እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ብዝፈፀመቶ ሰፊሕ ደብዳብ 20 ሰባት ሞይቶም

    ሓይልታት ሩስያ: ሎሚ ለይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ዓቢ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም 20 ሰባት ቀቲሎም።

    ከንቲባ እታ ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሰከተማ ዩክረይን ዛጊድ "ዝዓበየ መጥቃዕቲ" ክብል ገሊጽዎ።

    ቪታሊ ክሊችኮ፡ ኣብ ልዕሊ‘ቶም ዝሞቱ፡ ኣስታት 90 ሰባት ከምዝቖሰሉ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ሓደ ካብቶም ዝተሃርሙ ከባብታት፡ መደበር ኣምቡላንስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ፅባሕ ዓርበ መዓልቲ ሓዘን ምዃና ኣዊጁ።

    ቅድሚ ሕዚ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝያዳ ሰባት ዝቐተሉ እኳ እንተኾኑ፡ እዚ ዳሕረዋይ ደብዳብ ግን ዝበዝሐ ኣጽዋር ኣብ ሰፋሕቲ ከባብታት’ታ ርእሰከተማ ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ።

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንመጥቃዕቲ ትዳሎ ከምዘላ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ዝወረደ'ዚ ደብዳበ፡ ኣብ መላእ እታ ከተማ ብዙሓት ህንጻታት ኣዕንዩ።

    ሞስኮ፡ ምላሽ ነቲ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሲቪልያን መሰረተ-ልምዓት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዝዀነን፡ ወተሃደራዊ ማእከላት ዒላማ ዝገበረ ከምዝዀነን ኣፍሊጣ።

  2. ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ቅድመ መረጻ ዝተዓወተት ሜላት ኪሮስ መን'ያ?

  3. ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 400 ኣኽላባት ብኣሰቃቒ መገዲ ዝተቐተልሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

  4. ኣስመራ፡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ንዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ዝሃቦ መብርሂ

  5. ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ደቀን ኣብ መሪር ሓዘን ዝኣተዋ ሶማልያውያን ኣደታት

  6. ሜክሲኮ፡ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ዝሰኣንሉ ጽምብል ዋንጫ ዓለም

    ኣብ ማእከል ርእሰከተማ ሜክሲኮ- ኣብ ከባቢ ሓወልቲ ‘መልኣኽ ናጽነት’ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ደገፍቱ ኲዕሶ እግሪ ናብ ጎደናታት ኣብዝወጽሉ ኣብ ሰለስተ ሰባት በቲ ፅቕጥቅጥን ዋህፅን ህይቶም ስኢኖም።

    እታ ሃገር ድሕሪ 1986 ንፈለማ እዋን እያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብምዕዋት ናብ ዝቕጽል ​​መድረኽ ክትሓልፍ ክኢላ።

    ከንቲባ እታ ከተማ ክላራ ብሩጋዳ፡ ንስድራቤት ግዳያት ዝተሰመዓ "ልባዊ ሓዘን" ብምግላፅ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝግበሩ ፅምብላት ከምኡ ከምዘይድገም ቃል ኣትያ።

    ሰብመዚ ጥዕና፡ ህጹጽ ኣገልግሎት፡ እቶም ሰለስተ ግዳያት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ቀዳማይ ረድኤት ከምዝተገብረሎም ሓቢሮም።

    እንተዀነ፡ ሰለስቲኦም ብሰንኪ ዋህፅን ፅቕቅጥን ከምዝሞቱን ብስድራቤቶም ከምዝተለለዩን በዓል መዚ ጥዕና እታ ከተማ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ከንቲባ ብሩጋዳ፡ እቲ ሞት ምስተገልጸ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ ደገፍቲ "ኩሉ ግዜ ሓላፍነት ብዝተመልኦ፣ ብምትሕልላይን ምጥሕስሳብን ክጽንብሉ" ኣተሓሳሲባ።

    ዓወት ሜክሲኮ ዘበስር ፊሽካ ምስተነፍሐ፡ ኣብ ስታድዮም ኣዝቴካን ኣብ መላእ ሰፊሕ ክፋል እታ ከተማን፡ ህዝባዊ ፅምብል ኣበጊሱ።

    ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ዝነብሩ ዀይኖም፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብዛ ፕላኔት ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሎም ከባቢታት ይገብራ

    እዚ ናይ ሰሉስ ዓወት፡ ንሜክሲኮ ናብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ዘሕልፋ ዀይኑ፡ ቶማስ ቱከል ዝመርሓ ጋንታ ሎሚ ረቡዕ ንዲ.ኣር ኮንጎ እንተድኣ ስዒራ፡ ምስ እንግሊዝ ክትገጥም ሰፊሕ ተኽእሎ ኣሎ።

  7. ትራምፕ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ንግዲ ክሪፕቶ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከሲቡ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ንግዳዊ ንጥፈታት ክሪፕቶካረንሲ፡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝረኸበ፡ ናይ 2025 ፋይናንሳዊ ጸብጻቡ ይሕብር።

    እቲ 927 ገጻት ዝሓዘ ፀብፃብ፡ ካብ ሓደ ‘ሴሌብሬሽን ኰይን’ ዝተባህለ ትካሉ ጥራይ፡ 635 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ የመልክት።

    ብተወሳኺ፡ ካብቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ፡ ደቁን፡ ደቂ ፍሉይ ልኡኹ- ስቲቭ ዊትኮፍን፡ ዝተመስረተ ትካል ክሪፕቶካረንሲ ‘ወርልድ ሊበርቲ ፋይናንሻል’ ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።

    ከምኡ’ውን፡ ካብ ብስም ትራምፕ ዝተሓተሙ ኣቑሑትን ካብ ሪልስቴትን (መሸጣ ኣባይቲ)፡ ተወሳኺ ሚልዮናት ኣታዊ ከምዝረኸበ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

    ዋይት ሃውስ ግን፡ ትራምፕ ካብ ናይ ፕዚደንትነት ስልጣኑ ተበሊፁ መኽሰብ ይረክብ ከምዘየለ'ዩ ዝምጉት።

    እቲ ዳሕረዋይ ፋይናንሳዊ ኣታዊኡ፡ ብውሑዱ 2.2 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሐ - ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2024 ዝነበረ ኣታዊ ኣዝዩ ዝዛይድ ኮይኑ፡ ትራምፕ ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

    ንግዳዊ ንጥፈታቱ፡ ብደቁ ንዝመሓደር ትካል ከምዝገደፎ ብተደጋጋሚ ዘጉልሕ ዋይት ሃውስ፡ ዝኾነ ናይ ረብሓ ምግጫው ከም ዘየሎ ደጋጊሙ ከእምን'ዩ ዝፍትን።

    ምክትል ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ኣና ኬሊ፡ እቲ ፕረዚደንት ንኣመሪካ “ማእከል- ክሪፕቶ ኣለም "ገይርዋ ብምባል፡ ክትኮርዕ ከምዝገበራ ገሊጻ።

    ንሳ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ፕረዚደንት ይኹን ስድርኡ ኣብ ናይ ረብሓ ግጭት ተጸሚዶም ኣይፈልጡን፡ ንመፃኢ’ውን ኣብ ከምኡ ኣይክዋፈሩን'ዮም" ኢላ።

  8. ኣምነስቲ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ሱዳን ኣብ ኤል-ፋሸር ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም

  9. ሜላት ኪሮስ ንዓመታት ስልጣን ሒዛ ንዝጸንሐት ኣባል ኮንግረስ ብምስዓር ታሪኻዊ ዓወት መዝጊባ

  10. ዝተዓግተ ሃብቲ ኢራን፡ እቲ ገንዘብ ኣበይ ኣሎ፡ ስለምንታይከ ኣገዳሲ ኰይኑ?

  11. ትግራይ፡ በቲ ግዱድ ኣዋጅ ዕስክርና ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሕጊታትን መሰላትን

  12. ኤርትራ፡ ንባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ

  13. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ሰፊሕ ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ

  14. ላዕለዎት ዳያኑ፡ ትራምፕ ደቂ ስደተኛታት ብቐጥታ-ዜግነት ከይረኽቡ ዘመሓላፎ ትእዛዝ ኣጊዶም

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ምድሪ ኣመሪካ ዝወተወልዱ ብቐጥታ ዜግነት ከይረኽቡ ዝገበሮ ፈተነ ነጺግዎ።

    እቲ ፕረዚደንትን ናይ ሕጊ ጉጅለኡን፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሓዝዎ ቅዋም፡ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ኣካል ቤት ፍረዲ ክሳብ ቀረፅቲ ሕግን ክኢላታት ሕግን ብዙሕ ደገፍ ከይረኸበ ፀኒሑ።

    እዚ ንብዙሓት ኣብታ ሃገር ዝተወልዱ ኣሸሓት ደቂ ስደተኛታትት ዝፀሉ ውሳነ፡ በዚ መልክዑ ከብቅዕ ምኽኣሉ፡ ንተሓለቕቲ መሰላት ዘደንቕ ዓወት ከምዝዀነ እዩ ዝግለፅ።

    ዝበዝሑ፡ ካብቶም ትሸዓተ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ እዚ ቋንቋን ትርጉምን ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝቕይርን፡ ን150- ዓመታት ዝፀንሐ ፅኑዕ ሕጊ ዳግማይ ዝኽልስን ትእዛዝ፡ ምእንቲ ዓወት ትራምፕ ክበሃል፡ ኣይነፀድቕን ክብሉ እዮም ወሲኖም።

    ብርግጽ እዚ ውሳነ እዚ፡ ነቲ ፕረዚደንት ከቘጠዖ ምዃኑን፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝኽእሉሉ መገድታት ኩሉ ንምድራት ሓድሽ ሜላታት ክእልሽ ክግደድ ምኳኑን ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

    እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ንመሰል ውልደት ዜግነት ንምኽባር 6ን 3 ድጋፍ ከምፀንዐ፡ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    እቲ ብይን ብላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወይ ንግዚኡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝነብሩ ወለዲ ዝተወልዱ ህጻናት፡ ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ፡ ብቐጥታ "ዜጋታት" ምዃኖም ይገልጽ።

    እቲ ውሳነ፡ ነቲ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ፡ ንሕቶ ዜግነት ናይቶም ሓራ ዝወጹ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ባሮት ነበር ንምፍታሕ: ዝተደንገገ መበል 14 መመሓየሺ ሕጊ ከም መርትዖ ይጠቅስ።

  15. ታሪኻዊ ምሸት ንኣፍሪቃ፡ ሞሮኮ ንሆላንድ ብፍጹም ቅላዕ ረቲዓ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ

  16. ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ስለምንታይ እየን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘጠንቅቓ ዘለዋ?

  17. ብሪጣንያ፡ ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ዕቝባ ስደተኛታት 10,000 ፓውንድ ክኸፍሉ እዮም

  18. ኣመሪካ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝወጸ ሓድሽ ትእዛዝ

  19. ወከልቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቐጠር ክራኸቡ'ዮም - ትራምፕ, ኣብ ቴክኒካዊ ኣካል'ቲ ስምምዕ ልዝብ ክቕጽላ እየን- ተባሂሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ፡ "ኢራን ኣኼባ ክግበር ሓቲታ ኣላ፤ ፅባሕ ኣብ ዶሃ ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    እንተኾነ ግን ዶናልድ ትራሞፕ ብዛዕባ እቲ ጽባሕ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ኣኼባ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሌቪት ግን፡ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ላዕለዎት ተደራደርቲ ኣመሪካ ጃረድ ኩሽነርን ስቲቭ ዊትኮፍን “ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንላዕለዋይ ኣኼባ ሰበስልጣን፡ ናብ ዶሃ ክጓዓዙ እዮም” ኢላ።

    ብተወሳኺ ጎኒ ጎኒ እቲ ላዕለዋይ ኣኼባ ቴክኒካዊ ዝርርብ ከምዝካየድ'ውን ሓቢራ።

    ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሓሉ ምቍራፅ ተኹሲ፡ ልዝብ ክቕጽላ ምዃነን፡ ሓደ በዓልስልጣን ዋሽንግተን ሓቢሩ ምንባሩ ቅድም ኢሉ ተገሊፁ ነይሩ።

    እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓልስልጣን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ኩሉ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ስምምዕ ዝግበር ዘተ ክቕጽል እዩ” ክብል'ዩ ተዛሪቡ።

    "ንግዚኡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ እዮም፤ መራኽብ ብናጽነት ብሰላም ክጓዓዛ ክኽእላ እየን" ድማ ኢሉ።

    ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሓላፊ ጉጅለ ዘተ ኢራን፡ ካዘም ጋሪባባዲ ግና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ቴክኒካዊ ዝርርብ ንምክያድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ ንዝብል ጸብጻባት ነፂጉ።

    ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተለዓለ ምስሕሓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ቴህራንን ዋሽንግተንን ተጋጭየን ነቲ ስምምዕ ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ክካሰሳ ከምዝቐነያ ዝዝከር እዩ።

  20. ትግራይ፡ ህወሓት ንመግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃቦ ምላሽ