ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓደስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓያል ግብረ-መልሲ ክህብ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, US Central Command / X
ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘለዋ ናይ መጥቃዕቲ ዓቕሚ ንምድኻም፡ ንዓስራይ ተኸታታሊት ለይቲ ዝቐጸለ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺሞም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዮርዳኖስን ዒራቕን ዝተቐትሉ ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ንምፍዳይ ዝተወሰደ ኰይኑ፡ ኢራን "ከቢድ መጥቃዕቲ" ከም ዝወረዳ ገሊጹ።
ከም ግብረ-መልሲ፡ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ኣብ "ምሉእ ብምሉእ ኲናት" ከም ዘላ ኣዊጁ።
ቴህራን ብወገና፡ ኣብቲ ስትራተጅያዊ መስመር ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ነዳዲ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመትን ኣብ ባሕሬንን ኵዌትን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላት ኣመሪካ ከም ዝወቐዐትን ገሊጻ።
ማእከላይ እዚ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንወተሃደራዊ መአዘዚ ማእከላት፡ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መተኰሲ ቦታታትን ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ድማ መንነት እቶም ኣብ ዮርዳኖስ ዝተቐትሉ ወተሃደራት ብወግዒ ይገልጽ ኣሎ።
በቲ ካልእ ወገን፡ ዮርዳኖስን ኵዌትን ካብ ኢራን ዝተተኰሱ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ሰማያተን ከም ዘፍሸላ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ነዳዲ መጥቃዕቲ ፈጺመ ዝበለቶ ክሲ ግና ብኣመሪካ ተነጺጉ እዩ።










