ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኒል ኣል-ኣዝራቕ ስትራተጅያዊ ቦታ ዳግማይ ተቘጻጺሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ግዝኣት ኒል ኣል-ኣዝራቕ እትርከብ ስትራተጅያዊት ቦታ 'ኮር ማጋንዛ' ካብ ቍጽጽር ጥምረት ዳዕመ-ሰሪዕን ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳን-ሰሜንን ሓራ ብምውጻእ ዳግማይ ከም ዝተቘጻጸራ ወተሃደራውያን ምንጭታት ንማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢሮም።
እዚ ወተሃደራዊ ገስጋስ ዝግለጽ ዘሎ፡ ኣብ ግዝኣታት ኒል ኣል-ኣዝራቕን ኮርዶፋንን ብሰንኪ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ውግእ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ውሽጥን ጐረቤት ሃገር ደቡብ ሱዳንን ይሃድሙ ኣብ ዘለዉሉ እዋን እዩ።
ካብ ኣ'ደማዚን ብሸነኽ ደቡብ ኣስታት 30 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ማጋንዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጥምረት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተታሒዛ ነይራ እያ።
ወተሃደራውያን ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ፡ ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱን ብዓርቢ ንግሆ ሓያል ውግእ ድሕሪ ምክያዶም እዮም ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮማ። ካብቲ ግንባር ብዘርግሑዎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ ኣረጋጊጾም።
ሰራዊት ሱዳን ነዚ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ፡ ብኣቡ ዓቕላ ከይከል ብዝምራሕ 'ሓይልታት ዋልታ ሱዳን'ን ብ'ሓባራዊ ሓይሊ'ን ሓገዝ ብምርካቡ እዩ።
ኣቡ ዓቕላ ከይከል ኣቐዲሙ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሰራዊት ሱዳን ምጽንባሩ ኣብቲ ውግእ ዓቢ ለውጢ ፈጢሩ ይርከብ።
ዞባታት ኒል ኣል-ኣዝራቕን ኮርዶፋንን ኣብዚ እዋን እዚ ማእከል ጽዕጹዕ ውግእ ክዀናሉ ምኽንያት፡ ምስ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝዳወባ ብምዃነንን ብማዕድንን ካልእ ቍጠባዊ ጸጋታትን ሃብታማት ስለ ዝዀናን እዩ።
እዚ ድማ ንመተሓላለፊ ኣጽዋርን ንግድን ምቹእ ስለ ዝገብሮ፡ ልዑል ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ፡ እቲ ብጆሴፍ ቱካ ዝምራሕ ጕጅለ ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳን-ሰሜን፡ ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ሓቢሩ ኣንጻር መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ።
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
በቲ ካልእ ወገን ግን ዳዕመ-ሰሪዕ ንኸተማ ኤድ ዳማዚን ብስትራተጅያዊ ድሮናት ዕላማ ብምግባር መጥቃዕቲ የካይድ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ሞትን መውጋእትን የስዕብ ኣሎ።
እዚ ብርቱዕ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይፈጥር ኣሎ።
ጕጅለ መሰላት 'ጠበቓታት ህጹጽ እዋን' ከም ዝገለጾ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ማጋንዛ ድሕሪ ምእታዉን ተዅሲ ምኽፋቱን፡ ኣስታት 2,000 ሰባት ካብ መረበቶም ሃዲሞም ናብ ደማዚንን ሮሰይረስን ኣትዮም ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 14,000 ሱዳናውያን ዶብ ብምስጋር ናብ ዞባ ሬንክ ናይ ደቡብ ሱዳን ተሰዲዶ።
ጸብጻባት ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ሬንክ ዝርከብ መዕቈቢ ስደተኛታት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኰይኑ ስለ ዘሎ፡ ተመዛበልቲ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ፡ ጽሩይ ማይ፡ መዕቈቢን ሕክምናን ይሳቐዩ ኣለዉ።
ተመሳሳሊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዞባ ኮርዶፋን እውን ይረአ ኣሎ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን (ከባቢ ኣቡ ዛባድ) ወተሃደራዊ ወፍሪ ድሕሪ ምክያዱ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ብዝወሰዶ ግብረ-መልሲ፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዘረፋን ከም ዝፈጸመ ይኽሰስ ኣሎ።
ቢቢሲ ነዚ ክስታት ብናጻ ወገን ከጻርዮ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ብወገኑ'ውን ነዚ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የሎን።
በዚ ኵነታት ካብ ኣቡ ቓልብን ኣል-ሳዓታን ዝተመዛበሉ ኣስታት 2,000 ሰባት፡ ዝበዝሑ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን፡ ነዊሕ ጕዕዞ ብእግሮም ብምጓዓዝ ናብ ከተማ ኤል ዖበይድ ኣትዮም ኣለዉ።
ተመዛበልቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ ኣሰቃቒ ጕዕዞ፡ ሓያሎ ነብሰ-ጾራት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መንገዲ ክወልዳ ከለዋ፡ ንገሊኣተን ድማ ጥንሲ ከይድወን እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ስርዓተ ጥዕና ብምውዳቑ፡ ብፍላይ ነብሰጾራት ኣደታትን ህጻናትን ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ይርከቡ።
ተጣበቕቲ መሰላትን ሰብኣውያን ትካላትን፡ ኵሎም ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘውርድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ብህጹጽ ጠጠው ከብሉ ብምጽዋዕ፡ ህይወት እዞም ተመዛበልቲ ንምድሓን መሰረታዊ ረድኤት ብቕልጡፍ ክቐርብ ይምሕጸኑ ኣለዉ።
















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)




![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





