በቲ ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ክትሃንጾ ወጢና ዘላ መወሸቢ ማእከል ሕማም ኢቦላ ዝተቖጥዑ ኬንያውያን ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።
ኣብታ ጥቓ'ቲ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ማእክል እትርከብ ከተማ ናንዩኪ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ክመውት እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ሬሳኡ ጥራይ'ዩ ናብ ሆስፒታል ክበጽሕ ክኢሉ።
እቲ ብኣመሪካውያን ሓካይምን ክኢላታት ጥዕናን ዝካየድ ማዕከል ነቶም በቲ ዛጊት ኣብ ዶሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣማኢት ሰባት ዝቐተለ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ዘዕቊብ እዩ።
ዛጊት እቲ ሕማም ኣብ ኬንያ ኣይተራእየን ዘሎ።
ኣብ ጐረቤት ሃገር ዩጋንዳ ግን ብውሕዱ 9 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንጠለብ ኣመሪካ ብምቕባል ነቲ ማእከል ክህነጽ ከምዘፍቀደ ብምግላጽ፡ እቲ ስግኣት ንፖለቲካዊ መዓላ ክውዕል የብሉን ብምባል ተቓውሞታት ክሃድእ ጸዊዑ።
ሰብሞያ ጥዕና፡ ማሕበር ሓካይምን ገለ ኣካላት መንግስቲን እቲ ማእከል ንህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ ተቓውምኦም ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።
ልዕሊ 20 ሚእታዊት ባጀት ጥዕና ኬንያ ብደገፍ ኣመሪካ ከምዝሽፈን ይፍለጥ።
ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክልቲአን ሃገራት ዝፈረማሉ ስምምዕ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ዝዓለመ እዩ። ኣስታት 1.7 ቢልዮን ካብኡ ኣመሪካ እትሽፍኖ ኮይኑ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ ስምምዕ'ዩ ነይሩ።