ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኢትዮጵያ፡ ህይወት ነበርቲ ዝምንዝዑ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ወለጋ
'ጾታዊ ኣካላት ሰሪቕኩም' - እዚ ዘሰንብድ ክሲ ስለምንታይ ንሞት ብዙሓት ሰባት ኣቃሊዑ?
ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ 'ሓያል' ኤል ኒኖ የጠንቅቕ፡ ሃገራት ንሳዕቤናቱ ይዳለዋዶ ኣለዋ?
ምርጫ ቢቢሲ፡ ኣብ ታሪኽ ፕሪምየር ሊግ ንውድድራት ዝቐየሩ 10 ብሉጻት ምስግጋር ተጻወትቲ
ትራምፕ ምስሉ ኣብ ሳንቲም ዝተቐረጸ ፈላሚ ህሉው ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምስሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሓደ ዶላር ሳንቲም ኣመሪካ ተሓቲሙ።
ንሳነቲም ኣመሪካ ዝሰርሕ ትካል 'ሚንት' ከምዝበሎ፡ እቲ ገጽ ትራምፕ ዝሓዘ ዶላር ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ዘይኮነ፡ ከም ቅርሲ ዝተሓዝ እዩ።
እቲ ስጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ትራምፕ ኣብ ትካላትን ቅርስታትን ኣመሪካ ሓድጉ ንምውቃር ክወስዶ ዝጸንሐ ተበግሶታት ምዃኑ ይግለጽ።
ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ብህይወቱ ዘሎ ፕረዚደንት ምስሉ ኣብ ዝኾነ ባጤራ (ገንዘብ) እታ ሃገር ክሕተም ፍቚድ ኣይኮነን።
ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ነቲ ትካል፡ ክፍሊ ፋይናንስ፡ ከምኡ'ውን ዋይት ሃውስ ተወኪስዎም ኣሎ።
ብረቡዕ ናይ ፈለማ ሕታም ምስ ወጸ ቀልጢፉ ከምዝተወድአን፡ ተወሳኺ ሳነቲም ክሕተም ምዃኑን ሚንት ሓቢሩ'ሎ።
ን25 ምስሊ ትራምፕ ዘለዎ ሳነቲም 61 ዶላር፡ ን100 ሳነቲም ድማ ብ154.5 ዶላር ይሽየጥ ከምዘሎ'ዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
ልዕሊ 80 ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብኣንፈት ኣትላንቲካዊ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝተበገሱ ስደተኛታት 80 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብታ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብቲ ውቅያኖስ ጠፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ ዝነበሩ ሓደ ህጻን ዝርከቦም 83 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 44 ዕድለኛታት ግን ድሒኖም ኣለዉ።
እታ ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጋምቢያ ዝተበገሰት ጃልባ 127 ሰባት ጽዒና ምንባራ ይፍለጥ።
ስጳኛዊ መድሕን ባሕሪ (ስፓኒሽ ማሪታይም ረስክዩ) ዝተባህለ ማሕበር ከምዝበሎ፡ እታ ጃልባ ሓሙሽተ ሬሳታትን 44 ሰባትን ሒዛ ኣብ ገማግም ደሴታት ካናሪ እያ ተረኺባ።
ብሰንኪ ሕማቕ ኲነታት ነቲ ሬሳታት ካብታ ጃልባ ከግዕዝዎ ከምዘይክኣሉ'ውን እቲ ማሕበር ሓቢሩ።
ንዓመታት በዚ ሓደገኛ መስመር እዚ ክሰግሩ ዝፈተኑ ብዙሓት ስደተናታት ተመሳሳሊ ዕጫ ከምዘጋጠሞም ይፍለጥ።
ዓለም 'ተራእዩ ዘይፈልጥ ኢል ኒኖ' ኣንጻላልዩዋ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቚ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለም ኣብ "ሓደገኛ ምዕራፍ ዝኸፍአ ኲነታት ኣየር" ከምዝበጽሐትን ሳዕቤናት ኢል ኒኖ ንመላእ ዓለም ከምዝጸሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣጠንቂቚ።
ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓያል ኲነታት ኣየር ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ንፈለማ ዝኽሰት ክኸውን ይኽእል'ዩ።
እቲ ኲነታት፡ ዋዒ ፕላነት ምድሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ይመጽእ ምህላዉ'ውን ነቲ ስግኣት ኣዕብይዎ ኣሎ።
እቲ 'ኢል ኒኖ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ክስተት ዘይርጉእን ተቐያያሪን ኲነታት ዝፈጥር ኮይኑ ኣብ ገለ ዞባታት ዓለም ደርቂ፡ ኣብ ካልእ ድማ ህቦብላታትን ዕልቕልቓትን ዘስዕብ'ዩ።
ፈለማ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምስ ማዕበለ ንኣንፈታት ንፋስ ብምዝባዕ ውዑይ ማይ ናብ ምብራቕ ብምድፋእ ዋዒ ናብ ጠፈር ክዓርግ ይገብር።
ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ሓያል ስጕምቲ ክውሰድ ኣዚዙ
ኔዘርላንድስ ስለምንታይ ብቢልዮናት ዝግመት ወርቃ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ናብ ለንደን ኣግዒዛ?
ሮቦታት ቻይና፡ ብስቕታ ንዓለም ዝጸሉ ዘሎ ሰውራ ማሽናት
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኩለን ሃገራት ንልኡላውነት ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ወኪል ኣመሪካ ተማሕጺና
ኤርትራዊት ፌቨን ማርኮ ብዓልቲ ብዙሕ ሞያ
እንጀራ ምስንካት ዝስልጥኑ ዘለዉ ወጻእተኛታት
ጠንቂ ብልዚ ኣስናን እንታይ እዩ?
ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ስሙይ ዝዀነ መንእሰይ መምህር
ሚስጥር ወሰኽ ዋጋ ወርቂ እንታይ'ዩ?
ጥበበኛ ቈቢዕ ቁኖ ኣብ ኣውስትራልያ
ኣብ 52 ዓመቶም ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ዘምጽኡ ገባር ትግራይ
