ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን፡ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ፀዊዑ
እቲ ዕዙዝ ስም ዘለዎ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን- ነበር ፡ ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡ ኣብ እዋን ኲናት ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ምፅውዑ ስንባደ ፈጢሩ።
እዚ ፃውዒት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍፅም፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን፡ ንፕረዚደንትነት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑ ተሰሚዑ ኣሎ።
ወዲ 35 ዓመት ፌዶሮቭ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ "ዲሞክራሲ ብሩስያ ጅሆ ክተሓዝ የብሉን" ዝበለ ኮይኑ፡ ዩክረይን ‘ናጻ ሃገር ኤውሮጳ ኮይና ክትቅጽል’ ትቃለስ ከምዘላ ገሊጹ።
እቲ ኲናት ኣብ 2022 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኣዋጅ እትርከብ ኰይና፡ መስርሕ መረፃ ተቛሪፁ ፀኒሑ ኣሎ።
ፌዶሮቭ፡ ኣብቲ ቪድዮ ንዘለንስኪ ብስሙ’ኳ እንተዘይጠቐሰ፡ ካብ ዝሽወም ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሓላፍነቱ ብዘይተጸበዮ መንገዲ ተኣልዩ ዘሎ።
እቲ ውሳነ ድማ፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ተቓውሞታት ኣስዒቡ ይርከብ።
ዘለንስኪ ነቲ ካብ ፌዶሮቭ ዝተውሃበ ርእይቶ ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።
ይኹን እምበር፡ ሓደ ምንጪ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ማእከል ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኰይናካ፡ መረፃ ክተካየድ ምሕሳብ ዘይመስል ነገር እዩ" ኢሉ።