ብመጥቃዕትታት ኣመሪካ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም - ማዕከናት ዜና ኢራን
ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢራን፡ ኣብ ናይ ለይቲ መጥቃዕትታት ኣመሪካ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ጸብጺበን።
ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ እትርከብ ዞባ ዅዜስታን ምኽትል ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ወሰናስን ከተማ ኣህቫዝ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ሰባት እውን ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ።
እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢራን፡ ኣብ ናይ ለይቲ መጥቃዕትታት ኣመሪካ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ጸብጺበን።
ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ እትርከብ ዞባ ዅዜስታን ምኽትል ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ወሰናስን ከተማ ኣህቫዝ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ሰባት እውን ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ነገራት፡ ሓደ ዘሕዝን ግምታዊ ኵነት ኣሎ።
ሓለዋ ሰውራ እስላማዊት ኢራን፡ ንዓታቶም ጥራይ ብዝፍለጥ ምኽንያት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ታንከራት መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ኣመሪካ ብግደኣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ኣስታት 80 ዒላማታት ብምህራም ግብረመልሲ ሂባ። ኢራን ድማ ኣብ ባሕሬንን ኵዌትን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ኣመሪካ ድሮናትን ሚሳይላትን ብምትኳስ ምላሽ ሂባ።
ረቡዕ ምሸት እውን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙ፤ ደድሕሪኡ ካብ ክልቲኡ ወገን ናይ ኲናት ምጕብዕባዕ ስዒቡ።
እዚ ድማ፡ ክሳዕ ገለ ደረጃ፡ መን ቅድም የንሰሓብ ዝብል ጕዳይ እዩ።
ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሓባራዊ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካን እስራኤልን ካብ ዝተፈጸመ ልዕሊ 24,000 መጥቃዕትታት ኣየር ድሕሪ ምትራፉ፡ ዘይስዓር ምዃኑ ዘርኣየ ይመስል ኣሎ።
ንሳቶም፡ ኣብቲ መጻብቦ ብዛዕባ ዝሓልፋ መራኽብ ሓድሽ ኣገባብ ክገብሩ ይደልዩ ኣለዉ.
እዚ ድማ መራኽብ ብመቈጻጸሪ ነቝጣ ክሓልፋን ብኣዘዝቲ ሓለዋ ሰውራ ክፍተሻን ዘገድድ እዩ።
ኢራን፡ ነገራት ፈጺሙ ናብቲ ቅድሚ 28 ለካቲት ኲናት ምጅማሩ ዝነበረ ኵነታት ከም ዘይምለስ ኣዊጃ ኣላ።
እንተዀነ ግን ኣመሪካ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ ኵሎም እዚ ጉዳይ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ይገልጹ።
እዚ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነድ መግለጺ ስምምዕ ኣይተፈትሐን፤ ሕጂ ድማ ነቲ ኲናት ድሕሪ ምብራኹ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ስምምዕ ንምብጻሕ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።
ሰራዊት ኢራን ድሮናት ተጠቒሙ ኣብ ኵዌት፡ ቐጠርን ባሕሬንን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ።
ኣብ ኵዌት ዝርከብ ስርዓት ሚሳይል ፓትሪዮት ኣመሪካ፡ ኣብ ቐጠር ዝርከብ ናይ ሳተላይት ኣንቴና ኣቐዲሙ ዘጠንቅቕ ስርዓት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ባሕሬን ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ኣመሪካ፡ "ብብዝሒ" ብዝተወንጨፋ "ዝተፈላለየ ዓይነት" መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ድሮናት ዒላማ ተገይሩ እዩ።
እቲ መጥቃዕትታት "ቅድሚ ሓጺር እዋን" ከም ዝተፈጸመን፡ መቐጸልታ ናይቲ ሰራዊት ኢራን "ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ ዝገብሮ መጥቃዕትታት" ምዃኑ ይገልጽ።
እዚ መግለጺ እዚ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ፈነወ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓዊሱ፡ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኢራን ተዘርጊሑ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ፊል ቤልቸር - ዳይረክተር ባሕሪ ኣብ ኢንተርታንኮ፡ ዓለምለኻዊ ውድብ ናጻ ዋናታት ታንከራት፡ እቲ ኲናት (ተጻብኦታት) ካብ ዝቕጽል ንነጀው፡ ብሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ "ኣዝዩ ጐሊሑ ዝረአ" ምጕዳል ኣርእዩ ኣሎ።
ንሱ ንመደብ 'ቱደይ' ናይ ቢቢሲ ራድዮ 4 ከም ዝገለጾ፡ "ኣብቲ ብኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማን ዝሕሎ ደቡባዊ መስመር፡ ብለይቲ ዝሓልፋ መራኽብ ብዝሒ ኣብ ከባቢ ንጽል ኣሃዝ (ትሕቲ ዓሰርተ) እዩ ዝርከብ፡" ኣብቲ ኢራን እትቈጻጸሮ ሰሜናዊ መስመር ድማ ኣስታት 20 መራኽብ ይሓልፋ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።
እቲ መዓልታዊ ኣስታት 30 መራኽብ ዝዀነ ኣሃዝ፡ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝነበረ ኣስታት 70 መራኽብ ዝወረደን ካብቲ ቅድሚ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኲናት ኢራን ምጅማሩ ዝነበረ ንቡር መጠን ምንቅስቓስ 130 መራኽብ ኣዝዩ ዝተሓተን ምዃኑ ገሊጹ።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓዘንተኛታት ትማሊ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ቀብሪ ኣያቶላህ ኻሜነይ ተረኺቦም፣ ሬሳኡ ድማ ጸኒሑ ኣብ ማሻድ፡ ኢራን ክቕበር ትጽቢት ይግበር።
ሎሚ ነቲ ንሽዱሽተ መዓልታትን ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኢራንን ከምኡ'ውን ኣብ ጐረቤት ሃገር ዒራቕን ዝተዘርግሐ ብኣገባብ ዝተወደበ ምርኢት ህዝባዊ ሓዘን፡ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሓደስቲ መራሕቲ ኢራን ሓድነትን ሓይልን ንምርኣይ፡ ከምኡ'ውን እቲ ኣብ ናይ መጀመርታ ሰዓታት ናይዚ ኲናት ዝተቐትለ ላዕለዋይ መራሒኦም፡ ንኢራን ጥራይ ዘይኰነስ ንሰፊሕ ማሕበረሰብ ኣስላም ሺዓ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ ዝገበሩዎ ጻዕሪ እዩ።
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዕረፊ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብብዝሒ ስምዒታውያን ዝዀኑ ህዝቢ ክዝሕል ጸኒሑ እዩ - ሎሚ ኣብታ ኣዝያ ቅድስቲ ከተማ ኢራን ዝዀነት ማሻድ፡ እታ መበቈል ቦታ ኣያቶላህ ኻሜነይ እውን ሓዊሱ።
ኢራን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኣመሪካ ዝተፈረመ 'ሰነድ መግለጺ ስምምዕ' (memorandum of understanding) ዝበሃል ግዝያዊ ውዕል፡ ነዚ ስነ-ስርዓታት ብኲናት ከይዝረግ ከውሕስ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዋ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እንነዀነ እቲ ተነቃፊ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባልን፣ ብኽልቲኡ ወገን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተረድኦ ብሩህ ዘይኰነ ቃላት ዝሓዘ ስምምዕን፡ ወትሩ ነዚ ሓደጋ እዚ ሒዙ እዩ ጸኒሑ።
ኢራንን እቲ ሰፊሕ ዞባን፡ ኣብ ኵነታት "ኣይ ኲናት፡ ኣይ ሰላም" ክነብሩ ዝተዳለዉ ይመስሉ - ሓሓሊፉ ዝግበር ምልውዋጥ ተዅስን፡ ንቍጽጽር መጻብቦ ባሕሪ ሆርሙዝን መደብ ኑክሌር ኢራንን ሓዊሱ፡ ኣብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ጕዳያት ዝርርብ ንምቕጻል ዝግበር ቀጻሊ ጻዕርታትን ክህሉ እዩ።
ከምቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝበሎ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ተዅሲ ደው ምባል፡ ካብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝተፈልየ እዩ።
ዋና ከተማ ሰሜን ኮርዶፋን ዝዀነት ኤል-ዖበይድ፡ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ድሮን ኣብ ከቢድ ስግኣት ትርከብ።
ሳራ ዝተባህለት ጓል 27 ዓመት ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ብዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሮን ቈሲላ።
"ኣብ ቅድሜና ዝቘሰሉ ሰባትን ደምን፡ ኣብ ጐደናታት ድማ ዝነደዳ መካይን ጥራይ እየን ዝርኣያ ነይረን፡" ክትብል ነቲ ዘሰንብድ ፍጻመ ገሊጻቶ።
እዛ ከተማ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ከበባ እያ ጸኒሓ።
ሰራዊት ሱዳን ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ውጽኢታዊ ስጕምቲ ክወስድ ኣይከኣለን።
ብመሰረት ትካል ምክትታል ጐንጺታት (Acled)፡ ኣብ ሰነ ጥራይ 27 መጥቃዕትታት ድሮን ተመዝጊቦም፤ እዚ ድማ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ዝለዓለ ዝተመዝገበ ቍጽሪ እዩ።
ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ብሰንኪ እዞም መጥቃዕትታት ብውሑዱ 45 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 41 ከም ዝቘሰሉ ብምግላጽ፡ ኣብታ ከተማ "ካልእ ሰብኣዊ ህልቂት ይፍጸም ኣሎ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ናብ ዋና ከተማ ካርቱም ዝግበር ጕዕዞ ብኤል-ዖበይድ ኣቢሉ ስለ ዝሓልፍ፡ እታ ከተማ ንኽልተኦም ተዋጋእቲ ወገናት ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኣለዋ።
እቲ መጥቃዕትታት ነቲ ናይቲ ከባቢ ቍጠባ ንምዕናውን ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ንምትዕንቓፍን ዝዓለመ ኰይኑ፡ መዐደሊታት ነዳድን መርበባት ሓይሊ ኤለክትሪክን ይዓኑ ኣሎ።
እዚ ድማ ጨንጓዕቲ ማይ ስርሖም ከቋርጹን ህዝቢ ዝተበከለ ማይ ክሰትን ይገብር ኣሎ።
ዋና ጸሓፊት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ፡ ኣብ ኤል-ዖበይድ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤል-ፋሸር ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ከይድገም ስጋኣታ ገሊጻ።
ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ከም ዝሰርሕ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣብታ ከተማ ዘለዉ ልዕሊ 100,000 ዝዀኑ ተመዛበልቲ ሰባት ግን ብሰንኪ እቲ ቀጻሊ ዝስማዕ ድምጺ ተዅስን ድሮናትን ክድቅሱ ከም ዘይከኣሉ፣ ኵሉ ሰብ ኣብ ሻቕሎት ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብታ ከተማ ዝዀነ ሰላማዊ ቦታ ከም ዘየሎ ይገልጹ።
ብሪጣንያ እትርከበን 12 ሃገራት፡ ንኤውሮጳ ንምክልኻል ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሓድሽ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ልዕሊ 50 ቢልዮን ዶላር ከውጽኣ እየን።
እቲ "ዲፕ ፕረሲዥን ስትራይክ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕሮጀክት ብቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ዕላዊ ዝተገብረ ኰይኑ፡ ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኔቶ ክዝተየሉ እዩ።
እዚ ሓድሽ ስጕምቲ'ዚ፡ ዒላማኡ ልክዕ ዝወቅዕ ካብ ዘለዉ ምዕቡላት ኣጽዋር ኔቶ ሓደ ክኸውን ኰይኑ፡ ናይቲ ሚሳይል ናይ ጕዕዞ ርሕቀት ንልዕሊ 300 ኪሎሜተር ርሕቀት ዘለዎም ስትራተጅያዊ ዒላማታት ክሃርም ዝኽእል እዩ።
እዚ ርሕቀት’ዚ ኣብ መጻኢ ናይቲ ጕዕዞ ናብ 1,250 ማይል ክዓቢ ከም ዝኸእል’ውን ተገሊጹ ኣሎ።
እንተዀነ፡ እቲ ፕሮጀክት ክሳዕ 2030ታት ተዳልዩ ዝውዳእ ኣይኰነን።
ትራምፕ ሃገራት ኣባላት ኔቶ ንጸጥታ ኤውሮጳ ዝያዳ ቍጠባዊ ኣበርክቶ ክገብራ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር ከም ዝገለጸቶ፡ እዚ ፕሮጀክት ኔቶ ንህዝቡ ካብ ስግኣት ሩስያ ንምክልኻል ሓያልን ድሉውን ምዃኑ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንጹር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ መሻርኽቱ ህጹጽ ናይ ምክልኻል ኣየር ኣጽዋር ከቕርብሉ ጸዊዑ።
ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ሓያል" ዝበለቶ መጥቃዕቲታት ከም ዝፈነወት ገሊጻ።
ማእከላይ እዚ ሓይልታት ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ኣብቲ መጻብቦ ካብ ዝርከባ ንኣሽቱ መራኽብ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንልዕሊ 60 ዘጠቓለለ፡ ኣብ ልዕሊ 80 ዒላማታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ።
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ እተፈረመ መዘክር ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቴህራን "ቈራጽ ስጕምቲ" ከም እትወስድ ኣጠንቂቑ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደሴት ቀሽም፡ ባንዳር ዓባስን ሲሪክን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ዝተደርበየ ስብርባር ሓጺን ሰባት ከም ዝቘሰሉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም።
ኢራን፡ ነቲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንኽትፈጽም መበገሲ ዝዀና መጥቃዕትታት ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ ብቐጥታ ሓላፍነት ኣይወሰደትን።
ሴንትኮም፡ ካብተን 60 ንኣሽቱ መራኽብ ብተወሳኺ፡ መተኮሲታት ሚሳይልን ማእከላት እዝን ኢራን ከም ዝሃረመ ሓቢሩ። ይዅን’ምበር፡ ዝተሃረምሉ ቦታታት ብንጹር ኣይገለጸን።
ኣመሪካ፡ ነቲ "ብፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ" ክትብል ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ፡ ሳዕቤን ከም ዝህሉዎ ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ነይራ።
ሴንትኮም ከም ዝገለጾ፡ እቲ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ "ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ማይ ንዝንቀሳቐሳን ብንጹሃን ሰራሕተኛታት ንዝዝወራን ናይ ንግዲ መራኽብ ዒላማ ንምግባርን ንምጥቃዕን ከቢድ ዋጋ ንምኽፋል፡" ዝዓለመ እዩ።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲታት ምፍናዉ፡ ምኒስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዝነበረ ናይ ነዳዲ እገዳ ብግዝያውነት ዘልዓለ ፍሉይ ፍቓድ ሰሪዙዎ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ክፋል ናይቲ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈራረማሉ መዘክር ምርድዳእ እዩ ነይሩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፡ ነቲ ስጕምቲ ምግሃስ ሰነድ ምርድዳእ ክብል ብምዅናን፡ እዚ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ “ዘይእመን ምዃኑ፡” ዘረጋግጽ እዩ ኢሉ።
ቴህራን "ሃገራዊ ረብሓታታን ሃገራዊ ድሕነታን ንምሕላው ኣገዳስቲ እትብሎም ስጕምቲታት ከም እትወስድ፡" እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹ።
ቐጠርን ስዑዲ ዓረብን እውን ነቲ መጥቃዕቲ ዝዀነና ኰይነን፡ ነፍሲ ወከፈን ኣብቲ መጻብቦ ወይ ጥቓኡ ክሓልፋ ከለዋ መራኽበን ከም ዝተሃርማ ብምጥቃስ ንኢራን ተሓታቲት ገይረን።
ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ልዕሊ 2.2 ቢልዮን ዩዋን ወይ 325 ሚልዮን ዶላር ጉቦ ተቐቢሉ ብዝብል ክሲ፡ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ- ነበር፡ ብሞት ክቕፃዕ ፈሪዱ።
ያንግ ዩሊን፡ ካብ 1993 ክሳብ 2023 ኣብ ናንጂንግ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ስልጣን ሒዙ ነይሩ።
እቲ በዓል ስልጣን ነበር፡ ብምትላል፡ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ብምፍፃምን እዩ ተኸሲሱ።
ካብዚ ንጥፈታት ተቐቢሊኡዎ ዝተብሃለ መጠን ገንዘብ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝቐረቡ ክስታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ።
እዚ ወዲ 69 ዓመት በዓል ስልጣን ነበር፡ ካልእ ዘይግቡእ ናይ ምህንድስና ውዕላት፡ ዋንነት መሬት ንምዝውዋር ስልጣኑ ብዘይኣግባብ ከምዝተጠቕመ ይንገር።
እቲ ብሞት ዝተፈርደ በዓል-ስልጣን ነበር፡ ብገንዘብን ብዓይነትን ከምዝተቐበለ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን።
ያንግ ኣብ ትሕቲ መርመራ ገበናት ጉቦ ዝአተወ፤ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ወፍሪ ጸረ ግዕዝይና ምጅማሩ ስዒቡ እዩ።
እቲ ወፍሪ ግዕዝይና፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ፣ ዓበይቲ ባንክታትን ካልኦት ዓውድታትን ዒላማ ዝገበረ እዩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝካይድ ዋዕላ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ]፡ ኪቭ ካብ ዝገደደ መጥቃዕቲ ሩስያ ንምክልኻል ብህጹጽ ዘድልያ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ከቕርባ ተማሕፂኑ።
ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ዘርብኡ፡ "ካልእ ኩሉ ባዕልና ክንገብሮ ዓቕሚ ኣለና፡ ኣብ ምክልኻል ኣየር ክመጽእ ከሎ ግን ቆራጽነት መሓዙትና የድልየና'ዩ" ኢሉ።
ሚሳይላት ሩስያ: ሓደ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ክልተ ግዜ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ድሕሪ ምዕላቦም፡ ልዕሊ 50 ሲቪላት ከምዝተቐትሉ ብምግላፅ እዩ ከምኡ ዓይነት ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ኣብ ኣንካራ ዝካየድ ዋዕላ ንዘለንስኪ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ንምዝርራብን እቲ "ኣረሜናዊ" መጥቃዕቲ ሩስያ ንምርዳእ’ውን ከም ፅቡቕ ዕድል ከምዝጥቀመሉ ይግመት።
ቭላድሚር ፑቲን ናብ ሰላም ዝወስድ ጸቕጢ ክግበረሉ ከረድእ’ውን ዕድል ክረክብ እዩ።
ዩክረይን ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምሕያል፡ መጻረዪ ነዳዲን ወተሃደራዊ ዒላማታትን ሩስያ ብምህራም፡ ሕጽረት ነዳዲን ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣስዒባ ነይራ።
ነዚ ስዒቡ እያ ሩስያ ከም ግበረ-መልሲ፡ መጥቃዕቲ ነፈርትን ሚሳኤልን ብምሕያል ኣብ ልዕሊ ኪቭ ልዑል ጉድኣት ተበፅሕ ዘላ።
ነዚ ስግኣት ዘጉልሕ ከንቲባ ሞስኮ ሰርጌይ ሶብያኒን፡ ካብተን ዩክረይን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር- ሞስካ ዝተተኰሳ 430 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣየር "መብዛሕትአን" ከምዝዓገተን ገሊጹ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዘብፀሖ ሳዕቤን ንፁር ኣይገበረን።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሩስያ ግን፡ ሰባት ነዳዲ ንምግዛእ ንሰዓታት ሪጋ ክሕዙን ክገዝእዎ ዝኽእሉ ተመን ክወፅአሎምን፡ ክበኣሱን ዘርእዩ ቪድዮታት ተዘርጊሖም ለዉ።