ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'

  2. ኩለን ሃገራት ንልኡላውነት ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ወኪል ኣመሪካ ተማሕጺና

  3. ኤርትራዊት ፌቨን ማርኮ ብዓልቲ ብዙሕ ሞያ

  4. እንጀራ ምስንካት ዝስልጥኑ ዘለዉ ወጻእተኛታት

  5. ጠንቂ ብልዚ ኣስናን እንታይ እዩ?

  6. ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ስሙይ ዝዀነ መንእሰይ መምህር

  7. ሚስጥር ወሰኽ ዋጋ ወርቂ እንታይ'ዩ?

  8. ጥበበኛ ቈቢዕ ቁኖ ኣብ ኣውስትራልያ

  9. ኣብ 52 ዓመቶም ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ዘምጽኡ ገባር ትግራይ

  10. ቅትለት ቻርሊ ኪርክ፡ ተኸሳሲ ክሒዱ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ድማ የንጸላልዎ

    ቻርሊ ኪርክ

    እቲ ንቻርሊ ኪርክ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ታይለር ሮቢንሰን፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ቅትለት "በደለኛ ኣይኰንኩን" ክብል ክሒዱ።

    ዳኛ እቲ ጉዳይ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝካየድ መስርሕ ፍርዲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክሓትት ከም ዝተፈቐደሉ ተገሊጹ።

    መስራቲ 'ተርኒንግ ፖይንት ዩኤስኤ' ዝዀነ ወዲ 31 ዓመት ቻርሊ ኪርክ፡ ብ10 መስከረም 2025 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዩታ ቫሊ መደረ እናሃበ እንከሎ እዩ ብተዅሲ ክሳዱ ተወቒዑ ተቐቲሉ።

    ጠበቓታት ተኸሳሲ፡ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ካብቲ ክሲ ክእለ እኳ እንተ ሓተቱ፡ ዓቃቢ ሕጊ ግን እቲ ተኸሳሲ ቈልዑ ኣብ ዝነበርሉን ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉን ቦታ ብምትኳሱ፡ እቲ ገበን ከቢድን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘውህብን ምዃኑ ተኻቲዑ ኣሎ።

    ዓቃቢ ሕጊ ቻድ ግሩናንደር፡ "ታይለር ሮቢንሰን ንቻርሊ ኪርክ ካብ ዝቐትሎ 356 መዓልታት ኰይኑ ኣሎ፡" ብምባል ፍርዲ ክወሃብ ጸዊዑ።

    ኣብቲ ጉዳይ ቀሪቦም ዘለዉ መርትዖታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ተኸሳሲ ቅድሚቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ተደጋጋሚ ግዜ ይከታተሎ ከም ዝነበረን፡ ነቲ ጠመንጃ ንምሕባእ ክዳውንቱ ቀይሩ ብምምጻእ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞን ተገሊጹ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝወዓለ ጠመንጃ ዲኤንኤ እቲ ተኸሳሲ ከም ዝተረኽቦን ንመዳቕስቱ "ገበን ፈጺመ" ኢሉ ከም ዝተናዘዘሉን ተሓቢሩ።

    እዚ ጉዳይ ብ23 ጥቅምቲ ዳግማይ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝርአ ኰይኑ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ቀጥታዊ ናይ መጋባእያ ዕለት ክውሰን ትጽቢት ይግበር።

    ታይለር ሮቢንሰን ምስ ጠበቓኡ እናተላዘበ
    መግለጺ ስእሊ, ታይለር ሮቢንሰን ምስ ጠበቓኡ እናተላዘበ
  11. ዛምብያ፡ ፕረዚደንት ሂቺለማ መናሓንሕቱ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝርከበሉ ቃለ-መሓላ ፈጺሙ

    ፕረዚደንት ዛምብያ ሃካይንደ ሂቺለማ፡

    ፕረዚደንት ዛምብያ ሃካይንደ ሂቺለማ፡ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ቀንዲ መናሓንሕቱ ብገበን "ጥልመት ሃገር" ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዘለወሉ፡ ንኻልኣይ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።

    ኣብቲ ብ13 ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ሂቺለማ 60% ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ወግዓዊ ውጽኢት እኳ እንተ ሓበረ፡ 38% ድምጺ ዝረኸበ መናሓንሕቱ ብራያን ሙንዱቢለ ግን "ውጽኢቱ ተደናጊሩ እዩ" ብምባል ይቃወም።

    ሕብረት ኤውሮጳ እውን ኣብቲ መስርሕ ኣጸዋውዓ ድምጺ ሕቶታት ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም ኣለዉ።

    ድሕሪ ምርጫ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብዘካየድዎ ወፍሪ ሓደ ምኒስተር ነበር ክቕተል እንከሎ፡ ሙንዱቢለ ዝርከቦም ሓያሎ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት "ዕልዋ ንምክያድ ተዳልዮም" ብዝብል ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ኣለዉ።

    ሂቺለማ ኣብ ናይ ቃለ-መሓላ መደረኡ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ዝበሎ ነገር እኳ እንተ ዘየሎ፡ "ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ህርፋን ንሰላምን ምርጋእን ሃገር ኣብ ሓደጋ ከውድቕ የብሉን፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

    ንቝጠባ እታ ሃገር ንምርጋእ ብዝገበሮ ጻዕሪ ዝንኣድ ሂቺለማ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ዘመኑ "ዝዓነወት ሃገር" ከም ዝተረከበ ብምግላጽ፡ ሕጂ ግን ካብቲ ዝነበረ ናይ ምርጋእ ስጕምቲ ናብ ዕብየት ቍጠባዊ ብልጽግናን ክሰጋገር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

    እቲ ቃለ-መሓላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ስነስርዓት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ ነሓስ ብምውሳኹ ሰብ ሃብቲ ኣብ ቍጠባ ዛምብያ ተስፋ ከም ዘለዎም ይግለጽ።

  12. ኢራን፡ ድሕሪቲ ኣብ መርዓ ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኣመሪካ 'ናይ ሕነ ምፍዳይ' ስጕምቲ ወሲዳ

  13. ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒላ

  14. ብዘይ ደወል ብኸመይ ካብ ድቃስኩም ክትነቕሑ ትኽእሉ?

  15. ጀርመን ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኢድ ሩስያ ኣለዎ ትብል

    ሓደ ጸሊም ልብሲ ዝገበረ መርማሪ

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን ሩስያ ዝፈጸመቶ ምዃኑ ጀርመን ከሲሳ።

    ብ4 ነሓሰ ሓንቲ ነተጒቲ ዝጸዓነት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ላይፕዚግ/ሄል ኣብ ጥቓ ሓንቲ ዩክሬናዊት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

    እታ ድሮን ብሰንኪ ዘጋጠማ ጸገማት ክትፍንጀር ከምዘይክኣለት ዝገለጹ ጀርመናውያን መርመርቲ፡ ካልኣይቲ ድሮን ግን ምስ ካልእ ናፊረት ከምዝተጋጨወት ተዛሪቦም። ሳልሰይቲ ድሮን'ውን ድሕሪ 10 መዓልታት ኣብ ጥቓ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺባ ነይራ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ጆሃን ቫደፉል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ቦን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ሩስያ ከምዝዓጽዎ ኣፍሊጡ።

    ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫ ብወገና "በርሊን ንሽበራ ትድግፍ ኣላ" ክትብል ብምኽሳስ ሞስኮ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣጠንቂቓ።

  16. ዛምቢያ፡ ፕረዚደንት ሂቺለማ ቃለማሕላ ፈጺሙ

    ሃካይንደ ሂቺለማ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሓዝ ኣብ ቅድሚ ማይክሮፎናት ቃለማሕላ እናፈጸመ

    ፕረዚደንት ዛምቢያ ሃካይንደ ሂቺለማ ካልኣይ እብረ ስልጣን ንምፍላም ኣብ ርእሰከተማ ሉሳካ ቃለማሕላ ፈጺሙ።

    ሂቺለማ፡ ኣብ ዝሓለፈ 13 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ 60% ብምርካብ'ዩ ስልጣኑ ኣጽኒዑ ዘሎ።

    እቲ 38% ረኺቡ ዝተባህለ ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ብራያን ሙንዱቢለ ድሕሪ'ቲ መረጻ ብክድዓት ሃገር ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።

    ወዲ 64 ዓመት ፕረደዚንት ቺለማ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር "ዓንዩ ጸኒሑና" ዝበሎ ቊጠባ እታ ሃገር ከመሓይሽ ብምኽኣሉ ይንኣድ እዩ።

    ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ተዓዘብቲ ናይቲ ምርጫ ዋላ'ኳ ብሰላም ዝተወድአ እንተነበረ፡ ኣብ ምቚጻር ድምጺ ጸገማት ከምዝነበሮ'ዮም ገሊጾም።

    እታ ልዕሊ 22 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብ ጥቅምቲ 1964 ናጽነታ ካብ ብሪጣንያ ካብ እትረክብ ንድሓር ሸውዓተ መራሕቲ ከምዝሸመት ይፍለጥ። ብፍላይ ድሕሪ'ቲ ካብ 1964 ክሳብ 1991 ዝመርሓ ኬነት ካውንዳ ሃገራዊ መረጻታት ብምክያድ መራሕታ ክትቀያይር ጸኒሓ እያ።

  17. እስራኤል ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ ከምዝማረኸት ገሊጻ

    ኣብ ማእከል ጐደና ዝዓነወት መኪናን ዝዕዘቡን ዝሓልፉን ሰባትን

    እስራኤል ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ከምዝማረኸት ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እስራኤል ካትዝ ከምዝበሎ፡ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት እስራኤልን ብእስራኤል ዝድገፉ ሚሊሻ ቓዛን ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት'ዩ እቲ መንነቱ ዘይተገልጸ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናይቲ ጉጅለ ተታሒዙ።

    ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ክልተ ቆልዑን ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ከምዝሞቱ ሰብሞያ ጥዕና እታ ወሽመጥ ገሊጾም። ሳልሳይ ቆልዓ'ውን ካብቲ ከባቢ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ቓዛ ተቐቲሉ ኣሎ።

    "ኣቐድም ኣቢሉ፡ ላዕለዋይ ኣሸባሪ ሓማስ ተኣሲሩ ኣሎ- ፖሊሲና እዚ'ዩ፡ ስግኣታት ኣይንጽበን ኢና፡ ግና ንኣሸበርቲ ሓማስ ክንሃድኖም ኢና፡ ንትሕተቅርጺ ሽበራታቶም'ውን ከነፍሽሎን ከነዕንዎን ኢና" ክብል'ዩ እቲ ሚኒስተር ኣጠንቂቑ።

  18. 30 ዓመት ዝተሓብአ ምስጢር፡ ቱፓክ መን ቀተሎ?

  19. ዓሰርተ ደቓይቕ ቅድሚ እቲ ማይ-ኣይሂ፡ 900 ተመሃሮ ኔፓል ካብ ኣፍ ሞት ከመይ ደሓኑ?

  20. ተወዳዳሪት ወይዘሪት ዓለም ኤርትራ ብኸመይ ልዕሊ 6 ሚልዮን ድምጺ ሓሊፋ