ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ልኡኽ ኢራን ካብ ኢስላምባድ ተበጊሱ

    ልኡኽ ኢራን ካብ ኢስላምባድ ከም ዝተበገሰ ሙሉእ ንሙሉእ ወግዓዊ ዘይኰነ ማዕከን ዜና ኢራን መህር ሓቢሩ።

    እቲ ብኣፈኛ ባይቶ ኢራን መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ዝምራሕ ልኡኽ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት ውሽጢ ዓዲ ሰዓት 9፡00 (4፡00 GMT፡ 5፡00 BST) ከም ዝተበገሰ እቲ ትካል ጸብጺቡ።

    ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ዝርከቦ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ እውን፡ ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ካብ ኢስላምባድ ከም ዝወጽአ ይፍለጥ።

  2. ኢራን፡ ኣመሪካ 'ካብ መጠን ንላዕሊ ጠለባት' ካብ ምቕራብ ክትቑጠብ ጸዊዓ

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ

    ምንጪ ስእሊ, Atta Kenare via Getty Images

    ኢራን ምስ ኣመሪካ ዘካየደቶ ልዝብ ከም ዝፈሸለ ይፍለጥ።

    ድሕሪ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሕሉ ዘይኽሉ ዝርርብ ሰላም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ድማ፡ ኣመሪካ ካብ 'ካብ መጠን ንላዕሊ ጠለባት' ክትቁጠብ ኣለዋ ኢላ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ነቲ ዝርርብ "ጽዑቕ" ክብል'ኳ እንተገለጾ፡ ዕዉትነት ናይቲ ዝተኻየደ ዘተ ግን "ኣብ ዕቱብነትን ሰናይ ድሌትን ተጻባኢ ወገን ዝምኰስ'ዩ፡" ይብል።

    ባጋይ ብተወሳኺ ዋሽንግተን ካብ "ካብ መጠን ንላዕሊ ጠለባትን ዘይሕጋዊ ሕቶታትን" ካብ ምቕራብ ክትቁጠብን "ሕጋዊ መሰላትን ረብሓታትን" ኢራን ክትቅበልን ይጽውዕ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ፡ መደብ ኒዩክለራዊ ኢራንን "ኲናት ኢራን ምሉእ ብምሉእ ምውዳእ"ን ኣብ ዘተ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ካብ መንጐ ዝተላዕሉ ምዃኖም ይግለጽ።

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ካብ ኢዝላማባድ ዝወጽአ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ዝርርብ ብወገን ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ክንሰምዕ ትጽቢት ይግበር።

  3. ቫንስ፡ ብዛዕብ ምቁራጽ ዝርርብ ክልአቲን ሃገራት ዝጠቐሶም ጉዳያት

    ጄዲ ቫንስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ምስ ኢራን ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕን ከቢድን ዘተ፡ ነቲ ኲናት ኣብ ዘብቅዕ ስምምዕ ሰላም ከብጽሕ ድሕሪ ዘይምኽኣሉ ናብ ሃገሩ ኣምሪሑ።

    ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ኣማኻሪ ዋይት ሃውስን ጃረድ ኩሽነርን ደው ኢሉ ዝነበረ ቫንስ፡ ካብ ኢዝላማባድ ቅድሚ ምብጋሱ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ሂቡ።

    ቀንዲ ዘልዓሎም ሓሳባት፥

    • ኣብ ኢስላማባድ ን21 ሰዓታት ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ከም ዘይከኣላ ገሊጹ
    • "ምስ ኢራናውያን ብርክት ዝበሉ ዘተታት ኣካይድና ኢና፡ እዚ'ዩ እቲ ጽቡቕ ዜና። እቲ ሕማቕ ዜና ኣብ ስምምዕ ከም ዘይበጻሕና'ዩ፡ እዚ ድማ ካብ ንኣመሪካ ንኢራን ሕማቕ ዜና'ዩ ዝመስለኒ፡" ይብል ቫንስ
    • "በቃ ኢራናውያን ንውዕላትና ኣብ ዝቕበሉሉ ኩነታት ክንበጽሕ ኣይከኣልናን፡" ኢሉ
    • እቲ ምክትል ፕረዚደንት ብተወሳኺ ንቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒርን ዘለዎ ናእዳ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ልዝብ "ዝዀነ ጉድለታት" እኳ እንተነበረ፡ እዚ ግን"ብሰንኪ ፓኪስታናውያን ዝስዓበ ኣይኰነን፤ ዘገርም ስራሕ እዮም ሰሪሖም፡" ክብል ተዛሪቡ
    • ቫንስ ብዛዕባ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ኢራን ምስ ተሓተተ፡ እታ ሃገር ሕጂ ይኹን ንመጻኢ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይህልዋ ደው ምባል "ቀንዲ ዕላማ" ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምዃኑ ጠቒሱ
    • ወሲኹ ድማ ትራምፕ ኣብቲ ዝርርብ ተሳቲፉ ከም ዝነበረን እቲ ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ብተደጋጋሚ ምስ ትራምፕ ይዘራረብ ከም ዝበረ ሓቢሩ
    • "ኣዝዩ ቀሊል እማመ ሒዝና ኢና ንብገስ፡ እዚ ናይ መወዳእታን ዝበለጸን ጠለብ እዩ፤ ኢራናውያን ይቕበልዎ እንተዀይኖም ክንርኢ ኢና፡" ኢሉ
  4. 'መግነዚ ጨርቂ' እየሱስ ክርስቶስ ስለምንታይ'ዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ?

  5. ብዛዕባ ዝርርብ ሰላም ዝወሃቡ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት መራሕቲ

    ጄዲ ቫንስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣመሪካን ኢራንን፡ እቲ ኣብ ፓኪስታን ከካይኦ ዝጀመራ ክልትኣዊ ዝርርብ ሰላም ዝፈሸለሉ ምኽንያት ዝምልከት ዝተፈላለየ ርእይቶታት የቕርባ ኣለዋ።

    ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ካብ ኣመሪካ ዝቐረበ "ዘይምኽኑይ ጠለባት" ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ኣፍሺልዎ።

    "ካብ ልኡኽ ኢራን ዝተፈላለየ ተበግሶታት እኳ እንተተወሰደ፡ ዘይምኽኑይ ጠለባት ወገን ኣመሪካ ነቲ ድርድር ከይስጉም ዓጊትዎ። እቲ ድርድር ድማ በዚ ተዛዚሙ፡" ክብል መንግስታዊ ፈነወ ኢራን ኢራብ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተላዘብቲ ኣመሪካ "ተዓጻጸፍት"ን "ተሓባበርትን" ምንባሮም ይዛረቡ።

    ቫንስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብዚ "ሰናይ ድሌት ሒዝኻ ብምኻድ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ጻዕሪ ግበር ኢሉ ሰዲዱኒ። ከምኡ ጌርና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ዝዀነ ምዕባለ ክንገብር ኣይከኣልናን፡" ኢሉ።

    ንሱ ወሲኹ፡ "ኣዝዩ ቀሊል ሓሳብ፡ ናይ መወዳእታን ዝበለጸን ኣገባብ ምርድዳእ" ከም ዘቕረበ ይዛረብ።

    ክልቲአን ሃገራት ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበራ ይፍለጥ።

    ሕጂ ዝቕጽል ስጉምትታት እንታይ ምዃኑን ተወሳኺ ዝርርብ ክካየድ መደብ ከም ዘሎን ንጹር ኣይኰነን።

  6. ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ቺምፓንዚታት ኣብ ሕሱም 'ኲናት ሓድሕድ' ተጸሚዶም

  7. ቅዋም ሃገር ዝቐየረ ፕረዚደንት ጅቡቲ፡ ንሻድሻይ ግዜኡ ብዓብላሊ ተዓዊቱ

  8. ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳብ በዓል ትንሳኤ

  9. ፓኪስታን፡ ብኸመይ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ ክትሽምግል ክኢላ?

  10. ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢራንን ኣመሪካን ብ'ክፉት ልቢ' ክዛተያ ጸዊዑ

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ኣመሪካን ኢራንን ብሓጎስ ብምቕባል ክልቲኦም ወገናት "ብክፉት ልቢ " ክላዘቡ ጸዊዑ።

    ወሃቢት ቃል እቲ ዋና ጸሓፊ ስቴፋን ዱጃሪክ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ጉተረዝ "እቶም ወገናት ነዚ ዲፕሎማስያዊ ዕድል ተጠቒሞም ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝምህዳእን ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ብምዕላም፡ ናብ ነባሪን ኩuለመዳያውን ስምምዕ ብጽቡቕ ድሌት ክብገሱ ይጽውዕ።

    "ዋና ጸሓፊ፡ ንኣህጉራዊ ዘይምርድዳእ ካብ ንዓለምለኻዊ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ተማእዚዝካ ብሰላማዊ ካb ዘተ ምፍታሕ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየልቦ ደጊሙ ይገልጽ፡" ክትብል ዱጃሪክ ኣስሚራትሉ።

    ውልቃዊ ልኡኽ ጉተረዝ እውን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምድጋፍ ኣብቲ ዞባ ከምዘሎ ወሲኻ ገሊጻ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  11. ኢራን-ኣመሪካ ቀዳም፡ እስራኤል-ሊባኖስ ሰሉስ

    ኣብዚ እዋን ተዛተይቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ኢስላማባድ ፓኪስታን ተረኺቦም ነቲ ሎሚ ድሒሩ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝርርብ ሰላም ይዳለዉ ኣለዉ። ሰሉስ ድማ እስራኤልን ሊባኖስን ዘተ ከካይዳ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ዝርርባትን ተበጺሑ ዘሎ ተኹሲ ደው ምባልን ዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ ሓደ ሓደ ነጥቢታት ንርአ፤

    ዘተ

    ኣመሪካ-ኢራን፡ ኣብ መንጎ ልኡኻት ኣመሪካን ኢራንን ሎሚ ኣብ ፓኪስታን ዝርርብ ሰላም ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስን ጕጅልኡን፡ ኢራናውያን መዛኑኦም ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም፡ ሰዓታት ጸኒሖም ኣብ ሓይሊ ኣየር ክልተ ዓሊቦም።

    ሊባኖስ-እስራኤል፡ ሰበስልጣን እስራኤልን ሊባኖስን ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ዝርርብ ክጅምሩ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ምስ ሊባኖስ ኣብ ዝግበር ዘተ ተዅሲ ደው ምባል ከምዘይሳተፍ ገሊጻ።

    ተዅሲ ደው ምባል

    ሰሉስ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ቅድመ ኵነት ዘለዎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተበጺሑ፤ እዚ ድማ ንኽልተ ሰሙን ክጸንሕ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እዩ።

    እዚ ስምምዕ ፈለማ ብትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ቴህራን ድሒራ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ኣረጋጊጻ፤ እዚ ድማ ኣብ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር መጥቃዕቲታት ደው ኣብ ምባልን ዝተመርኮሰ እዩ።

    ይዅን እምበር ኣብቲ እዋን ዝተሰማምዑሉ ነገራት ምሉእ ዝርዝር ኣይተዘርግሐን። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ብልክዕ ብኸመይ ከም ዝብጻሕ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

    ሊባኖስ ኣብ መንቀራቕሮ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣትያ ዘላ እያ፣ እቲ ውግእ ቀጺሉ ኣሎ። ኣመሪካን እስራኤልን ሊባኖስ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ከም ዘይትኸውን ከመልክታ እንከለዋ፡ እታ ቀንዲ መንጐና ዝዀነት ፓኪስታን ግን እቲ ውዕል ንሊባኖስ’ውን ከምዘጠቓልል ገሊጻ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካን ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታንን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  12. ፓኪስታን፡ ክልቲኦም ወገናት እወታዊ ሃናጺ ልዝብ ከካይዱ ተስፋኣ ገሊጻ

    ልኡኽ ኣመሪካ ፓኪስታን ኣብ ዝኣተወሉ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን መሓመድ ኢሽሓቕ ዳር ንልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ዝተቐበለሉ

    እቲ ንመኣዲ ዘተ ኣመሪካን ኢራንን ዘዋድድ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን መሓመድ ኢሻቕ ዳር፡ ኣብ ኢስላማባድ ንጀይዲ ቫንስ ኣብ ዝተቐበለሉ ኣጋጣሚ፡ ኣመሪካ ነባሪ ዞባውን ዓለማውን ሰላም ንምምዝጋብ ዝገበረቶ ተወፋይነት መጕሱ።

    እቲ ካብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝተዋህበ መግለጺ፡ ከም ዘመልክቶ፡ ኢራንን ኣመሪካን "ብሃናጺ መንገዲ ክሳተfኣ ተስፋ ከምዘሎዎ፣ ፓኪስታን ድማ ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ነባሪን ፍታሕ ናይቲ ግጭት ንምብጻሕ ዘድሊ ምምችቻእ ኣብ ምግባር ክትቅጽል ዘለዋ ድሌት ደጊሙ የረጋግጽ" ክብል ኣፍሊጡ።

  13. ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

    ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ቫንስ ነቲ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ንምግታእ ኲናት ከምዘድሊ ዝገልጽ ስነ-ሞጎት ትራምፕ ብግልጺ ከቃልሕ ጸኒሑ እዩ፤ እዚ ግን ከም ካልኦት ሰበስልጣን ብፍላይ ድማ ከምቲ ጸሓፊ ምክልኻል ሄግሰት ክገብሮ ዝጸንሐ ዓይነት ኣይኰነን። ዘረባኡ’ውን ሓሓሊፉ ካብ ናይ ትራምፕ ተፈልዩ'ዩ፤ ነቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ተሃዋሲ ዕርቂ ክብል እዩ ገሊጽዎ።

    እዚ እናተፈልጠ ግን ትራምፕ ንቫንስ ነቲ ልኡኽ ክመርሖ ከቢድ ሓለፍነት ኣሰኪምዎ። ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ እቲ ዝተገብረ ምርጫ ንቫንስ፡ ንኢራናውያን ምትእምማን ንምፍጣርን ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዕቱብነት ከምዘለዎን ንምርኣይ ዝተሰደደ ኣገዳሲ ምልክት ምዃኑ ይገልጽ።

    vans
    መግለጺ ስእሊ, ቫንስ
  14. ፓኪስታን ዝኣተዉ ልኡኻት ዘተ ኣመሪካን ኢራንን ብዓል መን'ዮም?

    ንጉጅለ ድርድር ኢራንን ኣመሪካን ዝመርሑ  መሓመድ ባገር ጋሊባፍን  ጀይዲ ቫንስን

    ምንጪ ስእሊ, ጌቲ ኢመጅ

    ብኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ዝምራሕ ጕጅለ ቴህራን ምስ ኣመሪካ ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ከምዝኣተወ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ብምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ዝምራሕ ልኡኽ ዋሽንግተን እውን ናብ ርእሰ ከተማ እስላማባድ በጺሑ ኣሎ።

    ኣመሪካን ኢራንን ድሕሪ ናይ 40 መዓልታት ኲናት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምብጽሑ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን እየን ሎሚ ኣብ ፓኪስታን ክራኸባ ።

    ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እቲ ጕጅለ ንምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺ፡ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ዓሊ ኣኽባር ኣሕመዲነጃድ፡ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ኤስያ ዓብደልናሰር ሐማቲን ሓያሎ ኣባላት ባይቶን ዝሓቘፈ እዩ።

    እቲ ልኡኽ በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንግስቲ ኢራን ፍሉጥ ሰብ ኰይኑ ተቐልቂሉ ዘሎ፡ ኣፈ ጉባኤ ጋሊባፍ ዝምራሕ እዩ።

    እቲ ኣፈኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ናይ ኤክስ ጽሑፋቱ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝርርብ ክትሳተፍ ድልውቲ ብዛዕባ ምዃና ኢራን ብዓይኒ ጥርጣረ ከምእትረእዮ ገሊጹ ነይሩ።

    ካልእ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ድማ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣባስ ኣራግቺ እዩ። ኣራግቺ ኣብ 2015 ኣብ ውዕል ኒኩለር ኢራን ኣብ ዝርርብ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

    ብምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ዝምራሕ ልኡኽ እውን ድሮ ናብ ፓኪስታን ኣትዩ ኣሎ። ፍሉይ ልኡኽ ስቲቭ ዊትኮፍን ኣብ ቀዳማይ ዕድመ ስልጣን ትራምፕ ኣማኻሪኡ ዝነበረን ሰብኣይ ጓሉ ጃረድ ኩሽነርን ኣካል ናይቲ ጕጅለ ዘተ እዮም።

    ኩሽነርን ዊትኮፍን እውን ኣብቲ ቅድሚ ኲናት ኢራን ዝተኻየደ ዝርርብ ዝነበሩ እዮም። ኣብቲ ንኲናት ቓዛ ዘብቅዐ ተዅሲ ደው ምባልን ምስ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ዝተገብረ ዘተ እውን ተሳቲፎም እዮም።

    ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ቅድሚ ምብጋሶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኢራናውያን ብጽቡቕ ድሌት ክዘራረቡ ፍቓደኛታት እንተዀይኖም ብርግጽ ሓንጎይፋ ኢልና ክንቅበሎም ኢና” ኢሉ።

  15. ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ-2 እንታይ ተዓዚቦም ተመሊሶም?

  16. ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

  17. ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ብዙሕ ዘይተነገረሉ ደራሲ ዜማታት ቤተክርስትያን - እንታይ ንፈልጥ?

  18. ደርበይቲ ቦምባታት 'ደቂ መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን'- ኣቡነ ሊዮ

    ኣቡነ ሊዮ መበል 14

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰፍሕ ዘሎ ኲናት "ዘይስነመጐታዊን ኢሰብኣዊን ጎነጽ" ብምባል ኮኒኖሞ።

    ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ህይወት ሰባት ግዳይ ውልቃዊ ረብሓታት ይኸውን ኣሎ ክብሉ'ውን ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም።

    "ብህይወት ድኹማት፡ ቆልዑን ስድራቤታትን ዝርከብ ረብሓ ዋጋ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ" ብምባል ኣብ ኤክስ ጽሒፎም።

    "ቦምባታት ዝድርብዩ" ደቂ-መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን ብምባል ንኲናት ዘለዎም ተቓውሞ ዘነጸሩ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ "ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ቦታ ናጽነት ወይ እዋን ሰላም እዋን ኣይክፈጥርን እዩ" ኢሎም።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንበረ ቫቲካን ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ፈላሚ ዓለምለኻዊ መገሻኦም ዝበጽሑዋ ሊባኖስ ብዘየቋርጽ ደብዳባት እስራኤል ትናወጽ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ዛጊት 1,953 ሰባት ብመጥቃዕቲ ሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም ኣለዉ።

  19. ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ወኪል ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ

  20. ጀይ-ዲ ቫንስ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ተበጊሱ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ወከልቲ ኢራን ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ'ሎ።

    ጀይዲ ቫንስ ቅድሚ ምብጋሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ክንዘራረብ ኢና ንደሊ" ብምባል ኢራናውያን "ብቕንዕና" ንዘተ እንተመጺኦም ኣመሪካ "ኣእዳዋ ክትዝርግሕ" ቅርብቲ ምዃና ተዛሪቡ።

    እቲ ምክትል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ቫንስ፡ ምስ ምልሶት ሓለቓኡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር እዚ ተዋሂብዎ ዘሎ ዕማም እቲ ኣዝዩ በዳሂ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ፠

    ትራምፕ፡ ኢራን፡ እስራኤልን መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥን ዝዓግባሉ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምርግጋጽ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።

    እንታይ ምዃኖም'ኳ ብንጹር እንተ ዘይጠቐሰ፡ ካብቲ ፕረዚደንት "ንጹራት መምርሒታት" ከምዝተዋህቦ'ዩ ናብታ "ኣየርፎርስ ክልተ' ዝተባህለት ነፋሪቱ ቅድሚ ምስቃሉ ኣሚቱ ዘሎ።

    ኢስላማባድ ንክልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ሞገስ ዝረኸበት ሃገር ኮይና ብምህላዋ፡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒባ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኣወጀ ተነቃፊ ምቁራጽ ተዂሲ ዛጊት ጸኒዑ'ኳ እንተሎ፡ እቲ ንግዳዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታት መሊኡ ክኽፈት ኣይክኣለን።

    ቴህራን፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው እንተ ኣቢላ ጥራይ ከምእትኸፍቶ'ያ ኣፍሊጣ ዘላ።