እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ፓኪስታንን ስለምንታይ ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻል ተፈራሪመን?

  2. ኲናት ሱዳን፡ ኣባላት ሰነት ኣመሪካ ናብ ኢማራት ዝግበር ሰደድ ኣጽዋር ክእገድ ጸቕጢ የሐይሉ

  3. ደቡብ ወሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

  4. ኣርጀንቲና ነቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ዘመዝገበቶ ዓወት ዓመታዊ ክበዓል ወሲና

  5. መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ የመን፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ተቐቲሎም

  6. ብቕትለት ዘውዱ ሃፍቱ፡ ዕድመ ልክዕ ዝተፈርዱ ሰባት ብኸመይ ብነፃ ተለቒቘም?

  7. ገዚፍ ጭዋዳ ከቢድ ዋጋ፡ ስለምንታይ እዮም 'ቦዲቢልደራት' ብንኡስ ዕድመኦም ዝሞቱ?

  8. ሩስያ ኣብ መደበር ባቡር ካርኪቭ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓዳሪ ዞባ ገሊጹ

    ሩስያ ኣብ ዞባ ካርኪቭ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ገለ ካብቶም ዝተጎድኡ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከምዘለው ገሊጹ።

    ሩስያ ኣብ ካርኪቭ ባላክሊያ ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ’ውን ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

    ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ኣባይትን ብሩስያ ዓንዮም ኣለዉ።

    ዩክረይን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ሩስያ እትገብሮ መጥቃዕቲ’ውን ኣዕብያቶ ትርከብ። ክልቲኦም ወገናት ኮነ ኢሎም ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዝገበሩ ይነጽጉ።

  9. ዩክረይን ኣብ ሩስያ ክልተ መጻረዪ ነዳዲ ከምዝሃረመት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ገሊጹ

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሃገሩ ኣብ ያሮስላቭል ዝርከብ መጻረዪ ስላቭነፍት-ያኖስን ኣብ ባሽኮርቶስታን ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ከምዝሃረሙ ገሊጹ።

    ኣቐዲሙ ድሕሪ መጥቃዕቲ ድሮናት ዩክረይን ካብ ኣንፈት መጻረዪ ነዳዲ ያሮስላቭል ጸሊም ትኪ ክወጽእ ተራእዩ።

    ኣመሓዳሪ ያሮስላቭል ሚካኤል ኤቭራየቭ፡ እተን ነቲ ዞባ ዘጥቅዓ ድሮናት ዩክረይን ከምዝዓነዋ፡ ዝወደቐ ዝተፈናጨለ ኣካላተን ግን ሰለስተ ኣባይቲ ከምዝዕነወ ኣመልኪቱ።

    ዘለንስኪ፡ ሓይልታቱ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ክልተ ወተሃደራዊ ጀላቡ ሩስያ ከም ዝሃረሙ’ውን ተዛሪቡ።

  10. ተመራመርቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝርዝራዊ ምስሊ ጸሓይ ዘርጊሖም

  11. ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?

  12. ኢትዮጵያዊ ተወልደ ገብረማርያም ላዕለዋይ ሓላፊ መንገዲ ኣየር ህንዲ ኰይኑ ተመዚዙ

  13. ሓይልታት ፑንትላንድ ምስ 'ብሶማልያ ዝድገፉ ዕጡቓት' ኣብ ከቢድ ውግእ

  14. ኢትዮጵያ፡ ክልተ መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊን ፍሉጥ ጠበቓን ብገበናት 'ግበረ-ሽበራ' ተኸሲሶም

  15. ኤንዲ በርናም ብዛዕባ ጉዳይ ኤፕስተይን ህዝባዊ መርመራ ንምክያድ ይርኢ ኣሎ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኤንዲ በርናም፡ ብዛዕባ እቲ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተፈርደ ጀፍሪ ኤፕስተይን ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሮ ንጥፈታት ዝምልከት ህዝባዊ መርመራ ንምክያድ "እናተመልከተ" ምዃኑ ምኒስተር ግዳያት ኣሌክስ ዴቪስ-ጆንስ ገሊጻ።

    ንሳ ከም ዝበለቶ፡ በርናም ምስ ግዳያት ኤፕስተይን ንምርኻብ ተሰማሚዑ ኣሎ፤ እቲ መርመራ ድማ ነቲ ብተመሳሳሊ ዝኽሰስ ዘሎ መሓመድ ኣል ፋየድ’ውን ክሓቍፍ ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢራ።

    እቲ መርመራ፡ ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ብዘይ ተሓታትነት ክንቀሳቐሱ ከም ዝኸኣሉ ንምጽራይ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኤፕስተይን ብሕታዊት ነፋሪቱ ተጠቂሙ ብኸመይ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ብሪጣንያ ይኣቱን ይወጽእን ከም ዝነበረ ትኵረት ክወሃቦ እዩ።

    ዴቪስ-ጆንስ ከም ዝበለቶ፡ በርናም ኵሉ ዘድሊ ሓበሬታ ረኺቡ ስለ ዘሎ፡ ኣብቲ ስርዓት መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ስጕምቲ ክወስድ እዩ።

    ሓንቲ ካብተን ግዳያት ብወገና፡ ካብ ኣርእስተ-ዜናታት ንላዕሊ ግብራዊ ስራሕ ከም እትጽበ ገሊጻ።

  16. ናይ ስፔስ-ኤክስ ሮኬት ኣብ ገጽ ወርሒ ሎሚ ክትሕምሸሽ እያ

    ሓደ 4,000 ኪሎ-ግራም ዝምዘን ክፋል ናይ ስፔስ-ኤክስ ሮኬት፡ ሎሚ ኣብ ገጽ ወርሒ ክሕምሸሽ ትጽቢት ይግበር።

    እዚ ‘ፋልኮን 9’ ዝተሰምየ ሮኬት፡ ኣብ ሰዓት 07:35 ብግዜ ዓዲ እንግሊዝ (BST)፡ ብናህሪ 8,700 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት ምስ ወርሒ ክጋጮ እዩ።

    እዚ ብግምት ዕብየቱ ክንዲ ሓሙሽተ ደርቢ ህንጻ ዝኸውን ክፋል ሮኬት፡ ኣብ ጥሪ 2025 ንኽልተ ኣብ ገጽ ወርሒ ዝዓልባ መንኰርኰራትን ስነ-ፍልጠታዊ መሳርሒታትን ንምጽዓን ካብ ፍሎሪዳ ዝተወንጨፈ እዩ።

    ድሕሪ እቲ ልኡኽ፡ እቲ ላዕለዋይ ክፋል ሮኬት ኣብ ጠፈር እናኣንሳፈፈ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰንኪ ስሕበት መሬትን ጸሓይን መስመሩ ቀዪሩ ናብ ወርሒ ገጹ የምርሕ ኣሎ።

    ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ)፡ እዚ ግጭት ንመሬት ዝዀነ ስግኣት ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ።

    ወሃቢ-ቓል እቲ ትካል ጂሚ ራሰል፡ እቲ ኵነታት ንስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ክጥቀምሉ ምዃኖም ሓቢሩ።

    እቲ ግጭት ኣብቲ "ኤይንስታይን ክሬተር" ዝበሃል ከባቢ ወርሒ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ብዓይኒ ጥራይ ክርአ ኣይክእልን። ይዅን’ምበር፡ ሓያል መነጽር ጠፈር (ተለስኮፕ) ብምጥቃም፡ ካብ ገጽ ወርሒ ዝወጽእ ብልጭታ ሓዊ ክርአ ይከኣል እዩ።

    ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠጥ ነዚ ፍጻመ ከም ሓደ ኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ፈተነ ገይሮም ይርእዩዎ ኣለዉ።

    ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝለዓል ሓመድን ዝፍጠር ጕድጓድን ብምጽናዕ፡ ብዛዕባ ኣቃውማ ወርሒን ምስሊ ስርዓተ-ፕላነታትን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ስነ-ከዋክብቲ ዘጽንዕ ዶክተር ማት ቦዝወል፡ እዚ ፍጻመ ንመሬት ስግኣት ከም ዘይብሉ ገሊጹ፤ "ሓደ ዓቢ ነገር ምስ ወርሒ ክጋጮ ከሎ እንዕዘበሉ ምርኢት እዩ፡" ክብል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

    መንኰርኰር ጠፈር ናሳን ደቡብ ኮርያን ነቲ ግጭት ስዒቡ ዝፍጠር ፍጻመታት ክከታተላኦ እየን።

  17. ኣብ ጥቓ ሜዳ ጎልፍ ትራምፕ፡ ሓደ ዕጡቕ ሰብ ተታሒዙ

    ኣብ ካሊፎርኒያ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ናይ ባዕሉ ሜዳ ጎልፍ ንዝካየድ ገንዘብ ናይ ምእካብ መደብ ቅድሚ ምብጻሑ፡ ሓደ ዝዓጠቐ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።

    እቲ ዣኒን ጆን ታአለ ዝተሰምየ ወዲ 38 ዓመት ሰብኣይ፡ ሽጉጥን ኣብቲ ክፍለ-ግዝኣት ዝተኸልከለ ዓይነት ጠያይትን ሒዙ ተረኺቡ።

    ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ሜዳ እናተዘዋወረ ኣሳእል ክወስድ፡ ቪድዮታት ክቐድሕን ምድላዋት ጸጥታ ክከታተልን ድሕሪ ምርኣዩ እዩ ተታሒዙ።

    ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ገዛ እቲ ጥርጡር ብዝገበሩዎ ተፍትሽ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተቐየረ ጠመንጃ፡ ናይ መከላኸሊ ድርዒ ከምኡ’ውን "ዘሻቕሉ ሓሳባት" ዝሰፈሮም ደብተራት ረኺቦም ኣለዉ።

    ፖሊስ ዛጊት ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዝተረጋገጸ ስግኣት ከም ዘየሎ እኳ እንተ ገለጸ፡ ምስ ኣገልግሎት ስለያ ኣመሪካ ብምትሕብባር ግን ጽዑቕ መርመራ የካይድ ኣሎ።

    እዚ ፍጻመ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ሰለስተ ፈተነታት ቅትለት ድሕሪ ምድሓኑን ኣብ ኣመሪካ ንዳግማይ መረጻ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ እናሓየለ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋንን እዩ ኣጋጢሙ።

  18. ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ሓንቲ ናይ ህንዲ መርከብ ብተተኳሲ ተሃሪማ ጥሒላ

    ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፡ ሓንቲ ባንዴራ ህንዲ ዘምበልበለት ንግዳዊት መርከብ፡ ብተተኳሲ ድሕሪ ምውቃዓ ከም ዝጠሓለት ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም።

    እታ ‘ኤም.ኤስ.ቪ ፋይዝ ኑረ ኦልያ’ ዝተሰምየት መርከብ ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 14 ሰባት (13 ህንዳውያን) ብሰላም ከም ዝደሓኑ፡ ምኒስተር መጓዓዝያ ባሕሪ ህንዲ ሳርባናንዳ ሶኖዋል ገሊጹ።

    እቲ ምኒስተር ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ ድሕነት ሰራሕተኛታት ባሕሪ ንምውሓስ ኣድላዪ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ኣፍሊጡ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ኰይኑ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሓለወ ናጽነት ምንቅስቃስ ባሕርን ንግዳዊ ንጥፈታትን ብህጹጽ ክምለስ ጸዊዑ።

    እቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝድግፎን ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎን መንግስቲ የመን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈንጂ ዝተጻዕነት ንእሽቶ ጃልባ ተጠቒሞም ዝፈጸሙዎ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲታት ምዃኖም ከሲሱ። ዕጡቓት ሑቲ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝሃቡዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።

    እዚ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኢራን ነቲ ሓደ ካብቶም ዝበዝሐ ምንቅስቓስ ነዳዲ ዝካየደሎም ስትራተጅያዊ መስመር ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ንግዳውያን መራኽብ ንቐይሕ ባሕሪ ከም ኣማራጺ ክጥቀማሉ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባን ዋጋ ነዳዲን ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

    ኣመሪካን ኢራንን ነቲ መጻብቦ ንምኽፋትን ወተሃደራዊ ግጭት ንምግታእን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ስምምዕ እኳ እንተ ገበራ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ብሰንኪ ዝቐጸለ መጥቃዕቲታት እቲ ውዕል ምፍራሱ ኣዊጁ ነይሩ።

    ይዅን’ምበር፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ነቲ መጻብቦ ንምኽፋት ዝዓለመ ዘተ ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት የርኢ ከም ዘሎ ይገልጹ ኣለዉ።

    ኢራን ብወገና ምስ ኣመሪካ ትገብሮ ዘተ ከም ዘየሎ ብምግላጽ፡ ምስ ዖማን ትዘራረብ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

  19. 'ሰባዊ ሃድን'፡ ሩስያዊት ድሮን ንሓደ ሸቃጣይ ኣሕምልቲ እናሃደነቶ ዘርኢ ቪድዮ የዛርብ

  20. ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ብምግላጽ ንኢትዮጵያ ኣረጋጊጻ