እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ጻዕሪ ህይወት ኣድሕንን ብድሆታት ቬነዝወላን

    ኣብዚ እዋን ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ሓያሎ ደርብታት ዘለዎ ህንጻታት ተደጒሎም ንዘለዉ ሰባት ንምድሓን ኣብ ህጹጽ ስራሕ ይርከቡ ኣለዉ።

    ይዅን እምበር፡ እዚ ሓደጋ ዘጋጥም ዘሎ ቬነዝወላ ኣብ ከቢድ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ተሸሚማ ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ።

    ካብ ተመኵሮን ኵነታት እታ ሃገርን ክግምገም ከሎ፡ እዚ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ንዓቕሚ ትካላት ጥዕናን ህይወት ኣድሕንን እታ ሃገር ዓቢ ብድሆ ኰይኑዎ ኣሎ።

    ስእነት መድሃኒት፡ ማሽነሪታትን ነዳድን ነቲ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ብኸቢድ ዘዳኽሞ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

    እዚ ድርብ ርእደ-መሬት ነታ ብድሮኡ እውን ብስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ጽንኩር ኵነታት እትርከብ ሃገር፡ ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሸምም ታሪኻዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

  2. ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን መግለጺ መንግስትን

    ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬነዝወላ ዴልሲ ሮድሪገዝ ኣብ መላእ እታ ሃገር 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' (State of Emergency) ኣዊጃ።

    ንሳ ብዛዕባ ቍጽሪ ምዉታት ብንጹር ኣሃዝ እኳ እንተ ዘይገለጸት፡ ነቶም ግዳያት ዝዀኑ ዜጋታት ግን መልእኽቲ ምጽንናዕ ኣመሓላሊፋ።

    ምኒስተር ጕዳያት ውሽጢ ዲዮስዳዶ ካቤሎ ብወገኑ፡ ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዞባታት ትሩሒዮ፡ ያራኩይ፡ ካራቦቦ፡ ኣራጓ፡ ሚራንዳ፡ ካራካስን ላ ጓይራን ብኸቢድ ከም ዝተሃስያ ኣረጋጊጹ።

    ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ድማ ብፍላይ ከባቢታት ፓሎስ ግራንደስን ኣልታሚራን ዝለዓለ ዕንወት ከም ዘጋጠመን እቲ ምኒስተር ወሲኹ ሓቢሩ።

  3. ምፍራስ ህንጻታትን ስግኣት ዝለዓለ ቍጽሪ ግዳያትን

    እዚ ሓደጋ ኣብ ቬነዝወላ ሃገራዊ በዓል ኣብ ዝኽበረሉን፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉን ዕለት ብምኽሳቱ፡ መጠን እቲ ጕድኣት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

    ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ዝፈረሱ ኰይኖም፡ ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ እቲ ሓደጋ "ኣዝዩ ሰፊሕ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ልዑል ቍጽሪ ምዉታትን ከቢድ ዕንወትን ክህሉ ከም ዝኽእልን ብትሪ ኣጠንቂቑ።

    ብተወሳኺ፡ እቲ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቬነዝወላ ብሰንኪ ዝወረዶ ከቢድ ዕንወት ንኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ዕጹው ኰይኑ ኣሎ።

    እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ረድኤት ከየደናጕዮ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

  4. ቬነዝወላ፡ ዘስካሕክሕ ድርብ ምንቅጥቃጥ-መሬትን ስፍሓት ሓደጋን

    ኣብ ቬነዝወላ፡ ርእሰ ከተማ ካራካስ ሓዊሱ ሓያሎ ዞባታት ዘናወጸ፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘስካሕክሕን ድርብ ምንቅጥቃጥ-መሬት ኣጋጢሙ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ (USGS)፡ እቲ ቀዳማይ 7.2 ዝዓቐኑ (ብገሊኡ ጸብጻባት 7.1) ምንቅጥቃጥ-መሬት ኣብ ከባቢ ሞንታልባን 13.2 ኪሎሜተር ኣብ ትሕቲ መሬት ዘጋጠመ እዩ።

    ድሕሪ 39 ካልኢታት ድማ 7.5 ዝዓቐኑ ካልኣይ ሓያል ምንቅጥቃጥ-መሬት ካብ ዩማረ 23 ኪሎሜተር ርሒቑ፣ ኣብ 10 ኪሎሜተር ዕምቈት ተኸሲቱ።

    እዚ ፍጻመ (ኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ) ሰዓት 18:04 ድሕሪ ቐትሪ እዩ ኣጋጢሙ።

    እቲ ምንቅጥቃጥ ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ ጽልዋኡ ክሳብታ ርእሰ ከተማ ጐረቤት ሃገር ዝዀነት ኮሎምብያ ዝዀነት ቦጎታ ብርኡይ ተሰሚዑ።

    መጀመርታ ንቬነዝወላን ደሴታት ቨርጂን ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘጠቓልል መጠንቀቕታ ሱናሚ ተዋሂቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ዳሕራይ ግን ተሰሪዙ።

  5. ቤት ፍርዲ፡ ኣሜን ተኽላይ ኣብ ልቡ ብሴፍ ተወጊኡ ከም ዝሞተ ገሊጹ

  6. ብመንሽሮ ማህጸን ናይ ምሟት ሓደጋ ናብ ኣስታት ዜሮ ዘጕደለ ክታበት

  7. ኣብ ሆርሙዝ ንኣዋርሕ ዝተዓግተት መርከብ ኢትዮጵያ

  8. ሕቡራት ሃገራት: ተቖጻጸርቲ ኑክሌር ናብ ኢራን ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ

    ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቁጽጻር ኑክሌር፡ ብመሰረት ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ መባእታዊ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ኢራን መርመራ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

    ዋና ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት፡ ራፋኤል ግሮሲ፡ ኣብ ጃፓን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ መርመራታት ናይ ግድን ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    "ኣብቲ መስርሕ፡ ኣገባባት፣ ዕለታትን ቦታታትን - ኣብ ቀረባ እዋን ክንሰርሓሉ ኢና። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ምዕናው ናይቲ ኣዝዩ ዝተሃብተመ ዩራንየም ኢራን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቲ ትካል- IAEA ኰይኑ ከምዝፍጸም "ብግልጺ ከምዝሰፈረ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ይኹን’ምበር ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ምርኣይ ዝተሃስዩ ማእከላት ኑክሌራዊ ትካላትን ንብረትን፡ ኣብ መፈፀምታ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ጥራይ ከምዝኸውን ኣሚቱ።

    ግሮሲ ነዚ ዝገለጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምብጻሕ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ከምዝተራኸበን፡ ናብ ኩዌትን ባሕሬንን ክገይሽ ምዃኑን ተፈሊጡ።

  9. ሊብያ፡ ንዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያ ሱዳንን ሶማልን ዘውጽኣቶ ሓድሽ ኣዋጅ

  10. ኣብ ስራሕካ ሕጕስ ክትከውን ዝሕግዝ ሜላ

  11. ትግራይ፡ ኣዋጅ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክስረዝ ሕቶ ቀሪቡ

  12. ዓባይ ብሪጣንያ ስለምንታይ'ያ መራሕታ ትቐያይር ዘላ?

  13. ኤርትራ፡ ምኒስተር ዜና ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘቕረቦ 6 ነጥብታት

  14. ምስቲ ኣብ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ረስኒ ብዝተሓሓዝ 40 ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ዋዒ ክራማት ሓደኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

    ኣብ ፈረንሳ ጥራይ፡ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ረስእኒ ብዝተኣሳሰር 40 ሰባት ኣብ ማያት ጥሒሎም ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ሰብመዚ እታ ሃገር ሰባት ብዘይ ሓለዋ ክኢላታት ናብ ባሕሪ፡ ቀላያትን ወሓይዝን ከይኣትዉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

    ፈረንሳ፡ ኢጣልያን ስጳኛን ገለ ካብተን በቲ ውዑይ ኩነታት ኣየር ዝያዳ ዝተጸልዋ ሃገራት እየን።

    ትማሊ ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ እታ ዝወዓየት ለይቲ ኮይና ሓዲራ። ሎሚ'ውን መጠን ዋዒ ኣብታ ሃገር ናብ 44.3 ዲግሪ ዓሪጉ ውዒሉ።

    ኣብ ስጳኛ'ውን መጠን ዋዒ ክሳብ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

    ከም ሮማ፡ ቦሎኛ፡ ሚላን፡ ቨኒስ፡ ፍሎረንስን ናፖሊን ዝበላ ከተማታት ኢጣልያ'ውን መጠንቀቕታ ኣውጺአን ኣለዋ።

    ኣብ ብሪጣንያ ድማ፡ ዛጊት 33.7 ዲግሪ ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተመዝገበ ዝለዓለ መጠን እቲ ኣብ 1976 ዝተራእየ 35.6 ዲግሪ እዩ ነይሩ።

    ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ኣብ ብሪጣንያ ትርከበን ዝተፈላለያ ሃገራት ሰብመዚ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከብዎም ትካላት ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊልን ክዓጽዉ ተገዲዶም ኣለዉ።

    ክቱር ረስኒ ንሓዲዳት ባቡር ስለዘግፍሖ'ውን መጓዓዝያ ባቡር ከተዓናቕፍ ይኽእል'ዩ። ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ባቡር ብሪጣንያ ጽባሕ ረቡዕ መገሻታት ክግታእ ተማሕጺኑ ኣሎ።

    ዝኾነ ሰብ መሬት ጠለስ ምስ በለ ክንቀሳቐስን ማይ ከይሓድግን ድማ ሰብሞያ ጥዕና ብወገኖም ይምሕጸኑ ኣለዉ።

  15. ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ንወፃኢታት ኲናት ኢራን 80 ቢልዮን ዶላር ሓቲቱ

    ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኲናት ኢራን ንምሽፋን፡ ኣስታት 80 ቢልዮን ዶላር ወፃኢታት ከምዝሓተቶ ንኣባላት ባይቶ ሓቢሩ።

    ዋይት ሃውስ እቲ ሕቶ ባጀት ዛጊድ ብወግዒ ከምዘይቀረበ እኳ እንተገለጸ፡ ንጸሓፊ (ምኒስተር) ኲናት እታ ሃገር፡ ፒት ሄግሰት ግን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ኣባላት ባይቶ ክራኸብን ክዘራረበሉን ከምዝቐነየ ይግለጽ።

    ኣብ ዝሓለፈዓመት ንኲናት ኢራን ዝውዕል ገንዘብ ሕቶ ናብ ኣባላት ባይቶ ከምዝቐረበ፡ ክልተ ፈለጥቲ-ውሽጢ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣሶሼትድ ፕረስ ፀብፂቡ ነይሩ።

    ብሰፊሑ ‘ፔንታጎን’ ብዝብል ዝፍለጥ እቲ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሃገር ግን ርእይቶ ክህበሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

    እቲ ናይ ባጀት ሕቶ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየዶ ውግእ ካብ ዘይድግፉ ኣባላት ባይቶ፡ ተቓውሞ ከጋጥሞ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ኣኼባ ሕቶን መልስን ፡ ንሰልፊ ደሞክራሲ እትውክል ኣባል ባይቶ ፓቲ ሊ፡ ንሄግሰት፡ "ብዙሓት ኣመሪካውያን ዝተቓወምዎ ኲናት ንምምዋል ገንዘብ ተውጽእ ኣለኻ" ኢላ ነቒፋቶ ምንባራ ይዝከር።

  16. ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ናፅነት ንፈለማ እዋን ሃገራዊ መረፃ ከተካይድ'ያ

    ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ናጽነታ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሃገራዊ መረፃ ክተካይድ ምዃና ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

    እታ ሃገር፡ ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትእውጅ ንደሓር መራሕታ ናብ መረፃ ቀሪቦም ኣይፈልጡን።

    ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ን15 ዓመታት ፕረዚደንት ዀይኑ ኣብ ስልጣን ፀኒሑ ኣሎ።

    ኣብታ ሃገር ንፈለማ እዋን ኣብ 2015፡ ቅድሚ 11 ዓመት ሓፈሻዊ መረፃ ከተካይድ ተሓሲቡ ነይሩ።

    እንተዀነ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ተናዊሑ።

    ኣብ 2018 ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመ ድማ፡ ኪር ኣቦመንበር ናይቲ ሓባራዊ መንግስቲ፡ መነሓንሕቱ ሪክ ማቻር ድማ ምክትሉ ኰይኑ ቀፂሉ።

    እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ 2022 መረፃ ንምክያድ ዝዓለመ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ እታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዘይምረድዳእ ግን ምድንጓዩ ይዝከር።

    ሕዚ’ውን እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዝፍጠር ወጥሪ ካልእ ምድንጓይ ከየስዕብ ይስጋእ።

    ሪክማቻር ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣን ምክትል ፕረዚደነት ተኣልዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።

    ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ርእሰከተማ ጁባ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ግጭት ይረአ ኣሎ።

  17. 4 ዓበይቲ ሕቶታት ብዛዕባ ባዕዳውያን ፍጥረታት

  18. ጃልባ መሪሑ ንመትረብ እንግሊዝ ከም ዝሰገረ ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉ

  19. ካብ ብሬክሲት ክሳብ መረጻ 2027፡ ብሪጣንያን ኤውሮጳን ኣብ መስቀላዊ መንገዲ

  20. መሲ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዋንጫ ዓለም ኰይኑ፡ ኣብዚ ጫፍ ብቕዓት ክጸንሕ ዝሓገዞ ምስጢር?