እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትግራይ፡ ኣብ ራያ-ኣላማጣ፡ ብዛዕባ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን እንታይ ንፈልጥ?

  2. ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኣሌክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝ፡ እንቋቝሖ ማህጸና ክዕቀብ ወሲና

    ኣባል ባይቶ ኣመሪካ (ደሞክራት) ኣሌክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝ፡ ኣብ መጻኢ ምእንቲ ክትጥቀመሉ፡ እንቋቝሖ ማህጸና ብሕክምናዊ መንገዲ ኣብ በረድ ክtዕqቦ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ።

    እታ ጓል 36 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ነዚ ውልቃዊ ጕዕዞ ሕክምናኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከተካፍል ዝመረጸትሉ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ዝግበሩ ዘተታት ኣብ ሕብረተሰብ "ንቡር" ንምግባር ምዃኑ ትገልጽ።

    ኦካስዮ-ኮርተዝ፡ ነቲ መስርሕ ከተካፍል ከላ፡ ነቲ "ዝዓነወ" ክትብል ዝጸውዓቶ ስርዓት ሕክምና ኣመሪካ ኣትሪራ ነቒፋቶ። ብተወሳኺ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ንመሰል ስነ-ተዋልዶን መሰል ምንጻል ጥንስን ዕንቅፋት ይፈጥር ከም ዘሎ ኣተንቢሃ።

    ብዛዕባ ፖለቲካዊ ባህግታታ ተሓቲታ፡ ኣብ ናይ 2028 ፕረዚደንታዊ መረጻ ንምውድዳር ዘለዋ ተኽእሎ "ካብ ግምት ወጻኢ ከም ዘይገበረቶ" ገሊጻ።

    ይዅን’ምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኵሉ ኣተኵሮኣ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ፍርቂ-እብረ ጥራይ ከም ዝዀነ ኣፍሊጣ።

    ናብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ (ሰኔት) ክትድይብ ትኽእልዶ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ "ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ፡" ክትብል መሊሳ።

    ኣብ መረጻ ፍርቂ ዘመን ኣመሪካ፡ ኵሎም 435 መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝዝን ሲሶ ካብ መናብር ሰነትን ንውድድር ዝቐርቡ ኰይኖም፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ድማ ንቐጻሊ ፖለቲካዊ መልክዕ እታ ሃገር ዝውስን ክኸውን እዩ።

  3. ኢራን፡ ሆርሙዝ ንምኽፋት ካብ ትራምፕ ትጠልቦም ዘላ ሽዱሽተ ቅድመ-ኵነታት

  4. ናታንያሁ ትራምፕ ንዘቕረቦ 15 ነጥብታት ስለምንታይ ነጺግዎ?

  5. ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'

  6. ጣኒቆ፡ 'ሰብ'ዩ መኽሰብ' - ዛንታ ናይቲ ንህዝቢ ዘፍቀረን ብህዝቢ ዝተፈቕረን ድምጻዊ

  7. ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ መተሓሳሰቢ

  8. ፔንታጎን፡ ኩባንያታት ኣፍረይቲ ኣጽዋር፡ ምህርተን ክውስኻ ይደፍእ ኣሎ

    ፔንታጎን፡ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ዕቑር ኣጽዋር ኣመሪካ ብምንካዩ፡ ንኩባንያታት ኣፍረይቲ ኣጽዋር እታ ሃገር፡ ምህርተን ንምዕባይ ይደፍእ ከምዘሎ ይግለጽ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ብቀዳም፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክፍሊ ምክልኻል “ተዋጋእትና ዘድልዮም ኣጽዋር በቲ እቲ ስግኣት ዝጠልቦ ናህሪ ንምፍራይ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ።

    እቲ ወሃቢ ቃል: እቲ ክፍሊ ምፍራይ ኣጽዋር፡ ምህርቱ የዐቢ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ እዚ ከይዲ ምዝማን ኣካል ናይቲ ቅድሚ ኲናት ኢራን ዝጀመረ ጻዕሪ ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ምክትል ጸሓፊ ምክልኻል ስቲቭ ፊንበርግ፡ ነተን ኩባንያታት “ምህርቲ ኣገደስቲ ኣፅዋራት ብቅልጡፍ ዘረጋግፅ” ውጥናት ንኸቕርባ ካብ 21 መዓልታት ዘይበዝሕ ግዜ ከም ዝሃበ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብተን ኩባንያታት ዝጸሓፎ ደብዳበ የመልክት።

    ኣብቲ ዋሽንግተን ፖስት ከም ዝተመልከቶ ዝተገልፀ ደብዳበ፡ ፊንበርግ፡ “ንሓደ ዓመት ዝወስድ ዑደት ምፍራይ ተቐባልነት የብሉን” ከም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ።

    "ሕጂ መደባትና ብዓቢኡ ከነቀላጥፎን ዓቕሚ ምፍራይና ክንውስኽን ኣለና" ይብል ፊንበርግ።

    እቲ ምክትል ጸሓፊ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈ፡ ብሰንኪ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኲናት ኢራን፡ ኣገደስቲ ስርዓታት ኣጽዋር ኣመሪካ ከምዘንቈልቈለ ዝገልፁ ፀብፃባት ምውፅኢም ስዒቡ’ዩ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ሓቅነት 'ዞም ፀብፃባት ብምንፃግ፡ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ኣፅዋራት ብፍጥነት ይፈርዩ ከምዘለዉን ኣብ መኽዝን እኹል ዕቝር መሳርሒታት ከምዘሎን ተዛሪቡ ነይሩ።

  9. ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ ገሊፆም

    እቶም ብኢራን ዝድገፉን፡ ኣብዝሓ ሰሜናውን ምዕራባውን የመን ተቘፃፂሮም ዝርከቡን ዕጡቓት ሑቲ፡ ሎሚ ዕለተ ሰንበት ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ጃዛን- ስዑዲ ኣራምኮ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።

    ሑቲ ነዚ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዘለዉ፡ ስዑዲ ዓረብ ምስ ቱርኪን ፓኪስታንን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ድሕሪ ምፍራማ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ጥራይ’ዩ።

    ሚኒስትሪ ጸዓት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ መጻረዪ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ከምዝተላዕለን፡ ኣብ ቍፅፅር ከምዝወዓለን ሓቢሩ።

    ጠንቂ እቲ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ግን ኣይነፀረን፤ እቲ ሓደጋ ዘብፀሖ ጉድኣትን ዝምልከት’ውን ዝበሎ የለን።

    እቲ መጻረዪ ነዳዲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ መዓልቲ 400 ሽሕ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ የፍሪ።

    ሑቲ ነቲ መጻረዪ ነዳዲ ንምጥቃዕ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተጠቕሙ ወሃቢ ቃል’ቲ ጉጅለ- ያህያ ሳረ፡ ኣብ ኤክስ ገጹ ኣስፊሩ ኣሎ።

    ኢራንን መሻርኽታ ጉጅለ ሑቲን፡ ካብ ምውላዕ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን መጥቃዕቲ ከካይዱ ፀኒሖም ኣለዉ፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ እውን ገደብ ኣንቢሮም ኣለዉ።

    ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣራምኮ ኣሚን ናስር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት እቲ ኩባንያ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ መሰወeርሕ ምፍራይ ከምዝተኣጓጐለን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ምፍራይ ከምዝምለስን ገሊፁ ነይሩ።

    ኩባንያ ኣራምኮ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መፃረዪ ነዳዲ ምዃኑ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    መጥቃዕቲ ኢራን፡ ሕፅረት ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳዲ ምፍጣሩ ስዒቡ፡ ብዓርቢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ቱርኪን ፓኪስታንን ወተሃደራዊ ምሕዝነት ፈሪማ ኣላ።

    ብመሰረት እቲ ሓበራዊ ስምምዕ፡ “ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ሃገራት ዝፍነው መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኩለን ከምዝተፈፀመ ክቑጸር’ዩ”።

    ወሲኹ ድማ፡ እዚ ውዕል ሓበራዊ-ምክልኻል-መካ፡ “ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምዕጋት ዓቕሚ ሓድሕዳዊ ምክልኻል ንምሕያል” ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

  10. ዖማን ዝርርብ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸት፡ ቴህራን ግን እቲ መጻብቦ ከምዘይኽፈት ኣፍሊጣ

    ዖማን ምስ ኢራን ኣብ ዙርያ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸት፡ ቴህራን ግን እቲ መጻብቦ ሽዑንሽዑ ክኽፈት ማለት ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ።

    ክልቲኤን ሃገራት ትማሊ ቀዳም ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ እኳ እንተገለጻ፡ መዓስ ኣብ ስምምዕ ከምዝብጻሕ ግን ኣይገለጻን።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዖማን፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ነቲ ዝርርብ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ብወገኑ፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኹ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ዳግማይ ምኽፋት እቲ መጻብቦ ግን "ኣብ ካልእ ቅድመ-ኵነት ዝተመርኮሰ" ምዃኑ ተዛሪቡ።

    እቶም ቅድመ-ኩነታት እንታይ ምዃኖም ሓጺር መብርሂ ጥራይ እዩ ሂቡ።

    ኣራጋቺ፡ ኣመሪካ ነቲ ናይ ሰነ ስምምዕ ብምጥሓሳ ካሕሳ ክትከፍል ኣለዋ ኢሉ።

    ኢራን፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፅማላ ንደሓር፡ እቲ ሓደ ኢድ ናይ ሓሙሽተ ነዳዲ ዓለም ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ዓጽያቶ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መንጎ ዖማንን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፡ እቲ መጻብቦ ሓድሽ መስመር ንመራኽብ ኣብ ምኽፋት ዘተኮረ እዩ።

    ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ እዚ ወሳኒ መስመር ማይ ብፅሒት ዘለወን ኮይነን፡ መራኽብ ብናጽነት ንክንቀሳቐሳ ስምምዕ ክግበር ትጽቢት ይግበር።

  11. ትግራይ፡ ኣብ ወረዳ ሓውዜን በረድን ንፋስን ዝሓወሰ ዝናብ ጕድኣት ኣብፂሑ

  12. ኣመሪካ ብዛዕባ ባዕዳውያን ፍጡራት ዝዘርገሐቶ ሓድሽ ሓበሬታ

  13. ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ፡ ካብ ብራናታት ክሳብ 'ባሕረ ሓሳብ' ዘይነጽፍ ኣሰር ዝሓደጉ ሊቅ

  14. ኤርትራዊት ስኒት ሃብተኣብ፡ ካብ ኣስመራ ክሳብ መድረኽ ወይዘሪት ዓለም

  15. ስም ዝሰኣኑን ሕጋዊ መንነት ዝተሓረሞምን ህጻናት ሱዳን

  16. ኢንፋንቲኖ፡ ካብ ሚልዮናት ደመወዝ ክሳብ ምስጢራዊ ርክባት ፖለቲካ

  17. ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ፓኪስታንን ስለምንታይ ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻል ተፈራሪመን?

  18. ኲናት ሱዳን፡ ኣባላት ሰነት ኣመሪካ ናብ ኢማራት ዝግበር ሰደድ ኣጽዋር ክእገድ ጸቕጢ የሐይሉ

  19. ደቡብ ወሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

  20. ኣርጀንቲና ነቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ዘመዝገበቶ ዓወት ዓመታዊ ክበዓል ወሲና