ኔፓል-ቲበት፡ ቊጽሪ ግዳያት ልዕሊ 600 በጺሑ

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲበትን ዘጋጠመ ደምሳሲ ውሕጅ ዝሞተ ሰባት ዛጊት 547 ሰባት በጺሑ።
ልዕሊ 1000 ካልኦት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰበስልጣን ኔፓልን ቻይናን ሓቢሮም ኣለዉ። ካብዚኦም 558 ብወገን ቲበት ጠፊኦም ዘለዉ ኮይኖም፡ ብወገን ኔፓል'ውን 500 ዝኣኽሉ ሰባት ኲነታቶም ኣይተፈልጠን።
ብህይወት ንምርካቦም ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ኣብ ወሳኒ መድረኽ በጺሑ ከምዘሎ ሰብመዚ ቻይና ገሊጾም ኣለዉ።
ብዙሓት በጻሕቲ ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ከምዝኾኑ ዝገልጹ ሰብመዚ ኔፓል፡ ዛጊት ኣስታት 100 ወጻእተኛታት ድሒኖም ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ብዙሓት ስድራቤታት ድሃይ ሃለዋት ዘጥፍኡ ኣባላተን ንምፍላጥ ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ተርባጽን ይርከባ ኣለዋ።
ጠንቂ ናይቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም ኣብ ኣኽራናት ናይቲ ከባቢ ዝነበረ ከውሒ በረድ ምዃኑ ይግለጽ።

















