ተሸላሚት ኖቤል ኢራናዊት ናርግስ ብዋሕስ ተፈቲሓ ናብ ሆስፒታል ተሰጋጊራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ከም ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት እትፍለጥ ኢራናዊት ናርግስ መሓመዲ፡ ብሰንኪ እናበርትዓ ዝመጽእ ዘሎ ሕማም፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኣ ናብ ሆስፒታል ቴህራን ከም ዝተሰጋገረት ተገሊጹ።
ሰበስልጣን ኢራን ናርግስ “ብልዑል ዋሕስ ንግዜኡ” ክትወጽእ ከም ዝፈቐዱላ፡ ስድራቤታ ዘመሓድሩዎ ፋውንዴሽን ብሰንበት ኣፍሊጡ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ክልተ ግዜ ናይ ልቢ ሕማም ከም ዘጋጠማ ዝጠቐሱ ደገፍታን ስድራቤታን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ክትመውት ከም እትኽእል ኣጠንቂቖም ነይሮም እዮም።
ጓል 54 ዓመት ዝዀነት ናርግስ መሓመዲ፡ ኣብ ኢራን ንዝካየድ ጭቆና ደቀንስትዮ ብምቅዋምን ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ብእተካይዶ ቃልስን፡ ናይ 2023 ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ምዃና ዝፍለጥ እዩ።
ድሕሪ እቲ ስድራቤታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጽእ ዘቕረቡዎ ተደጋጋሚ ልመና፡ ሕጂ ብናታ ሓካይም ንኽትሕከም ኣብ ሆስፒታል ፓርስ ቴህራን ከም እትርከብ ፋውንዴሽን ናርግስ መሓመዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዛንጃን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንዓሰርተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ጸኒሓ ነይራ እያ።
ኣብ ፓሪስ ዝነብር ብዓልቤታ፡ “ሓፈሻዊ ኵነታት ጥዕናኣ ጽቡቕ የሎን፡” ክብል ገሊጹ።
እዛ ተጣባቒት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ኣስታት 20 ኪሎ-ግራም ዝኸውን ሚዛን ኣካላ ከም ዝጐደለ ይእመን።
ከምቲ ጠበቓኣ ቺሪን ኣርዳካኒ ዝገለጸቶ፡ ናርግስ ንምዝራብ ትጽገም ከም ዘላን መንነታ ንምፍላጥ ክሳብ ዘጸግም ከም ዝተጐሳቘለትን ተዛሪባ።
ኣብ 2021 “ኣንጻር መንግስቲ ፕሮፖጋንዳ ምዝርጋሕን ምስ ጸጥታ ሃገር ምርጻምን፡” ብዝብል ክስታት ናይ 13 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ንሳ ግና ነቲ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።
ብተወሳኺ፡ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2024 ብሰንኪ ሕክምናዊ ምኽንያት ካብቲ ሕማቕ ስም ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ንግዜኡ ክትወጽእ ተፈቒዱላ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ተዝካር ስነ-ስርዓት “ቀስቃሲ ዘረባ” ብምስማዓ ዳግማይ ከም ዝኣሰሩዋ ይገልጹ።
ስድራቤታ ከም ዝሓበሩዎ ግና ኣብ እዋን ማእሰርታ ማህረምቲ ስለ ዝወረዳ እያ ናብ ሆስፒታል ክትውሰድ ተገዲዳ።


