ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ

  2. ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ

  3. ንግዳዊ ኲናት ኦታዋን ዋሽንግተንን ይረስን፡ ካናዳ ሕነኣ ትፈዲ

    ማርክ ካርኒ

    ካናዳ ነቲ ብኣመሪካ ዝተወሰነላ ቀረጽ ምላሽ ንምሃብ ተመሳሳሊ ውሳነ ከምእትወስድ ኣፍሊጣ።

    ኦታዋ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ዶላር ብዶላር" ዝዳረግ ገብረመልሲ ከምእትህብ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ስርሓት ሓጺን፡ ጸባን ንዋያት ገዛን ዝርከቦም ኣቚሑት ቀረጽ ክትውስን ምዃና ኣነጺራ።

    በዚ መሰረት ካናዳ ንኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንግዳዊ ኣቚሑት ካብ 15% ክሳብ 50% ቀረጽ ከተኽፍል'ያ።

    እቲ ሓድሽ ቀረጽ ካብ 8 መስከረም፡ ፍርቂ-ለይቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።

    ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ሓድሽ 50% ቀረጽ ድሕሪ ምውሳኑ'ዩ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ ዘሎ። ኣቐዲማ'ውን ዋሽንግተን ካብ ካናዳ ንዝኣቱ ስርሓት ሓጺን፡ ኣልሚንየምን ተሽከርከርትን ዝርከቦ ንብረት ዒላማ ዝገበረ ወሰኽ ቀረጽ ኣንቢራ ነይራ'ያ።

    ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተኻየደ ዝርርብ ብዘይፍረ ከምዝተወድአ ይዝከር።

  4. ንቻይና ዘቖጠዐ እገዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን

    ኣብ ማያዊ መስመር ሆርሙዝ ዝጓዓዛ መራኽብ

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ቻይናን እትርከበን ንግዳዊ መሻርኽታን ቁጠባዊ እገዳ ከተስፍሕ ከምዝወጠነት ድሕሪ ምእዋጃ፡ ቻይና ረብሓታታ ክትሕሉ ከም እትንቀሳቐስ ኣጠንቂቓ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሊን ጂያን፡ ቻይና ነቲ "ዘይሕጋውን በይናውን”፡ ዝበሎ እገዳ ብጽኑዕ ከም እትቃወሞን፡ ረብሓታታ ንምሕላው "ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት" ከም እትወስድን ገሊጹ።

    ሚኒስተር ፋይናንስ ኣመሪካ - ስኮት በሰንት ትማሊ ሰኑይ፡ ነዚ ሓድሽ ስጉምትታት እገዳ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ምስ ኢራን ብንግድን ገንዘብን እትሻረኽ ሃገር ሓቢራ ክትንፀል ምዃና ድሕሪ ምጥንቃቑ'ያ በይዢንግ ምላሽ ሂባ ዘላ።

    ቻይና፡ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ስዒቡ፡ ዋሕዚ ነዳዲ ኢራን እንተነከየ’ኳ፡ ከም ንቡር ዝዓበየት ዓዳጊት ነዳዲ ኢራን እያ።

    ሊን፡ "ምትሕብባር ቻይናን ኢራንን ኩሉ ግዜ ኣብ ክሊ ዓለማዊ ሕጊ ዝካየድ ኮይኑ፡ ዝዀነ ኢድ ክሰደሉ ወይ ድማ ብዝዀነ ኣካል ክዕንቀፍ ኣይንፈቅድን" ኢሉ።

    በሰንት፡ ነቲ ሓድሽ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን "እቲ ዝዓበየ ፋይናንሳዊ መቕፃዕቲ" ክብል ብምግላጽ፡ ባንክታትን ትካላት ንግድን ምስታ ሃገር ዘለወን ርክብ ምቁራጽ እንተኣብየን፡ ምስ ኢራን ኣብ 'ተነጽሎ' ክካተታ ምዃነን ኣጠንቂቑ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመራሕቲ ዓለም "ምስቲ ስርዓት [ኢራን] ዘለዎም ርክብ ደው ከብሉ ክምሕፀን" ብቴሌፎን ከዛርቦም ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

    ይኹን እምበር፡ በሰንት፡ ብዛዕባ ባንክታት ቻይና ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ ፡ "ካብ እገዳ ኣመሪካ ዘምልጥ ከምዘይህሉ" ብንጹር ክገልጽ ከምዝዀነ ገሊጹ።

  5. ግብፂ፡ 'ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ካብ ዝግበር ፈተነ ምቝጣብ' ከም ዘድሊ ገሊፃ

  6. ክልተ ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ተቐቲሎም

  7. ኣደዳ ናይ ሓሶት መርዑት ዝዀኑ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ - ዘስደምም ዛንታ ንሓዳር

  8. 'ክብረተይ ድሮ ተደፊሩ እዩ' - ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ብኸመይ ይመርሕዋ ኣለዉ?

  9. ሓደ ኣቦ ከምዘይፈረዮም ንምርግጋጽ ዝተቓለሱ ፍቝራት - ሕልኽላኽ ዛንታ ምድላይ መንነት

  10. ሸፋቱ ባሕሪ፡ ባንዴራ ኤርትራ ዘንበልበለት መርከብ ነዳዲ ጨውዮም

  11. 'ዘለንስኪ ክምልሶም ዝግባእ ሕቶታት ብልሽውና ኣለዉ' - ምኒስተር ምክልኻል ነበር፡

    ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ነበር ማይክሃይሎ ፌዶሮቭ
    መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ነበር ማይክሃይሎ ፌዶሮቭ

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ውሽጢ ዓንኬሉ ክምልሶም ዝግባእ "ሕቶታት ብልሽውና" ከምዘለዉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ማይክሃይሎ ፌዶሮቭ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ዕጡቓት ሓይልታት ዩክረይን ዘዘመነን ፈላሚ ውግእ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝጀመረን ተባሂሉ ዝነኣድ ምኒስተር ፌዶሮቭ፡ ምስ ሓላፊ ዕጡቕ ሓይሊ ዩክረይን ዘይምቅዳዉ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ስርሑ ከም ዝተኣለየ ይዝከር።

    ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃል፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጀመረ መርመራ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ዘለንስኪ ኣብ ውሽጢ ዓንኬሉ ዘሎ ብልሽውና ዝምልከት ሕቶታት ከም ዘልዓለ ሓቢሩ።

    ፌዶሮቭ ብተወሳኺ "ዲሞክራሲ ብፑቲን ጅሆ ክተሓዝ የብሉን" ብምባል፡ ዋላ ኣብ እዋን ኲናት፡ ፕረዚደንታዊ መረፃ ክካየድ ጠሊቡ ኣሎ።

    ምእላይ'ቲ እቲ ወዲ 35 ዓመት ፌዶሮቭ ስዒቡ ዝተልዓለ ቁጥዐ ዝመልኦ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ እናዘሓለ ብምምፃእ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ተዛዚሙ ኣሎ።

    ዩክረይን ኣብ 2022 ብሩስያ ሙሉእ ወራር ካብ ዝፍፀማ ንደሓር፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ ትርከብ፤ እዚ ማለት ድማ ​​መረፃ ደው ኢሉ ኣሎ ማለት እዩ።

    ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ጎኒ ሚካይሎ ፌዶሮቭ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኔቶ
    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ጎኒ ሚካይሎ ፌዶሮቭ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኔቶ

    ፌዶሮቭ ግን ብዛዕባ መረፃ ዝርርብ ምጅማር "ሞራላዊ መሰል እዩ" ኢሉ።

    "ክንዛተየሉ ክንፈርሕ የብልናን። ዲሞክራሲ ንሱ'ዩ። ሓሳባተይ ከካፍልን ብዛዕባኡ ምስ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሕብረተሰብ ግልፂ ክኸውንን እንተዘይክኢለ፡ ስለምንታይ ኢና ደኣ ንቃለስ ዘለና?፡ መረፃ እንተዘይተኻይዱ፡ ድሕሪ ሕጂ ዲሞክራሲያዊያን ኣይኰንናን፡" ኢሉ።

    ፕረደዚንት ዘለንስኪ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ እዋን ኲናት ዝካየድ መረፃ ንዩክረይን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ብሰንበት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።

    እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ቢሮ ጸረ ግዕዝይና ዩክረይን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝተኸሰሰ ሚኒስተር ጸዓት ነበር ዋሕስ ንምኽፋል ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ባጤራ ዩክረይን ብዘይግቡእ ንምጥቃም ዝዓለመ ውዲት ከም ዘቃልዐ ገሊጹ።

    ኣብዚ ጉዳይ ተሳቲፉ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ኣሎ።

    ፌዶሮቭ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬሉ ክህሉ ዝኽእል ብልሽውና ዘለዎ ኣፍልጦ ሕቶታት ከም ዘልዕል ገሊጹ።

    "ነዛ ሕቶ ይመልስ... ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ድሉው ምዃኑ እኣምን። ነዚ ኩሉ ይፈልጥ ድዩ ኣይፈልጥን ንኹላትና ክነግረና ናቱ ሓላፍነቱ... ቀድሚኡ ግን፡ ዝዀነ ግምት ክህብ ኣይደልን እየ።"

  12. ንወዲ 7 ዓመት ወዱ 2000 ሜትሮ ብራኸ ኣብ ዘለዎ እምባ ዝገደፈ ኣቦ የዘራርብ

    እቲ ህጻን ኣብቲ እምባ ንበይኑ እዩ ተረኺቡ
    መግለጺ ስእሊ, እቲ ህጻን ኣብቲ እምባ ንበይኑ እዩ ተረኺቡ

    ኣብ ጃፓን ንወዲ 7 ዓመት ወዱ ልስሉስ መስተን በሽኩትን ሂቡ ኣብ ሓደ እምባ ንበይኑ ዝገደፎ ኣቦ ብፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ።

    እዚ ወዲ 48 ዓመት ኣቦ ምስ ደቁ እምባ ኣብ ዝሓኹርሉ ዝነበረ እዋን ወዱ ከም ዝደኸሞ ምስ ነገሮ፡ ኣብ ዘለዎ ንኽጸንሕ ዝበልዖን ዝሰትዮን ሂቡ ምስ ዓቢ ወዱ ጉዕዝኡ ከም ዝቐጸለ ይንገር።

    እቲ ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ኣብ 2000 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ግመን ዝናብን ኣብ ዝውሓጦ እምባ ንሓያሎ ሰዓታት በይኑ ኮፍ ኢሉ ተረኺቡ።

    ኣብቲ እምባ ዘለው ሰራሕተኛታት ድማ ንፖሊስ ሓቢሮም።

    እቲ ኣቦ ምሕዃሩ ወዲኡ ምስ ተመልሰ ፖሊስ ወቒሶምዎ፤ እቲ ህጻን ንሸሞንተ ሰዓታት “ደኺሙን ተጨኒቑን” ከም ዝነበረ ገሊጹ።

    እቲ ኣቦ ብታህዋኽ ንዝወሰዶ ውሳነ ይቕሬታ ​​ሓተቱ።

    እዚ 3,776 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከብ እምባ ፉጂ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያሎ ሓደጋታት ዘጋጠመሉ እዩ።

    ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓንቲ ጓል 99 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ወዲቓ ብኸቢድ ቈሲላ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ ወዲ 27 ዓመት ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ፡ ዝጠፍአት ሞባይሉ እናደለየ ክልተ ግዜ ካብ ሞት ኣምሊጡ።

    እምባ ፉጂ ካብ ቶክዮ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ንጡፍ እሳተ ጎመራ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ 2013 ሓድጊ ዓለም ተባሂሉ ተመዝጊቡ።

    ምስ እምባ ተይደን እምባ ሃኩን፡ ሓደ ኻብቶም “ሰለስተ ቅዱሳት ኣኽራናት ጃፓን” እዩ።

    ኣብ ዓመት ኣስታት 200,000 ሰባት ናብቲ እምባ ይድይቡ።

  13. ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ትራምፕ ሓድሽ 'መጥቃዕቲ' ንግዳዊ ኲናት ከም ዝኣወጀ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ካርኒ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ ነቲ ሓድሽ ቀረጽ ኣመሪካ፡ ንካናዳ “ንምጉዳእን ንምብታንን” ዝተዳለወ “ጌጋ ቀመር” ክብል ገሊጽዎ።

    ትራምፕ- ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ዝርርብ ካብ ካናዳ ብዙሕ ከም ዝሓተተን ብወገኑ ግን ውሑድ ከም ዘቕረበን ዝገለጸ ካርኒ፡ ኣመሪካን ካናዳን ሕጂ ኣብ ንግዳዊ “ኲናት” ከም ዘለዋ ገሊጹ።

    "መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጸመካ ኣብ ኲናት ትኣቱ፤ ንሕና ንጥቃዕ ኣለና" ኢሉ።

    ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ 8 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝመጽእ ሓጺን፡ ጸባ፡ ኤሌክትሮኒክስን ካልእ ኣቑሑትን ቀረጽ ብምግባር ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ዘይዕዉት ዝርርብ ንግዲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዝፀንሐ ሱር ዝሰደደ ንግዳዊ ርክብ ከሐርፍፎ እዩ።

    ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተስፋ ገይረን እኳ እንተነበራ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ሓሳቦም ምስ ቀየሩ እቲ ልዝብ ተቛሪጹ።

    ነዚ ስዒቡ ካናዳ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ሓጺን፡ ኣሉሚንየም፡ መካይንን ዕንጨይትን ኣመሪካ እትኽተሎ ዝነበረት ቀረጽ፡ ሓድሽ 50 ሚእታዊት ቀረጽ ክትገብር ወሲና።

    እዚ ሓድሽ ቀረጽ ውሱን ኰይኑ፡ ወይኒ፡ ፍርያት ጸባ፡ ሲሚንቶ፡ ክዳውንትን ስፖርታዊ ኣቑሑትን ሓዊሱ ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣትው 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምህርታት ብድምር ሓሙሽተ ሚእታዊት ዝሽፍን እዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ካናዳ ረብሓታታ ንምሕላው "ብዘየማትእ" ሕነ ትፈዲ ከም ዘላ ገሊጹ። ካርኒ ብተወሳኺ ዝርዝር ስጉምትታት ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክግለጽ ምዃኑ ገሊጹ።

  14. ገለ ደቀንስትዮ፡ ንመብዛሕትና ክርኣየና ዘይኽእል ሕብሪ ክርእያ ይኽእላ ድየን?

  15. ትራምፕ፡ ካናዳ ከም ሓንቲ 'ግዝኣት ኣመሪካ' ክትርባሕ እያ ትደሊ ዘላ ክብል ከሲሱ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካናዳ "ግዝኣት ኣመሪካ ከይኰነት ከላ"፡ ነገር ግን ከም ሓንቲ ግዝኣት'ታ ሃgር ክትርባሕ ​እያ ትደሊ ዘላ- ክብል ከሲሱ።

    ንሱ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ዘይዕዉት ንግዳዊ ዝርርብ ስዒቡ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

    ትራምፕ፡ ከም ብሓድሽ 50 ሚኢታዊት ቀረጽ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ካናዳ ካብ ዘንብር ንደሓር ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ርእይቶ፡ ሓረስቶት ኣመሪካ ንዓመታት "ብዙሕ መጠን ቀረጽ" ከም ዝኸፈሉ'ውን ተዛሪቡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ ነቲ ሓድሽ ቀረጽ "ክጎድኣናን ክኸፋፍለናን" ዝተዳለወ "ጌጋ ቀመር" እዩ ክብል ኰኒኑ ኣሎ።

    ትራምፕ

    ካርኒ፡ ካብ 8 መስከረም ጀሚሩ "ዶላር ንዶላር" ዝኽፈል ቀረጽ ትራምፕ ከም ዝመዓራረ ኣረጋጊጹ።

    እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ምህርታት ሓጺነ-መፂን፡ ጸባ፡ መሳርሒታት ኤሌክትሮኒክስን ዝኽፈል ቀረጽ ይርከቦ።

    ኣመሪካን ካናዳን ሕጂ ኣብ ንግዳዊ "ኲናት" ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

    ካርኒ ብሰንበት "ብዙሕ ሓቲቶም፡ ውሑድ ድማ ኣቕሪቦም" ኢሉ።

    ትራምፕ ዝሃቦም ርእይቶታት፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ ዘስመዖ ንካናዳ "መበል 51 ግዝኣት" ኣመሪካ ምግባር ዝብል ኣመተ ዘቃልሕ ኰይኑ፡ ኣብ መራሕታን ነበርታን ቁጥዐ ፈጢሩ'ዩ።

    ምፍሻል ናይቲ ንግዳዊ ዝርርብ፡ ነቲ ብዕምቆት ተዋሃሂዱ ዝፀንሐ ንግዳዊ ዝምድና ኣፍሪስዎ ይርከብ፣ ንጹር መንገዲ ፍታሕ ድማ የለን።

    "እቲ ዘቕረብዎ ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና፡ እቲ ዝሓተትዎ ድማ ኣይንህብን ኢና፡" ኢሉ ካርኒ።

  16. ካብ ኣመሪካ ምስጓግ ዝገጥሞም ኢትዮጵያውያን መፃኢኦም እንታይ ይመስል?

  17. ኣኽላባት ካብ ገጽና ሓጐስን ሓዘንን ከንብቡ ይኽእሉ ድዮም?

  18. ዳን ኮነል፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ዘፋለጠ ጸሓፊ

  19. ኣብ መቐለ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ስነስርዓት መኽፈቲ በዓል ኣሸንዳ ተሰሪዙ

    ደቀንስትዮ ኣሸንዳ እናኣብዓላ

    እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ተሳተፍቲ ዝእከባሉን በብዓመቱ ብድሙቕ ዝኽበርን ባህላዊ በዓል ኣሸንዳ፡ ሎሚ ዓመት ከምቲ ልሙድ ኣብ ስታድዩም መቐለ ከም ዘይካየድ ተገሊጹ።

    ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሎሚ ቀዳም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ስነስርዓት መኽፈቲ በዓል ኣሸንዳ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ "ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን" ከም ዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።

    ብዓል ኣሸንዳ፡ ኣዋልድ ብባህላዊ ኣልባሳትን ፍሉይ ስርሓት ርእስን ተመላኺዐን፡ ብደርፍን ሳዕስዒትን ንተኸታተልቲ መዓልታት ዘኽብራኦ ዓመታዊ ባህላዊ በዓል ኰይኑ፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝውቱር እዩ።

    ኣብ ትግራይ ዝካየድ ስነስርዓት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ስታድዩም መቐለ ብድሙቕ ክኽበር ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ ሎሚ ዓመት ግን እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ስነስርዓት ከም ዘይህሉ ሰበ-ስልጣን ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

    እቶም ሰበ-ስልጣን ነቲ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ከም ዝተሰረዘ ቅድሚ ምግላጾም፡ "ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ግፍዕን ብቑዕ ስጕምቲ ኣይተወስደን" ብምባል፡ ጸሊም ብምልባስ "ጸሊም ኣሸንዳ" ብዝብል ድምጸን ንምስማዕ ዝንቀሳቐሳ ወገናት ምንባረን ይፍለጥ።

    ነዚ ስዒቡ ድማ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን፡ ካብቲ ልሙድ ባህላዊ ስነስርዓት ወጻኢ ዝዀነ ይዅን ካልእ ምንቅስቓሳት ክግበር ከም ዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

    ኣብዘን ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ፡ ምውንጃልን ግጭታትን እናገደደ ብምምጽኡ፡ ኣብቲ ክልል ዳግማይ ኵናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዓሲሉ ይርከብ።

    ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ፡ እቲ ክልል ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህወሓት ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ክኸይድ ጸኒሑ እዩ።

    ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት’ውን መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም እዮም።

  20. ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ ዓውዲ ምክልኻልን ድሕነትን ስትራተጅያዊ ርክበን ንምሕያል ተሰማሚዐን

    ብራያን ጄ. ኤሊስ ከምኡ'ውን ሜጀር ጄነራል ተሾመ ገመቹ

    ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ ዓውዲ ምክልኻልን ድሕነትን "ጠቕላላ ስትራተጅያዊ ምትሕግጋዝ" ንምምስራት ዘኽእል ስምምዕ ከም ዝፈጸማ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

    ናብ ኣመሪካ ናይ ስራሕ ጕዕዞ ዘካየደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል እታ ሃገር ብምርኻብ፡ ንወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ርክባት ክልተአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስጋር ተሰማሚዑ ኣሎ።

    እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ "ሃገራዊ ረብሓታት ንምሕላውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነባሪ ሰላምን ምርጋእን ንምርግጋጽን" ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ምኒስትሪ ብዓርቢ 21 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስሚርሉ ይርከብ።

    እቲ ብዋና ዳይረክተር ወጻኢ ርክባትን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝን ምኒስትሪ ምክልኻል ሜጀር ጄነራል ተሾመ ገመቹ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ጻንሒት፡ ምስ ምኽትል ተሓጋጋዚ ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብራያን ጄ. ኤሊስ ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር ዘተታት ኣካይዱ።

    ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልተኦም ወገናት ትካላዊ ምትሕግጋዝ ንምስፋሕን ስትራተጅያዊ ርክብ ንምጥንኻርን ስምምዕ ምብጽሖም ተገሊጹ።

    እቲ "ጠቕላላ ስትራተጅያዊ ምትሕግጋዝ" ተባሂሉ ዘሎ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ናይ ሓባር እምነት ብምፍጣር፡ ንዘላቒ ረብሓን ሰላምን ብሓባር ንምስራሕ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

    ሜጀር ጄነራል ተሾመ ገመቹን ብራያን ጄ. ኤሊስን ነቲ ስምምዕ ናብ ተግባር ንምትርጓም ዘለዎም ቅርቡነት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

    ክልተኦም ወገናት፡ ነቲ ናይ ምክልኻል ርክባቶም ንመጻኢ ኣብ ዝጥምት ስትራተጅያዊ ሽርክነት ንምስጋር ከም ዝሰርሑ እውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እዚ ኣብ ዋሽንግተን ዝተፈጸመ ስምምዕ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተፈረመ መዋቕራዊ ናይ ምኽክር ማዕቀፍ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።

    እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ድሕነትን ብሓባር ንኽሳተፋን ንኽላዘባን ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ይፍለጥ።