እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ናይ ቀረባ መሓዛ ትራምፕ ዝነበረ ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብ'ሓጺርን ሃንደበታውን ሕማም' ዓሪፉ
ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሪፓብሊካን ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብዘጋጠሞ "ሓጺርን ሃንደበታውን ሕማም" ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ መበል 71 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ገሊጹ።
ኣብ 2002 ናብ ሰኔት ዝተመርጸ እዚ ፖለቲከኛ ደቡብ ካሮላይና፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፖሊሲ ወጻኢጽልዋ ዘለዎም ድምጽታት ዋሽንግተን እዩ ነይሩ።
ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተራኺቡ ነይሩ።
ቅድሚ መገሻኡ ግን ዝዀነ ዝፍለጥ ናይ ጥዕና ስክፍታታት ኣይነበረን።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ግራሃም "ሓቀኛ ኣመሪካዊ ሓርበኛ" ምዃኑ ገሊጹ።
ግራሃም ኣቦ መንበር ኮሚተ ባጀት ሰኔት ኮይኑ እውን ከምዘገልገለ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዜና ሞት እቲ ሰነተር ኣዝዩ ከምዝሓነ ገሊጹ ኣሎ።
ፈይስቡክን ኢንስታግራምን 'ወልፊ ብምትሓዞም' ከም ዝቕጽዑ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓዱሽ መጥቃዕትታት ከፊታ
ዝተሓላለኸ ጥንሲ ፍላይ-ማንታ ብዘይ መጥባሕቲ ዘድሓነ ፈላሚ ሕክምና
ሸውዓተ ግዜ ዝተሰጐጉን 'ኣቦ-ፍንጣጣ' ተባሂሎም ዝተጸውዑን ኣቡነ ማስያስ መን እዮም?
መስኮት ነፋሪት ብምውዳቑ ገለ ክፋል ኣካሉ ናብ ደገ ዝወጽአ ተሳፋሪ
ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን፡ ትራምፕ 'ተወዲኡ' ቅድሚ ምባሉ ዝፈረሰሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
'ዘይዝክሮ ቈልዓ'የ ወሊደ'፡ ሕርሲ ክሳብ ክንድኡ ድዩ ኣእምሮ ኣደታት ዝፍትን?
ሰባት ብሕልሚ ኣቢሎም ክረዳድኡ ይኽእሉዶ?
ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምውሳናን ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደተኛታትን
ኣብ ስጳኛ ዘጋጠመ ባርዕ ብዙሓት ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ስጳኛ ብዝተወልዐ ባርዕ መሮር ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ካልኦት 23 ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
ገለ ካብቶም ግዳያት ብሪጣንያውያን ከምዝኾኑ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣሚቶም ኣለዉ። ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሓንቲ ካብተን በቲ ባርዕ ዝተሃስያ ዓድታት፡ 1,009 ሰባት ዝነብሩላ ኮይና፡ 447 ካብኦም ብሪጣንያውያን ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ስጳኛ የመልክት።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ክቱር ዋዒ ኣብ ገለ ሃገራት ባርዕ ምስዓቦም ይፍለጥ። በቲ ረስኒ ዝደረቑ በረኻታት ነቲ ብዝኾነ ምኽንያት ዝፍጠር ባርዕ ኣብ ምግዳድ ዓቢ ግደ ኣለዎም።
ኣብ ስጳኛ ጥራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዕሊ 1000 ሰባት ምስቲ ረስኒ ብዝተሓሓዝ ከምዝሞቱ ይንገር።
ጠንቂ ናይዚ ባርዕ ዝወደቐ መስመር ኤለክትሪሲቲ ምዃ ሓደ ኣመሓዳሪ ዞባ'ኳ እንተኸሰሰ፡ እቲ ዝምልከቶ ትካል ኣገልግት ኤለክትሪሲቲ ግን ሓቂ ኣይኮነን ብምባል ይምጉት ኣሎ።
ብቕትለት ኣሜን ተኽላይ ዝተኸሰሱ ኮተቴታት ደምዳሚ ፍርዲ ተዋሂብዎም
ኤርትራ፡ ንምስሳን መሬትን ኣከባብን ዝውዕል ናይ 8.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ
ሱዳን፡ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ኣብ መርመራ ገበናት ኲናት ዝረኸቦ ጭቡጥ መርትዖ እንታይ እዩ?
ምጥቕቓዕ ኢራንን ኣመሪካን ቀጺሉ ውዒሉ
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ሓደ ካብቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣውራጃ ቡሸህር ንዝርከብ ኑክሌራዊ መደበር ጸዓት ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ከሲሱ። ዋሽንግተን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።
ሓይልታት ኣመሪካ 90 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ከምዘጥቅዑ ክገልጹ እንከለዉ፡ ቴህራን ብወገና ናይ ሕነ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።
ሓይልታት ኢራን፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኩዌት፡ ባሕሬንን ቐጠርን ንዘሎ ዒላማታት ኣመሪካ ከምዝሃረሙ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ብሓሙስ ድማ ሚሳይላት ኢራን ናብ ኵዌት፡ ዮርዳኖስን ዒራቕን ከምዝተወንጨፉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ወደባት ሲሪክን ታስክን፡ ከምኡ'ውን ከተማታት ኮናራክን ቻባሃርን ዝርከብኦም ሓያሎ ቦታታት ግዳይ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ
ሃላንድን ኬንን ክገጥሙ እዮም - መን ይስዕር?
ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ክልተ ለይቲ 170 ዒላማታት ከም ዝሃረመ ገሊጹ
ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ክልተ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ብድሮን ዝተቐረጸ ቪድዮ ዘርጊሑ።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ 48 ሰዓታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ ካልኣይ ዙር መጥቃዕቲ እዩ።
ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ክልቲኡ ማዕበል መጥቃዕቲ፡ 170 ዒላማታት ከም ዝሃረመ ገሊጹ ኣሎ።
ሰሉስ፡ ሰራዊት ኢራን ኣብቲ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ሸሞንተ ወተሃደራቱ ከም ዝተቐተሉ ገሊጹ ነይሩ።
ኣመሪካን ኢራንን ካልኣይ ዙር መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን - ክሳዕ ሕጂ እንታይ ንፈልጥ?
ኣመሪካን ኢራንን ብለይቲ ካልእ ዙር መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን - ናብዚ ናይ ቀጥታ ፈነወ እተጸንበርኩም ተኸታተልትና፡ ዛጊት ንዘሎ ምዕባለታት ብኸምዚ ከነቕርበልኩም፤
- ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፣ ዶናልድ ትራምፕ እዚ “ከም ሕነ-ምፍዳይ ናይቲ ትማሊ ኢራን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ቦምባ” ምዃኑ ገሊጹ።
- ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣብዚ ሓድሽ ዙር መጥቃዕቲ ኣስታት 90 ኢራናውያን ዒላማታት ከም ዝሃረመን፣ እዚ ድማ “ኢራን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲን ንጹሃት ሲቪል ባሕረኛታትን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክተጥቅዕ ዘለዋ ዓቕሚ ብዝያዳ ንምድኻም” ዝተሃንደሰ ምዃኑ ገሊጹ።
- እቲ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምክያዱ ብሰዓታት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 'ኤር ፎርስ ዋን' ኰይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰበ-ስልጣን ኢራን “ቅድሚ ሓጺር እዋን” ከም ዝደወሉን ብሃንቀውታ ስምምዕ ንምግባር ከም ዝደለዩን ገሊጹ፤ እንተዀነ ንስምምዕ “ብቑዓት” እንተዀይኖም ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ኣፍሊጡ።
- ሓያሎ ሃገራት ወሽመጥ ካብኡ ንነጀው መጥቃዕትታት ከም ዘጋጠመን ሓቢረን፣ እዚ ድማ ኣብ ርእሰ-ከተማ ባሕሬን ማናማ ዝተሰምዐ ነትጒታት፣ ኵዌት ዘበርዓነቶ ሚሳይላትን ድሮናትን፣ ከምኡ’ውን ቐጠር ዝዘርግሓቶ ናይ ጸጥታ መጠንቀቕታ የጠቓልል።
- ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራንን ቀንዲ ተዛታዪን መሓመድ ባቕር ቃሊባፍ፡ ኣብ ኤክስ (X) ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ኣመሪካ “ጃንዳነትን መብጽዓ ምፍራስን ብዘይ ዋጋ ከም ዘይሓልፍ ገና ኣይተማህረትን” ኢሉ።
- እዚ ሓድሽ ዙር መጥቃዕትታት ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣመሪካ ሰሉስ ዕለት ኣብ ጸቢብ ባሕሪ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ ናይ ንግዲ መራኽብ ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከም ግብረ-መልሲ “ልዕሊ 80 ዒላማታት” ኣብ ልዕሊ ኢራን ከም ዝሃረመት ድሕሪ ምግላጻ እዩ።
- ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኔቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ትራምፕ ብዛዕባ ኵነታት ተዅሲ ደው ምባል ተሓቲቱ፡ “ንዓይ፡ ዘብቅዐ ይመስለኒ፡” ኢሉ። ንኢራናውያን እውን “ጐሓፍ” ከምኡ'ውን “ሕሙማት ሰባት” ብምባልገሊጹዎም።
- ምኒስተርጉዳያትወጻኢ ኢራን ግብረ-መልሲ ክህብ ከሎ፡ “ንጽያፍ ብጽያፍ ኣይንመልሶን ኢና፣ የግዳስ ብተግባር፡ ብዘይ ፍርሕን ብዓቢ ትብዓትን ኢና እንመልስ” ኢሉ።
'ስምምዕ ንምግባር ብቑዓት እንተዀይኖም ኣይፈልጥን እየ' - ትራምፕ
ኣብ ውሽጢ ነፋሪት 'ኤር ፎርስ ዋን' ኰይኑ መደረኡ ዝሃበ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ኢራን ክዛረብ ከሎ፡ “ብኸቢድ ሃሪምናዮም ኣለና”፡ ከምኡ’ውን ኣመሪካ “ብወተሃደራዊ መዳይ ድሮ ተዓዊታ እያ፤ ኣዝዩ ሒደት ነገር ጥራይ እዩ ተሪፉዎም” ኢሉ።
ኢራን ስምምዕ ንምግባር ከም ዝሓተተት ብምግላጽ፡ “ስምምዕ ንምግባር ብቑዓት እንተዀይኖም ኣይፈልጥን እየ፡ ነቲ ስምምዕ ከኽብሩዎ እንተዀይኖም ድማ ኣይፈልጥን እየ” ይብል።
ትራምፕ፡ ኢራን ስምምዕ ንምግባር ከም ዝሓተተቶ እዩ ዝገልጽ።
ንሱ፡ ኣብ ዋዕላ ኔቶ ንምስታፍ ናብ ኣንካራ፡ ቱርኪ ድሕሪ ምጋሹ፡ ናብ ሜሪላንድ ካብ ዝተመልሰት ነፋሪት 'ኤር ፎርስ ዋን' ኰይኑ እዩ መግለጺ ሂቡ።
ኢራናውያን “ቅድሚ ሓጺር እዋን ደዊሎም” ከም ዝነበሩ፡ ከምኡ’ውን “ብህጹጽ ስምምዕ ክገብሩ ደልዮም ኣለዉ” ይብል።
ትማሊ፡ እቲ ተዅሲ ደው ምባል “ከም ዘብቅዐ” ከምኡ’ውን ዝርርብ “ግዜኻ ምጥፋእ” ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ኢራናውያን ነዚ ናይ ትራምፕ ሓድሽ ርእይቶ ብወግዒ ኣየረጋገጹዎን ዘለዉ።