መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀልቡ ስሒቱ ወዲቝ
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኡጋንዳ ኪዛ ቤሲጄ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀልቡ ስሒቱ ምስ ወደቐ ናብ ፅኑዕ-ክትትል ዝግበረሉ ሕክምና ከምዝተኣተወ በዓልቲ ቤቱ ገሊጻ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ኤጀንሲ ኤችኣይቪ/ኤይድስ [ዩኤንኤድስ]፡ ዊኒ ቢያኒማ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤክስ፡ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ “ቀልቡ ስሒቱ እዩ ወዲቑ፤ ክዛረብ ኣይክእልን፤ ንመነቓቕሒ መድሓኒት’ውን ምላሽ ኣይህብን” ይብል።
እዚ ወዲ 70 ዓመት ፖለቲከኛ ካብ ሕዳር 2024 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
እቲ ፖለቲከኛ መጋባእያ ቀልቡ ስሒቱ እንትወድቕ፡ ጠበቓታት መንግስቲ ንዕኡ ክውክሉ ክሽየሙ እንከለዉ ይቃወም ነይሩ። ብድሕሪኡ ብሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ኣርባዕተ ግዜ ንፕረዚደንትነት ዝተወዳደረ እዚ ፖለቲከኛ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ኬንያ ተጨውዩ እዩ ናብ ኡጋንዳ ተወሲዱ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ምስ ሓጋዚኡ ኦቤይድ ሎታሌ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
ክልቲኦም ብኽሕደት ሃገር እዮም ዝኽሰሱ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ፖለቲከኛን ሓጋዚኡን "መንግስቲ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንምውዳቕ ውዲት ፈጺሞም" ክብሉ እዩ ከሲሶም። ንሳቶም ብወገኖም ነቲ ክሲ ኣይቕበሉዎን።
ክሕደት ሃገር ኣብ ኡጋንዳ ከቢድ ገበን ኮይኑ፡ ብሞት ዘቕጻዕ እዩ።