እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኢትዮጵያን ስምምዕ ጥዕና ኣመሪካን፡ ስለምንታይ እዩ ሓያል ክትዕ ፈጢሩ?
ነዊሕ ዕድመ ዶ ምሉእ ጥዕና - ደቂ ተባዕትዮ ዶ ደቀንስትዮ ነዊሕን ብጥዕናን ይጸንሑ?
መጻወድያ 'ዘመናዊ ግልያነት'፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ እስያ ግዳይ ሳይበራዊ ምትላል ይዀኑ
ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ንዝርከብ መደበር ነፈርቲ ኣመሪካ ዒላማ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኩዌት ዝርከብ መደበር ነፈርቲ- ኣመሪካ ዓሊ ኣልሳለም ከምዘጥቀዐ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ማእከል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን መኽዘን ነዳዲ ወተሃደራዊ ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን ከምዘዕነወ ዝተገልፀ ዀይኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሓያል ቃፀሎ ተራእዩ።
ይኹን እምበር ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሓለዋ ሰውራን ዘስዓቦ ጉድኣትን ብዝምልከት ካብ ኩዌት ኰነ ካብ ሰበስልጣን ኣመሪካ ወይ ድማ ካብ ሳልሳይ ኣካል ዝተብሃለ ነገር የለን።
ክፍሊ ርክብ ህዝቢ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ "ስርሒት ናስር 2" ዝብል ኮድ ስም ከምዝተዋህቦን ንሓይልታት ኣመሪካ ምላሽ ከምዝኾነን ገሊጹ።
ኢራን ንወራርኣመሪካሕነ ንምፍዳይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከተካይድ ጸኒሓ ኣላ።
ኣብ ዮርዳኖስ፣ ኩዌትን ባሕረይንን ዝርከባ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ ዝለዓለ ዕንወት ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ይንገር።
መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀልቡ ስሒቱ ወዲቝ
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኡጋንዳ ኪዛ ቤሲጄ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀልቡ ስሒቱ ምስ ወደቐ ናብ ፅኑዕ-ክትትል ዝግበረሉ ሕክምና ከምዝተኣተወ በዓልቲ ቤቱ ገሊጻ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ኤጀንሲ ኤችኣይቪ/ኤይድስ [ዩኤንኤድስ]፡ ዊኒ ቢያኒማ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤክስ፡ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ “ቀልቡ ስሒቱ እዩ ወዲቑ፤ ክዛረብ ኣይክእልን፤ ንመነቓቕሒ መድሓኒት’ውን ምላሽ ኣይህብን” ይብል።
እዚ ወዲ 70 ዓመት ፖለቲከኛ ካብ ሕዳር 2024 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
እቲ ፖለቲከኛ መጋባእያ ቀልቡ ስሒቱ እንትወድቕ፡ ጠበቓታት መንግስቲ ንዕኡ ክውክሉ ክሽየሙ እንከለዉ ይቃወም ነይሩ። ብድሕሪኡ ብሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ኣርባዕተ ግዜ ንፕረዚደንትነት ዝተወዳደረ እዚ ፖለቲከኛ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ኬንያ ተጨውዩ እዩ ናብ ኡጋንዳ ተወሲዱ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ምስ ሓጋዚኡ ኦቤይድ ሎታሌ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
ክልቲኦም ብኽሕደት ሃገር እዮም ዝኽሰሱ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ፖለቲከኛን ሓጋዚኡን "መንግስቲ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንምውዳቕ ውዲት ፈጺሞም" ክብሉ እዩ ከሲሶም። ንሳቶም ብወገኖም ነቲ ክሲ ኣይቕበሉዎን።
ክሕደት ሃገር ኣብ ኡጋንዳ ከቢድ ገበን ኮይኑ፡ ብሞት ዘቕጻዕ እዩ።
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
ስዑድያ ካብ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንምርሓቕ ኣብ እትፍትነሉ ዘጋጥማ ዘሎ ፈተነ
ንሓፍቲ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ብገበኖም ተኣሚኖም
ኣብ ሽወደን ብዛዕባ 'ዝጠፍኡ' ኣስታት 20 ኢትዮጵያውያን ስፖርተኛታት ፈደረሽን እንታይ ኢሉ?
ኤርትራ - ኢትዮጵያ፡ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ፍሉይ ቈላሕታ ከም ዝደሊ ተገሊጹ
ኢራን፡ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዒራቕ ንዝፈፀመኦ መጥቃዕቲ ኰኒና
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣብ ዒራቕ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ብትሪ ከምእትኹንን ኣፍሊጣ።
እቲ ምኒሰትሪ፡ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት፡ ንምግዳድን ንምስፋሕን ዝዓለመ እዩ ክብል’ውን ከሲሱ።
ኢራን ነተን ክልተ ሃገራት “ርኩሳን” ብምባል ዝዀነነት ኮይና፡ እቲ ስጉምቲ ንመትከላት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃኑ'ውን ሓቢራ።
ኣመሪካን ስዑድያን፡ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት፡ ዒላማ ይገብሩ ከምዘለዉ እዮም ዝገልፁ።
ሓሪሽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት ኣርብዓ ዓመታት ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ተገሊፁ
ሓሪሽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ እዋን መለለዪን ጽባቐን ግርማ ሞገስን ካብ ዝነበሩ እንስሳታት ሓደ ምንባሩ ይጥቀስ።
ንኣስታት 40 ዓመታት ዓመታት ኣብ ዕቃበን ምርምርን እንስሳ ዘገዳም ዝሰርሐ በዓል ሞያ፡ እቲ እንስሳ ኣብ ሓደ እዋን ሃብቲ ብሄራዊ ፓርክ ኦሞ ከምዝነበረ መስኪሩ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ኣብ መስራቲ ሰነድ ናይቲ ፓርክ 'ሓለዋ ዝግበረሎም" ኣጥበውቲ እንስሳ ዘገዳም ኣብ ዝብል- ተመዝጊቡ ይርከብ።
ይኹን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሪሽ ተራእዩ ከምዘይፈልጥ መፅናዕቲታት የመልክቱ።
ኣብ በዓል መዚ ልምዓትን ዕቃበን እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ተመራማሪ ዶክተር ፋኑኤል ከበደ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓሪሽ ንመወዳእታ ግዜ ቅድሚ 44 ዓመት "ኢልባ" ኣብ ዝተባህለ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ኦሞ ከምዝተራእየ ሓቢሩ።
ጋና: ብሞት እቲ ዝነውሐ ሰብኣይ ትሓዝን ዘላ ሃገር
ጃፓን፡ ብዝሒ ምውታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ 13 ኣብ ዝበጽሓሉ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ይቕጽል ኣሎ
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጃፓን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክሳብ ሕጂ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ብዘጋጠመ ምድርማስ ተጸቒጦም ዘለዉ ሰባት ንምውጻእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እቲ ብኣቈጻጽራ እቲ ሰዓት 4፡27 ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ 7.1 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቓጥ ምድሪ፡ ኣብ ከባቢታት ደሴት ክያንሹ’ያ ተኸሲቱ።
ብሰንኪ እዚ ድማ ልዕሊ 150,000 ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓያለ ጽርግያታታን ኣባይትን ክዓኑ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ኤለትሪክ እቲ ከባቢ ምሉእ ንምሉእ ተቛሪጹ ኣሎ።
ቀዳመይቲ ምኒሰተር እታ ሃገር ሳና ታኪቺ’ውን ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተማሕጺና።
ናብቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ ሃኔዳ ልዕሊ 40 ዝኸውን ውሽጣውን ዓለምለኻውን በረራታት ደው ከብል ተገዲዱ ኣሎ።
ትግራይ፡ ብሰንኪ ሓያል በረድ ውላዶም ዝሰኣኑን ሕርሻኦም ዝዓነወን ሓረስቶት እንታይ ይብሉ?
ኢትዮጵያውያን ኣንስቲ፡ ንማህረምቲ ሰብኡተን 'ምኽንያታዊ እዩ' ይብላ
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
50 ሽሕ ፓውንድ ዶ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ዘዐውት ዕጫ ምመረፅኩም?
ስነፍልጠት ሸለል ኢሉዎ ዝጸንሐ ብርቱዕ ደም-ጽግያት፡ 'ተራ ጸገም ጥራይ ኣይኰነን'