ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዓቐን መኣዲ፡ እቲ ንጥዕናና ዝብድሆ ዘሎ ኣመጋግባ

  2. ሺን ፑቲንን ካብ ልዕሊ 20 ቀዳሞት ስምምዓት ፈሪሞም

    ሺን ፑቲንን ኣብ መንጐ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ስትራተጂካዊ ምውህሃድ ዝያዳ ንምሕያል፡ ከምኡ'ውን "ሰናይ ጕርብትናን ምሕዝነታዊን ምትሕብባር ምዕሟቕን፡" ዝብል ሓባራዊ ስምምዓት ፈሪሞም ኣለዉ።

    ሕጂ ድማ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ እንተላይ ኣብ ስምምዓት ምትሕብባር ንግድን ቴክኖሎጅን ዝምልከት ተወሳኺ 20 ሰነዳት ክፍርሙ ትጽቢት ይግበር።

  3. ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ልዕሊ ዝበጽሓ ዕጫ ትስጕምዶ ትኸውን?

  4. ንቻይናን ሩስያን ዘተኣሳሰረን ገመድ እንታይ እዩ?

    ፕረዚደንታት ሺ ጂንፒንን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ቲያንኣንመን ኣደባባይ በይጂንግ እናተዛወሩ፡ ብዛዕባ ዕድመ ደቅ-ሰብ ዝናውሓሉ ተኽእሎታት ከዕልሉ ተሰሚዖም ነይሮም።

    እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዕላል፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ዘለዎም ርክብ ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

    ፑቲን ኣብዛ ሰሙን ናብ በይጂንግ ክምለስ እዩ፣ እዚ ድማ ክልተአን ሃገራት ስምምዕ ካብ ዝፈራረማ መበል 25 ዓመት ምስ ዝገበራሉ ተጋጢሙ ኣሎ።

    ሺን ፑቲንን
  5. ውዕል ሰናይ-ጕርብትናን ምሕዝነታዊ ምትሕግጋዝን እንታይ እዩ?

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ውዕል ሰናይ ጉርብትናን ምሕዝነታዊ ምትሕግጋዝን ቻይናን ሩስያን ከም ዝተናውሐ ጸብጺበን ኣለዋ።

    እቲ ስትራተጂካዊ ውዕል፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰላማዊ ዝምድና፡ ቁጠባዊ ምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ዲፕሎማስያውን ጂኦፖለቲካውን ምርኰሳ ክህሉ ዝጠልብ እዩ።

    ብተወሳኺ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ውዕላት ምክልኻልን ዝምልከት ድንጋገታት ዘጠቓለለ እዩ።

    እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ውዕል፡ ኣብ 2001 ብፑቲንን ሽዑ መራሒ ቻይና ዝነበረ ጂያንግ ዘሚንን ዝተኸተመ እዩ።

    ኣብ ለካቲት 2022 ድሕሪ ምውድኡ ንተወሳኺ 5 ዓመት ተናዊሑ፤ ሕጂ ድማ መሊሱ ከም ዝተናውሐ ይግለጽ።

  6. ፑቲን፡ ነዚ ኣኼባ ንነዊሕ እዋን ክጽበዮ ከም ዝጸንሐ ይዛረብ

    ፑቲን፡ ምስ ቻይናዊ መዘንኡ

    ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ታስ፡ ፑቲን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ንሺ "ክቡር ዓርኪ" ኢሉ ጸዊዑዎ።

    "ዋላ'ውን ንሓንቲ መዓልቲ እንተዘይተራኸብና፡ ሰለስተ ቀውዒ ዝሓለፈ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓና" ዝብል ሓደ ምሳልያ ኣዘራርባ'ውን ኣዘኪሩ።

    እዚ ብልሙድ፡ ሓደ ትርጉም ዘለዎ ፍጻመ ንኽፍጸም፡ ወይ ድማ ሓደ ዕላማ ንኽዕወት ዝግበር ኣጸጋሚ ትጽቢት ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ነይሩ።

    ርክብ ሞስኮን ቤጂንግን "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ልዑል ደረጃ" ከም ዝበጽሐ ፑቲን ገሊጹ።

    ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ መንጐ ሩስያን ቻይናን ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ልዕሊ 30 ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ኣመልኪቱ ይብል ጸብጻብ ታስ።

    ፑቲን፡ ንሺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ሩስያ ክበጽሕ ዓዲሙ'ሎ፤ ዝምድና ቤጂንግን ሞስኮን "ዓለማዊ ምርግጋእ ኣብ ምምጻእ ይሕግዝ ኣሎ፡" ክብል'ዉን ተዛሪቡ።

    ሺ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት እዩ ናብ ሩስያ በጺሑ።

  7. 'ልዕልና ሓደ ወገን እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ' - ቻይና

    መራሒ ቻይና፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ናይ 'ሓደ ወገን ልዕልና ይእናዓበየ' ይመጽእ ኣሎ ምባሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ከምቲ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ርክብ ቻይናን ሩስያን ናብዚ ደረጃ ዝበጽሐሉ ምኽንያት ክልቲአን ሃገራት "ብቐጻሊ ሓድሕዳዊ ፖለቲካዊ ምትእምማንን ስትራተጂካዊ ምትሕግጋዝን" ከዕሙቓ ስለ ዝኸኣላ ምዃኑ ገሊጹ።

    ህሉው ኣህጉራዊ ኩነታት "ዝተሓላለኸን ዘይርጉእንኰይኑ፡ ልዕልና ሓደ ወገን ይዓቢ ኣሎ፡" ይብል ፕረዚደንት ቻይና።

    ቻይናን ሩስያን ከም ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣገደስቲ ሓይልታት ዓለምን መጠን "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስትራተጂካዊ ኣረኣእያ" ክሕዛን "ዝያዳ ፍትሓውን ርትዓውን ዓለማዊ ስርዓተ ምሕደራ፡" ንምህናጽ ክተሓባበራን ይግባእ ይብል ሺ።

  8. ቤጂንግን ሞስኮን ንሓድሕደን ክተሓጋገዛ ኣለወን - ሺ

    ልኡኻት ቻይናን ሩስያን ኣብ ቤጂንግ ተራኺቦም። ፕረዚደንት ሺ፡ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓትን ምሕዳስን ክተሓጋገዛ ከም ዘለወን ንፑቲን ከም ዝገለጸሉ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ጸብጺበን።

    ሩስያዊ መዘንኡ ፑቲን ብወገኑ፡ ዝምድና ሩስያን ቻይናን ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ደረጃ ከም ዝበዝጸሐ ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

    ክልቲኦም መራሕቲ፡ በይናዊ ዝርርብ ዘካየዱ ኰይኖም፡ እዚ "ጸቢብ ቅርጺ ዘለዎ ኣኼባ" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

    እዚ፡ ብልሙድ ዝያዳ ተነቃፊ ጉዳያት ዝዝረበሉ ንእሽቶ ኣኼባ እዩ።

  9. ንቻይናን ሩስያን ዘተኣሳስረን ገመድ እንታይ እዩ?

  10. ኣስመራ፡ ስእልታት ካርኒቫልን ምርኢታትን ቅንያት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት

  11. ሞትን መልከፍትን ሕማም ኢቦላ ይውስኽ ምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ

    ሓደ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ሰብ ኣብ ከባቢ እቲ ሕማም ዝተራእየሉ ቦታ፡ ኣብ ጥቓ ቀጠልያ ቦታ ሕርሻ ኣብ ዝርከብ ገዛ ይርአ

    ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ተቐልቂሉ ዘሎ ደግሲ ሕማም ኢቦላ ብናህሪ ይላባዕ ከይህሉ ስግኣት ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    ገለ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ቀልጢፎም ይሞቱ ምህላዎም ፍርሒ ፈጢርሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

    ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ 131 በጺሑ ከምዘሎን፡ ልዕሊ 513 ከምዝተለኽፉን ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እቲ ሕማም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከይሰፍሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ዩጋንዳ ሓደ ሰብ ሞይቱ'ሎ።

    ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ኣብ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ኮንጐን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታታ ኣግልግሎት ቪዛ ምሃብ ከተቋርጽ ተገዲዳ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ሓደ ምስ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ዝሰርሕ ዝነበረ ኣመሪካዊ ሓኪም፡ በቲ ሕማም ድሕሪ ምልካፉ ኣብ ጀርመን ይእለ ከምዘሎ ሰበስልጣን ጀርመን ሓቢሮም። ካልኦት ነቲ ቫይረስ ዝተቓልኡ 6 ዜጋታቶም ንምውጻእ ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ሰብመዚ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ።

  12. ትግራይ፡ 'ዕላማና ነቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጕጅለ ምእላይ እዩ' ዝብል ዘሎ 'ቤት ምኽሪ'

  13. ናብ ቦርንማውዝ ዘቋምታ ዘለዋ ኣዕይንቲ ደገፍቲ ኣርሰናል

  14. ዘይሕጋዊት ጃልባ መሪሑ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተኸሲሱ

  15. 'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር

  16. ደውታ ውግእ ወሽመጥ፡ ድሌት መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንውሳነ ትራምፕ ቀዪሩዎ

  17. ኢቦላ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ይውስኽ ኣሎ

    መርመራ ኢቦላ ዝግበረላ ጓልኣንስተይቲ

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዳግም ተቐልቂሉ ዘሎ ሕማም ኢቦላ ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

    ዛጊት፡ ብውሕዱ 100 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሪቃ ሓቢሮም ኣለዉ።

    ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ከምዝበሎ፡ 395 ሰባት በቲ ቀታሊ ቫይረስ ተለኺፎም ክኾኡ ከምዝኽእሉ ተጠርጢሩ'ሎ።

    እቲ መልከፍቲ ኣብ ኮንጐ ኣጋጢሙ ዘሎ'ኳ እንተኾነ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከየስፋሕፍሕ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

    ኣብ ዩጋንዳ ድሮ ክልተ ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ከምዘለዉ ሓላፊ ናይቲ ትካል ጂን ካሰየ ኣፍሊጡ።

    ሰብመዚ ጥዕና ኮንጐ ብወገኖም፡ ኣብታ ርእሰከተማ ምብራቓዊት ዞባ ኢቱሪ ዝኾነት ቡኒያ ንሕሙማት ንምክንኻን ዘገልግል ተወሰኽቲ ማእከላት ተኸፊቶም ኣለዉ።

    ንፈለማ እዋን ኣብ 1976 ኣብ 'ዛየር' (ናይ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ) ዝተቐልቀለ ኢቦላ፡ ካብ መንካዕ ዝተበገሰ ምዃኑ'ዩ ዝእመን።

    ሕማም ኢቦላ፡ ቫይረስ 'ቡንዲቡጊዮ' ዝስዕብ ኮይኑ ዛጊት ፈውሲ ይኹን ክታበት ኣይተረኽቦን።

    ኣብዛ መበል 17 ክስተት ናይቲ ሕማም ኣጋጢምዋ ዘሎ ሃገር፡ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዝነበረ እዋን ዝበዝሑ (2,300) ግዳያት ዝቐዘፈሉ እዩ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣስታት 15,000 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

    ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶ'ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዛዕባ ኩነታት ኢቦላን፡ እቲ ካልእ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ሃንታቫይረስን ብዝምልከት ሎሚ ጋዜጣዊ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

  18. ኬንያ፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ምድስካል ዘስዓበ ኣድማን ተቓውሞን

    ክልተ ኢዱ ንላዕሊ ብምግባር ተቓውሞኡ ዝገልጽ ኬንያዊ፡ ኣብ ከባቢ ብሓዊ ዝተቓጸለ ጎማን ብኣእማን ዝተዓጽወ ጐደና

    ኣብ መላእ ኬንያ ክካየድ ዝወዓለ ተቓውሞታት ንንግዳዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ኣልሚስዎ ውዒሉ።

    እቲ ብቐንዱ ብወነንቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝተወደበ ኣድማ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ዝርከብዎም ሰባት ዓዲ-ውዒል ክኾኑ ኣገዲዱ ይርከብ።

    ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ፡ ናዕበኛታት ጐደናታት ክዓጽዉን ጐማታት ከቃጽሉን ተራእዮም።

    እቲ ተቓውሞታት ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወሰነ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተበገሰ እዩ።

    ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዋጋ ነዳዲ ብ20% ወሲኾም ኣለዉ።

    እቲ ንመላእ ዓለም ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንኬንያ'ውን ግዳይ ኮይና ኣላ

  19. 'ቈልዓ ክወልድ ኣይክእልን'የ ኢለ ሓሲበ ነይረ'፡ ደቂ ተባዕትዮ ሕቡእ 'ስፐርም' ንኽረኽቡ ዝሕግዞም ዘሎ ኤኣይ

  20. ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ደ/ሪ/ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ