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣካል ልኡላውነት ኢራን ስለዝኾነ ንወረርቲ ቦታ ከምዘይብሉ ማእከላዊ እዚ- ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    “ካብ ኣመሪካውያን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝመፅእ ኢድ ኣእታውነት፡ ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ቅልጡፍን ወሳንን ምላሽ ከምዝወሃቦ” ኣጠንቂቑ።

    ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ካብቲ ማእከል እዚ ዝወጸ መግለጺ ብምጥቃስ፡ “ጸጥታን ምሕደራን እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንእስላማዊ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ዘይስገር ቀይሕ መስመር’ዩ” ክብላ ጸብጺበን።

    ኢራን፡ “መጻብቦ ሆርሙዝ ወራሪት ኣመሪካ እትቆጻጸሮ ግዝኣት ዘይኮነስ፡ ዘየማትእ ልኡላውነት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን እዩ” ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መስመር ማይ ዘለዋ መርገፂ ኣረጋጊፃ።

    ኩለን ንግዳዊ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ብሰላም ንክሓልፋ፡ ነቲ ብኢራን ዝተሓንፀፀ መስመር ክኽተላ ከምዘለወን፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ጉድኣት ከምዝገጥመን ኣጠንቂቑ።

    ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻራ ኲናት ካብ ዝጅምራ ንደሓር፡ በቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ዝሓልፋ መራኽብ ብምጥቃዕ ንዓለም ተዓጽያ ኣላ።

    ሆርሙዝ ልዕሊ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ ማያዊ ኣፍደገ እዩ።

    ኣብቲ እዋን ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ፡ መራኽብ ከይሓልፋ ኣብ ዝተዓገታሉ እዋን፡ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ዓቢ ወሰኽ ኣርእዩን ቅልውላው ኣስዒቡን ምንባሩ ይዝከር።

  17. ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ብዝፈፀመቶ ሰፊሕ ደብዳብ 20 ሰባት ሞይቶም

    ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተፈጥረ ጉድጓድ
    መግለጺ ስእሊ, ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተፈጥረ ጉድጓድ

    ሓይልታት ሩስያ: ሎሚ ለይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ዓቢ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም 20 ሰባት ቀቲሎም።

    ከንቲባ እታ ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሰከተማ ዩክረይን ዛጊድ "ዝዓበየ መጥቃዕቲ" ክብል ገሊጽዎ።

    ቪታሊ ክሊችኮ፡ ኣብ ልዕሊ‘ቶም ዝሞቱ፡ ኣስታት 90 ሰባት ከምዝቖሰሉ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ሓደ ካብቶም ዝተሃርሙ ከባብታት፡ መደበር ኣምቡላንስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ፅባሕ ዓርበ መዓልቲ ሓዘን ምዃና ኣዊጁ።

    ቅድሚ ሕዚ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝያዳ ሰባት ዝቐተሉ እኳ እንተኾኑ፡ እዚ ዳሕረዋይ ደብዳብ ግን ዝበዝሐ ኣጽዋር ኣብ ሰፋሕቲ ከባብታት’ታ ርእሰከተማ ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ።

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንመጥቃዕቲ ትዳሎ ከምዘላ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ዝወረደ'ዚ ደብዳበ፡ ኣብ መላእ እታ ከተማ ብዙሓት ህንጻታት ኣዕንዩ።

    ሞስኮ፡ ምላሽ ነቲ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሲቪልያን መሰረተ-ልምዓት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዝዀነን፡ ወተሃደራዊ ማእከላት ዒላማ ዝገበረ ከምዝዀነን ኣፍሊጣ።

  18. ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ቅድመ መረጻ ዝተዓወተት ሜላት ኪሮስ መን'ያ?

  19. ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 400 ኣኽላባት ብኣሰቃቒ መገዲ ዝተቐተልሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

  20. ኣስመራ፡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ንዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ዝሃቦ መብርሂ