ብዙሓት ምስ ባራክ ኦባማ ዘመሳሰልዎ ዘለዉ ኬንያዊ መንእሰይ፡ መፃኢ ፕረዚደንት ክኸውን ይኽእል ድዩ?

ብዙሓት ምስ ባራክ ኦባማ ዘመሳሰልዎ  ዘለዉ ኬንያዊ መንእሰይ ኤድዊን ሲፉና
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ምስ ባራክ ኦባማ ዘመሳሰልዎ ዘለዉ ኬንያዊ መንእሰይ ኤድዊን ሲፉና
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ርግፅ እዩ፡ ንሱ ዛጊድ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ወግዓዊ ኣይገረበን ዘሎ።

እንተኾነ ግን መንእሰያት ኬንያ፡ ሰነተር ኤድዊን ሲፉና ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ መረፃ ኬንያ መራሒኦም ገይሮመ ክመርፁዎ ዳርጋ ወሲኖም ኣለዉ።

እቲ ተዛራባይን ብልሓተኛን ተባሂሉ ዝነኣድ መንእሰይ፡ ወዲ 59 ዓመት ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝፈታተን ዘይተጸበዮ ሓይሊ ኮይኑ ይቕልቀል ኣሎ።

ገለ ኣድነቕቱ፡ ምስቲ ኣብ 2008 ኣብ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ኣመሪካ ንሚልዮናት ዘነቓቕሐ ባራክ ኦባማ የመሳስልዎ ኣለዉ።

ተንተንቲ ፖለቲካ ግን፡ እቲ ኣብ ሲፉና ዘሎ ተስፋ ድሩት ከይኸውን የጠንቅቑ።

ንሳቶም ዝበዝሕ ህቡብነት እቲ መንእሰይ ኣብ ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝተመስረተ ከምዝዀነ እዮም ዝኣምኑ።

ሲፉና ንባዕሉ ብዛዕባ ፕረዚደንታዊ ባህግታቱ ክዛረብ ፍቓደኛ ኣይኰነን፣ ቀዳማነት ዝህቦ ንዊልያም ሩቶ ክስዕሮ ዝኽእል ስሙር ተቓወምቲ ኣብ ምህናጽ እዩ።

"ሓንሳብ ልጓም ፈረስኩም ሓዙለይ [ዓቕሊ ግበሩ]፡ እዞም ዓይነት ዕላላት ኣብ ዝመጽእ ክንዘራረበሎም ኢና" ኢሉ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዛዕባ ባህጉን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝና ብኸመይ ናብ ድምጺ ክቕይሮ ከም ዝሓሰበ'ውን ተሓቲቱ።

እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተፈላጥነት ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ኣብ ኣገዳሲ ህሞት ዝረአ ዘሎ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሞት ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ፖለቲካዊ መልክዕ እታ ሃገር ዝሃንደሰ ገዲም መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ እዩ።

ሓሙሽተ ግዜ ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ ዘይተዓወተ ኦዲንጋ፡ ፖለቲካዊ መምህር ሲፉና እዩ ነይሩ።

ኣብ 2018 ድማ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኬንያ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኦሬንጅ (ኦዲኤም) ገይሩ ሸይምዎ።

ሲፉና ንዓመታት ካብቶም ንኦዲንጋ ሓጊዞም ዝዛረቡ ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ክትዓት ተለቪዥን፡ ህዝባዊ ሰልፍታትን ባይቶን ይዋሳእ ነይሩ።

ድሕሪ ሞት ኦዲንጋ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ምስ መንግስቲ ሩቶ ምትሕብባር ክቕጽል ኣለዎ ድዩ ኣይግባእን ዝብል ኣፈላላይ እናዓሞቐ ከይዱ።

ገለ ላዕለዎት ሰባት ምስቲ ፕረዚደንት ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ክህሉ ክድግፉ እንከለዉ፡ ሲፉና ነቲ መንገዲ ብትሪ ተቓዊሙ።

ተቓወምቲ ንመንግስቲ ካብ ምሕጋዝ ተሓታቲ ኣብ ምግባር ክነጥፉ ኣለዎም ኢሉ ይምጉት።

እዚ ድማ ዋና ጸሓፊ ኦዲኤምን ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ባይቶ ኬንያ ዝኾነ ሰኔት ናይ መሪሕነት ተራን ኣስኢኑዎ።

እንተኾነ፡ እቲ ንኻልእ ፖለቲከኛ ካብቲ ዓውዲ ከርሕቕ ዘኽእል ዝነበረ ስጉምቲ ንሲፉና ሓድሽ ናህሪ ዝሃቦ ይመስል።

ተንታኒ ፖለቲካ ዳቪስ ንግሙ፡ ሲፉና ሓደ ካብቶም መሪሕ ድምፅታት ምንቅስቓስ 'ሊንዳ ምዋናንቺ' ኮይኑ ከምዝተቐልቀለ ይዛረብ።

ብቋንቋ ስዋሂሊ፡ ብሓፈሽኡ "ሓላዊ ዜጋ" ዝብል ትርጉም ኣለዎ።

እቲ ምንቅስቓስ፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ወጻኢታት መነባብሮ፡ ልዑል ግብሪ፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ካብ ህዝቢ ኬንያ እናተነፀለ ዝሓድር ዘሎ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘስዐቦ ሰፊሕ ሕርቃን ዝብገስ እዩ።

ኣብ መላእ ሃገር ዘካየዶ ሰልፍታት ብዙሕ ህዝቢ ዝሰሓበ ኮይኑ፡ ሲፉና ብፍላይ ኣብ መንጎ መንእሰያት ፍሉጥ ሰብ እናዀነ መፂኢ ኣሎ።

መልእኽቱ፡ ካብ ገለ ካብቲ ኣብ 2024 ብመንእሰያት ዝምራሕ ተቓውሞ ኬንያ ዝቐፀለ ኮይኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ወሰኽ ግብሪ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ምቅዋሞም ዝዝከር እዩ።

እቲ ብዓቢኡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወደበ ሰልፍታት፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝነበረ ሰፊሕ ሰፊሕ ቅሬታ ዛቃልዐ እዩ ነይሩ።

እቲ ተቓውሞታት ብዓቢኡ መራሒ ዘይነበሮንኳ እንተዀነ፡ ኣብ ጐድኒ ሲፉና ከምዝተጠርነፈ ዘርኢ መርትዖ የለን።

እንተዀነ፡ እቲ ሰነተር ንዝተፈለየ ዓይነት መሪሕነት ዝጠልብ ወለዶ ድምጺ ኮይኑ ክቐውም ፈቲኑ።

ኣብ ምዕራብ ኬንያ ብ1982 ዝተወልደ ሲፉና፡ ቅድሚ ናብ ፖለቲካ ምእታዉ፡ ከም በዓል ሞያ ሕጊ ኰይኑ እዩ ሰልጢኑ።

ኣብ 2017 ኣብ ናይሮቢ መንበር ሰኔት ንምዕዋት ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ፈተነ ብስዕረት ተዛዚሙ፤ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ብፀቢብ ኣፈላላይ ብምዕዋት ተመሊሱ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ንሰበስልጣን መንግስትን መራሕቲ ተቓወምትን ንምንቃፍ፡ ዋዛን ቅየዐን [ሳርካዝምን] ብምጥቃም፡ ከም ተቓላሳይ ፖለቲከኛ ሰፊሕ ዝና ፈጢሩ።

ኣብ ተለቪዥንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብቐሊሉ ዝልለ ሰብ እናዀነ መፂኡ፡ ዘራባታቱ ድማ ብቐጻሊ ኣቓልቦ ይስሕብ።

ሲፉና፡ ዘይከም ብዙሓት ፖለቲካዊ መራሕቲ እታ ሃገር፡ ምስ ደርቢ ሰብ ሃብቲ [ቢልዮኖራት] እታ ሃገር ዝተኣሳሰር ኣይኮነን።

እዚ ፍልልይ እዚ፡ ኣብቶም ብጽልዋ ገንዘብ ኣብ ፖለቲካ ተስፋ ዝቖረጹን ድሕሪ ንዓመታት ህዝቢ ብምድህላል ዝንቀፉ ሰባት፡ ሓድሽ ገጽ ንምርካብ ዝናፍቑን ትዅረት ወሲኹሉ ኣሎ።

ብዙሓት መንእሰያት ዝስዕብዎ ዘለዉ ኬንያዊ መንእሰይ ኤድዊን ሲፉና
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት መንእሰያት ዝስዕብዎ ዘለዉ ኬንያዊ መንእሰይ ኤድዊን ሲፉና

ፖለቲካዊ ወሃቢ ርእይቶ ማካርያ ጋይቶ፡ "ነዚ ህሞት ዝተፈጥረ ሰብ" [the man of the moment] ክብል ይገልጾ።

"ጉልበትን ተስፋን፡ ናይቲ ኣረጊት መሪሕነት ዘይኰነስ፡ ተባዕ ሓድሽ መጻኢ ክሓስብ ዝደፍር ወለዶ ይውክል።"

ጋይቶ ግን፡ ሲፉና ፖለቲካዊ መጻኢኡ ዘተኣማምን ከምዘይኰነ የጠንቅቕ።

"ሲፉና ብግቡእ እንተ ተመሪሑ ኣብ ጫፍ መሪሕነት ኬንያ ከቐምጦ ዝኽእል ዕድል እዩ፤ ኣብቲ ፕሪምየር ሊግ ክወዳደር እንተዘይክኢሉ ግን ናብ ቁልቍል ክውርወር ይኽእል እዩ" ክብል ጋይቶ ኣብ ጋዜጣ ኬንያ ዳይሊ ኔሽን ጽሒፉ።

ካልእ ተንታኒ ፖለቲካ ባራክ ሙሉካ፡ ሲፉና ነቲ ሕጂ ዘለዎ ተፈታውነት ናብ ዘላቒ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ክቕይሮ ኣለዎ ይብል።

"እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ሰነተር፡ ነቐፍቱ ዝደልዩዎ ከምዚ ዝበለ ሰብ ነይሩ ተባሂሉ ጥራይ'ዩ ክዝከር" ይብል ሙሉካ፡

"ታሪኽ፡ ነቶም ነቲ ልክዕ ህሞት ኣብ እዋኑ ዘይጥቀምሉ መራሕቲ፡ ዘናሕሲ ኣይኮነን" ይብል።

ምንቅስቓስ ሲፉና

ሲፉና ድሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ውዳበ ንምህናጽ ስጉምትታት ወሲዱ ኣሎ።

ኣብ ጥቅምቲ፡ ፍቓደኛ እንተዀይኑ ሕጹይ ፕረዚደንትነት ክኸውን ብመሓዙቱ ዝተሓፅየሉ፡ ኢክዊተብል ፓርቲ (TEP) ዝበሃል ሰልፊ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

እቲ ሰልፊ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ስሙ ናብ ምንቅስቓስ ሊንዳ ምዋናንቺ ናይ ምቕያር መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ፤ ገና ኣይተዛዘመን።

ኣብ ምጅማር፡ ሲፉና ኣብ ልዕሊ ተራ ኬንያውያን ፋይናንሳዊ ጾር ኣብ ምቅላል ዘተኮረ ቁጠባዊ ኣጀንዳ ኣልዒሉ ኣሎ።

ነቲ ኣካታዒ ዝኾነ ቀረጽ ኣባይቲ ክስርዞ፡ ኣብ ነዳድን ሓይሊ ኤለክትሪክን ዝኽፈል ተወሳኺ እሴት ግብሪ ክእለ፡ ብልሽውናን ብኽነት መንግስትን ክምክትን ንመንእሰያት ቁጠባዊ ዕድላት ከስፍሕን ቃል ኣትዩ።

ንሱ፡ ክኢላታት እቶም ሓሳባቱ ብኸመይ ከም ዝትግበር ንምግላጽ ዝያዳ ዝርዝር ማኒፌስቶ የዳልዉ ከምዘለዉ ይዛረብ።

ካብቲ ኣብ ህዝባዊ ሰልፍታት ብተደጋጋሚ ንበይኑ ዘልዕሎ ሩቶ፡ ርሱን ነቐፌታታት ይስሕብ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ብናይ ላግጺ ቃላት ተጠቒሙ ክጽውዖ እንከሎ፡ ነቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውዳበኡ ድማ "ባዶ ሰልፊ" ክብል ገሊጽዎ።

ሩቶ፡ ነቲ ሰነተር ካብ ፖሊሲታት መንግስቲ ዝኾነ ተኣማንነት ዘለዎ ኣማራጺ ከምዘይህብ ከሲሱ፡ ነቲ መደብ ኣባይቲ ምፍራስ ንስራሕ ኣብ ሓደጋ ከምዘእቱ ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ንመንግስቱ ንምድኻም ብድሕሪት ኰይኑ ንሲፉና ይድግፍ ከምዘሎ እውን ከሲሱ ኣሎ።

ኬንያታ ነቲ ክሲ ብግልጺ ኣይነጸጎን፡ ኣብ ክንድኡ ነቲ "ስፖንዮ" [መዋሊ] ዝብል መፀውዒ ብፀጋ ዝተቐበለ ይመስል።

እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ምልውዋጥ ቃላት፡ ምስ ሲፉና ብዝዛመድ፡ ሃገራዊ መረፃ ኬንያ- 2027፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ንሕንሕ ይመፅእ ምዘሎ ዘጉልሕ እዩ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ንሲፉና 'ባዶ' ክብል ገሊፅዎ
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ንሲፉና 'ባዶ' ክብል ገሊፅዎ

እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ሲፉና ነቶም ገለ ካብቶም ቀንዲ ተነሓናሕቲ ሩቶ ክኾኑ ትጽቢት ዝገበሩ ምሩጻት መራሕቲ ተቓወምቲ ሕቶ ኣሎ።

ምክትል ፕረዚደንት ነበር ካሎንዞ ሙስዮካን ምክትል ፕረዚደንት ነበር ሪጋቲ ጋቻጉዋን ትብዓትን ፖለቲካዊ ጽልዋን ብግልጺ ብምንኣድ፡ ምስኡ ኣብ ስሙር ጥምረት ተቓወምቲ ክሰርሑ ድልውነቶም ገሊጾም።

ጋቻጉዋ፡ እቲ ሰነተር ብርቱዕ ሕጹይ ኮይኑ እንተተቐልቂሉ፡ ኣብ ጐድኒ ሲፉና ኮይኑ ከገልግል ድሉው ክኸውን'ውን ከይተረፈ ሓሳብ ኣቕሪቡ'ሎ።

ብድሕሪ እዚ ህዝባዊ ምርኢታት ግን፡ ካልእ ከቢድ ፖለቲካዊ ስልሒት ኣሎ።

ሓያሎ ከበድቲ ተቓወምቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ፕረዚደንታዊ ድሌታት ኣለዎም፡

ተንተንቲ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተፈታውነት ሲፉና፡ ኣብ ሓደ ሕጹይ ንምስምማዕ ዝግበር ጻዕርታት ከተሓላለኸ ከምዝኽእል ይዛረቡ።

ፖለቲካዊ ውድባት ቅድሚ እቲ 10 ነሓሰ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ፡ ኣስማተን ሕጹያት ሕፁይ ፕረዚደንተን ናብቲ ቦርድ መረጻ ከቕርባን ክሳብ ግንቦት 2027 ግዜ ኣለወን።

ሓደ ተንታኒ ግምቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ዝዓበየ ብድሆኦም ኣብ ሓደ ሕጹይ ተሰማሚዖም፡ ተቐናቐንቲ ደምበታት ከይተረሓሓቑ ወይ ነቲ ጸረ ሩቶ ዝኾነ ድምጺ ከይመቓቐሉ'ዩ" ኢሉ።

ሲፉና ከም ሓላዊ ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ፖለቲካ ኬንያ ዓቢ ሰብ ኰይኑ ዝጸንሐ ነፍስሄር ራይላ ኦዲንጋ (የማን) ኮይኑ ብሰፊሑ ይረአ
መግለጺ ስእሊ, ሲፉና ከም ሓላዊ ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ፖለቲካ ኬንያ ዓቢ ሰብ ኰይኑ ዝጸንሐ ነፍስሄር ራይላ ኦዲንጋ (የማን) ኮይኑ ብሰፊሑ ይረአ

ካልእ ብድሆ

ሲፉና፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ብሄራት ኬንያ ዝዀነ - ማሕበረሰብ ሉህያ ዝወፅአ ኮይኑ፡ ምንቅስቓሱ ግን ኣብ ዙርያ ብሄራዊ መንነት ዝተሃንጸ ዘይኮነስ፡ ከም ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኰይኑ ክቐርብ ክግደድ እዩ።

ነዚ ባህጊ ክበጽሖ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ገና ርግጸኛ ኣይኮነን።

ምንቅስቐሱ፡ ተስፋ ፈጢሩ እኳ እንተሎ፡ ገና ግን ድልዱል መሓውር ንምቛም፡ ሃገርለኸ ጎስጓስ ንምምዋልን መረፃ እናቐረበ ምስ ከደ ናህሩ ንምቕጻልን፡ ብድሆ ክገጥሞ ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይግምቱ።