ተፈጥሮ ንኣእምሮናን ስምዒትናን ብኸመይ የህድኦ?

ኣብ ልሙዕ ቀጠልያ ተፈጥሮ ዝተደረበ ምስሊ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ሰብኣይን፤ ኵሎም ኣዒንቶም ዓሚቶም ህድኣት ዝመልኦ ትርኢት የርእዩ።
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ክሳዕ ክንደይ ኢኹም ናብ ግዳም ወጺእኩም ምስ ተፈጥሮ ግዜ ተሕልፉ?

ምርምራት ከም ዘርእይዎ፡ ምስ ተፈጥሮኣዊ ከባቢታት ምርኻብ፡ ጭንቀትን ቀቢጸ-ተስፋን ካብ ምቕናስ ጀሚሩ ክሳብ ጸቕጢ ደም ንምውራድ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ኣለዎ። ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብ በረኻ ወይ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ድሕሪ ምጓዓዝ፡ ዝሓሸ ስምዒት ከም ዝስምዖም ይምስክሩ እዮም።

እዚ ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ጥቡቕ ዝምድና ግን ካብ ምንታይ ዝመጽአ እዩ? ኵሉ ሰብከ ማዕረ ረብሓ ይረክብ ድዩ?

ተፈጥሮ ከም መድሓኒት

ረብሓታት ተፈጥሮ ኣብ ውሽጢ ትካላት ጥዕና ክዝተየሉ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።

ኣብ 1980ታት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘርኣዮ፡ ብመስኮት ኣማዕድዮም ኣእዋም ክርእዩ ዝኽእሉ ሕሙማት መብጣሕቲ፡ ካብቶም መንደቕ ጥራይ ዝርእዩ ዝነበሩ ሕሙማት ብገምጋም ብሓደ መዓልቲ ኣቐዲሞም ናብ ቤቶም ክምለሱ በቒዖም።

እቶም መንደቕ ጥራይ ዝርእዩ ዝነበሩ ሕሙማት፡ ፈውሲ ቃንዛ የድልዮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣለይቲ ሕሙማት'ውን 'ተረቢሾም ይበኽዩ ኣለዉ' ወይ 'ብዙሕ ምትብባዕ የድልዮም' ዝብሉ ኣሉታዊ ገምጋማት ይጽሓፈሎም ነይሩ።

ሎሚ ገለ ሆስፒታላትን ማእከላት ሕክምናታትን ነዚ ሓሳብ'ዚ ብሰፊሑ ኣብ ግብሪ የውዕላኦ ኣለዋ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሆንግ ኮንግን ጃፓንን ዝርከቡ ንሕሙማት መንሽሮ ዝድግፉ ማእከላት 'ማጊስ' ሓደ ኣብነት እዮም።

ኣብ ማንቸስተር ዝርከብ ናይቲ ትካል ሓላፊ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ዶክተር ሮቢን ሙር፡ እቲ ህንጻኦም ብ360 ዲግሪ ብጀርዲን ዝተኸበበ ኰይኑ፡ ተፈጥሮ ንምዕዛብ ካብ ባይታ ክሳብ ናሕሲ ዝበጽሕ መስኮታት ከም ዘለዎ ይገልጽ።

እዚ ድማ ሕሙማት ቅሳነት ንኽስምዖምን ምስ ግዳማዊ ዓለም ንኽራኸቡን ይሕግዝ።

"ከተማታት ሓድሓደ ግዜ ካብ ተፈጥሮኣዊ ከባብን ለምለምን ናጻ ክዀና ይኽእላ እየን፡" ዝበለ ዶክተር ሙር፡ ሕክምና መንሽሮ ንዝከታተል ሰብ እቲ ጀርዲንን ተፈጥሮን ዓቢ "ፈውሳዊ" (therapeutic) ተራ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ረብሓታት ተፈጥሮ ኣብ ሆስፒታላት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኰነን። ኣብ ኦሪገን-ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ 'ስነይክ ሪቨር' ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘርኣዮ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግዜ ቪድዮታት ተፈጥሮ ዝርእዩ እሱራት፡ ካብቶም ካልኦት ብ26% ዝወሓደ ናይ ዓመጽ ገበናት ፈጺሞም።

ሓንቲ ቦርሳ ዝተሓንገጠት ጓለንስተይቲ ብመደያይቦ ናብ ኣትክልትን ዕምበባታትን ዘለዎ ቦታ እናደየበት
መግለጺ ስእሊ, ብራትማን ብተወሳኺ ከም ዝረኸቦ፡ እቶም ኣብ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ዝተንቀሳቐሱ ሰባት ምስቶም ኣብ ከተማ ዝጓዓዙ ክወዳደሩ ከለዉ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ሓሳባት ናይ ደጊምካ ምዝኽኻር ባህርያቶም ዝተሓተ ነይሩ።

ተፈጥሮ ብኸመይ ይቕይረና?

'ባዮፊልያ' ዝበሃል ስነ-ሓሳብ፡ ደቂ-ሰብ ምስ ተፈጥሮ ክዀኑ ባህርያዊ ድፍኢት ከም ዘለዎም ይገልጽ። እዚ ድማ ኣቦሓጎታትና ኣብ በረኻ ስለ ዝዓበዩ፡ እቲ ድፍኢት ኣብ ጂንና ተጻሒፉ ከም ዘሎ ምሁር ስነ-ህይወት ኤድዋርድ ኦ. ዊልሰን ይከራኸር።

ስነ-ፍልጠተኛታት፡ ምስ ተፈጥሮ ግዜ ምሕላፍ ብኸመይ ንኣእምሮናን ኣካልናን ከም ዘህድኦ ክልተ ቀንዲ ሓሳባት የቕርቡ።

ቀዳማይ፡ "ስነ-ሓሳብ ምንካይ ጸቕጢ" እዩ። ተፈጥሮኣዊ ከባቢታት ኣብ ኣካልና ስነ-ህይወታዊ ለውጢ ብምምጻእ ንጸቕጢ የጕድሎ። እዚ ድማ ነቲ 'ናይ ዕረፍትን ስርዓተ-ምሕቃቕን' ዝበሃል ንጥፈታት ልቢ ዘዝሕል ስርዓተ-ኣእምሮ የተባብዖ።

ካልኣይ፡ "ስነ-ሓሳብ ምሕዳስ ኣቓልቦ" እዩ። ከተማዊ ናብራ ብብዙሕ ድምጽታትን ምንቅስቓስ መካይንን ዝመልአ ብምዃኑ ኣቓልቦና ይመቓቐል። ተፈጥሮ ግን ነቲ ዝጠፍእ ኣቓልቦና ዳግማይ ክሕደስ ዕድል ይህቦ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ተመራማሪ ዝዀነ ግረጎሪ ብራትማን ከም ዝገለጾ፡ ን50 ደቒቕ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ቦታ ዝተንቀሳቐሱ ሰባት፡ ምስቶም ኣብ ከተማ ዝጓዓዙ ክወዳደሩ ከለዉ፡ ናይ ምዝካር ዓቕሞም ዝለዓለ ኰይኑ ተረኺቡ።

ለምለም ወይ ምድረ-በዳ?

ክልተ ዝተላገበ ኣሳእል ኰይኑ ኣብ ክልተኡ ጸሓይ ዕራብ ወይ ብራቕ ኣሎ፤ እቲ ሓደ ልሙዕ ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ድማ ምድረበዳ እዩ
መግለጺ ስእሊ, ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ተፈጥሮ እንህቦ ግብረ-መልሲ፡ ምስቲ ዝለመድናዮ ተመኵሮ ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ

እዚ ይዅን'ምበር፡ ኵሉ ሰብ ንተፈጥሮ ብማዕረ ኣይኰነን ዝርድኦ።

ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 80% ካብቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዱር ወይ ጭካ ግዜ ምስ ኣሕለፉ እወታዊ ስምዒት ክስምዖም ከሎ፡ እቶም 20% ግን ተመሳሳሊ ስምዒት ኣይተራእዮምን።

ብራትማን ከም ዝገለጾ፡ ውልቃዊ ተመኵሮን ምስቲ ቦታ ዘሎና ሌላን ዓቢ ተራ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኤል ፓሶ-ቴክሳስ (ምድረ-በዳ ዝዀነት ከተማ) ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ክንዲ ለምለም ቦታ፡ ኣብ ምድረ-በዳ ዝያዳ ቅሳነት ከም ዝተሰምዖም ኣርእዩ።

እዚ ድማ ምስቲ ዝለመድዎ ከባቢ ስለ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ተደጋጋሚ ምርኻብ

ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ልዕሊ 80% ህዝቢ ዓለም ኣብ ከተማታት እዩ ዝነብር። ስለዚ ኣብ ኣብያተ-ትምህርትን መንበሪ ኣባይትን ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ክህልዉ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

ምስ ተፈጥሮ ዝግበር ርክብ፡ እቲ ለውጢ ንእሽቶ እኳ እንተ መሰለ፡ ምስ ግዜ እናተኣከበ ምስ ከደ ግን ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዓቢ ለውጢ ከም ዘምጽእ ብራትማን የገንዝብ።