እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ትራምፕ፡ ንመሓዛ ኣመሪካ ዝኾነት ዖማን፡ ምስ ኢራን ሓዊሱ ክድብድባ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ

ትራምፕ፡ መሓዛ ኣመሪካ ዝኾነት ዖማን ኣብ ጉዳይ ኢራን ተቓራኒ መርገፂ እንተሒዛ፡ ብ ቦምባታት ክድብድባ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቍጽጻር ኑክሌር ኣብ ኢራን መርመራታት ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኢራን ብወገና እዚ መርመራ ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።
  • ቬነዝወላ ኣብ ውሽጢ 39 ካልኢታት ጥራይ ብኽልተ ተኸታታሊን ሓያልን (7.2ን 7.5ን ሬክተር) ምንቅጥቃጥ-መሬት ተሃስያ።
  • ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ፈሪሶም፣ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ቍጽሪ ግዳያት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
  • ግዝያዊት ፕረዚደንት ዴልሲ ሮድሪገዝ 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጃ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ድማ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
  • እዚ ሓደጋ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ብሄራዊ በዓል ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቬነዝወላ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዝያዳ ዘጋድድ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. 'ሓድሽ ሞደል ፖለቲካን ቁጠባን'፡ ቃል ናብ 'ዳውኒን ስትሪት 10' ዝኣተወ በርናም

    ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ከንቲባ ማንቸስተር ናብ ፓርላማ ዝሰገረ ኣንዲ በርናም ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ናብቲ ፍሉጥ ኣድራሻ መራሒ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኾነ '10 ጐደና ዳውኒን' ኣትዩ'ሎ።

    ቅድሚ ሓደ ሰዓት ወግዓዊ ፕሮቶኮላዊ ስርዓት ምስግጋር ስልጣን ንምፍጻም ናብ ንጉስ እታ ሃገር ብምኻድ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ብንጉስ ቻርለስ መበል 3ይ ዝቐረበሉ ሕቶ ተቐቢሉ'ዩ ናብ ቤትጽሕፈቱ ኣትዩ ዘሎ።

    ማዕጾ ናይቲ ውሩይ ቤትጽሕፈት ከፊቱ ቅድሚ ምእታዉ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ ፈላሚ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቢ ለውጢ፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሞደልን ሓድሽ ቊጠባዊ ሞደልን ከነምጽእ ኢና" ክብል ቃል ኣትዩ።

    "ኣብ 1980ታት ብሪጣንያ ዘይቅኑዕ ኣንፈት ወሲዳ ነይራ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ተማእኪሉ፡ ቊጠባዊ ሓይሊ ተባሒቱ፡ ከምኡ'ውን ዓቢ ክፋል እታ ሃገር ካብ ኢንዱስትሪ ወጻኢ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ'ውን ክበራበር ኣይክኣለን።

    "ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኢና፡ ንዝጸንሐ ፖለቲካ ክንቅይሮ ንደሊ ዘለና፣ ናይ ምትሕግጋዝ ክንገብሮ፡ ኣብ ክንዲ ነጥቢ ናይ ምቚጻር ምፍታሕ ጸገማት ክንገብሮ" ብምባል ህዝቢ ኣብ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን ንዝጸንሖ ትሑት ትጽቢት ከበራብር ፈቲኑ'ሎ።

    ኣብቲ እዋን እታ 'ኣይሮን ሌዲ' (ሓጺናዊት ወርዞ) ዝብል ቅጽል ስም ዘጥረየትን ንልዕሊ 11 ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሓታን ማርጋሬት ታቸር፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝመሓደር ዝነበረ ትካላት መጓዓዝያ (ባቡር)፡ ፋብሪካታት፡ ጸዓትን ነዳዲን፡ ከምኡ'ውን መራኸቢታት ናብ ብሕቲ ከምዝሰጋገር ምግባራ ዓቢ ለውጢ'ዩ ነይሩ።

    ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ሚዛን ንምቕያር ድማ ማእከል ጽልዋ ካብ ደቡብ (ለንደን) ናብ ሰሜን (ማንቸስተርን ኪኖኡን) ንምስግጋር ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ።

    ኣንዲ በርናም ድሕሪ ኣስታት ፍርቂ ክፍለዘመን ካብ ሰሜናዊ-ምዕራብ እታ ሃገር ዝመጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ነቲ ለውጢ ንምርግጋጽ ሓድሽ "ውጥን 10 ዓመት" ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክነድፍ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንምሕያል፡ ንመሻርኽቲ ሃገራት ዝተኣትወ መብጽዓታት ከጽንዖ ምዃኑ ድማ ቃል ኣትዩ። ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንምክልኻል እትምድቦ ባጀት ከተበርኾ ምጽንሓ ይዝከር።

    ዋላ'ኳ ዳርጋ ስጡም ደገፍ ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ረኺቡ እንተሎን ውልቃዊ ተቐባልነቱ ልዑል እንተኾነ ነዚ መብጽዓታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቀሊል ብድሆ ኣይክኸውንን'ዩ። ሓድነት ናይቲ ዝመርሖ ሰልፊ ምዕቃብ ንባዕሉ ተሪር ዓቐብ ከምዝኸውን ናይ ሓጺር ተመኲሮ ናይቲ ዝተክኦ ኪር ስታርመር ዝምስክሮ'ዩ።

    ንኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽን ሓደስቲ ናይ መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ ምህናጽን ገለ ካብ ቀንዲ ፖሊሲታቱ ምዃኖም'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሚቱ'ሎ።

  2. ስለምንታይ ሓፈሻዊ መረጻ ዘይግበር?

    እቲ ሓጺር መልሲ፡ ኣንዲ በርንሃም ቀዳማይ ምኒስተር ንምዃን ሓፈሻዊ ምርጫ ክግበር ኣየድልዮን እዩ ዝብል እዩ።

    ኣብ ብሪጣንያ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝዀነ እዋን ሓፈሻዊ ምርጫ ክጽውዕ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝቕየረሉ እዋን ሓፈሻዊ ምርጫ ክግበር ዝብል ቅዋማዊ ግዴታ የለን።

    ርግጽ እዩ ምርጫ ክግበር ዝጽውዑ ድምጽታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ህዝቢ ነቲ ዘይመረጾ ሓድሽ መራሒ ኣብ ክንዲ ዝቕበል፡ ናይ ምምራጽ ዕድል ክረክብ ይደሊ ይኸውን።

    ሕጂ ምርጫ እንተ ተጸዊዑ ድማ፡ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ባይቶ ክሳራታት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ እቲ ሰልፊ ዝደልዮ ኣይኰነን።

    ብሕጊ፡ እቲ ዝቕጽል ሓፈሻዊ መረጻ ካብ 15 ነሓሰ 2029 ክሓልፍ የብሉን።

    እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 9 ሓምለ 2024 ዝጀመረ ናይ ሕጂ ባይቶ ኣትሒዙ ሓሙሽተ ዓመት፡ ከምኡ’ውን ጎስጓስ መረጻ ንምክያድ ዝውሃብ ናይ 25 ስራሕ መዓልታት ተወሲኹ ማለት እዩ።

  3. በርንሃም ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ሓምሻይ ቀዳማይ ምኒስተር

    ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ነቲ ሓምሻይ ቀዳማይ ምኒስተራ ክትረክብ እያ።

    ነቲ ሕጂ ዘሎ ባህሪ ፖለቲካ ብሪጣንያ ካብዛ ምሉእ-ሓሳብ እዚኣ ንላዕሊ ብሓጺሩን ብልክዕን ክገልጾ ዝኽእል ካልእ ምሉእ-ሓሳብ የለን።

    ኣብ ክረምቲ 2022 ቦሪስ ጆንሰን ስልጣን ክለቅቕ ኣብ ጕዕዞ እኳ እንተነበረ፡ ገና ኣብ ስልጣኑ ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ሊዝ ትራስ፡ ሪሺ ሱናክ ከምኡ’ውን ሰር ኪር ስታርመር ተቐይሮም እዮም።

    ኣንዲ በርንሃም ጸኒሑ ነዚ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዘሎ ቅልጡፍ ምቅይያር “ኣዝዩ ይግንዘቦ” ከም ዘሎ ይዛረብ፤ እዚ ግን ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን። እቶም ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዕዮን ካብኡ ወጻእን ዘለዉ ነቐፍቱ፡ ነዚ ህሞት እዚ ንነዊሕ እዋን ክደፍኣሉ ከም ዝጸንሐ ብምምጓት ግዳማዊ ፍሽኽታ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም።

    በርንሃም ስርሑ ብቕልጡፍ ንምጅማር ቈሪጹ ኣሎ፤ ዝከኣል ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ነቲ ከም ከንቲባ ዓባይ ማንቸስተር ኰይኑ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ኣመራርሓ ክዕቅብ መዲቡ ኣሎ።

    ሰኑይ ኣብ ኣፍደገ ዳውኒን ስትሪት ቍ.10 ከም ቀዳማይ ምኒስተር መጠን ኣብ ዝገብሮ ቀዳማይ መደረኡ፡ መድረኽ መደረ ክጥቀም ከም ዘይደሊ ተሰሚዑ ነይሩ።

  4. ኣንዲበርንሃም - እንታይ ፖሊሲታት ትጽቢት ይግበሩሉ?

    ኣንዲ በርንሃም ብዛዕባ እቶም ክትግብሮም ዝደሊ ንጹራት ፖሊሲታት ብዓቢኡ ስቕታ መሪጹ እኳ እንተጸንሐ - ክሳዕ ሕጂ እንፈልጦም ገለ ነጥብታት፤

    • ዲጂታላዊ መንነት (Digital ID) - ቤት ጽሕፈት በርንሃም ከም ዝገለጾ፡ ቈላሕታ ናብቲ “ኣብ መላእ ሃገር ንህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ መዓልታዊ ቀዳምነታት” ንምቕያር ብዝብል ዕላማ፡ ነቲ መንግስቲ ንዅሎም ዓበይቲ ብሪጣንያውያን ዲጂታላዊ መንነት ንምውጻእ ሒዙዎ ዝነበረ ውጥን ክስርዞ እዩ።
    • ነዳዲ ሰሜናዊ ባሕሪ (North Sea oil) - እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ሓድሽ ጕድጓድ ነዳድን ጋዝን ንምዅዓት ውጥናት ከም ዘውጽእ እኳ እንተ ተነግረ - ቢቢሲ ከም ዝተረድኦ ግና ሓደስቲ ፍቓዳት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ነቶም ድሮ ዘለዉ ፍቓዳት ጥራይ ክድግፍ ትጽቢት ይግበር።
    • ቴምስ ዎተር (Thames Water) - በርንሃም ኣቐዲሙ ኣብ ጽላት ማይን ጸዓትን “ዝዓበየ ቍጽጽር ህዝቢ (መንግስቲ)” ክህሉ ከም ዝደሊ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ ብምሉኡ ብመንግስቲ ክመሓደር (nationalisation) ግን ኣይጸውዐን። ከምኡ’ውን እቶም ንቴምስ ዎተር ገንዘብ ዘለቅሑ ኣካላት፡ ነታ ዝዓበየት ትካል ማይ ናይታ ሃገር መንግስታዊት ንምግባር ንዝግበር ዝዀነ ፈተነ ንምብዳህ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
    • ዋጋ መነባብሮ - በርንሃም ሎሚ ንህዝቢ “ብዛዕባ ጸቕጢ ዋጋ ናብራ መተንፈሲ” ዝህብ ውጥናት ከቕርብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ - ኣብዚ መድረኽ እዚ ግን እቶም ስጕምትታት እንታይ ክዀኑ ምዃኖም ኣይንፈልጥን ኢና።
    • ምጕዳል ግብሪ ንግዲ - በርንሃም፡ ኣባል ባይቶ ሜከርፊልድ ንምዃን ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ፡ ጕጅለኡ ንብሕታውያን ኣብያተ-መስተን ቦታታት ሙዚቃን ዝኽፈል ግብሪ ንግዲ ብ20% ንምጕዳል ቃል ዝኣቱ ፖሊሲ ሰዲዱ ነይሩ - እዚ ድማ በቶም ከም ኣማዞን ዝኣመሰሉ ትካላት ዝጥቀሙሎም መኽዘናት ዝለዓለ ግብሪ ብምኽፋል ዝሽፈን እዩ።
  5. ውጥን በርንሃም - ንህዝቢ 'መተንፈሲ' ምሃብን ዘለዎ ሓደጋን

    ኣንዲ በርንሃም ኣብ ናይ ሎሚ መደረኡ - ከምኡ’ውን ንዝተረፈ ክፋል ናይዚ ሰሙን - ኣብ ዋጋ መነባብሮ ዘተኰረ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

    ካብቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸቕጢ ናህሪ ዋጋታት ንህዝቢ “መተንፈሲ” ክህብ ከም ዝደሊ ክገልጽ እዩ።

    እዚ ብመንጽር ፖሊሲ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል? ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ዝመጽእ ዘሎ መንግስቲ በርንሃም ዘለና ርድኢት፡ ነዚ'ውን ብልክዕ ኣይንፈልጦን ኢና።

    ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ብዛዕባ ክፍሊት ጸዓትን ዋጋ መጓዓዝያ - ኣውቶቡስን መግለጺታት ክወጽእ ትጽቢት ይግበር። ንትካላት ኣጋይሽ ከምኡ’ውን ኣብ ማእከል ከተማ ንዝርከቡ ትካላት ንግዲ ዝግበር ግብሪ ምጕዳል ክህሉ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ዋጋታት ናብ ምጕዳል ከምርሕ ይኽእል።

    በርንሃም ሎሚ ንጋዜጣ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ነቲ ናይ ውልቀ-ሰብ መሕደጊ ግብሪ - ማለት ሓደ ውልቀ-ሰብ ግብሪ ኣታዊ ቅድሚ ምኽፋሉ ከእትዎ ዝኽእል ጠቕላላ መጠን ገንዘብ - ወሲኹ ክርኢ ከም ዝደሊ ዝሕብር ኣገራሚ መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ምስዚ ሓድሽ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ነዚ ጕዳይ ከም ዝደፍኣሉ ምግንዛብ ይከኣል።

    እንተዀነ ብኸመይ እቶት ከም ዝረክብ ከይገለጽካ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ምእዋጅ፡ ብመንጽር ዕዳጋታት ክርአ ኸሎ ሓደጋ ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ክእኢላታት ይገልጹ።

  6. መቕተልቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ስዒቡ፡ ኣመሪካን ኢራንን ተታዅሰን

    ኣመሪካ ብቀዳም ምሸት ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ዙር መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ።

    ኣብ ገማግም ባሕሪ መከላኸሊ ኣየር- ኢራን ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ድማ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ንወተሃደራዊ ዓቕምታት ኢራን ብዓወት ከምዝወቕዑ ክገልጽ እንከሎ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ድማ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ እትርከብ ደሴት ‘ቀሽም’ ከም ዝተጠቕዐት ገሊጸን።

    ሴንትኮም፡ ነቲ ብዓርቢ ኣብ ዮርዳኖስ ክልተ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝቐተለ- ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC)፡ እውን ዒላማ ከምዝገበረን፡ እቲ ካልእ ኣባል ኣገልግሎት ክሳብ ሕዚ ደሃዩ ከም ዘይተረኽበን ገሊጹ።

    ሰራዊት ኢራን፡ ነዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ኩዌት ንዝርከቡ ክልተ መደበራት ኣመሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘጥቅዐ ገሊጹ።

    ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ መዓልታት ንሕድሕደን ተኹሲ ዝተለዋወጣ ዀይነን፡ ክልቲኦም ወገናት ወሳኒ ሲቪላዊ-ትሕተ ቅርጺ ብምዕናው ይካሰሱ ኣለዉ።

  7. ኣብ ዮርዳኖስ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኢራን ክልተ ወተሃደራት ኣመሪካ ሞይቶም

    ብዓርቢ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢራን ብባሊስቲክ ሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓደ ዛጊድ ደሃዩ ከምዘይተረኽበ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ገሊጾም።

    ኣርባዕተ ወተሃደራት ኣመሪካ ድማ፡ ናብ ሆስፒታላት ዮርዳኖስ ተወሲዶም ሕክምና ምስ ተገብረሎም ከምዝተፋነዉ ማእከላይ እዝ ኣሜሪካ (CENTCOM) ኣፍሊጡ።

    ካልኦት ቀሊል መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ኣባላት’ቲ ኣገልግሎት ድማ ናብ ስርሖም ከምዝተመልሱ ተገሊጹ።

    ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ መንነት ናይቶም ዝተቐትሉ ወተሃደራት፡ ዝርዝር ናይቲ መጥቃዕቲ ይኹን እቲ ፍጻመ ኣይገለጹን። መንነቶም'ቶም ግዳያት ዘይተገልፀ ዛጊድ ኣባላት ስድረኦም ስለዘይተፈልጡ ከምዝዀነ ፀብባት ይሕብሩ።

    እንተኾነ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ዙር መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ብቀዳም ምሸት ኣፍሊጡ።

    እቲ ተኸታተሊ መጥቃዕቲ፤ “ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንግዳዊ መራኽብ ኣብ ሓደጋ ክተእቱ ንዘኽእል ዓቕማ ዝያዳ ንምድኻም” ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ “እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣባላት ኣመሪካ ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ እዩ” ኢሉ።

    ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ግን ዝርዝርሓበሬታ ኣይሃበን።

    ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ኵናት ግናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ብዝሒ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ 16 በጺሑ ኣሎ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ደሃዩ ዝጠፍአ ፓይለት ሓይሊ ባሕሪ’ታ ሃገር’ውን ከምዝሞተ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ብቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ማእከላይ እዝ ኣመሪካን

    መሻርኽቱን፡ ንመጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኢራን ምላሽ ኣብ

    ዝህብሉ ዝነበሩ እዋን፡ ክልተ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝተኻየደ

    ውግእ ተቐቲሎም። ካልእ ኣባል ኣገልግሎት ድማ ዛጊድ ደሃዩ ኣይተፈልጠን” ኢሉ።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ንሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጠቒሰን: ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ

    ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣል ኣዝራቕ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ክልተ

    ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ከም ዝተሓምሸሻ ሓቢረን።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።

  8. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንተኸታታሊ ሸውዓተ ለይትታት ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ

    ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ምስ ኢራን ተገይሩ ዝነበረ ውዕል ግዜያዊ ምቍራጽ ተዅሲ "ኣብቂዑ እዩ" ድሕሪ ምባሉ፡ ንሸውዓተ ተኸታታሊ ለይትታት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብነፈርቲ ውግእ፡ ድሮናትን መራኽብ ውግእ ባሕርን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ስለላ ቦታታት፡ ወተሃደራዊ መኽዘናት፡ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ናይ ኣጽዋር መኻዚኖታትን ባሕርያዊ ዓቕምታትን ዘተኰረ ኰይኑ፡ ኣብ ከተማታት ያዝድን ወደብ ባንደር ዓባስን ሓያል ነታጕ ከም ዝተሰምዐ ተሓቢሩ ኣሎ።

    ኢራን ብወገና ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ዞባ ወሽመጥ ናይ ተዅሲ ምላሽ ክትህብ ጸኒሓ ኣላ።

    ሰራዊት ዮርዳኖስ ካብ ኢራን ዝተተዅሳ 10 ሚሳይላት ከም ዘፍሸለ ክገልጽ ከሎ፡ኩዌት ድማ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ኢራን ወተሃደራታ ከም ዝቘሰሉን ትካላት ኤለክትሪክን ማይን ከም ዝዓነዉን ኣፍሊጣ።

    ብሰንኪ እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት፡እቲ ሓደ ሕምሲት ናይ ዓለም ነዳዲ ዝሓልፈሉ ስትራተጅያዊ መስመር መጻብቦ ሆርሙዝ ምንቅስቃስ መራኽብ ዳርጋ ጠጠው ኢሉ ይርከብ።

    ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ክፍለ-ሃገር ሆርሙዝጋን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ኣብ ስቪላዊ ትካላት ዕንወት ከም ዝበጽሐን ይኸሱ።

    ዋይት ሃውስ ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ።

    ይዅን እምበር፡ ቢቢሲ ኣብ ድልድል ጋሪቨ ዝበጽሐ ከቢድ ዕንወት ብቪድዮ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ድሕሪ ምፍሻል እቲ ናይ ሰላም ዘተ ዝተኸስተ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

  9. ዋይት ሃውስ፡ ‘ተጻወቲ ኣርጀንቲና ሓሳቦም ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎም’

    ዋይት ሃውስ፡ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና "ደሴታት ፎልክላንድ ናይ ኣርጀንቲና እየን" ዝብል ባነር ብምርኣዮም ንዝቐረበሎም ነቐፌታ ብምክልኻል፡ እቲ ተግባር ምስ መሰል ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ገሊጹ።

    ሓላፊ ሓይሊ-ዕማም ፊፋ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣንድሩ ጁልያኒ፡እቶም ተጻወትቲ ኣብ ኣመሪካ ሓሳቦም ናይ ምግላጽ መሰል ከም ዘለዎም ኣረዲኡ።

    ብሪጣንያብ ወገና፡ፊፋ ኣብ ልዕሊ እቶም ፖለቲካዊ መግለጺ ዝሃቡ ተጻወትቲ ጽኑዕ መርመራ ክገብርን ስነምግባራዊ ስጕምቲ ክወስድን ጸዊዓ ኣላ።

    ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ፡ "ደሴታት ፎልክላንድ ብርግጽ ናትና እየን" ብምባል ልዑላውነቱ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

  10. ትራምፕ ንካናዳ ብታሪፍ የፈራርሓ ኣሎ፡ ‘ረሳሕ ኣየር ናብ ሃገርና ይሰዱ ኣለዉ’

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ሰሜናዊ ሸነኽ ካናዳ ብምብጋስ ንኸተማታት ኣመሪካ ሸፊኑ ዘሎ ጽዑቕ ትኪ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ሓድሽ ናይ ንግዲ ታሪፍ ክጽዕን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ትራምፕ ነቲ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ዘሎ ኣየር "ረሳሕን ንጥዕና ዘይጥዑይን ወራር" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ካናዳ ንጫካታታ ብግቡእ ብዘይምሓዛ "ኰነ ኢልካ ንዝተገብረ ሸለልትነት" ክትሕተት ከም ዘለዋ ገሊጹ።

    እዚ ሓድሽ ጸቕጢ፡ ገለ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን "ካናዳ መበል 51 ክፍለ-ሃገር ኣመሪካ ትዅን" ዝብል ጻውዒት ዳግማይ ንኸልዕሉዎ መበገሲ ኰይኑ ኣሎ።

    ኣብዚ እዋን ኣብ ካናዳ ልዕሊ 888 ናይ ባርዕ ጫካ ሓደጋታት ኣጋጢሞም ይርከቡ። እዚ ድማ ኣብ ከም ዲትሮይት፡ ቺካጎን ዋሽንግተን ዲሲን ዝበላ ከተማታት ኣመሪካ ዝተበከለ ኣየር ንኽፍጠር ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ ለውጢ ኵነታት-ኣየር ናይ ኵለን ሃገራት ሓባራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምግላጽ መልሲ ሂቡ።

    ፕሪምየር ኦንታርዮ ዶግ ፎርድ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ክንዲ ምምራርን ምፍርራሕን ነቲ ባርዕ ንምክልኻል ሓገዝ ክትሰድድ ጸዊዑ። ካናዳ ንምክልኻል ባርዕ ጫካ 12 ቢልዮን ዶላር ካናዳ ወፍሪ ከም ዝገበረት እውን ተሓቢሩ።

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ካናዳን ዘሎ ርክብ ድሮ እውን ብሰንኪ ምስሕሓባት ንግዲ ተሓላሊኹ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ናይ ትራምፕ ሓሳብ ነቲ ኵነታት ዝያዳ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ይግመት።

  11. ኢራን፡ ኣብ ዖማን፣ ኩዌት፣ ባሕሬንን ሶርያን ዝርከቡ መደብራት ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዝሃረመት ኣፍሊጣ

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ዖማን ንዝርከብ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ምክትታል ራዳር ከምኡ’ውን ኣብ ኩዌትን ባሕሬንን ንዝርከቡ ዒላማታት ኣመሪካ ከም ዝሃረመ ገሊጹ።

    ብተወሳኺ ኣብ ሶርያ ንዝርከብ ማእከል እዚ ፍሉይ ስርሒታት ኣመሪካ ከም ዝሃረመ ገሊጹ።

    እቲ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዖማን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ንምክትታል ራዳር ሓይሊ ባሕሪን ራዳር ቁጽጽር ሓይሊ ኣየርን ኣመሪካ፡" ከም ዝሃረመ ሓቢሩ።

    "ብሓይሊ ዝፍጸም ሕነ ምፍዳይ ክቕጽል እዩ። መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ይቕጽል ኣሎ፡" ኢሉ።

    ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ማእከል እዚ ፍሉይ ስርሒታት ኣመሪካ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ “ስርዓት ራዳር፡ ሓያሎ ፍሉያት ስርሒታት ሄሊኮፕተራትን ንብዙሓት ሓይልታት ኣመሪካን” ዒላማ ከም ዝገበረ ይግለጽ።

    ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ኣል-ታንፍ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​እቶም መጥቃዕቲታት ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ንዝተፈጸመ ቅትለት ወተሃደራት ኢራን ሕነ ምፍዳይ ዝዓለሙ'ዮም።

    ሶርያ ይኹን ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ርእይቶ ኣይሃባን።

    ሰራዊት ዮርዳኖስ ኣብታ ሃገር ዝተተኰሱ ሰለስተ ሚሳይላት ኢራን ዝዀነ ጉድኣት ይኹን ዕንወት ከየብጽሑ ከም ዝዓገቶም ገሊጹ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ ቅድሚ’ቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ “ብዙሕ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን” ከም ዝሃረመት ገሊጹ።

    ኢራን ብወገና ድልድላት፣ መደበር ባቡርን መዓርፎ ነፈርትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት ከም ዝተሃረሙ ገሊጻ።

    ክልቲአን ሃገራት ተጻብኦአን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኢራን ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዓጽያቶ ኣላ።

  12. ኣመሪካ ሓድሽ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ፈፂማ፤ ኢራን ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት ዒላማ ኰይኑ ኢላ

    ኣመሪካ ንሻድሻይ ተኸታታሊ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመት ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ዋሽንግተንን ቴህራንን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ንምቁፅፃር ኣብ ዝዋግኣሉ ዘለዋ እዋን እዩ፡ ሴንቲኮም ነዚ ወግዓዊ ገይሩ ዘሎ።

    ማእኸላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንቲኮም)፡ እቶም መጥቃዕቲታት ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ዝያዳ ንምድኻም” ዝዓለሙ ከም ዝኾኑ ገሊፁ።

    መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን፡ ኣመሪካ ንድልድላት፣ ጣቢያታት ባቡርን መዕርፎ ነፈርትን ሓዊሱ፡ ኣብ ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት መጠቃዕቲ ከም ዝፈፀመት ፀብፂበን።

    ቢቢሲ፡ ኣብ ዞባ ሆርሞዝጋን ካብ ባንደር ዓባስ ንኣንፈት ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ድልድል መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ኣረጋጊፁ።

    ብተወሳኺ ሚሳይላት ኣመሪካ፡ ኣብ ጥቓ ቀሽም፣ ባንደር ዓባስን ቡሸርን ዒላማ ገይሮም’ዮም።

    ሴንቲኮም ከም ዝገለፆ፡ ጀታት፣ ድሮናትን መራኽብን፡ ኣብ ልዕሊ ጣብያታት ክትትል ገማግም ባሕሪን ኣየርን፣ መሰረተ ልምዓት ወተሃደራዊ ሎጂስቲክን ናይ ባሕሪ ዓቕሚታትን ኢራን መጥቃዕቲ ፈፂመን።

    ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ናብ ዘተ እንተድኣ ዘይተመሊሳ፡ ንድልድላትን መመንጨዊ ፀዓትን ከም ዝድብድብ ተሓንዩ ነይሩ።

    ኢራን፡ ዋሽንግተን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ጣብያ ባቡር፣ ሓሙሽተ ድልድላት መጥቃዕቲታት ከም ዝፈፀመት ብምኽሳስ፡ ኣብ ኩዌትን ባሕሬንን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መሰረተ ልምዓት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመት ገሊፃ።

    መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ኢራን፡ ሸውዓተ ሰባት ብመጥቃዕቲ ኣመሪካ ከም ዝተቀትሉ ፀብፂቡ።

    ሴንቲኮም፡ ነቲ ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ንዝተነበረ ሓድሽ ዕፅዋ ኣብ ዘፈፅምሉ፡ ወተሃደራት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናብ ሓንቲ መርከብ ፅዕነት ነዳዲ ብምድያብ፡ ሰለስተ መራኽብ ንግዲ ኣንፈተን ክቕይራ ኣዚዞም።

    ዋይትሃውስ፡ ትራምፕ ሕዚ’ውን ምስ ኢራን ንዝግበሩ ዘተታት ድሉው ምዃኑ ገሊፁ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትራምፕ፡ ኢራን ንኣመሪካዊት ዴና ካራሪ ከም ዝፈትሐት ገሊፁ።

    ሰብመዚ ፍትሒ ኢራን ግና፡ ዝኾነ ዝተፈትሐ ኰነ ዝተለወጠ ኣመሪካዊ እሱር ከም ዘየለ ሓቢሮም።

  13. ምምሕዳር ትራምፕ ንወጻእተኛታት ተመሃሮ ዝወሃብ ሕጊ ቪዛ ክተርር ገይሩ

    ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንወጻእተኛታት ተመሃሮ ዝያዳ ጽኑዕ ሕጊ ቪዛ ንምትግባር ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

    እቲ ውሳነ፡ ተመሃሮ ብዘይ ፍቓድ ፌደራል ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ከይጸንሑ እገዳ ዝገብርን ካልኦት ጽኑዕ ስጉምትታትን ዘጠቓልል እዩ።

    ዩኒቨርስቲታት ኣብ ምቅይያር ወይ ናይ ትምህርቲ ኮርስ ንምቕያር እገዳታት ከም ዝገብር እውን ይንገር።

    በዚ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ቪዛ ናይ ምንዋሕ ስልጣን ኣለወን።

    እቲ ፖሊሲ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

    ክፍሊ ድሕነት ሃገር ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ንምዝመዛ ቪዛ ዝብድህን መርመራ ድሕረ ባይታ ብምግባርን ሃገራዊ ድሕነት ክሕይል'ዩ፡” ኢሉ።

    ኣህጉራዊ ፈደረሽን መምህራን ግና፡ ነቲ ውሳነ “ዝተዛበዐን ዘየድልን” ኢሉዎ።

    በዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት፡ F-1ን J-1ን ወጻእተኛታት ተመሃሮ፡ ክሳብ ብቪዛኦም ትምህርቶም ዝውድኡ ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ይፍቀደሎም።

    ይኹን እምበር ተመሃሮ ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ዝኽእሉሉ ግዜ ገደብ ክህሉ እዩ።

    "ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሃገራት ወጻኢ ዝመጹ ተመሃሮ ብዘይ ዝዂነ ናይ ግዜ ገደብ ናብ ኣመሪካ ክመጹ ጸኒሖም'ዮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ትምህርቶም እናቐጸሉ ኣብ ኣመሪካ ብምጽናሕ ነቲ ስርዓተ ኢሚግሬሽን ክምዝምዙ ጸኒሖም'ዮም፡" ክብል ጸሓፊ ድሕነት ሃገር ማርክ ዌይን ሙለን ገሊጹ።

  14. ኢራን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኣመሪካ ኣጥቂዓ።

    ኢራን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኣመሪካ ኣጥቂዓ።

    ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ኢራን ደብዳብ ድሕሪ ምክያዱ'ያ ቴህራን ነቲ ግብረመልሲ ሂባ ዘላ።

    ኣብ ዮርዳኖስ፡ ኩዌትን ባሕሬንን ዝርከቡ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ናይቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ሓይልታት ኢራን ኣፍሊጦም።

    ዋሽንግተን ብወገና፡ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ንምድሃኽ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝቐጸለ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ሓቢራ'ላ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት እታ ሃገር ዒላማ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከምዝኸውን ኣጠንቂቁ ነይሩ'ዩ።

    ቴህራን ናብ ዘተ ክትምለስ ድልውቲ እንተዘይኮይና'ውን ተወሳኺ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ትራምፕ ኣሚቱ'ሎ።

    መራሒ ልኡኽ ኢራን ኣብቲ ዝርርባት መሓማድ ባገር ጋሊባፍ ንመግስታዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ንሃገሩ ዘየርብሕ ስምምዕ ክኽብሩ ቅሩባት ከምዘይኮኑ ተዛሪቡ።

    ሃገራዊ ድሕነት ኢራን፡ ኣብቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝህልዎም ወሳኒ ተራ ዝምርኮስ ምዃኑ'ዩ ጋሊባፍ ዝምጉት።

    ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዝርከብ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ መጥቃዕቲ ሓይልታት ኣመሪካ ንማእከላት እዚ፡ መደበራት ጸረ-ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዒላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ

    ብሓሙስ'ውን ኣብ ወሽመጥ፡ ናብቲ ዝዓበ መደበር ነዳዲ ኢራን ተምርሕ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ከምዝወቕዑ እቲ እዚ ሓቢሩ።

    እታ 'በልማ' ዝተባህለት መርከብ ንዝተዋህባ "ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ" ብምባል ናብ ደሴት ካርግ እናኸደት እንከላ ብሚሳይላት ኣመሪካ ተሃሪማ ዓዲ-ውዒል ከምዝኾነት ጠቒሱ።

    ኣመሪካ፡ ብሰሉስ ካብን ናብን ወደባት ኢራን ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ንግዲ ከምዝኣገደት ትራምፕ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

  15. ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ናብ ዘተ እንተ ዘይተመሊሳ ጸዓት ዘፍርዩ ትካላትን ድልድላትን ክወቅዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ናብ መኣዲ ዘተ እንተ ዘይተመሊሳ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ድልድላትን ጸዓት ዘፍርዩ ትካላትን ክወቅዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ትራምፕ እዚ መጠንቀቕታ ዘመሓላለፈ፡ ክልተአን ሃገራት ንራብዓይ መዓልቲ ተኸታታሊ ተዅሲ ኣብ ዝለዋወጣሉ ዘለዋ እዋን እዩ።

    ትራምፕ፡ "ዘተ እንተ ዘይጀሚሮም፡ ዝመጽእ ሰሙን ንዅሉ ጸዓት ዘፍርዩ ትካላቶምን ድልድላቶምን ከነዕኑ ኢና፡" ኢሉ።

    እዚ መጠንቀቕታ ንስቪላዊ ትካላት ዝዓለመ ብምዃኑ፡ ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቮልከር ቱርክ፡ ንስቪላዊ ትካላት ኰነ ኢልካ ምጥቃዕ "ገበን ኲናት" ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

    ኣመሪካ ኣብቲ ስትራተጅያዊ መስመር ማይ ሆርሙዝ ዝርከቡ ዓሰርተታት ናይ ኢራን ወተሃደራዊ ዒላማታት ወቒዓ ኣላ።

    ብተወሳኺ ትራምፕ ኣብ ወደባት ኢራን ዳግማይ ናይ ባሕሪ ዕጽዋ ኣዊጁ። በቲ ካልእ ወገን፡ ኢራን’ውን ኣብ ዮርዳኖስ፡ ኩዌትን ባህሬንን ኣብ ዝርከቡ ናይ ኣመሪካ ዒላማታት መጥቃዕቲ ሚሳይልን ድሮንን ፈጺማ።

    እዚ ወተሃደራዊ ምስሕሓብ፡ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ብርኡይ ክውስኽ ገይሩ ኣሎ። ምኽትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ ብወገኑ፡ ጸቕጥታት ኣመሪካ ንኢራን ናብ ዘተ ከም ዘየምጽኣ ገሊጹ።

  16. ቻይና ንዩክለሳዊ ፈተነታት ዝምርምር ኣመሪካዊ ተመራማሪ ብስለያ ከሲሳቶ

    ቻይና ንኣመሪካዊ ተመራማሪ ንዩክለሳዊ ምርመራታት ቼን ዩሊን ብስለያ ከሲሳ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዓጊታቶ ከም ዘላ ስድራቤቱ ገሊጾም።

    ቼን ኣብ ሕዳር 2024 ናብ ቤጂንግ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ እዩ ተታሒዙ።

    ዕማም ቼን ብቐንዱ ኣብ ምርመራ ንዩክለሳዊ ፈተነታት ሰሜን ኮርያ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ግን ቻይና ነቲ ኣመሪካ ንዩክለሳዊ መጥቃዕቲ ንምልላይ እትጥቀመሉ ሜላታት ንምስላጥ ክትጥቀመሉ ከም ዝደለየት ስክፍታ ኣለዋ።

    ጕጅለ ተጣባቒ 'ግሎባል ሪች' ከም ዝገለጾ፡ ማእሰርቲ ቼን ምስቲ ቻይና ንውዕል ኵሉ-መዳያዊ እገዳ ንዩክለሳዊ ፈተነታት ብምጥሓስ እትገብሮ ዘላ ስቱር ንጥፈታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመሪካ ጥርጣረ ፈጢሩላ እዩ።

    ብተወሳኺ፡ ቻይና ካብ ተመኵሮ ቼን ተበጊሳ ኣመሪካ ንዩክለሳዊ ፈተነታት ንምልላይ እትጥቀመሉ ስትራተጅያዊ ሜላታት ንምፍላጥን ነቲ ውዕል ንምጥሓስ ምኽንያት ክትረክብን ዕድል ክፈጥረላ ከም ዝኽእል ተጠቒሱ ኣሎ።

    እዚ ናይ ቼን ማእሰርቲ፡ ቻይና ንኻልእ ሚን ዚን ዝተባህለ ኣመሪካዊ ምሁር ብስለያ ከሲሳ ድሕሪ ምእሳራ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ዝተሰምዐ እዩ።

    ሴነተር ኤድዋርድ ማርኪ፡ እዚ በይጂንግ እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ሞያዊ ምሕዝነት ከም ዘላሕልሖን ካልኦት ምሁራት ምስ ቻይናውያን መሳርሕቶም ንኸይተሓባበሩ ዕንቅፋት ከም ዝኸውንን ገሊጹ።

    ብዓልቲ ቤቱ ሮንግ ዩፋንግ፡ ቼን ንልዕሊ 600 መዓልታት ተዓጽዩ ልዕሊ 100 ግዜ ከም ዝተመርመረን ብሕማም ሽኰርን ደም ብዝሕን ይሳቐ ስለ ዘሎ ጥዕናኡ ኣብ ስግኣት ከም ዘሎን ትገልጽ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ እቲ ማእሰርቲ ሕጋዊ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ "ጌጋ ዝተፈጸመሉ ማእሰርቲ የሎን" ክብል መሊሱ ኣሎ።

  17. ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርምዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኢማራት መጥቃዕቲ ፈፂማ

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢማራት ዓረብ፡ ክልተ ታንከራት ኣብ ማያት ዖማን መጻብቦ ሆርሙዝ እናሓለፋ እንከለዋ ዒላማ ክሩዝ ሚሳይላት ኢራን ከምዝዀና ሓቢሩ።

    ነዚ ስዒቡ ሓደ ህንዳዊ ኣባል ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ነዳዲ ክመውት ከሎ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ቆሲሎም። ካብዚኦም እቶም ሽዱሽተ ህንዳውያን፡ ክልተ ድማ ዩክረይናውያን ምዃኖም ተፈሊጡ።

    ወሲኹድማ ክልቲአን መራኽብ ሞምባሳን ኣልባህያን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሃስያን ባርዕ ሓዊ ከምዘስዐበለን'ቲ ሚኒስትሪ ይገልጽ።

    ኢማራት ዓረብ፡ ነዚ ‘ድፍረት ዝተመልኦ መጥቃዕቲ’ ከም እትኹንኖን "ከቢድ ጥሕሰት" ዓለማ ሕጊን ኢላ ብምጽዋዕ፡ "ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት" ብምውሳድ ምላሽ ናይ ምሃብ መሰላ ሕልው ከምዝዀነ ገሊፃ።

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ብመግለጺ ተሌግራም ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    በዚ መሰረት፡ ክልተ ንመጠንቀቕታታት ዕሽሽ ዝበላ መራኽብ ነዳዲ፡ ስርዓተ-ቁፅፅር ኣጥፊአን፡ ብነተጉቲ ዝተነድፈ መስመር ክሓልፋ ከምዝፈተና ገሊጹ።

    ወሲኹ ድማ፡ "ምስ ወራሪ ጸላኢ” ብምትሕብባር፡ በቲ መጻብቦ ንምሕላፍ ምፍታን፡ ጣዕሳ፡ ዕንወትን ምትዕንቓፍን ጥራይ ከምዘስዕብ ገሊፁ።

    ከምኡ'ውን እዚ ዓይነት ስጉምቲ፡ ኣብ ዓለም ቅልውላው ጸዓት ከምዘስዕብ ተሓንዩ።

  18. ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ከምዝዓጸወቶን ቀረጽ ከምተኽፍልን ገሊጹ

    መጻብቦ ሆርሙዝ ንመራኽብ ንግዲን ዓማዊላን ዳግማይ ከምዝተዓጸወ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።

    ነተን ዝሓልፋ ካልኦት መራኽብ ንግዲ 20% ቀረጽ ከኽፍል ምዃኑ'ውን ትራምፕ ገሊጹ።

    ድሕሪ'ቲ መግለጺ፡ ዕዳጋታት ዓለም ከንቆልቁልን ዋጋታት ነዳዲ ክዓርግን ጀሚሩ'ሎ።

    "መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉት'ዩ ዘሎ፡ ክፉት ኮይኑ'ውን ክቕጽል'ዩ፡ ብኢራን ወይ ብዘይኢራን። ዕጽዋ ኢራን ደጊምና ኣዊጅናዮ ኣለና፡ ከምዚ ኢሉ ዝተሰምየ ድማ ናይ ኢራን ወይ ዓማዊሎም መራኽብ ጥራይ ስለንኽልክል እዩ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ 'ትሩዝ ሶሻል' ጽሒፉ።

    "ኩለን ካልኦት ሃገራት ብርትዓዊን ናጻን ነቲ መጻብቦ ክጥቀማሉ እየን።

    "ካብ ሕጂ ጀሚሩ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 'ዓቃቢት መጻብቦ ሆርሙዝ' ተባሂላ ክትፍለጥ እያ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ርትዒ ንምንጋስ ንዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን ኩለን ዝሓልፋ መራኽብ ጽዕነት 20% ክኸፍላ እየን" ይብል እቲ ኣመሪካዊ መራሒ።

  19. ኣብ ክሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ወጥሪ ኣመሪካንን ኢራንን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

    ኣመሪካ፡ ሰንበት ምሸት፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ዘካየደት ኰይና፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘተልዓለ ግጭት ንመዓልታት ቀፂሉ ኣሎ።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ኣርባዕተ ድማ ከምዝቘሰሉ ፀብፂበን።

    ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ስዒቡ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኣብ ኩዌት፡ ዮርዳኖስን ባሕሬንን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ከምዝሃረመ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኸተመ ግዝያዊ ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘሎ'ዚ ምዕባለታት፡ ​​መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉት ድዩ ኣይኰነን ዝገራጨዉ መግለፂታት ይወፅእ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

    ኢራን ነቲ ወሳኒ መስመር ማይ ንግዚኡ ከምዝዓጸወቶ ክትገልጽ እንከላ፡ ኣመሪካ ድማ ክፉት ምዃኑ ክተረድእ ትፍትን ኣላ።

    ስርዓታት ምክልኻል ኣየር፣ ናይ ገማግም ባሕሪ ራዳር ቦታታትን ዓቕሚ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሓዊሱ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ከምዝተሃርሙ ድሒሩ ሓቢሩ።

    ሴንትኮም፡ ሓይልታት ኣመሪካ "ምጥቃዕ፡ ምግፋዕ፡ ምፍርራሕን ኢደወነናዊ ኣዋጃትን ኢራን ቀጻሊ'ኳ እንተሃለዋ፡ ንግዳዊ መራኽብ ብናፅነት ምንቅስቓስ ቀፂለን ኣለዋ" ይብል።

    ሒደት ደቓይቕ፡ ቅድሚ እቲ መግለፂ ሴንትኮም፡ መንግስታዊ ቲቪ ኢራን ኣብ ሰለስተ ከባብታት ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ጸብጺባ ነይራ።

  20. ናይ ቀረባ መሓዛ ትራምፕ ዝነበረ ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብ'ሓጺርን ሃንደበታውን ሕማም' ዓሪፉ

    ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሪፓብሊካን ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብዘጋጠሞ "ሓጺርን ሃንደበታውን ሕማም" ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ መበል 71 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ገሊጹ።

    ኣብ 2002 ናብ ሰኔት ዝተመርጸ እዚ ፖለቲከኛ ደቡብ ካሮላይና፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፖሊሲ ​​ወጻኢጽልዋ ዘለዎም ድምጽታት ዋሽንግተን እዩ ነይሩ።

    ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተራኺቡ ነይሩ።

    ቅድሚ መገሻኡ ግን ዝዀነ ዝፍለጥ ናይ ጥዕና ስክፍታታት ኣይነበረን።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ግራሃም "ሓቀኛ ኣመሪካዊ ሓርበኛ" ምዃኑ ገሊጹ።

    ግራሃም ኣቦ መንበር ኮሚተ ባጀት ሰኔት ኮይኑ እውን ከምዘገልገለ ይፍለጥ።

    ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዜና ሞት እቲ ሰነተር ኣዝዩ ከምዝሓነ ገሊጹ ኣሎ።