ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብነታዊ ጉዕዞ መምህር ሚኒያ ኣማር

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብዓቕሞም ንህዝቦምን ሃገሮምን ዓበይቲ ስርሓት ሰሪሖም ኣበርኪቶም ዝሓለፉ፡ ስሞም ዘይለዓል፡ ብዙሕ ዘይንገረሎም ብዙሓት ሰባት ከምኡ እውን ጕዳያትን ፍጻሜትታን ኣለው። ሎሚ ናይ ሓንቲ ምስግንቲ ኤርትራዊት ኣደ፡ መምህርን ጸሓፊትን ወይዘሮ ምንያ ዓማር ኢና ክንዛረብ።
ብዛዕባ እዘን ታሪኻዊት ኣደ፡ ኣብ ጥሪ 2026 ኣብ ሮማ ዝተሓትመትን ብኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ዝተመረቐት መጽሓፍ እውን ክንጠቅስ ኢና።
እዛ መጽሓፍ ካብ ትሕተም ክሳብ ሕጂ ኣስታት ዓመት ኰይኑ ከብቅዕ ግን ከምቲ ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ ናብ ኩሉ ኣንባቢ ኣይበጽሐትን።
እዚ ከኣ ኣብ ዓውደ ስነ ጽሑፍ ከምቲ ዝግበኣናዶ ንስጉም ኣለና ዝብል ሕቶ ክንሓተት ይድርኸና።
እታ መጽሓፍ፡ ካብ ጽሑፋት መምህር ምንያ ብዝተወስደ ሓረግ - 'ምስጢረ ጸሎትን ኣስተንትኖ ዓበይቲ በዓላትን' ብዝብል ምስ ታሪኽ ህይወታ ብዝተኣሳሰር ኣርእስቲ ብሓልዮት ኣሕዋት ማሕበር ቅድስቲ ኣንጀላ መሪቺ - ኤርትራ እያ ቀሪባ።
ንምዃኑ ማሕበር ቅድስቲ ኣንጀላ መሪቺ ዕላማኡ እንታይ'ዩ?
እወ፡ ቅድስቲ ኣንጀላ መሪቺ (1474-1540) ኢጣልያዊት መምህር ሃይማኖትን መስራቲት ናይቲ ብክብርታት 'ኡርሱላውያን' እትምራሕን ቅድስቲ እያ ነይራ።
ቅድስቲ ኡርሱላ ሓንቲ ካብ'ቶም ፈለማ ሰማእታት ክርስትና'ያ ነይራ። ዘውረሰቶም ክብርታት ድማ ኣብ እምነት፡ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት፡ ተወፋይነት ዝምርኰሱ'ዮም።
እምበኣርከስ ነዞም ክብርታት ሒዛ'ያ ቅድስቲ ኣንጀላ መሪቺ ኣሰር ቅድስቲ ኡርሱላ ንምኽታል ዝተበገሰት።
እዚ ማለት ድማ ትምህርትን እምነትን ንዝሓሸ ህይወት ኣገዳሲ ባእታታት ምዃኖም ብምእማን፡ ምስኡ ኸኣ ንኣምላኽ ንምግልጋል፡ ንድኻታት ንምሕጋዝን፡ ንመንእሰያት ኣዋልድ ድማ ብግቡእ ንምምሃርን ህይወታ ከም ዝወፈየት ሰነዳት እምነት ካቶሊክ ይሕብሩ።
ደቂ ኣንስትዮ ብትብዓትን ሕያውነትን ድልዱል ክርስትያናዊ ክብረታት ክነብራ ዘተባብዐት ቅድስቲ ነበረት።
ብተወሳኺ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብዝነበራ ተወፋይነትን ርህራሄን እትዝከር ሰብ ኰይና ከም ሓላዊት መምህራን'ያ ትቝጸር።
ኰይኑ ድማ ንመርሓ-ህይወት መም. ምንያ ክሳብ ጊዜ ስንብታኣ ዜሳለዩ ክብርታት እዚኦም ነበሩ ክንብል ንኽእል።

ምንጪ ስእሊ, DM
መምህር ምንያ ዓማር ኣብ ጂኒቫ ንዝነብር፡ ገዲም ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት (ጀብሃ) ነበር ኰይኑ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ዝደረሰ፡ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፋይን ተመራማርን ወልደየሱስ ዓማር ዓባይ ሓፍቱ እያ።
ወልደየሱስ 80 ዓመት ሰጊሩ ክንሱ ክሳብ ሕጂ ምእንቲ ፍትሕን ሓርነትን ደኺመ ከይበለ ዝጽሕፍ፡ ዝምድር፡ ዝምህር ተቓላሳይ ፍትሒ እዩ።
ብዛዕባ ሓፍቱ ክገልጽ እንከሎ ከኣ፡ "ንምንያ ሓብተይ፡ ካብ ሓሳበይ ተፈልያ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ብማእለያ ዘይብሉ ነገራት እየ ዝዝክራ" ኢሉ ሓሳቡ ከካፍለና ጀመረ።
"ልዕሊ ኹሉ በቲ ምቕሉል ባህርያታ ዝተሰነዩ ካብ ጊዜ ንእስነታ ዝጀመረ - ክሳብ ጊዜ ስንብትኣ ኸኣ ዜሳለያ - ብልሓ ዀነ ምስትውዓላ እየ ዝዝክር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእምነት ዝዘቕበበ ዉልቃዊ ባህሪኣ፡ ፍልጠት ንኽትድልብ ትገብሮ ዝነበረት ዳህሳስ፡ ብእኡ ኣቢላ ዘዋህለለቶ ፍልጠት ድማ ምስ ሰባን ብጾታን ንከተካፍሎ ዝነበራ ሃንቀውታን ተወፋይነትን ስለ ዝዝከረኒ ብእኡ ኣጸቢቓ ትዝከረኒ" ይብል ወልደሱስ።
"ምንያ ሓብተይ ኣብ ሽድሽተ ዕድሚኣ፡ ኣብ ዓድና -- ኣብ ኣሸራ ምዃኑ'ዩ - ቅድሚ ኹሉ ሰባ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝኣተወት ጓል ኣንስተይቲ ነበረት። ንዓመታት ትምህርታ ከም ማይ ሰትያ ድማ ኣብ 16 ዕድሚኣ መምህር ክትከውን በቕዐት" እናበለ ዛንትኡ ቀጸለ።
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
"ካብኡ ንንዮ ንሞያ ምምህርና ገጥ ኣቢላ ብምሓዝ ክሳብ ካብኣ ብዕድመ ንዝዓብዩ ተመሃሮ እናመሃረት ኣሽሓት ተመሃሮ ከም ዘፍረየት ብቐረባ ስለ ዝረኣኹ ብፍረ-ጻምኣ ክምስክረላ እደሊ። ምስኡ ኸኣ ንዓይ ከይበለት፡ ንዓይን ንስድራቤትናን ንከይንጠሚ ከይንዓርቅ ኢላ ህርድግ እናበለት ህይወታ ከም ዝወፈየት ካብ ሓሳበይ ተፈልዩ ዘይፈልጥ ሓቂ'ዩ" በለ ወልደየሱስ።
"ሓደ ዘንት-እለት ዝዝክሮ ጉዳይ ኣሎ። ሓደ እዋን ምንያ ብትምህርቲ ምኽንያት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተላእከት ምስቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ንኢትዮጵያ እትበጽሓሉ ዝነበረት እዋን ተጋጠመ። ምንያ ሓንቲ ካብ ብሉጻት ተመሃሮ ኰይና ስለ ዝተመርጸት ድማ ምስ ብጾታ ናብ'ታ ንግስቲ ቀረበት። ሽዑ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ነተን ሕሩያት ደቂ'ንስትዮ ተምሃሮ ትምህርተን ንኽቕጽላ ብመልክዕ ማህደረ-ትምህርቲ ንዓዲ እንግሊዝ ክበጽሓ ዕድል ወፈየትለን።
"ምንያ ግን ብሓልዮት ናይ'ቶም ጌና ትምህርትና ዘይወዳእና ኣሕዋታ ከምኡ'ውን ወለዳ ተገዲሳ ነቲ እትብህጎ ዝነበረት ዕድል'ቲ ክትቅበሎ ኣይከኣለትን" እናበለ ነቲ ዕዙዝ ሓላፍነታ ብናፍቖት ዘከሮ።
"ምንያ ካብ 1953 ጀሚራ ን35 ዓመታት ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ብምምሃር፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ብናጻ ን31 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝተፈላለዩ ትካላት ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ብምውፋር ሓገዛ ዘበርከተት ኣማኒት ነበረት" ድሕሪ ምባል ...
"እወ ነቲ ብጽምኢ ትምህርቲ ከርተት ዝብል ዝነበረ ሕብረተብና ከተገልግል ምሉእ ዓቕማን ምሉእ ህይወታን ኣውፍያቶ። ኣብ ኤርትራ ቃልሲ ንናጽነት ምስ ጀመረ ኸኣ ኣነ ንሜዳይ ምንያ ድማ ኣብ ምምሃር ደቂ ኤርትራ ኣሕሊፋቶ ክብል እኽእል" ኢሉ ወልደየሱስ ተፋነወና።
ናብታ መጽሓፍ ብምምላስ ...
እታ 175 ገጻት ብትግርኛ፡ 50 ገጻት ከኣ ብእንግሊዘኛ ዝተጻሕፈት፡ ብርክት ዝበሉ ኣሳእለ ዝሓዘለት መጽሓፍ ምንባብ ነቲ ብኣምልኾ ፈጣሪ ዝግደስ ኣንባቢ ኣዝያ ኣዕጋቢት'ያ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ እቶም መሪጻ ዜቕረበቶም ናይ ጸሎትን ፍልስፍናዊ ዛዕባታት መሃርቲ ስለ ዀኑ። ነቲ ኻልእ ኣንባቢ ኸኣ ኣርኣያ።
ኣቶ ግርማይ ኣስፍሃ፡ ነቲ መጽሓፍ ጠርኒፎም ዜቕረቡ፡ ከም ዝብልዎ፡ "እቶም ካብ መጽሔት 'ተሓድሶ' ዀነ ንኣስተምህሮ እተዳልዎ ዝነበረት ሰነዳት ተወሲዶም ኣብ ሕትመት ከም ዝበጽሑ ኣብ መእተዊ ገሊጹዎ ኣሎ። እቶም ዝተመርጹ ዓንቀጻት ማዕረ 140 ገጾም ኰይኖም እቶም ዝተረፉ ኸኣ ምስ ታሪኽ ህይወታ ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም - ከም ቃለ-መጠይቅ፡ ብዛዕብኣ ዘድልዩ ሓበሬታታት፡ ብዛዕባ እቲ ዝመስረተቶ ማሕበር ቅድስቲ ኣንጀላ መሪቺ፡ ፍረ-ጻማ ገድሊ ህይወታ - ይርከቡዎም።
ካብ'ቶም ብርክት ዝበሉ ብዛዕባ መም. ምኒያ ኣብ'ቲ መጽሓፍ ምስክርነቶም ዜቕረቡ ሰባት ኰኑ ማሕበራት ንምጥቃስ፡ ምስክርነታት ደቂ ማሕበር ኢየሱስ ስቑል፡ ሓው ኣብርሃም ዑቕባዝጊ፡ ኣባ ኣሮን ገብረትንሳኤ፡ ኣባ ዮናስ ዮሓንስ፡ ዶክ. ክፍለማርያም ሓምደ፡ ኣባ ኣማኑኤል መኰንነ (ረድዮ ጨብሪ) ፡ ከምኡ'ውን መልቀስ ብሓፍቲ ኪዳን ናሳሕ (ረድዮ ብሊና-ጃህራይ) ይርከቡዎም።
መም. ምንያ፡ 'እታ ኣብ ምድሪ ኸላ ዝጸደቐት' እናተባህለ ዝተነግረላ መምህር ክሳብ ክንደይ ፍትውትን ክብርትን ከም ዝነበረት ካብ'ቶም ብዛዕባኣ ዝተጻሕፉ ዓንቀጻት ክንርዳእ ንኽእል። ከም መም. ምኒያ ዘኣመሰሉ ሰባት - ንማሕበረሰቦምን ብዙሕ ዘበርከቱ፡ ንትካላት ሃይማኖትን ገደብ ብዘይብሉ ልግሲ ገዘልገሉ፡ ኣሽሓት ተምሃሮ ኸኣ ዘፍረዩን ንምንታይ ብዕሊ ዘይንገረሎም ኢልና 'ውን ክንሓስብን ክንውከስን ሕልናና ይቕስበና።
ሓድ-ሓደ ሓቅታት ብዛዕባ መም. ምንያ ዓማር

ምንጪ ስእሊ, eparchy keren
መም. ምንያ ብ26 ሰነ 1938 ካብ ኣቦኣ ኣቶ ዓማር መሓርዝጊ ትጃርን ኣዲኣ ወ/ሮ ክብራ በየነ ኣስፈዳይን ኣብ ኣሸራ ተወልደት።
መም. ምንያ ዝተወልደትሉ ዘመን'ቲ ኣስመራ ከም ዘመናዊት ከተማ ተሃኒጻ እተብለጭልጨሉ ዝነበረትሉ ጊዝያት ነበረ።
እቶም ልዕሊ 15 ሺሕ ነበርቲ ጣልያን ፋብሪካታት ሓርጭ፡ ቢስኮቲ፡ ነቢት ... ብሸነኽ ህንጻ ፋብሪካታት ድማ ጽርበት ሓጺን፡ ዕንጸይቲ ፡ በብዓይነቶም ናይ ንግዲ ትካላት፡ ግራተ-ፍረታት ኰነ ኣጸደ-ወይኒ ...ወዘተ. - እዚ ላዕለ-ላዕሉ ነበረ። ኮታ ኣብ ዓዶም ዝነበሩ ጸጋታት - ዋላ'ኳ ንዕኦም ኢሎም ይግበርዎ - ናብ ኣስመራ ዜስግርሉ ዝእዋን ነበረ ክንብል ንኽእል።
ኣብ መታሕት ከኣ - ከም ኣብነት - ቍጽሪ እንስሳ ዘቤት (ማል) ድማ - መም. ምንያ ዝተወልደትሉ ዘመን ምዃኑ'ዩ - ማዕረ 2.2 ሚልዮን በጺሑ ከም ዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።
መም. ምንያ ብልጫታት እናወሰደት'ያ ናይ መባእታ ትምህርታ ወዲኣቶ። ብድሕሪኡ ኣብ ሓሙሻይ ክፍሊ ምስ በጽሐት ኣብ ኣስመራ ትምህርታ ንኽትቅጽል ዕድል ረኸበት። ኣብ ኣስመራ ኸኣ ኣይሓመቐትን - መምህር ንኸትከውን ተማሂራ፡ሰለጣ ከኣ። ሽዑ ጓል 16 ዓመት ጥራይ'ያ ነይራ። ብድሕሪኡ ኣብ ከረን ንኽትምህር ተመደበት።
ብመጀመርታ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣወዳት ን6-7 ዓመታት ምስ መሃረት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ሰገረት። ኣብ ስሳታት ንተወሳኺ ትምህርቲ - ብምሕደራ-ገዛ (Home Economics) - ንኣዲስ ኣበባ ተጓዕዘት። እቲ ዝተማህረቶ ትምህርቲ ድማ ኣጠናቒቃ ንከረን ሒዛቶ ድሕሪ ምምላስ ኣብኡ ግርም ጌራ ኣተኣታተወቶ።
ብድሕሪኡ ስራሕ ምምህርና ስለ ዝተሰማምዓ ቀጸለቶ፣ ንኣስመራ ተመሊሳ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ክትምር ከኣ በቕዐት። እናመሃረት 'ትምህርቲ ብመልእኽቲ' (correspondence School) ብምምሃር ቀጸለት፣ ከምኡ እናበለት ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርት በጺሓ ብዲግሪ ተመረቐት።
መቸም መም. ምንያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ብዙሕ ቦታታት'ያ ምሂራ - ኣብ ቤት ትምህርቲ ኖቮለንት፡ ተናኘ ወርቅ፡ ኮምቦኒ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ (ቀ.ሃ.ስ. ኢሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ) ክሳብ 1988 መሃረት።
ብድሕሪኡ እቲ ዝተረፈ ዕድሚኣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ንምስራሕ ካብ ምምህርና ተጋላገለት።
እዛ ካብ ኢድ ሃጸይ ሃይለስሴ ብልጫ ዝተቐበለት፡ ንጳጳስ ዮሓንስ-ጳውሎስ ንኽትረኽቦም ዕድል ዝረኸበት፡ ኣብ ናይ ተሓድሶ ኣኼባታት ኣብ ሮማ ክልተ ጊዜ ዝተሳተፈት መምህር ዛንትኣ መሳጢ እዩ።
ላዕለዎት መራሕቲ ቤት ክርስትያን ካቶሊክ ብእምነታን ጽንዓታን ተደሪኾም 'ማሕበር ቅድስቲ እንጀላ መሪቺ' ንኽትተክል ኣተባብዕዋ። መምህር ብማሕላ ተቐበለቶ። መስረተቶ ኸኣ! እወ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ኤርትራ ነቲ ማሕበር ከተበግሶ በቕዐት። እንሆ ኸኣ ሓደ ካብ'ቶም እትዝከረሉ ባህርያታ ኰይኑ ተሪፉ።
ኣብ'ቲ ብዛዕባ መምህር ምንያ ዓማር ዝተጻሕፈ፡ ታሪኻ ዝሓዘለ "ምስጢር ጸሎትን ኣስተንትኖ በዓላትን፡ ምስኣ ዝተገበረ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ካብ ገጽ 146 ክሳብ ገጽ 155 ሰፊሩ ይርከብ።
መምህር ምንያ ዓማር ብ15 ሕዳር 2019 ኣብ ኣስመራ ምስ ዓረፈት ጸሎተ ፍትሓታ ዝመርሑ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም፡ "ኣብ ምድሪ ከላ ዝጸደቐት ሰብ" ክበሉ መስከሩላ። እቲ ግቡእ መንፈሳውን ባህላውን ፋንዎ ተገይሩላ ከኣ ኣብ ከረን ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር መጋርሕ - ኣብ ጥቓ መቓብር ኣዲኣ - ሓመድ ኣዳም ለበሰት።


















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





