ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኲናት ኢራን: ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ስምምዕ ሰላም

  2. ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ምስ ተሰማመዐት፡ ዋጋ ነዳዲ ወሪዱ

    ነዳዲ ዝቐድሕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣመሪካን ኢራንን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዘኽእል ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕን፡ ተዅሲ ደው ምባል ምስ ተስማምዓ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ወሪዱ።

    ዓለማዊ መዐቀኒ ዋጋ ነዳዲ ዝኾነ ብሬንት፡ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ኣስታት 13 ሚእታዊት ብምጕዳል፡ ንሓደ በርሚል ናብ 94.80 ዶላር በጺሑ።

    ደረቕ ነዳዲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ብ15 ሚእታዊት ብምንካይ፡ ናብ 96.75 ዶላር ወሪዱ።

    ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ዋጋ ነዳዲ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ኢራን ዝነበሮ - ማለት ኣስታት 70 ዶላር ንሓደ በርሚል - ዝለዓለ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

    ምውላዕ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ስዒቡ፡ ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ከተጥቅዕ ብምጅማራ፡ ዋጋ ነዳዲ ሓፍ ከም ዝበለን፡ ሕፅረት ቀረብ ነዳድን ጋዝን ከም ዘጋጠመን ይዝከር።

    እቲ ሕጂ ዝተበፅሐ ክልተኣዊ ስምምዕ ስዒቡ፡ ብዙሓት ንነዊሕ እዋን ኣብ ባሕሪ ዝጸንሓ መራኽብ ነዳዲ ብሰላም ክሓልፋ ከም ዝኽእላ ይግመት።

    እዚ ድማ፡ ንዓለማዊ ዕዳጋ ነዳዲ ዓቢ ተስፋ ከም ዝኸውን ክኢላታት ይገልጹ ኣለዉ።

  3. ሹመት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ

  4. ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዛዕባ ምትራፍ ተጻወትቲ እንታይ ኢሉ?

  5. "ተዅሲ ደው ምባል ሽዑ ንሽዑ ግብራዊ ክኸውን እዩ"- ፓኪስታን

    ዶናልድ ትራምፕን ቀ/ምኒስተር ፓኪስታንን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕን ቀ/ምኒስተር ፓኪስታንን

    ንልዝብ ኣመሪካን ኢራንን ክሽምግል ዝጸንሐ ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ እቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ብቕጽበት ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

    "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ምስ መሻርኽተን ኰይነን፡ ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ኣብ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ከብል ከም ዝተሰማምዓ ክገልፅ እፈቱ።"

    እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ ድማ ተዛሪቡ።

    ነቶም ልኡኻት ክልቲአን ሃገራት፡ ዓርቢ 10 ሚያዝያ ናብ ኢስላምባድ [ርእሰ-ከተማ ፓኪስታን] "ዝዀነ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕን ውዱእ ስምምዕ ንምግባርን ክዛተዩ" ዓዲሙ።

  6. መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሩስያን ቻይናን ደው ዘበልኦ እማመ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

    ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ድምጾም እናሃቡ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ንመጻብቦ ሆርሙዝ ውሕስነት ንምሃብ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንድምጺ ዝቐረበ እማመ ሩስያን ቻይናን ብዘለወን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ደው ኣቢለንኦ።

    እቲ ደገፍ ናይ ኣመሪካ ዘላተን 10 ሃገራት ዝረኸበ እማመ፡ "ሃገራት ኣድላዪ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ብምውሳድ እቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲ ዝኾነ መጻብቦ ከምዝኽፈት ክገብራ ዘፍቅድ'ዩ።

    ኣብ ፈለማ ዝቐረበ ሰነድ ንዓንቀጽ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብምምርኳስ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝብል ትሕዝቶ ኣብቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ልዝብ ከምዝቕየር'ኳ እንተ ተገብረ፡ "ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ምፍቃድ ንሞስኮን በይዢንግን መለሳ ዘይብሉ'ዩ ኮይንወን።

    ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ፓኪስታንን ኮሎምቢያን ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን ኣለዋ።

    ነቲ ሎሚ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መጋባእያ እቲ ባይቶ ዝመርሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባሕሬን ዓብዱላጢፍ ቢን ራሺድ ኣል ዛያኒ፡ ሃገራት ንኣገዳሲ መጻብቦታትን መትረባትን ከም መሳርሒ ኲናት ክጥቀማሉ እንተ ተፈቒዱለን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ቀወምቲ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ቻይናን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ስለዘለወን፡ ሓንቲአን ዝተቓወመቶ እማመ ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ።

    እተን ዝተረፋ ዝርከብአን 10 ኣባላት በብእዋኑ ተመሪጸን ናብቲ ባይቶ ዝኣትዋ ኮይነን ንክልተ ዓመታት የገልግላ። ሶማልያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንኣፍሪቃ ወኪለን ኣብቲ ባይቶ ዘለዋ እየን።

  7. ኢራን ንትካል ፐትሮከሚካል ስዑዲ ኣጥቂዓ

    ሰራዊት ኢራን ንትካል ፐትሮከሚካል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከምዘጥቅዐ ኣፍሊጡ።

    ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናብቲ ኣብ ጁበይል ዝተባህለ ከባቢ ስዑዲ ዝርከብ ትካል ዘነጻጸረ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ገሊጾም።

    እቲ መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ንትካላት ፐትሮከሚካል ኢራን ዒላማ ዝገበረ ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ'ውን እቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኢራን (ኢርና) ዝወጸ መግለጺ የነጽር። ኤ-ኤፍ-ፒ እውን ኣብቲ ትካል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ጸብጺቡ ነይሩ'ዩ።

    ጁበይል ኣብ ስግር ኢራን ዘሎ ምብራቓዊ ገማግም ስዑዲ ዝርከብ እዩ።

    ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ከምዝተወለዐን፡ ሓያል ነትጒ ከምዝተሰምዐን ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

    ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ግን ነቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ቪድዮታትን ስእልታትን ክዝርግሑ ውዒሎም ነይሮም።

  8. 'መላእ ስልጣነ ሎም-ምሸት ፈጺሙ ከምዘይምለስ ክመውት እዩ'- ትራምፕ

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጋዜጣዊ መብርሂ ኢዱ እናመልከተ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኢራን ናብ ስምምዕ ክትመጽእ እንተዘይክኢላ ክትጠፍእ ከምእትኽእል ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።

    "መላእ ስልጣነ ሎም-ምሸት ክመውት እዩ፡ ፈጺሙ ከምዘይምለስ" ክብል'ዩ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ትሩዝ ሶሻል' ጽሒፉ።

    "ከምኡ ክኸውን ኣይደልን እየ፡ ግና ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ። እንተኾነ፡ ሕጂ ፍጹምን ምሉእን ናይ ስርዓት ለውጢ ስለዝተፈጸመ፣ ፍሉያት፡ በላሕቲን፡ ከምኡ'ውን ኣመና ሕሉፋት ዘይኮነ ኣእምሮ ዝነግሰሉ፡ ምናልባት'ውን፡ ሰውራዊ ዝኾነ ሰናይ ነገር ከጋጥም ይኽእል'ዩ፡ መን ይፈልጥ"።

    "ሎም-ምሸት ክንርእዮ ኢና፡ ሓደ ካብ ወሰንቲ ህሞታት ኣብቲ ነዊሕን ዝተሓላለኽን ታሪኽ ዓለም። 47 ዓመታት ምጥፍፋእ፡ ብልሽውናን ሞትን፡ ኣብ መወዳእታ ከብቅዕ'ዩ። ፈጣሪ ነቲ ዓቢይ ህዝቢ ኢራን ይባርኽ" ክብል'ዩ ትራምፕ ኣፍሊጡ ዘሎ።

  9. ኣመሪካ ኣብ ደሴት ካርግ ዳግማይ መጥቃዕቲ ፈጺማ

    ኣብ ደሴት ካርግ ዝርአ ቱቦታትን ገንእታትን ነዳዲ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    እታ መትኒ ነዳዲ ኢራን ዝኾነት ደሴት ካርግ ዒላማ ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከምዝኾነት ጸብጻባት ሓቢሮም።

    መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ፡ ንሓደ ብዓልስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ከምዝበሎ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብታ ደሴት ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሃሪሞም ኣለዉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ንትሕተ-ቅርጺ ነዳዲ እታ ደሴት ዝተንከፈ ከምዘይነበረ'ዩ እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ብዓልመዚ ሓቢሩ ዘሎ።

  10. ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኢራናውያን ብባቡር ከይጓዓዙ ኣጠንቂቑ

    ስእሊ መደበር ባቡር ቴህራን፡ ቅድሚ ኲናት ዝተሳእለ

    ምንጪ ስእሊ, NurPhoto via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ስእሊ መደበር ባቡር ቴህራን፡ ቅድሚ ኲናት ዝተሳእለ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ኢራናውያን ሎም መዓልቲ ብባቡር ከይጓዓዙ የጠንቅቕ ኣሎ።

    እቲ ሰራዊት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ- ፋርሲ ኣቢሉ ኣብ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ኢራናውያን "ንድሕነትኩም ክትብሉ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ክሳብ ሰዓት 21፡00 ብኣቈጻጽራ ኢራን፡ ባቡር ካብ ምጥቃምን ምጕዓዝን ተቘጠቡ" ክብል ኣጠንቂቝ።

    ወሲኹ፡ "ኣብ ባቡራትን ኣብ ጥቓ መስመራት ባቡርን ምጽናሕ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ የውድቕ" ይብል።

    እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ስርዓት ክሳብ ሰሉስ ኣጋ ምሸት፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኸፍት እንተዘይፈቒዱ፡ ኣብ መላእ ኢራን ንዝርከቡ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ክገብር ምዃኑ ኣብ ዘፈራርሓሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ምስቲ ስርዓት ዝተኣሳሰር "መሰረተ ልምዓት ቴህራን" ዒላማ ዝገበረ ማዕበል መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝዛዘመን፡ ኣባላት ሕዝቦላህ እዮም ዝበሎም ሰባት ከም ዝቐተለን'ውን ገሊጹ።

    ብኻልእ ወገን፡ እቲ ሰራዊት ካብ ኢራን ናብ እስራኤል ገጹ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ከም ዝዓገተ'ውን ገሊጹ።

  11. ፈደራል ‎ፖሊስ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎ 'ሓደገኛ' ኣሰጋገሪ ሰባት

  12. ትራምፕ ካብ ታሪኽ ኣገዳሲ ትምህርቲ ወሲዱ ዶ?

  13. ትራምፕ፡ 'ንኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ክንድምስሳ ኢና'

  14. ኢትዮጵያ፡ ገያሾ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት - መንግስቲኸ እንታይ ስጕምቲታት ይወስድ ኣሎ?

  15. እስራኤል ንትካል 'ፐትሮከሚካል' ኢራን ኣጥቂዓ

    ኣብ ኣሳሉየህ ዝርከብ ትካል 'ፐትሮከሚካል' ኣብ 2024

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣሳሉየህ ዝርከብ ትካል 'ፐትሮከሚካል' ኣብ 2024

    ንትሕተ-ቅርጺ ኢራን ከዕኑ ሓድሽ ትእዛዝ ዝተዋህቦ ሰራዊት እስራኤል ድሮ ንሓደ ትካል ቀመም-ነዳዲ ('ፐትሮከሚካል') ኣጥቂዑ ኣሎ።

    ሚኒስተር ምክልኻል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዒላማ ዝኾነ ትካል ፍርቂ ፍርያት ፐትሮከሚካል ኢራን ዝውክል ምዃኑ ጠቒሱ።

    "ሰራዊት እስራኤል ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከባቢ [ኣሳሉየህ] ዝርከብ ዝዓበየ ትካል ፐትሮከሚካል ሓያል መጥቃዕቲ ኣካይዱ ኣሎ" ክብል'ዩ እቲ እስራኤል ካዝ ዝተባህለ ሚኒስተር ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ካልእ ዝርከብ ተመሳሳሊ ትካል ዒላማ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነ ካዝ ጠቒሱ'ሎ። እቲ ኢንዱስትሪ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ እዩ ክብል'ውን ከሲሱ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ መራሕቲ ኢራን ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምኽፋት ዝርከቦ ስምምዕ ክመጹ እንተዘይክኢሎም ንመደበራት ጸዓት እታ ሃገር ንምዕናው ሓድሽ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ምዃኑ ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ፡ እዚ ንሲቪላዊ ትካላት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ።

    ሰብመዚ ኢራን እቲ መጥቃዕቲ ዘውረዶ ጉድኣት ኣብ ምግምጋም ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ።

    እቲ ትካላት፡ ዘይተጻረየ ነዳዲን ባህርያዊ ጋዝን ተጠቂሞም፡ ከም ድዅዒን ጐማታትን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ነገራት ንምስራሕ ዘገልግል ቀረባት ዘፍርዩ ምዃኖም ይፍለጥ።

  16. ሓላፊ ስለያ ኢራን ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ተቐቲሉ

    ሓላፊ ስለያ’ታ ሃገር፡ ማጂድ ካደ

    ምንጪ ስእሊ, Iranian state media

    መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ስለያ’ታ ሃገር፡ ማጂድ ካደ

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሓላፊ ስለያ’ታ ሃገር፡ ከም ዝተቐትለ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብማዕከናት ዜና ኢራን ዝተዋህበ መግለፂ፡ ማጂድ ኻደሚ፡ ሎሚ ንግሆ ከም ዝተቐትለ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ንእስራኤልን ኣመሪካን ተሓተትቲ ይገብር።

    ብዛዕባ እዚ ቅትለት ዝተሓተተ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ነቲ ጸብጻብ "ክንርእዮ ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

    ኻደሚ፡ ነቲ ኣብ 15 ሰነ 2025 ዝተወልዐ፡ ን 12 መዓልታት ዝጸንሐ ኲናት፡ ብእስራኤል ዝተቐንፀለ መሓመድ ካዘሚ ተኪኡ’ዩ ኣብዚ ሓላፍነት ደዪቡ።

    ኻደሚ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ መላእ ኢራን ዝተራእየ ተቓውሞታት፡ ኣሃዱ ሳይበር ውግእን ስለያ እስራኤልን ሓዊሱ፡ ልዕሊ 10 ትካላት 'ጸላኢ' ተራ ከም ዝነበሮም ገሊጹ ነይሩ።

    ብመሰረት ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ኣብ ጥሪ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ብውሕዱ 7 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ወይ ድማ ተቐቲሎም።

  17. ቅድሚ ሕጂ ዒላማ ዝዀኑ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢራን

    ብመጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝዓነወ ድልድል

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝሃቦ፡ ግዜ ገደብ እንተዘይኣማሊኣ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ዒላታት ነዳዲን መጻረዪ ማይ ጨውን ከዕኑ ምዃኑ የፈራርሕ ኣሎ።

    ኣብዚ ኲናት ድሮ ብርክት ዝበሉ ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓትን ዒላማታት ኰይኖም ተሃሪሞም እዮም።

    ኣመሪካን እስራኤልን ገሊአን ምስ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብኣጋጣሚ ዝተሃርሙ ምዃኖም እየን ዝገልጻ።

    ብ28 ለካቲት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ኲናት፡ ክልተ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ሚናብ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሻጃረህ ጣየበህ ሃሪሞም።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 110 ህጻናት ተምሃሮ ደቀንስትዮ ዝርከባኦም ብውሕዱ 168 ሰባት ከምዝቐተለ ሰበስልጣን ኢራን ገሊጾም።

    ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ወተሃደራዊ መርመርቲ ሓይልታት ኣመሪካ ተሓተትቲ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ከም ዝኣምኑ'ኳ እንተገለጻ፣ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ግን የለን።

    ኣብ መጀመርታ መጋቢት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን፡ ​​"ጸሊም ዝናብ" ንርእሰ ከተማ ቴህራን ኣንጠንጥዩዋ።

    እቶም ሽዑ ዒላማ ዝተገበሩ ድማ፡ መኽዘናት ነዳዲ ፋርዲስ፡ ሻህራንን ኣግዳሲህን፡ ከምኡ’ውን መጻረዪ ነዳዲ ቴህራንን ይርከብዎም።

    ክልተ ዝዓበዩ ትካላት ሓጺን ኢራን ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ- እስራኤል ከም ዝተዓጽዋ፡ እተን ኣካየድቲ ኩባንያታት ይገልጻ።

    ኢራን ዓባይ ዓለምለኻዊ ኣፍራዪት ሓጺን እያ።

    ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢራን ኣብ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮንዳብ "ከቢድ ጉድኣት" ከም ዘውረደ ተቘጻጻሪ ኑክሊየር ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ ዝሰዓበ ብከላ ግን ኣይተራእየን።

    ዝሓለፈ ሓሙስ 2 ሚያዝያ፡ ካብ ቴህራን ንምዕራብ እትርከብ ከተማ ካራጅ ዘሎ ዓቢ ድልድል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዓንዩ።

    ድሕሪኡ ትራምፕ ብዛዕባ ዕንወት እቲ ድልድል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክምካሕ እዩ ተሰሚዑ። ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሸሪፍ እውን ብዝወረዶ መጥቃዕቲታት ተሃስዩ ኣሎ።

    ኣብ ገለ ክፋል ቴህራን እውን ምቍራጽ ጋዝ ይርአ'ሎ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብርክት ዝበሉ ዩኒቨርሲቲታት ተሃስዮም ኣለው፣ ካብኣቶም - ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ቴህራንን ዩኒቨርሲቲ ሻሂድ በሄሽቲን ይርከብዎም።

  18. ኣመሪካ'ቲ ትፍክሮ ዘላ እንተፈጺማ፡ ኢራን ከምዘይተናሕሲ ትገልጽ

    ዓባስ ኣራግቺ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ኢራን ክትሃርም ምዃና እትገልጾ ዘላ ምፍርራሕ እንተፈጺማቶ፡ "ብዘይጥርጥር ካብ ዕጡቕ ሓይልታት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ወሳንን ኵለመዳያውን ምላሽ ከም ዝወሃቦ" ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ተሓንዩ።

    ምኒስተር ጉዳያtእ ወፃኢ ኢራን፡ ምስ ፈረንሳዊ መዘናኡ ዣን ኖኤል ባሮት ኣብ ዝገበሮ ናይ ተሌፎን ዝርርብ እዩ ከምኡ ዝበለ።

    ዓባስ ኣራግቺ፡ ምፍርራሕ ኣመሪካ "ምስ ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ዝመጣጠን'ዩ" ክብል'ውን ከሲሱ ኣሎ።

    ነቲ ዝተገብረ ዝርርብ ክልቲኦም ሰበስልጣን ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ባሮት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ወጥሪ ከም ዘስዕብ ገሊጹ፤ ነዚ ድማ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

  19. ብጸርፊ ዝተሰነየ ምፍርራሕ ትራምፕ, ኣብ ጉዳይ መፃብቦ ሆርሙዝ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ትራምፕ ከም ብሓድሽ ምፍርራሕ ጀሚሩ ዘሎ ፡ ኣባል ናይታ ኣብ ኢራን ተወቒዓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ንምውጻእ ዝተኻየደ ስርሒት ብዓወት ምዝዛሙ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

    ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ዝወረደ ወተሃደር ኣመሪካ ንምሓዝ ተቐዳዲመን፣ እቲ ኣብራሪ ኤፍ-15 ብዓርቢ ነፋሪቱ ምስ ተሃርመት ቍሩብ ጸኒሑ እዩ ተረኺቡ።

    ኢራን ነዚ ንልዕሊ ወርሒ ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕቲታት ኣመሪካን እስራኤልን፡ መሻርኽተን ንዝበለተን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምጥቃዕ እያ ምላሽ ትህብ ዘላ።

    ኢራን ኣብቲ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር ማይ እውን ብዓቢዩ ዕጽዋ ኣካይዳ፣ ብሰንኩ ድማ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ዓሪጉን ዋጋታት ንብረት ወሲኹን።

    እዚ ቅልውላው፡ ትራምፕ ኣብ መጋቢት፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ ዳግማይ ክትከፍት ደጋጊሙ ገደብ ግዜ ከውጽእ ምኽንያት ኰይኑ። ብሰንበት'ውን ቅድመ-ዅነት ብምቕራብ ኣብ ትሩዝ ሶሻል መጠንቀቕታ ሂቡ።

  20. "ሰራዊት ኣመሪካ ንትራምፕ 'ኣይፋል' ክብል እንተዀይኑ ክንርኢ"- ኣማኻሪ ኦባማ ነበር

    ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኦባማ ምክትል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ነበር ቤን ሮድስ፡ ትራምፕ ኣብ ኲናት ኢራን ዝኽተሎ ዘሎ ኣቀራርባ "ንበይኑ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኰይኑ ውሳነታት ዝውስን ዘሎ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ" ክብል ነቒፉ።

    ኣቐዲሙ ንራድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትራምፕ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣማኸርቲ ዝምርኮስ ኣይመስልን፣ ከምኡ'ውን "ንቡር መስርሕ" ዝኽተል መራሒ ከምዘይኰነ ገሊጹ።

    ሮድስ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢራን ንምዕናው ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ኣመልኪቱ፡ ገበናት ኲናት ክፍጽም ምዃኑ የፈራርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

    "ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ንትራምፕ ኣይፋል ክብል ድሉው እንተዀይኑ ክንርኢ ኢና" ድማ ይውስኽ።

    ትራምፕ፡ እዚ ኲናት ኣብ መኣዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝውዳእ ክቕበል ኣለዎ ዝብል ሮድስ፡ ኢራን ብመጥቃዕትታት'ኳ እንተ ተዳኸመት፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢላ ግን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ቍጠባ ክህልዋ ዝኽእል ጽልዋ ርኢኻ ሓያል ከምዘላ ይዛረብ።