ጥዕና፡ ክታበት ሰዓል ክንወስድ ከድልየና ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰበስልጣን ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ (Flu) ብኸቢድ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ዝሕከሙ ዘለዉ ሕሙማት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብዓቢኡ ስለ ዝወሰኸ፡ ሰባት ነቲ ብነጻ ዝወሃብ ክታበት ኢንፍሉዌንዛ [ሰዓል] ክወስዱ ይጽውዑ ኣለዉ።
እዚ ምውሳኽ ቁጽሪ ሕሙማት ሰዓል ኣብዚ ዓመት ቁሩብ ቀዲሙ እኳ እንተጀመረ፡ ፈጺሙ ዘይተለምደ ኣይኮነን።
ሰበስልጣን ጥዕና ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ሕጂ ብብዝሒ ዝላባዕ ዘሎ ሰዓል ገና "ማእከላይ ደረጃ" ኣብ ዝበሃል ደረጃ ከምዘሎ ብምሕባር እቲ ዝለዓለ ጫፍ ምልባዕ እቲ ሕማም ድማ ክሳብ ታሕሳስ ወይ ፈለማ ጥሪ ክበጽሕ ይኽእል።
ስለዚ፡ ብዛዕባ ምውሳድ ክታበት ዝወሃብ ምኽሪ እንታይ እዩ? ክታበት ብነጻ ክወስዱ ዝፍቀደሎም መን እዮም?
እቲ ክታበት ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ'ዩ?
ፕሮፌሰር ሕክምና ሕማማት ስርዓተ-ምትንፋስ ኣብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን ኒክ ሆፕኪንሰን፡ "ክታበት ክትወስድ እንተተቐሪቡልካ፡ ምውሳዱ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ" ይብል።
"ቀንዲ ምኽንያቱ፡ ነቶም ንሕማም ተተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ካብ ከቢድትን ሕልኽላኻትን ዘለዎም ሕማማት ንምክልኻል እዩ። ስለዚ እቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ንሕማማት ተቓላዕቲ ዝዀኑን ጉጅለታት ክታበት ክወስዱ ይግባእ።
ፕሮፌሰር ኒክ ሆፕኪንሰን፡ "ሰባት እዚ ሕማም እዚ ንህይወት ሰብ ከጥፍእ ዝኽእል ረኽሲ ምዃኑን፡ እቲ ክታበት ድማ ውሑስ ምዃኑን ኣይርድኡን እዮም" ኢሉ።
ኢንፍሉዌንዛ ወይ ሰዓል (Flu) ኣፍንጫ፡ ጎሮሮን ሳንቡእን ዝጸሉ ብቫይረስ ዝመጽእ ረኽሲ እዩ። ብዙሕ ግዜ ባዕሉ'ኳ ዝሓዊ እንተዀነ፡ ንሰባት ከቢድ ሕማም ከስዕበሎም ይኽል'ዩ።
ብርትዕ ኣብ ዝብለሉ ድማ ሕማም ሳንቡእ (Pneumonia) ፡ ሕማም ልብን ካልኦት ኣቐዲሞም ዝነበሩ ሕማማት ከጋድድን ይኽእል።
እዚ ሕማም እዚ ክሳብ ሞት እውን ከብጽሕ ይኽእል'ዩ።
ኣብ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ኤጀንሲ ድሕነት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ 3,798 ሰባት ብሰንኪ ሕማም ሰዓል ከም ዝሞቱ ገሚቱ።
ተመራመርቲ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እንታይ ዓይነት ቫይረስ ናይ ሰዓል ከምዝርአ ብምጽናዕ'ዮም ነቲ ክታበት ሰሪሐሞ።
እቲ ሕጂ ተዳልዩ ዘሎ ክታበት ድማ ካብ ሰለስተ ዓይነታት ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ ይከላኸል [ ክልተ ዓይነታት ኢንፍሉዌንዛ ኤን ሓደ ዓይነት ኢንፍሉዌንዛ ቢን]።
ዋላ እዞም ዓይነታት ቫይረሳት ቁሩብ ለውጢ ይግበሩ፡ ሰባት ክታበት ምውሳዶም ንሓደጋ ከቢድ ሕማም ንምንካይ ገና ጽቡቕ ምርጫ ምዃኑ፡ ክኢላታት ይገልጹ።
ክታበት ዘይወሰዱ . . . ?
ሚልዮናት ካብ ሕማም ኢንፍሉዌንዛ (Flu) ንኽከላኸሉ ዝሕግዝ ብነጻ ዝወሃብ ክታበት ክወስዱ ብቑዓት እዮም። እዚኦም ድማ፡ ቆልዑ፡ ነፍሰ-ጾራት ኣዴታት፡ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ዝነብሩ ሰባት፡ሕማም ሳንቡእ ዘለዎም ሰባት፡ ከምኡ'ውን ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሰባት የጠቓልሉ።
እንተኾነ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ክረምቲ ካብቶም ትሕቲ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ሓደ ሲሶ ጥራይ፡ ካብቶም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ድማ ክልተ ሲሶ ጥራይ'ዮም ክታበት ወሲዶም።
እዚ ማለት፡ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ኣብ ሓደጋ ከቢድ ሕማም ዘለዉ ሰባት ክሳብ ሕጂ ካብቲ ሕማም ዝከላኸል ክታበት ከም ዘይወሰዱ ሰበስልጣን ጥዕና ይገልጹ።
ወለዲ፡ ንኣሽቱ ቆልዑቶም ክታበት ከውስዱ ይጽውዑ ኣለዉ። እዚ ድማ ንቆልዑቶም ንምክልኻል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስኣቶም ቀጥታዊ ርከብ ዘለዎም ካልኦት ሰባት'ውን ካብቲ ሕማም ንምክልኻል እዩ።
ምስ ተኸተብናኸ ሰዓል ክንሓምም ንኽእል ዲና?
እቲ መልሲ እወ፡ ክንሓምም ንኽእል ኢና'ዩ።
እቲ ክታበት ጸረ ሰዓል (Flu vaccine) ነቲ ሕማም ከም ዘይሕዘካ ፍጹም ውሕስነት ኣይህብን'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ብኸቢድ ናይ ምሕማምካን ኣብ ሆስፒታል ናይ ምእታውካን ተኽእሎ ይንክዮ።
ክታበት ምስ ወሰድካ፡ ስርዓተ-ምክልኻል ሰውነትካ ኣንጻር እቲ ሕማም ዝከላኸል ዓቕሚ (Immunity)ንኽሃንጽ ክልተ ሰሙን ይወስደሉ። ስለዚ፡ እቲ ክታበት ቀልጢፍካ ምውሳድ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ክኢላታት ይሕብሩ።
ፕሮፌሰር ሕክምና ሕማማት ስርዓተ-ምትንፋስ ኣብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን ኒክ ሆፕኪንሰን ከም ዝገለጾ፡ እቲ ክታበት ንከቢድ ሕማም ኢንፍሉዌንዛን ሕልኽላኻት ዘለዎ ምስ ሰዓል ዝተሓሓዝ ሓደጋን ብ50% ይንክዮ።
ጥዑይን ንእሽተይን'የ፡ ክታበት የድልየኒ ድዩ?
እንተደኣ ነቲ ብነጻ ዝወሃብ ክታበት ኢንፍሉዌንዛ ክትወስድ ብቑዕ ዘይኮንካ፡ ካብ መብዛሕትኡ ፋርማሲታት ካብ 15 ክሳብ 25 ፖውንድ ብምኽፋል ክታበት ክግዛእ ይከኣል'ዩ።
ፕሮፌሰር ሆፕኪንሰን፡ "እዚ ኩሉ ሰብ ንኽወስድ ክትሓስበሉ ዝግባእ ምርጫ እዩ" ይብል።
እንተኾነ ግን፡ እቶም ብነጻ ክታበት ክወስዱ ዕድል ዝተዋህቦም ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት ክታበት ክወስዱ ምግባር ከኣ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።
እዞም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ሓንሳብ በዚ ቫይረስ ምስ ዝልከፉ ካልእ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ከጋጥሞም ከምዝኽእል'ዩ ዝስጋእ።
ከም መግለጺ ፕሮፌሰር ሆፕኪንሰን እቶም ካልኦት ሕማም ሰዓለን ንዘስዕቦ ሓደጋታት ተቓላዕቲ ዝዀኑ ድማ "ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ብሰዓል ናይ ምሓዞም ተኽእሎ ካብ ካልኦት ሰባት ሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ እዩ" ብምባል ሽጋራ ምትካኽ ኣቋርጹ ይመክር።
ንኻልኦት ሰባት ክታበት ከይረኽቡ ይኽልክሎም ኣለኹ ድየ?
እቲ መልሲ ኣይፋልካን'ዩ።
እቶም ብናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ጥዕና ብነጻ ክታበት ዝወስዱን፡ ብውልቃዊ ክፍሊት ዝወስዱን ሰባት፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክታበት'ዮም ዝጥቐሙ።
እንተኾነ ግን፡ ክልቲኦም ዓይነታት ክታበት ሓደ ዓይነት ዕላማ እዮም ዘለዎም፡ ካብ ተመሳሳሊ ዓይነታት ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ እውን ይከላኸሉ።
ፋርማሲስት ኦሊቪየር ፒካርድ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ኣብ ጠለብ ክታበት ኢንፍሉዌንዛ "ኣዝዩ ዓቢ ወሰኽ" ከም ዝተራእየ ይገልጽ።
ዝያዳ ሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ምውሳድ ክታበት ብነጻ መዘኻኸሪ ዝተላእከሎም፡ ቆጸራ ይሕዙ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ነቲ ክታበት ባዕሎም ብምኽፋል ክወስዱ ብዛዕባ ዝኽእሉሉ ኩነታት ይሓቱ ኣለዉ።
"ኣየር ምስ ዝዝሕል፡ ሰባት ብዛዕባ ምውሳድ ክታበት ብነጻ ይዝክሩ፡ ቅድሚ በዓል ልደት እውን ክወስድዎ ይደልዩ" ይብል።
ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ኣቕርቦት ክታበት ዝኾነ ጸገም ከም ዘየለ፡ ኣብቲ ስርዓት ድማ "ብብዝሒ ክታበት ከም ዘሎ" እውን የረጋግጽ።

















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





