እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቀዳማይ ምኒስተር ኣንዲ በርናም ናብራ ንምቅላል ዝኸውን ሓገዝ ክእውጅ እዩ

    ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኣንዲ በርናም፡ ሎሚ ሰሉስ ምስ ካቢኑ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝእከበሉ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው ናብራ ንምቅላል ዝሕግዝ ስጕምቲ ከም ዝእውጅ ተገሊጹ።

    በርናም ነቲ ኣብ ቍጠባዊ ጸቕጢ ዝርከብ ህዝቢ "መተንፈሲ" ዝኸውን ሓገዝ ክገብር ቃል ዝኣተወ ኰይኑ፡ ነዚ ንምኽፋል ዝውዕል ባጀት እውን ሎሚ ዝርዝሩ ክገልጽ እዩ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንጆን ሂሊ (ቻንስለር)፡ ኤድ ሚሊባንድ (ጉዳያት ወጻኢ)፡ ኣንጀላ ራይነር (ሰክረታርያት)ን ዌስ ስትሪቲንግ (ምክልኻል)ን ዝርከቡዎም ቀንዲ ኣባላት ካቢኑ ሰይሙ ኣሎ።

    በርናም ኣብ ውሽጢ 40 ዓመት ዘይተርኣየ ዓቢ ፖለቲካዊ ለውጢ ከም ዘምጽእን ን10 ዓመት ዝጸንሕ "ሓድሽ ትልሚ ብሪጣንያ" ከም ዘውጽእን ገሊጹ እዩ።

    ይዅን’ምበር፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ነቲ ትልሚ ንጹር ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ይነቕፉዎ ኣለዉ።

    መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኬሚ ባደኖክ፡ በርናም ንጹር ትልሚ የብሉን ክትብል ከላ፡ መራሒ ጽገና ናይጀል ፋራጅ ድማ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ለውጢ ንምግባር ህዝባዊ ውክልና ንምርካብ መረጻ ክጽዋዕ ከም ዝግባእ ገሊጹ።

    ብደገፍ ጉዳያት ወጻኢ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ሓላፊት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየንን ምስቲ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስትሪ ተዘራሪቦም ኣለዉ።

    ትራምፕ ብዛዕባ ጸጥታ መጻብቦ ሆርሙዝን ንግድን ከም ዝተዘራረበ ክገልጽ ከሎ፡ ዘለንስኪ ድማ ንዩክረይን ዝግበር ደገፍ ቀጻሊ ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸሉ ኣፍሊጡ።

  2. ካብ ኡጋንዳ ክሳብ ኣመሪካ፡ ኣብ ኲናት ሩስያ ዝሞቱ ወጻእተኛታት

  3. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓደስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓያል ግብረ-መልሲ ክህብ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

    ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘለዋ ናይ መጥቃዕቲ ዓቕሚ ንምድኻም፡ ንዓስራይ ተኸታታሊት ለይቲ ዝቐጸለ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺሞም።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዮርዳኖስን ዒራቕን ዝተቐትሉ ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ንምፍዳይ ዝተወሰደ ኰይኑ፡ ኢራን "ከቢድ መጥቃዕቲ" ከም ዝወረዳ ገሊጹ።

    ከም ግብረ-መልሲ፡ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽኪያን ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ኣብ "ምሉእ ብምሉእ ኲናት" ከም ዘላ ኣዊጁ።

    ቴህራን ብወገና፡ ኣብቲ ስትራተጅያዊ መስመር ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ነዳዲ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመትን ኣብ ባሕሬንን ኵዌትን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላት ኣመሪካ ከም ዝወቐዐትን ገሊጻ።

    ማእከላይ እዚ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንወተሃደራዊ መአዘዚ ማእከላት፡ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መተኰሲ ቦታታትን ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ድማ መንነት እቶም ኣብ ዮርዳኖስ ዝተቐትሉ ወተሃደራት ብወግዒ ይገልጽ ኣሎ።

    በቲ ካልእ ወገን፡ ዮርዳኖስን ኵዌትን ካብ ኢራን ዝተተኰሱ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ሰማያተን ከም ዘፍሸላ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

    ኢራን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ነዳዲ መጥቃዕቲ ፈጺመ ዝበለቶ ክሲ ግና ብኣመሪካ ተነጺጉ እዩ።

  4. ውድቀት 'ኤል ማዮ' ዛምባዳ፡ ካብ ንግስነት ዕጸ-ፋርስ ናብ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ

  5. ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ 'ናይ ባሕሪ እገዳ' ኣዊጁ

  6. ኣንዲ በርናም ሓደስቲ ላዕለዎት ሚኒስተራት ክሸይም ጀሚሩ

    ሰኑይ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ስልጣን ዝተረከበ ኣንዲ በርናም ኣባላት ካቢነ ክሸይም ጀሚሩ።

    ድሮ እቲ ኣገዳሲ ስልጣን ሚኒስትሪ ፋይናንስ (ቻንስለር) ሚኒስተር ምክልኻል ንዝነበረ ጆን ሂሊ ተዋሂቡ ኣሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንስታርመር ብምቅዋም ካብ መዝነቱ ዝወረደ ሂሊ፡ ናብቲ ጥቓ 10 ጐደና ዳውኒን ዝርከብ 11 ዳውኒን ስትሪት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወሳኒ ቤትጽሕፈት ክኣቱ'ዩ።

    ኣብ ሓደ እዋን መራሒ ሰልፊ ዕዮ ዝነበረ ኢድ ሚሊባንድ'ውን ጸሓፊ (ላዕለዋይ ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ'ሎ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት ሻባና ማሕሙድ ኣብ ቦታኣ ክትቅጽል ዳግማይ ተመዚዛ።

    ሓያሎ ኣባላት ካቢነ ኪር ስታርመር ዝነበሩ ላዕለዎት ሚኒስተራት ግን፡ ዋላ'ኳ ገሊኦም ክቕጽሉ ድሌት እንተነበሮም ብሓደስቲ ተተኪኦም ኣለዉ። ሓደ ካብኦም እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ጸሓፊ ክፍሊ ፍትሒን ኮይኑ ከገልግል ዝጸሐ ዴቪድ ላሚ እዩ።

    ካልኦት ደገፍቱ ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ'ውን መዝነቶም ንምቕባል ካብን ናብን ዳውኒን ስትሪት ይኣትዉን ይወጹን ኣለዉ- መስርሕ ምቛም ካቢነ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዝመጽእ መዓልታትን ክቕጽል'ዩ።

  7. ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ መራሕቲ ዓለም እንታይ በሉ?

    መራሕቲ ዓለም ብወገኖም ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ብምዃን ሎሚ ስልጣን ዝተረከበ ኣንዲ በርናም ርእይቶታቶም ይገልጹ ኣለዉ።

    ንኪር ስታርም ዘለዎ ነቐፌታ ክገልጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ብዙሕ ዘይፈልጦ በርናም ከምዘድንቖ ኣሚቱ'ሎ።

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብፍላይ ኣብ ስኮትላንድ ሓጐስ ፈጢሩ ከምዘሎ ይጠቅስ።

    "ህዝቢ ኣበርዲን፡ ስኮትላንድ፡ ኣብ ጐደናታት ወጺኡ ይስዕስዕ ኣሎ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣንዲ በርናም፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ሰሜን ብምልኡ ዘሎ ነዳዲ ከምዝኸፍቶ ብምግላጹ" ይብል።

    ክልቲኦም መራሕቲ ድሮ ብተለፎን ተዘራሪቦም ከምዘለዉ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዳውኒን ስትሪት ሓቢሩ'ሎ።

    ኣብ ከተማ ኣበርዲን ሜዳ ጐልፍ ዘለዎ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማያት ባሕሪ ሰሜን ተተኺሉ ዘሎ መመንጨፊ ንፋሳዊ ጸዓት ኣምሪሩ ክቃወሞን ኣብ ክንድኡ ኲዕታ ነዳዲ ክፍቀድን ክምሕጸን ምጽንሑ ይፍለጥ።

    መራሒት ሕብረት ኣውሮጳ ፕረዚደንት ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ብወገና፡ ነቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዮናኣ ብምግላጽ፡ "ኣብ መንጐ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዘሎ ሽርክነት ንምሕያል" ቅሩባት ምዃኖም ገሊጻ።

    ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን'ውን፡ ምምጻእ በርናም ንዝምድና ለንደንን ፓሪስን "ሓድሽ ናህሪ" ዝፈጥር'ዩ ክብል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    ዓወት ዝተመነየሉ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮለድሚር ዘለንስኪ ድማ ምስቲ ሓድሽ መንግስቲ ንምስራሕ ድሉው ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ብሪጣንያ ሓንቲ ካብተን ገዚፍ ወተሃደራዊን ገንዘባዊን ሓገዝ ንኪቭ ክህባ ዝጸንሓ ሃገራት ምዕራብ እያ።

  8. ኣንዲ በርናም፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት

    መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊ ብሪጣንያን ብዛዕባ ኣንዲ በርናም ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ ገብረመልሲ ይህቡ ኣለዉ።

    መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባውያን ከሚ ባደኖክ፡ ነቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘለዋ ሰናይ ትምኒት ብምግላጽ፡ "ጌጋታት ቀዳማይ ሚኒስተርነት ኪር ስታርመር ከይደግም" ተማሕጺና።

    መራሒ ናይቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ተቓዋሚ ሰልፊ ሊበራላዊ ደሞክራሲ ኢድ ዴቪ ብወገኑ፡ በርናም ብዛዕባ "ማሕበራዊ ሓልዮት፡ ኣውሮጳ ወይ ምዕቃብ ክቡር ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢና" ዘይምዝራቡ ነቒፉ።

    መራሒ ሓምላይ ሰልፊ ዛክ ፖላንስኪ ድማ "ፕላነት እናቃጸልካ" ዝምለስ ተስፋ የለን ክብል ጽሒፉ'ሎ። እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝግበር ኲዕታ ነዳዲ ከምዘስፍሕ ብምዝራቡ'ዩ እቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ዕላማኡ ምዕቃብ ኣከባቢን ክሊማ ዓለምን ዝኾነ ሰልፊ ነቲ ነቐፌታ ኣቕሪቡ ዘሎ።

    እቲ ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ኣብታ ሃገር እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ መራሒ 'ሪፎርም ዩ-ከይ' ናይጃል ፋራጅ ብወገኑ፡ እቲ ብዘይሃገራዊ ምርጫ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ህዝቢ ሓላፍነት ከይሃቦ ዓበይቲ ውሳነታት ክገብር የብሉን ኢሉ'ሎ።

    እዚ ሎሚ ዝተፈጸመ ለውጢ መሪሕነት ብሃገር ደረጃ'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ብዘጋጠመ ፍልልይ'ዩ ተኸሲቱ ዘሎ።

    እቲ ሎሚ ስልጣኑ ዘረከበ ኪር ስታርመር ሰልፊ ዕዮ ኣብቲ 2024 ዝተኻየደ ሃገራዊ ፓርላመንታዊ ምርጫ ብገፊሕ ብምዕዋት ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ስልጣን ክምለስ ዝገበረ'ዩ።

    ኣብ ኣባላት እቲ ሰልፊ ዝነበሮ ተቐባልነት ንኣባላት ባይቶ ዝኾኑ ብጾቱ ስለዝጸለወ ድማ'ዩ ካብ ናይ ሰልፊ መሪሕነቱ ወሪዱ፡ ስልጣኑ ክረክብ ተገዲዱ።

    ኣብ ፓርላማ ብዝርከቡ ኣባላት እቲ ሰልፊ ብዘካየድዎ ውሳነ ድማ ኣንዲ በርናም መራሒ ሰልፊ ዕዮን ቀዳማይ ሚኒስተርን ክኸውን በቒዑ።

  9. 'ሓድሽ ሞደል ፖለቲካን ቁጠባን'፡ ቃል ናብ 'ዳውኒን ስትሪት 10' ዝኣተወ በርናም

    ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ከንቲባ ማንቸስተር ናብ ፓርላማ ዝሰገረ ኣንዲ በርናም ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ናብቲ ፍሉጥ ኣድራሻ መራሒ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኾነ '10 ጐደና ዳውኒን' ኣትዩ'ሎ።

    ቅድሚ ሓደ ሰዓት ወግዓዊ ፕሮቶኮላዊ ስርዓት ምስግጋር ስልጣን ንምፍጻም ናብ ንጉስ እታ ሃገር ብምኻድ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ብንጉስ ቻርለስ መበል 3ይ ዝቐረበሉ ሕቶ ተቐቢሉ'ዩ ናብ ቤትጽሕፈቱ ኣትዩ ዘሎ።

    ማዕጾ ናይቲ ውሩይ ቤትጽሕፈት ከፊቱ ቅድሚ ምእታዉ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ ፈላሚ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቢ ለውጢ፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሞደልን ሓድሽ ቊጠባዊ ሞደልን ከነምጽእ ኢና" ክብል ቃል ኣትዩ።

    "ኣብ 1980ታት ብሪጣንያ ዘይቅኑዕ ኣንፈት ወሲዳ ነይራ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ተማእኪሉ፡ ቊጠባዊ ሓይሊ ተባሒቱ፡ ከምኡ'ውን ዓቢ ክፋል እታ ሃገር ካብ ኢንዱስትሪ ወጻኢ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ'ውን ክበራበር ኣይክኣለን።

    "ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኢና፡ ንዝጸንሐ ፖለቲካ ክንቅይሮ ንደሊ ዘለና፣ ናይ ምትሕግጋዝ ክንገብሮ፡ ኣብ ክንዲ ነጥቢ ናይ ምቚጻር ምፍታሕ ጸገማት ክንገብሮ" ብምባል ህዝቢ ኣብ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን ንዝጸንሖ ትሑት ትጽቢት ከበራብር ፈቲኑ'ሎ።

    ኣብቲ እዋን እታ 'ኣይሮን ሌዲ' (ሓጺናዊት ወርዞ) ዝብል ቅጽል ስም ዘጥረየትን ንልዕሊ 11 ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሓታን ማርጋሬት ታቸር፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝመሓደር ዝነበረ ትካላት መጓዓዝያ (ባቡር)፡ ፋብሪካታት፡ ጸዓትን ነዳዲን፡ ከምኡ'ውን መራኸቢታት ናብ ብሕቲ ከምዝሰጋገር ምግባራ ዓቢ ለውጢ'ዩ ነይሩ።

    ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ሚዛን ንምቕያር ድማ ማእከል ጽልዋ ካብ ደቡብ (ለንደን) ናብ ሰሜን (ማንቸስተርን ኪኖኡን) ንምስግጋር ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ።

    ኣንዲ በርናም ድሕሪ ኣስታት ፍርቂ ክፍለዘመን ካብ ሰሜናዊ-ምዕራብ እታ ሃገር ዝመጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ነቲ ለውጢ ንምርግጋጽ ሓድሽ "ውጥን 10 ዓመት" ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክነድፍ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንምሕያል፡ ንመሻርኽቲ ሃገራት ዝተኣትወ መብጽዓታት ከጽንዖ ምዃኑ ድማ ቃል ኣትዩ። ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንምክልኻል እትምድቦ ባጀት ከተበርኾ ምጽንሓ ይዝከር።

    ዋላ'ኳ ዳርጋ ስጡም ደገፍ ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ረኺቡ እንተሎን ውልቃዊ ተቐባልነቱ ልዑል እንተኾነ ነዚ መብጽዓታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቀሊል ብድሆ ኣይክኸውንን'ዩ። ሓድነት ናይቲ ዝመርሖ ሰልፊ ምዕቃብ ንባዕሉ ተሪር ዓቐብ ከምዝኸውን ናይ ሓጺር ተመኲሮ ናይቲ ዝተክኦ ኪር ስታርመር ዝምስክሮ'ዩ።

    ንኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽን ሓደስቲ ናይ መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ ምህናጽን ገለ ካብ ቀንዲ ፖሊሲታቱ ምዃኖም'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሚቱ'ሎ።

  10. ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ዝሽየም ዘሎ በርናም - ክትፈልጥዎም ዝግብኣኩም ነጥብታት

  11. ስለምንታይ ሓፈሻዊ መረጻ ዘይግበር?

    እቲ ሓጺር መልሲ፡ ኣንዲ በርንሃም ቀዳማይ ምኒስተር ንምዃን ሓፈሻዊ ምርጫ ክግበር ኣየድልዮን እዩ ዝብል እዩ።

    ኣብ ብሪጣንያ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝዀነ እዋን ሓፈሻዊ ምርጫ ክጽውዕ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝቕየረሉ እዋን ሓፈሻዊ ምርጫ ክግበር ዝብል ቅዋማዊ ግዴታ የለን።

    ርግጽ እዩ ምርጫ ክግበር ዝጽውዑ ድምጽታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ህዝቢ ነቲ ዘይመረጾ ሓድሽ መራሒ ኣብ ክንዲ ዝቕበል፡ ናይ ምምራጽ ዕድል ክረክብ ይደሊ ይኸውን።

    ሕጂ ምርጫ እንተ ተጸዊዑ ድማ፡ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ባይቶ ክሳራታት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ እቲ ሰልፊ ዝደልዮ ኣይኰነን።

    ብሕጊ፡ እቲ ዝቕጽል ሓፈሻዊ መረጻ ካብ 15 ነሓሰ 2029 ክሓልፍ የብሉን።

    እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 9 ሓምለ 2024 ዝጀመረ ናይ ሕጂ ባይቶ ኣትሒዙ ሓሙሽተ ዓመት፡ ከምኡ’ውን ጎስጓስ መረጻ ንምክያድ ዝውሃብ ናይ 25 ስራሕ መዓልታት ተወሲኹ ማለት እዩ።

  12. በርንሃም ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ሓምሻይ ቀዳማይ ምኒስተር

    ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ነቲ ሓምሻይ ቀዳማይ ምኒስተራ ክትረክብ እያ።

    ነቲ ሕጂ ዘሎ ባህሪ ፖለቲካ ብሪጣንያ ካብዛ ምሉእ-ሓሳብ እዚኣ ንላዕሊ ብሓጺሩን ብልክዕን ክገልጾ ዝኽእል ካልእ ምሉእ-ሓሳብ የለን።

    ኣብ ክረምቲ 2022 ቦሪስ ጆንሰን ስልጣን ክለቅቕ ኣብ ጕዕዞ እኳ እንተነበረ፡ ገና ኣብ ስልጣኑ ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ሊዝ ትራስ፡ ሪሺ ሱናክ ከምኡ’ውን ሰር ኪር ስታርመር ተቐይሮም እዮም።

    ኣንዲ በርንሃም ጸኒሑ ነዚ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዘሎ ቅልጡፍ ምቅይያር “ኣዝዩ ይግንዘቦ” ከም ዘሎ ይዛረብ፤ እዚ ግን ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን። እቶም ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዕዮን ካብኡ ወጻእን ዘለዉ ነቐፍቱ፡ ነዚ ህሞት እዚ ንነዊሕ እዋን ክደፍኣሉ ከም ዝጸንሐ ብምምጓት ግዳማዊ ፍሽኽታ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም።

    በርንሃም ስርሑ ብቕልጡፍ ንምጅማር ቈሪጹ ኣሎ፤ ዝከኣል ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ነቲ ከም ከንቲባ ዓባይ ማንቸስተር ኰይኑ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ኣመራርሓ ክዕቅብ መዲቡ ኣሎ።

    ሰኑይ ኣብ ኣፍደገ ዳውኒን ስትሪት ቍ.10 ከም ቀዳማይ ምኒስተር መጠን ኣብ ዝገብሮ ቀዳማይ መደረኡ፡ መድረኽ መደረ ክጥቀም ከም ዘይደሊ ተሰሚዑ ነይሩ።

  13. ኣንዲበርንሃም - እንታይ ፖሊሲታት ትጽቢት ይግበሩሉ?

    ኣንዲ በርንሃም ብዛዕባ እቶም ክትግብሮም ዝደሊ ንጹራት ፖሊሲታት ብዓቢኡ ስቕታ መሪጹ እኳ እንተጸንሐ - ክሳዕ ሕጂ እንፈልጦም ገለ ነጥብታት፤

    • ዲጂታላዊ መንነት (Digital ID) - ቤት ጽሕፈት በርንሃም ከም ዝገለጾ፡ ቈላሕታ ናብቲ “ኣብ መላእ ሃገር ንህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ መዓልታዊ ቀዳምነታት” ንምቕያር ብዝብል ዕላማ፡ ነቲ መንግስቲ ንዅሎም ዓበይቲ ብሪጣንያውያን ዲጂታላዊ መንነት ንምውጻእ ሒዙዎ ዝነበረ ውጥን ክስርዞ እዩ።
    • ነዳዲ ሰሜናዊ ባሕሪ (North Sea oil) - እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ሓድሽ ጕድጓድ ነዳድን ጋዝን ንምዅዓት ውጥናት ከም ዘውጽእ እኳ እንተ ተነግረ - ቢቢሲ ከም ዝተረድኦ ግና ሓደስቲ ፍቓዳት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ነቶም ድሮ ዘለዉ ፍቓዳት ጥራይ ክድግፍ ትጽቢት ይግበር።
    • ቴምስ ዎተር (Thames Water) - በርንሃም ኣቐዲሙ ኣብ ጽላት ማይን ጸዓትን “ዝዓበየ ቍጽጽር ህዝቢ (መንግስቲ)” ክህሉ ከም ዝደሊ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ ብምሉኡ ብመንግስቲ ክመሓደር (nationalisation) ግን ኣይጸውዐን። ከምኡ’ውን እቶም ንቴምስ ዎተር ገንዘብ ዘለቅሑ ኣካላት፡ ነታ ዝዓበየት ትካል ማይ ናይታ ሃገር መንግስታዊት ንምግባር ንዝግበር ዝዀነ ፈተነ ንምብዳህ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
    • ዋጋ መነባብሮ - በርንሃም ሎሚ ንህዝቢ “ብዛዕባ ጸቕጢ ዋጋ ናብራ መተንፈሲ” ዝህብ ውጥናት ከቕርብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ - ኣብዚ መድረኽ እዚ ግን እቶም ስጕምትታት እንታይ ክዀኑ ምዃኖም ኣይንፈልጥን ኢና።
    • ምጕዳል ግብሪ ንግዲ - በርንሃም፡ ኣባል ባይቶ ሜከርፊልድ ንምዃን ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ፡ ጕጅለኡ ንብሕታውያን ኣብያተ-መስተን ቦታታት ሙዚቃን ዝኽፈል ግብሪ ንግዲ ብ20% ንምጕዳል ቃል ዝኣቱ ፖሊሲ ሰዲዱ ነይሩ - እዚ ድማ በቶም ከም ኣማዞን ዝኣመሰሉ ትካላት ዝጥቀሙሎም መኽዘናት ዝለዓለ ግብሪ ብምኽፋል ዝሽፈን እዩ።
  14. ውጥን በርንሃም - ንህዝቢ 'መተንፈሲ' ምሃብን ዘለዎ ሓደጋን

    ኣንዲ በርንሃም ኣብ ናይ ሎሚ መደረኡ - ከምኡ’ውን ንዝተረፈ ክፋል ናይዚ ሰሙን - ኣብ ዋጋ መነባብሮ ዘተኰረ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

    ካብቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸቕጢ ናህሪ ዋጋታት ንህዝቢ “መተንፈሲ” ክህብ ከም ዝደሊ ክገልጽ እዩ።

    እዚ ብመንጽር ፖሊሲ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል? ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ዝመጽእ ዘሎ መንግስቲ በርንሃም ዘለና ርድኢት፡ ነዚ'ውን ብልክዕ ኣይንፈልጦን ኢና።

    ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ብዛዕባ ክፍሊት ጸዓትን ዋጋ መጓዓዝያ - ኣውቶቡስን መግለጺታት ክወጽእ ትጽቢት ይግበር። ንትካላት ኣጋይሽ ከምኡ’ውን ኣብ ማእከል ከተማ ንዝርከቡ ትካላት ንግዲ ዝግበር ግብሪ ምጕዳል ክህሉ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ዋጋታት ናብ ምጕዳል ከምርሕ ይኽእል።

    በርንሃም ሎሚ ንጋዜጣ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ነቲ ናይ ውልቀ-ሰብ መሕደጊ ግብሪ - ማለት ሓደ ውልቀ-ሰብ ግብሪ ኣታዊ ቅድሚ ምኽፋሉ ከእትዎ ዝኽእል ጠቕላላ መጠን ገንዘብ - ወሲኹ ክርኢ ከም ዝደሊ ዝሕብር ኣገራሚ መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ምስዚ ሓድሽ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ነዚ ጕዳይ ከም ዝደፍኣሉ ምግንዛብ ይከኣል።

    እንተዀነ ብኸመይ እቶት ከም ዝረክብ ከይገለጽካ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ምእዋጅ፡ ብመንጽር ዕዳጋታት ክርአ ኸሎ ሓደጋ ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ክእኢላታት ይገልጹ።

  15. ርክብ ኤርትራን ኣመሪካን ፡ ምኒስተር ዑስማን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ እንታይ ዘትዮም?

  16. ዋንጫ ዓለም 2026፡ ስጳኛ ንኻልኣይ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዓቲራ

  17. መቕተልቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ስዒቡ፡ ኣመሪካን ኢራንን ተታዅሰን

    ኣመሪካ ብቀዳም ምሸት ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ዙር መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ።

    ኣብ ገማግም ባሕሪ መከላኸሊ ኣየር- ኢራን ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ድማ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ንወተሃደራዊ ዓቕምታት ኢራን ብዓወት ከምዝወቕዑ ክገልጽ እንከሎ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ድማ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ እትርከብ ደሴት ‘ቀሽም’ ከም ዝተጠቕዐት ገሊጸን።

    ሴንትኮም፡ ነቲ ብዓርቢ ኣብ ዮርዳኖስ ክልተ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝቐተለ- ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC)፡ እውን ዒላማ ከምዝገበረን፡ እቲ ካልእ ኣባል ኣገልግሎት ክሳብ ሕዚ ደሃዩ ከም ዘይተረኽበን ገሊጹ።

    ሰራዊት ኢራን፡ ነዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ኩዌት ንዝርከቡ ክልተ መደበራት ኣመሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘጥቅዐ ገሊጹ።

    ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ መዓልታት ንሕድሕደን ተኹሲ ዝተለዋወጣ ዀይነን፡ ክልቲኦም ወገናት ወሳኒ ሲቪላዊ-ትሕተ ቅርጺ ብምዕናው ይካሰሱ ኣለዉ።

  18. ዘገርሙ ሓቅታት ታሪኻዊ ፀወታ ዋንጫ ዓለም

  19. ኣብ ዮርዳኖስ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኢራን ክልተ ወተሃደራት ኣመሪካ ሞይቶም

    ብዓርቢ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢራን ብባሊስቲክ ሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓደ ዛጊድ ደሃዩ ከምዘይተረኽበ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ገሊጾም።

    ኣርባዕተ ወተሃደራት ኣመሪካ ድማ፡ ናብ ሆስፒታላት ዮርዳኖስ ተወሲዶም ሕክምና ምስ ተገብረሎም ከምዝተፋነዉ ማእከላይ እዝ ኣሜሪካ (CENTCOM) ኣፍሊጡ።

    ካልኦት ቀሊል መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ኣባላት’ቲ ኣገልግሎት ድማ ናብ ስርሖም ከምዝተመልሱ ተገሊጹ።

    ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ መንነት ናይቶም ዝተቐትሉ ወተሃደራት፡ ዝርዝር ናይቲ መጥቃዕቲ ይኹን እቲ ፍጻመ ኣይገለጹን። መንነቶም'ቶም ግዳያት ዘይተገልፀ ዛጊድ ኣባላት ስድረኦም ስለዘይተፈልጡ ከምዝዀነ ፀብባት ይሕብሩ።

    እንተኾነ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ዙር መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ብቀዳም ምሸት ኣፍሊጡ።

    እቲ ተኸታተሊ መጥቃዕቲ፤ “ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንግዳዊ መራኽብ ኣብ ሓደጋ ክተእቱ ንዘኽእል ዓቕማ ዝያዳ ንምድኻም” ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ “እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣባላት ኣመሪካ ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ እዩ” ኢሉ።

    ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ግን ዝርዝርሓበሬታ ኣይሃበን።

    ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ኵናት ግናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ብዝሒ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ 16 በጺሑ ኣሎ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ደሃዩ ዝጠፍአ ፓይለት ሓይሊ ባሕሪ’ታ ሃገር’ውን ከምዝሞተ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ብቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ማእከላይ እዝ ኣመሪካን

    መሻርኽቱን፡ ንመጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኢራን ምላሽ ኣብ

    ዝህብሉ ዝነበሩ እዋን፡ ክልተ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝተኻየደ

    ውግእ ተቐቲሎም። ካልእ ኣባል ኣገልግሎት ድማ ዛጊድ ደሃዩ ኣይተፈልጠን” ኢሉ።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ንሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጠቒሰን: ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ

    ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣል ኣዝራቕ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ክልተ

    ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ከም ዝተሓምሸሻ ሓቢረን።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።

  20. ከቢድ ፀገም ጥዕና ዘስዕብ ቫሪኮስ ቨይንስ እንታይ እዩ?