ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍፅምዎ መጥቃዕቲ ደው ክብሉ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ “ብቕልጡፍ ደው ከብሉ” ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ሑቲ፡ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ክልተ መራኽብ ነዳዲ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ “ሓደገኛ ምዕባለ” ክብል ኮኒንዎ።
እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ዝፈፀመት እገዳ ምስ ኣወጁ እዩ።
እተን መራኽብ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዝተሃርማ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ እቶም ዕጡቓት ያህያ ሳረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ መጥቃዕቲ “ብትሪ ይኹንኖ” ኢሉ ብምግላፅ፡ "እዚ ተግባራት ኣብ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ከቢድ ጽልዋ ዘለዎ ሓደገኛ ምዕባለ'ዩ" ኢሉ።
ምስታ መራኽባ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ስዑዲ ዓረብ ምሕዝነቱ ዝገለጸ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ “ንጸጥታ፣ ልኡላውነትን ምርግጋእን” እታ ሃገር ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።







