ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ሓንቲ ናይ ህንዲ መርከብ ብተተኳሲ ተሃሪማ ጥሒላ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፡ ሓንቲ ባንዴራ ህንዲ ዘምበልበለት ንግዳዊት መርከብ፡ ብተተኳሲ ድሕሪ ምውቃዓ ከም ዝጠሓለት ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም።
እታ ‘ኤም.ኤስ.ቪ ፋይዝ ኑረ ኦልያ’ ዝተሰምየት መርከብ ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 14 ሰባት (13 ህንዳውያን) ብሰላም ከም ዝደሓኑ፡ ምኒስተር መጓዓዝያ ባሕሪ ህንዲ ሳርባናንዳ ሶኖዋል ገሊጹ።
እቲ ምኒስተር ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ ድሕነት ሰራሕተኛታት ባሕሪ ንምውሓስ ኣድላዪ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ኣፍሊጡ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ኰይኑ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሓለወ ናጽነት ምንቅስቃስ ባሕርን ንግዳዊ ንጥፈታትን ብህጹጽ ክምለስ ጸዊዑ።
እቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝድግፎን ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎን መንግስቲ የመን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈንጂ ዝተጻዕነት ንእሽቶ ጃልባ ተጠቒሞም ዝፈጸሙዎ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲታት ምዃኖም ከሲሱ። ዕጡቓት ሑቲ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝሃቡዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።
እዚ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኢራን ነቲ ሓደ ካብቶም ዝበዝሐ ምንቅስቓስ ነዳዲ ዝካየደሎም ስትራተጅያዊ መስመር ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ንግዳውያን መራኽብ ንቐይሕ ባሕሪ ከም ኣማራጺ ክጥቀማሉ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባን ዋጋ ነዳዲን ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።
ኣመሪካን ኢራንን ነቲ መጻብቦ ንምኽፋትን ወተሃደራዊ ግጭት ንምግታእን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ስምምዕ እኳ እንተ ገበራ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ብሰንኪ ዝቐጸለ መጥቃዕቲታት እቲ ውዕል ምፍራሱ ኣዊጁ ነይሩ።
ይዅን’ምበር፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ነቲ መጻብቦ ንምኽፋት ዝዓለመ ዘተ ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት የርኢ ከም ዘሎ ይገልጹ ኣለዉ።
ኢራን ብወገና ምስ ኣመሪካ ትገብሮ ዘተ ከም ዘየሎ ብምግላጽ፡ ምስ ዖማን ትዘራረብ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።




