ትራምፕ፡ ንመሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዖማን ክድብድባ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዖማን ተቓራኒ መርገፂ እንተደኣ ሒዛ፡ ብቦምባ ክድብድባ ምዃኑ ከምዘፈራረሐ ፎክስ ኒውስ ጸብጺቡ።
ኣመሪካን ዖማንን፡ በብወገነን ምስ ቴህራን ብምዝርራብ፡ ነቲ ንዓለማዊ ቁጠባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንክኽፈት ክፅዕራ ጸኒሐን እየን።
አዚ መስመር ማይ፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳረጋ ተዓፅዩ ይርከብ።
ጋዜጠኛ ፎክስ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምኡ ዝበለ፡ ብሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኰይኑ፡ ፀርፊ ዝተሓውሶም ዘይእዱባት ቃላት ይጥቀም ነይሩ።
ቅድም ክብል፡ ሰበስልጣን ኢራን ምስ ዖማን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከምዝቐረቡ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን፡ ን60 መዓልታት ዝፅንሕ መረዳዲኢ ሰነድ (MoU) ኣብ ዘብቅዓሉ ዘሎ እዋን፡ መጻኢ እቲ ግጭት ንጹር ኣይኮነን።
መፃብቦ ሆርሙዝ- ኣስታት ሓሙሻይ ክፋል ናይ ዓለምና ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዝሓልፈሉ ማያዊ መስመር ዀይኑ፡ ቀንዲ ነጥቢ ዘተ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
ዖማን፡ ብደቡባዊ ሸነኽ እቲ መጻብቦ ትርከብ ኰይና፡ ኣብዚ ግጭት ዘይሻራዊት ሃገር ምዃና እያ ትገልጽ።ይኹን እምበር፡ ካብ ኢራን ብርክት ዝበሉ መጥቃዕቲታት በፂሑዋ ኣሎ፤ ሕጂ ድማ ምስ ቴህራን ነቲ መስመር ማይ ዳግማይ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ልዝብ ቁልፊ ተራ ትጻወት ኣላ።