ኬንያ፡ ምስቲ ግዳይ ኢቦላ ዝነበሮም 57 ሰባት ይድለዩ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምስቲ ብሕማም ኢቦላ ተታሒዙ ብሰኑይ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ዝሞተ ግዳይ ተራኺቦም ዝነበሩ 10 ሰባት ናብ ውሸባ ክኣትዉ ከምዝተገብረ ሰብመዚ ጥዕና ኬንያ ሓቢሮም።
ካልኦት ምስቲ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዝመጸ ግዳይ ተራኺቦም ነይሮም ዝተባህሉ 57 ሰባት'ውን ይድለዩ ኣለዉ።
እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተቐበረ ሰብ፡ ካብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብመንገዲ ኡጋንዳ ኣቢሉ ዝተጓዕዘ ኬንያዊ ኰይኑ፡ ብቫይረስ ኢቦላ ቡንዲቡግዮ (Ebola Bundibugyo) ምልካፉ ተረጋጊጹ እዩ።
ተርእዮ ናይቲ ሕማም ዘስግኦም ሰብመዚ ጥዕና ኣብ ኣፍደገታትን ዶባትን እታ ሃገር ልዑል ጥንቃቐን መርመራታትን ክግበር ኣዚዞም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ንኮሚቴ ሃገራዊ ባይቶ ጸጥታ፡ ኵነታት ኢቦላ ኣብታ ሃገር ክግምግሙን ተወሳኺ ስጕምትታት ክውስኑን ኣዚዙ'ሎ።
እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣብ ደ.ሪ.ኮንጎ ህይወት 4000 ሰባት ዝቐዘፈ ለበዳ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይላባዕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ቫይረስ ኢቦላ፡ ብመገዲ ከም ደም፡ ተምላስን ቀልቀልን ዝበሉ ነገራት ብምትንካፍ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፍ ቀታሊ ሕማም እዩ።











